ኢትዮጵያ፡ ምምሕያሽ ፖሊሲ ገንዘብ ሃገራዊ ባንኪ ብዓይኒ ምሁራት

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንገንዘብ ኣብ ዝምልከት ፖሊሲ ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
ቦርድ ዳይረክተራት እቲ ባንክ፡ ብ1 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ግእዝ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ናይ ገንዘብ ፖሊሲ ምምሕያሻት ክግበር ወሲኑ። እቲ ምምሕያሽ ከኣ ንዋጋታት ንብረትን ብቐፃልነትን ንምንካይ ዝዓለመ ምዃኑ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ኣቶ ማሞ ምህረቱ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ከም ኮቪድ፡ ግጭትን ድርቅን፡ ሕፅረት እቶት መንግስቲ፡ ወሰኽ ፀቕጢ ወፃኢታትን ዝኣመሰሉ ረቛሒታት፡ ፋይናንሳዊ ፀገማት እታ ሃገር ከምዝሰፍሐ ኣቶ ማሞ ሓቢሩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ጉድለት ባጀት መንግስቲ ብምውሳኹ፡ ከምኡ’ውን ናይ ወጻኢ ልቓሕን ሓገዝን ድሩት ብምዃኑ፡ መብዛሕትኡ ጉድለት ባጀት ካብ ውሽጣዊ ፋይናንሳዊ ምንጭታት ብዝርከብ ልቓሕ ክሽፈን ግድን ከም ዝዀነ እዩ ተገሊጹ።
እቲ ባንኪ፡ ኣብ 2016 ዓመት ባጀት ናይ መወዳእታ ዕብየት ውሽጣዊ ልቓሕ ብ14 ሚኢታዊ ክድርት ወሲኑ ኣሎ።
ሃገራዊ ባንክ፡ ኣብታ ሃገር ንዝርአ ዝቕባበ ዋጋ፡ "ናይ ቀረብ፡ መዋቕራውን ፊስካላውን ጸገማት" ከም ምኽንያት ከም ዘቕረበ ምሁር ስነ-ቑጠባ ዓብዱልመናን መሓመድ ይገልጽ።
ኣብ ቁጠባ ብዝሒ ገንዘብ ምህላው እውን ከም ረቛሒ ተጠቒሱ እዩ።
"ኣብ ቁጠባ፡ ብሰንኪ ባንክታት ዝህብኦ ልቓሕ እዩ ገንዘብ ዝበዝሕ ። ሃገራዊ ባንክ ከኣ ነዚ ክቆጻጸሮ ኣለዎ" ይብል እቲ ክኢላ።
እቲ ባንኪ ዕብየት ውሽጣዊ ልቓሕ ብ14 ሚእታዊት ምግዳቡ ቀጥታዊ (ተዘዋዋሪ ቁጽጽር እውን ኣሎ) ዝበሃል ኣገባብ ቁጽጽር ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ቁጠባ ዘሎ ገንዘብ ብቀጥታ ንምቁጽጻር ዝውዕል መጠን ልቓሕ ንምድራት ምዃኑ ይሕብር።
"ዕላምኡ፡ ዝቕባበ ዋጋታት ንምንካይ'ዩ" ከኣ ይብል።
ኣቶ ኣየለ ገላን፡ ኣብ ኢንስቲትዩት ሳይንሳዊ ምርምር ኩዌት ተመራማሪ ቁጠባ እዩ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማእከላይ ዕብየት ልቓሕ ባንክታት 30 ሚእታዊት’ዩ ነይሩ። ዕብየት ልቓሕ ውልቃዊ ባንክታት 16 ሚኢታዊ ክኸውን እንከሎ ናይ ባንክታት መንግስቲ ድማ 53 ሚኢታዊ ከም ዝነበረ ይሕብር።
ስለዝዀነ ድማ "ንዝቕባበ ዋጋታት ዝጸሉ ዘሎ እቲ ብባንክታት መንግስቲ ዝወሃብ ልቓሕ እዩ" ይብል።
ኣብ ምዕቡላት ሃገራት፡ ዝቕባበ ዋጋታት ምስ ዝውስኽ ባንክታት ንዓማዊል ምልቃሕ የጉድላ ወይ ደው የብላ። እዚ ዝዀነሉ ድማ ሓደ ተለቃሒ ሓድሽ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ትጽቢት ስለዘይግበር’ዩ።
