ኣብ እማመ ባጀት 2016 ኢትዮጵያ ሰብሞያ ቍጠባ እንታይ ይብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝጸደቐ እማመ በጀት 2016 [ግእዝ] ኢትዮጵያ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተዘትዩሉ ኣሎ።
ንዓመተ 2016 ዝቐረበ ጠቕላላ በጀት 801 ነጥቢ 65 ቢልዮን ብር እዩ። ካብዚ እቲ 370.1 ቢልዮን ብር ንስሩዕ ወፃኢ፣ 203.4 ቢልዮን ብር ንካፒታል ወፃኢ፣ 214 ቢልዮን ብር ንክልላት ዝውዕል ድጐማ፣ 14 ቢልዮን ብር ድማ ንደገፍ ትግባረ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ክኸውን ብዝብል እዩ ቀሪቡ።
እዚ በጀት እኹል ዶ ይኸውን?
እቲ ብብር ዝተጠቐሰ ድምር ባጀት ናብ ዶላር እንተቐይርናዮ ኣስታት 14.5 ቢልዮን ዶላር እዩ ዝኸውን። ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ክኢላ ልምዓት ቍጠባን ተመራማሪን ምዑዝ ሓዱሽ (ዶ/ር)፡ ነቲ ኲናትን ቍጠባዊ ሃጓፍን ዝፈጠሮ ክፍተት ክሽፍን ከምዘይክእል ይዛረብ።
ምስዚ ሓሳብ ዝሰማምዑ ምሁር ስነ-ቝጠባ ጉቱ ቴሶ (ዶክተር)፡ እቲ ባጀት ምስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝፀደቐ ክነጻጸር እንከሎ ቅሩብ ዕብየት'ኳ እንተሃለዎ፡ “ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝወረደ ዕንወትን ምቍራጽ ንጥፈታት ወፍሪን ኣብ ግምት ብምእታው ግን፡ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ኣይኰነን” ክብል ይገልጽ።
እቲ መንግስቲ ዘዳልዎ ባጀት ብመንጽር እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ናህሪ ዋጋታት ክምዘን እንከሎ ውሑድ ምዃኑ’ውን ኣመልኪቱ።
ዶክተር ጉቱ፡ ዕዳጋ ዝምራሕ በቲ ዶላር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዝሽየጠሉ ዘሎ ሕሳብ ከምዝዀነ ብምሕባር እቲ ልዕሊ 801 ቢልዮን ብር ባጀት ካብ ሸሞንተ ቢልዮን ዶላር ከምዘይበዝሕ ይጠቅስ።
"እዚ ማለት ከኣ እታ ሃገር ቅድሚ ሸውዓተ ወይ ዓሰርተ ዓመት ዝነበራ በጀት እዩ። ስለዚ እዚ ባጀት ኢትዮጵያ ንድሕሪት ከምዝተመለሰ እዩ ዘርእየና" ይብል።
እቲ ባጀት ንኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ኵነታት ቅሩብ እውን ናብ ቅድሚት ከሰጕማ ተኽእሎ ከምዘይብሉ ዝገልፅ ዶክተር ምዑዝ ብወገኑ፡ "ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንዕቝር ሃብቲ እታ ሃገር ኢና ክንበልዕ ጸኒሕና" ብምባል ሓሳቡ የረድእ።
መንግስቲ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበሮ ንህንጸት ሓደስቲ ካፒታል ፕሮጀክትታት ዝኸውን ባጀት ንምንታይ ከምዘይሓዘ፡ መብርሂ ዝጠልብ ሕቶ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ነይሩ።
እዚ ሕቶ ዝተልዓለ ድማ ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ፡ ባጀት 2016 ዝምልከት መግለፂ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ።