ልቓሕን ዝቕባበን ምትእስሳር ዝህልዎም ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ከም ዝዀነ ኣቶ ኣየለ ይገልጽ።
እቲ ክኢላ፡ ኣብታ ሽቕለት ኣልቦነት ካብ 30-40 ሚእታዊት ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ "ልቓሕ ብምሃብ ስራሕ ዘይብሎም ክሰርሑን ከፍርዩን ከምዝኽእሉ ክግበር እናተገበአ፡ 'ልቓሕ ብምቁጽጻር ዝቕባበ ዋጋታት ክንከላኸል ኢና' ምባል ኣብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ምውሳኽ ማለት’ዩ" ይብል።
ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ፡ ጠንቂ እቲ ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ዕዳጋ ዘሎ ሕጽረት ምህርቲ ምዃኑ ይዛረብ።
ንኣብነት ኣብ ዕዳጋ እኹል ምህርቲ እንቋቑሖ ብዘይምህላዉ ዋጋ እንቋቑሖ ይውስኽ ከም ዘሎ ይጠቅስ።
"ሃገራዊ ባንኪ'ውን ኣብ ዓቕሚ ምዕዳግ ዘይኰነስ ኣብ ቀረብ ፀገም ከም ዘሎ ተኣሚኑ’ዩ" ይብል።
ልቓሕ ብምቁፅፃር ዝቕባበ ዋጋ ምምካት ይከኣል’ዩ ምባሉ ግን ምስ ናይ ባዕሉ ሓሳብ ዝፃረር ምዃኑ ወሲኹ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተዋህበ 428 ቢልዮን ብር ልቓሕ፡ እቲ ዝወሓደ ንሕርሻ፡ ኢንዳስትሪን ማኑፋክቸሪንግን ከም ዝተዋህበ የመልክት።
እዚ ማለት ኣብ ዕዳጋ ተደላዪ ንዝነበሩ ፍርያት ሕርሻን ኢንዱስትሪን ግቡእ ልቓሕ ኣይተወሃበን።
መብዛሕትኡ ልቓሕ ንንግዲ ሰደድ’ዩ ተዋሂቡ። እዞም ዓውድታት/ዘፈራት ዝረኸብዎ ልቓሕ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ400 ሚኢታዊ ከም ዝወሰኸ ገሊጹ።

“ሃገራዊ ባንክ ልቓሕ ብ14 ሚእታዊት ምድራት ገዲፉ ኣብ ክንድኡ ልቓሕ ክውስኽ ይግባእ። እቲ ልቓሕ ድማ ነቶም ፍርያት ዘፍርዩ እንተተዋሂበ ይሓይሽ" ይብል ኣቶ ኣየለ።
ተመራማሪ ስነ-ቑጠባ ዓብዱልመናን፡ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ተወሲዱ ዝቕባበ ዋጋ ናብ ሓደ ኣሃዝ ንምውራድ ተኻኢሉ ከም ዝነበረ ይዝክር።
እዚ ናይ ሕጂ ውሳነ ሃገራዊ ባንኪ "ውጽኢት ኣለዎ" እኳ እንተበለ፡ "ኣሉታዊ ጽልዋ'ውን ክህልዎ” ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ሃገራዊ ባንክ ነቲ ብኣስታት 30 ሚእታዊት ዝዓቢ ዝነበረ ዓመታዊ ልቓሕ ናይተን ባንክታት "ብ14 ሚእታዊት ምድራቱ፡ ናብ ትሕቲ ፍርቂ ምውራድ ማለት'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ዝለዓለ ፍጥነት ዝነበረት መኪና፡ ፍጥነታ ብቕጽበት ብፍርቂ እንተነክዩ፡ ክትግልበጥ ከም እትኽእል እቲ ክኢላ ብኣብነት የረድእ።
ብተወሳኺ እቲ ውሳነ ልዑል ምንካይ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ከስዕብ ከም ዝኽእል ስክፍታኡ ገሊጹ።
መብዛሕትኡ ብልቓሕ ዝድረኽ ዘፈር ኮንስትራክሽን፡ ስእነት ልቓሕን ምንካይ ዋጋ ንብረትን ከጋጥሞ ይኽእል’ዩ ይብል።