መንግስቲ ባጀት ከዳሉ እንከሎ፡ "ዋላ እቶም ተጀሚሮም ዝጸንሑ ካፒታል ፕሮጀክትታት ናይ ክፍሊት ግዜኦም ኣጻቢብካ ወጻኢታት ምንካይ ከምዘድሊ ኣብ ግምት ምእታዉ” እቲ ሚኒስተር ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።
ብኲናት ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ትዅረት ክገብር ከምዝተሓሰበ እውን ገሊፁ።
ምሁር ስነ-ቝጠባ ዶክተር ምዑዝ "ንሽሙ ሃገር በቈል ኢኮኖሚ ኢና ንኽተል ይበሃል እምበር ኣብ ከም ሕርሻ፡ ፖሊሲ ገጠርን ከተማን፡ ኢንዱስትሪ፡ ንግድን ፋይናንስን ዝኣመሰሉ ዓውድታት እንታይ ለውጢ ከምዝተገብረ ግን ኣይገልጽን" ብምባል ነቲ ኣብታ ሃገር ኣሎ ዝበሎ ቍጠባዊ ውድቀት ይነቅፍ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ድማ ብዘይካ እቶም ‘ፕሮጀክትታት ጫካ’ ብዝብል ዝግለፁ ፕሮጀክትታት ፓርክታትን ልምዓት ኣግራብን ካልኦት ኣብታ ሃገር ተጀሚሮም ዝፀንሑ ሜጋ ፕሮጀክትታት ክሳለጡ ከምዘይተረኣየ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።
ከም ባቡርን መስኖን ዝበሉ ዝርከብዎም ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብዝምልከት እውን ፈጺሙ ከምዘይለዓል ትዕዝብቱ የቐምጥ።
ዋጋታት ብዝለዓለ ድሕሪ ምውሳኹ፡ መግቢ ዝተኣሳሰሩ ንብረታት ክሳብ 46 ሚአታዊት ወሰኽ ዋጋ ይርአ ኣሎ። እዚ ድማ ናብቲ 'ሃይፐር ኢንፍሌሽን' ዝበሃል ናብ 50 ሚእታዊት ዝቐርብን ኣዝዩ ዝለዓለን ናህሪ ዋጋታት ዝጽጋዕ እዩ።
እቲ ዝቕባበ ዋጋ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክመፅእ ከም ዝኽእል ዝጠቅስ ዶክትር ምዑዝ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ግን ጥረ ገንዘብ ካብ ቍጽጽር ሃገራዊ ባንኪ ወጻኢ ብዝዀነ ኵነታት ኣብ ዕዳጋ ብብዝሒ ክብተን ከሎ ከምዝኾነ የረድእ።
“እቲ ዝተኻየደ ኲናት ነቲ ቍጠባ ብኽልተ መንገዲ እዩ ኣድቂቕዎ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናብታ ሃገር ካብ ዝኣተወ ንብረት ንላዕሊ ኣጽዋር እዩ ክኣቱ ጸኒሑ። እዚ ድማ ነቲ ሸርፊ ወጻኢ በሊዕዎ። ካልኣይ ከኣ ናይ ወጻኢ ይዅን ናይ ውሽጢ ሃገር ወፍሪ ዘይምህላዉ እዩ። ወፍሪ እንተዘይሃልዩ ዕብየት ዝሕሰብ ኣይኮነን" ይብል።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከርአ እንከሎ እቲ ን2016 ክጸድቕ ዝተሓሰበ ባጀት ንእሽቶ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዓቕሚ ብር ብመንፅር ዶላር ኣዝዩ ይደክም ምህላዉ ድማ ተወሳኺ ጸገም ከምዝዀነ የረድእ።
"ኣብ ፖለቲካ ኣጭበርቢርካን ሸፋፊንካን ምሕላፍ ይከኣል ይኸውን እዩ፤ ቍጠባ ግን ከምኡ ኣይኮነን። ዝርአን ዝዕቀንን ስለዝኾነ ምሽፍፋን ኣይከኣልን" ክብል ንኽብደት ቍጠባዊ ምድኻም እታ ሃገር የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ግብሪ፡ ኣለቃሕትን ለገስትን ዝምላእ ባጀት
ንዝቕፅል ዓመት ካብ ዝቐረበ ጠቕላላ በጀት፡ እቲ 281 ቢልዮን ብር ከም ጉድለት ወይ ሕፅረት በጀት ተቐሚጡ’ሎ።
እዚ ጉድለት ባጀት ድማ ብናይ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ልቓሕ ከምዝሽፈን ሚኒስተር ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ንኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ሚኒስተር ከምዝበሎ ካብዚ ብጉድለት ዝተቐመጠ መጠን ገንዝብ እቲ 39 ቢልዮን ብር ብናይ ወፃኢ ልቓሕ ዝሽፈን ኰይኑ ዝተረፈ 242 ቢልዮን ብር ካብ ልቓሕ ውሽጢ ዓዲ ክምላእ እዩ።
መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ግቡእ መጠን ግብሪ ክእክብ ከምዝኸኣለ ዝኣምን ዶክተር ምዑዝ ካብ ግዳማዊ ምንጭታት ዝመጽእ፡ እዅል ገንዘብ ከምዘይተረኸበ የመልክት።
"እቲ ጕድለት ይፅነሓልና'ሞ፡ እቲ መንግስቲ ካብ ካዝናይ ከቕርቦ እየ ዝብሎ ገንዘብ'ውን ምሉእ ብምሉእ ዘለዎ ኣይመስለንን። እታ ሃገር ኣብ ዕግርግርን ግጭትን እያ ዘላ። ነዚ መፍትሒ ከየበጀወት ‘ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣዋህሊለ ባጀተይ ክሽፍኖ እየ፤ ነቲ ጕድለት ክመልእ እየ' ምባል ብተግባር ቀሊል ኣይክኸውንን” ክብል ይምጕት።
ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ካብ ናይ ደገ ሓገዝ ክሳብ 7.5 ቢልዮን ዶላር ከምኡ’ውን ካብ ቀጥታዊ ወፍሪ ወጻኢ ኣስታት 5 ቢልዮን ዶላር ይርከብ ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፡ "ሎሚ እዚ ኵሉ ተሪፉ እዩ፤ ስለዚ ካብዚ ብምብጋስ እቲ ጉድለት ኣይሽፈንን እዩ" ዝብል መደምደምታ ኣለዎ።
ንሱ፡ ነቲ ጕድለት ክመልእ ዝኽእል ናይ ወጻኢ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ወይ ልቓሕ ክህልው ከምዘይክእልን እንተመጺኡ ድማ "መሊኡ ዝፈስስ ዘይኰነስ ጨረቕረቕ ዝብል ከምዝኸውን” ይገልጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ክእክቦ ዝወጠኖ ሓፈሻዊ እቶት 520 ነጥቢ 6 ቢልዮን ብር እዩ። ካብዚ እቲ 440 ነጥቢ 8 ቢልዮን ብር ካብ እቶት ግብሪ ክእከብ ትልሚ ዝተታሕዘ ኰይኑ እዚ ድማ 84 ነጥቢ 7 ሚእታዊ እዩ።
እዚ መጠን ገንዘብ ካብቲ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ክእከብ ዝተተለመሉ ብ26.7 ሚእታዊት ወሰኽ ኣለዎ።
ኣብ ዝቕጽል በጀት ዓመት ንኣታዊታት ግብሪ ዝያዳ ትዅረት ከምዝህብ'ኳ እንተገለጸ፡ ካብ ግብሪ ዘይኰኑ ምንጭታት ዝእከብ እቶት እውን ኣብ ግምት ከምዝኣቱ ኣፍሊጡ’ሎ።
"ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ምእካብ ቀሊል ኣይኮነን" ዝብል ክኢላ ስነ-ቝጠባ ጉቱ፡ ግብሪ ንብረት ሓዊሱ ሓደስቲ ኣገባባት ምእካብ ገንዘብ ግብራዊ ክዀኑ ከምዝፀንሑ የመልክት።
ኣብታ ሃገር ቍጠባዊ ምዝሕሓል ከምዝተረኣየ ብምጥቃስ ድማ "ቅድሚ ሎሚ ጕድለት ባጀት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን መንግስቲ ብልቓሕን ድጋፍን ይሽፍኖ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን እቲ ጉድለት ባጀት ኣብ ምምልኡ ጥርጣረታት ኣሎኒ፡" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC/ GETTY IMAGES
ዕዳጋ ምርግጋእ ኣጸጋሚ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ናይ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ልቓሕ ምምላስ እውን ከቢድ ከምዝኸውን ጠቒሱ።