ናይ ክልቲኡ ድምር፡ ናይ ተለቃሕቲ ናይ ምኽፋል ዓቕሚ ብምድኻም "ዋጋ ንብረታት ትሕጃ ብምንካይ ኣብ ባንክታት ጸገም ከስዕብ ይኽእል’ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እቲ ውሳነ ናይ ባንክታት ናይ ምልቃሕ ዓቕሚ ስለዝድርት፡ "ባንክታት ተለቃሕቲ ናብ ምምራጽን መቑነን ናብ ምምዳብን ከእትወን’ዩ። ዘልቅሕኦ ገንዘብ እውን ስለዝቕንስ ብልሽውና ከስዕብ ይኽእል’ዩ" ክብል ኣብሪሁ።
ባንክታት መጠን ወለድ ክውስኻ ከም ዝኽእላ እውን ጠቒሱ።
“ዋላ ዋጋታት እንተተረጋጊኦም፡ ዘፈር ባንክታት ከይረጋግእ ይኽእል’ዩ። ብልሽው ልቓሕ እውን ክውስኽ ይኽእል’ዩ። ቁጠባዊ ምዝሕሓል ድማ ልቓሕ ናይ ምክፋል ዓቕሚ ከዳኽም ይኽእል'ዩ።"
ኣቶ ኣየለ ሃገራዊ ባንኪ መንግስቲ ዝወስዶ ልቓሕ ምድራቱ ብዝምልከት ዝተፈለየ ሓሳብ ኣለዎ።
"ናይ መንግስቲ ልቓሕ ይንኪ ዝብል እምነት የብለይን" ይብል።
"መንግስቲ ነዚ ኩሉ ክልቃሕ ኣለዎ ኢሉ ስለ ዝኣምን ዘይኰነስ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ሕጂ ዘላትሉ ኵነታት (ኲናትን ካልእ ነገራትን) ክትዕገስ ኣለዋ ኢለ ስለዝኣምን እየ። ምንካይ ቅኑዕ እዩ፤ ሕጂ ግን ኣይኰነን።"
ሃገራዊ ባንክ፡ ባንክታት ንልቓሕ ህጹጽ እዋን ዝኸፍልኦ መጠን ወለድ ካብ 16 ናብ 18 ሚእታዊት ክብ ከምዝብል ገይሩ’ዩ።
ኣቶ ኣየለ በዚ ኣይሰማማዕን። "ዕብየት ልቓሕ ብ14 ሚእታዊት ምንካይ ቅኑዕ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እዚ’ውን ቅኑዕ ምኾነ" ይብል።
ባንክታት፡ ንግድን ወፍሪን ንምትብባዕ ንዝህብኦ ልቓሕ ዝኽፈል ወለድ ካብ 5 ሚእታዊት ክበልጽ ከም ዘይብሉ ሓሳብ የቕርብ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ባንክታት ብካብ 18 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ወለድ የለቅሓ ኣለዋ። ገለ ትካላት ማይክሮፋይናንስ ድማ ክሳብ 29 ሚእታዊት ከም ዝልቅሓ እሰምዕ ኣለኹ። እቲ ሕጂ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሃረፃ [ሓረጣ] ’ዩ ዝመስል። እዚ ዓቢ ቁጠባዊ ገበን እዩ" ይብል።
ብኣንጻሩ ወለድ ብምንካይን ድኻታት ንነብሶምን ሃገሮምን ክቕይሩ ብምልቃሕ ክሕግዘኦም ይግባእ ነይሩ ይብል።
ሃገራዊ ባንክ ወለድ ልቓሕ ናብ 18 ሚኢታዊ እንተድኣ ኣዕብይዎ፡ ባንክታት ናብ 22 ሚኢታዊ ከዕብያ ከም ዝግደዳ ብምሕባር “እዚ ነቲ ጸገም ቁጠባ ዝፈትሕ ዘይኰነስ ዘጋድድ’ዩ። እንታይ ይሓስቡ ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን" ኢሉ።
ባንክታት ኢትዮጵያ 7 ሚኢታዊት ገንዘበን ብጥረ ገንዘብ ኣብ ሃገራዊ ባንክ እየን ዘቐምጣ። እተን ባንክታት ንሓድሕድ ክፍሊት ዝኸውን ናይ ሓባር ሕሳብ ኣለወን።
ባንክታት ብዙሕ ልቓሕ ምስ ዝህባ ሕጽረት ገንዘብ የጋጥመን’ዩ።
ዓብዱልመናን፡ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ባንክታት ብተደጋጋሚ ጸገም ሊኲዲቲ (ሕጽረት ገንዘብ) ዘጋጥመን ዘሎ በዚ ምኽንያት ከም ዝዀነ የመልክት።