ናይዚ ኵሉ ውህሉል ውጽኢት፡ እቲ ኣብ ሓደ እዋን ብዝለዓለ ናህሪ ዝዓቢ ዝነበረ ቍጠባ ኢትዮጵያ፡ "ብዝነበሮ ንምዕቃብ እውን ኣጸጋሚ ኰይኑ'ሎ" ክብል የረድእ።
መንግስታዊ ወጻኢታት ብምንካይ፡ ግብሪ ብምእካብ ከምኡ’ውን ልቓሕን ድጋፍን ኣብ ዝረኽበሉ ኣማራጺ ብምስራሕ ነቲ ዝፍጠር ጸቕጢ ከጕድል ከምዝኽእል እዩ እቲ ምሁር ዝምዕድ።
ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ባጀት ዓመት ቍጠባ ኢትዮጵያ ብ7 ነጥቢ 5 ሚእታዊ ዕብየት ከምዝህልዎ ተገሚቱ ከምዝነበረ ዝተዛረበ ሚኒስተር ኣሕመድ ሽዴ ኣብ ባጀት ዓመት 2016 ድማ 7.9 ሚእታዊት ዕብየት ክምዝገብ ትጽቢት ይግበር ኢሉ።
ዕድል ስራሕ ዘይፈጥር ባጀት
ምቍራፅ ሓገዝን ልቓሕን ኣብዚ ዓመት ይዅን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዓቢይ ፀቕጢ ከምዘምጽአ ዝዛረብ ዶክተር ጉቱ፡ ሓድሽ ዕድል ስራሕ ምፍጣርስ ይትረፍ ነቲ ዝነበረ’ውን ኣብ ስርሑ ክቕጽል ንምግባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምንባሩ ይገልጽ።
ኣቶ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ብዛዕባ ባጀት መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ እዋን፡ መንግስቲ ኣብ ባጀት 2016 ዝዀነ ይዅን ሰራሕተኛ መንግስቲ ከምዘይቈጽር ምግላፁ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ይሕብራ።
ንዶክተር ጉቱ ግን እዚ ውሳነ "ሓይሊ ሰብ ኣየድልን ማለት ዘይኮነስ እቲ ክቘጽር ከምዘይክእል ዘፍለጠ መንግስቲ መሃያ ክኸፍል ኣይክእልን እየ ኢሉ ስለዝሓስብ እዩ" ይብል።
መንግስቲ በብዓመቱ 2.5 ሚልዮን ዕድላት ስራሕ ክፈጥር ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ እቲ ውሳነ ጸቕጢ ከምዝህልዎ ንምግምጋም ክኢላ ስነ-ቝጠባ ምዃን ከምዘየድሊ ይዛረብ።
እቲ ጸገም ካብ ሃገር ክሳብ ስድራ ከምዝዝርጋሕ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ንሱ ከምዝብሎ ስራሕ ምፍጣር፡ ምምጥጣን ሰደድን እቶትን ከምኡ'ውን ምርግጋእ ዕዳጋ ንቝጠባ ሓንቲ ሃገር ንምዕቃን ቀንዲ እዮም።
ሓንቲ ሃገር ዕድል ስራሕ ክፈጥር አይክእልን ምባላ፡ ናብ ፀገም ትኣቱ ምህላዋ ምግማት ዘኽእል ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፡ ወሰኽ ኣፍራይነትን ዕድል ስራሕን ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ቍጠባዊ ዕብየት ኣሎ ንምባል ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ ዝሕብር።
ኣብዚ ዓመት’ውን ደሞዝ ዘይተኸፈሎም ሰራሕተኛታት ከምዘለዉ ዝጠቐሰ ዶክተር ምዑዝ ብወገኑ፡ "ብገለ ምኽንያት ዝዓነወ ቍጠባዊ ዓንዲ ብብዙሕ ነገራት ለኪሙ እዩ ዝዓኑ። ወፍሪ እታ ሃገር ምህሳዩ ድማ ብዙሕ ሳዕቤናት ሒዙ መጺኡ ኣሎ፡" ይብል።
ባጀት ክልላት
ንባጀት 2016 ክፀድቕ ካብ ዝተወጠነ ልዕሊ 801 ቢልዮን ብር እቲ 50 ቢልዮን ብር ንሚኒስተር ምክልኻል ከምዝመደበ ካብቲ እማመ ባጀት ምርዳእ ይከኣል።
" . . እቲ ንምክልኻል ዝተሓሰበ በጀት ክጐድል ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። እንተዀነ እታ ሃገር ኣብ ጸገማት ስለዘላ እቲ ንመከላኸሊ ዝተመደበ ባጀት እዅል ኣይመስለንን። ብሓፈሻ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝተመደበ ባጀት እዅል እዩ ኢለ ኣይሓስብን" ይብል ዶክተር ጉቱ።
ኣብ ባጀት 2015 ንምክልኻል ዝተመደበ በጀት 84 ቢልዮን ብር እዩ ነይሩ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ባጀት 2014 [ግእዝ] እውን 22 ቢልዮን ብር ካብ ዝምደበሉ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ተወሳኺ 90 ቢልዮን ብር ብምርካቡ ንፈለማ እዋን ባጀት ምክልኻል ሃገር ልዕሊ 100 ቢልዮን ብር ሰጊሩ።
ንባጀት ዓመት 2016 ንድጐማ ክልላት 214 ቢልዮን ብር ተመዲቡ ኣሎ።
- ትግራይ - 12.5 ቢልዮን
- ኦሮሚያ - 71.9 ቢልዮን
- ኣምሓራ - 45.1 ቢልዮን
- ብሄራትን ህዝቢታትን ደቡብ - 26.9 ቢልዮን
- ሶማል - 20.8 ቢልዮን
- ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ - 6.4 ቢልዮን
- ሲዳማ - 8.5 ቢልዮን ንሲዳማ
- ዓፋር - 6.3 ቢልዮን
- ቤንሻንጉል - 3.8 ቢልዮን
- ጋምቤላ - 2.7 ቢልዮን
- ሃረሪ - 1.5 ቢልዮን
- ኣዲስ ኣበባ - 5.2 ቢልዮን
- ድሬዳዋ - 1.8 ቢልዮን ክመቓራሕ መደብ ወጺኡ ኣሎ።

እቲ ንክልላት ዝተወጠነ ባጀት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብምንጽጻር ልዕሊ 2 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ይንገር።
ካብቲ ዝቐረበ እማመ ባጀት፡ እቲ 20 ቢልዮን ብር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ንዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ዳግም ንምህናጽ ተመዲቡ ኣሎ።
ዶክተር ጉቱ፡ እቲ ሓድሽ እማመ ባጀት ንዳግመ-ህንፀት እቲ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት እዅል ቆላሕታ ከምዘይሃበ የተሓሳስብ።
ካልእ ስክፍታ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰላም ዘይምህላዉ ነቲ ጸገም ከጋድዶ ይኽእል ዝብል እዩ።
ንክልላት ዝተመደበ ባጀት ብዙሕ ከምዘይኰነ ዝገለጽ እቲ ምሁር ቍጠባ፡ ኣብ ምምቕራሕ ባጀት ዝጥቀምሉ መዐቀኒታት ዳግማይ ክምርመር ከምዘለዎ እውን ጠቒሱ።
ምሁር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ምዑዝ እውን "ኣብ ትግራይ መሰረተ ልምዓት ጥራይ ኣይኰነን ዓንዩ። እቲ ኢኮኖሚ ከም ዘለዎ እዩ ዓንዩ።
ኣብ ትግራይ ኣስታት 161 ሽሕ ትካላት ንግዲ እየን ተዓጽየን ጸኒሐን። . . . ነታ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊን ትሕተ ቅርጻዊን ዕንወት ዝወረዳ ትግራይ እውን እዅል ኣይኮነን" ብምባል ብትሪ ይገልጽ።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ እማመ ባጀት 2016 ድሕሪ ምዝታይ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ትልሚ፡ ባጀትን ፋይናንስን ንዝርዝር ገምጋም መሪሕዎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