እዚ ምስ ዝኸውን "እተን ባንክታት ንሕብረተሰብ ይኹን ንሓድሕደን ክኸፍላ ክጽገማ እየን" ይብል።
ኣብዚ እዋን፡ እተን ባንክታት ናብ ሃገራዊ ባንክ ይጥምታ።
ሃገራዊ ባንክ ነዚ ቅድሚ ሕጂ 16 ሚእታዊት ዝነበረ ወለድ ልቓሕ ናብ 18 ሚእታዊት’ዩ ኣዕብይዎ ዘሎ።

“ዕላምኡ ኣብተን ባንክታት ስርዓት ንምፍጣር እዩ። . . . ሃገራዊ ባንክ፡ ልቓሕ እንተደሊኽን ብዙሕ ወለድ ክኸፍለክን እየ ኢሉ ይዓግተን’ዩ ዘሎ።"
ነቲ ውሳነ እወታዊ እዩ ዝብል ዓብዱልመናን፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ባንክታት ብዙሕ ልቓሕ ስለ ዝሃባ ዝተፈጠረ ጸገም ብምዃኑ፡ ሃገራዊ ባንክ ነተን ባንክታት ስርዓት ከምዝሕዛ ምግባር ግቡእን ኣገዳሲን ከም ዝዀነ ይጠቅስ።
“እተን ባንክታት ኣብ ምሕደራ ሊኲዲቲ (ሕጽረት ገንዘብ) ትርር ክብላ ኣለወን። እንተዘይኰይኑ ንልቓሕ ናብ ሃገራዊ ባንክ እንተመጺአን ልዑል ወለድ ክኽፈለን እዩ ማለት'ዩ።"
ሃገራዊ ባንክ፡ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምትሕልላፍ ግዴታ ሰደድቲ ካብ 70/30 ናብ 50/50 ቀይርዎ ኣሎ።
ዓብዱልመናን እዚ ውሳነ ሃገራዊ ባንክ "ኣዝዩ ዓቢን ዘመስግኖን" እዩ ይብል።
ነጋዶ ሰደድ ኣብ ዝልእክሉ እዋን ሃገራዊ ባንኪ 70 ሚኢታዊት፡ ባንክታት 10 ሚኢታዊት፡ ሰደድቲ ድማ 20 ሚኢታዊት ይኸፍሉ ነይሮም።
70/30 ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ኣስታት ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ኲናትን ካልኦት ነገራትን ናይ መንግስቲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ጠለብ ክብርኽ ብምግባሩ ዝተወሰነ እዩ ነይሩ።
"ሰደድ ዘተባብዕ ኣይኰነን" ይብል። ብዙሓት ሰደድቲ እውን ኣምፃእቲ እዮም። በቲ ሰዲዶም ዝረኸብዎ ገንዘብ ካልእ ነገር ናብ ሃገር ከም ዘእትዉ ይገልጽ።
ስለዚ ድማ እዩ እቲ ውሳነ መጀመርትኡ’ውን "ንንግዲ ወጻኢ ኣዝዩ ዝሃስይ’ዩ" ዝብል።
"እዚ ውሳነ ተስፋ ዝህብን ንንግዲ ሰደድ ዘተባብዕን እዩ።" ኣብ ቀጻሊ ካብዚ ምምሕያሽ እንተዝግበር ኢለ ይሓስብ። ምኽንያቱ ንግዲ ሰደድ ንቁጠባ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝዀነ።”
“ጉዳይ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር ዓቢ ጸገም እዩ። እዚ ጸገም እዚ ኣብ ዕድመና ዘይፍታሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። [እቲ ውሳነ] ጽቡቕ ስጉምቲ እዩ” ይብል።
ኣቶ ኣየለ፡ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣንጻር ዓለማዊ ቁጠባ ዝኸይድ ዘሎ ከም ዝመስል ይዛረብ።
ሓደ ሰደድ ዝገብር ሰብ ካብቲ ናብ ወጻኢ ዝለኣኽ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ሓደ ዶላር ክረክብ ከሎ፡ እቲ ዶላር ናብታ ሃገር ከም ዝኣተወ ዝቑጸር ምዃኑ ይገልጽ።
"ሓደ ነጋዳይ ኣብ ሃገር ብብር ገዚኡ ብዶላር ድሕሪ ምሻጥ፡ ነቲ ዶላር ኣብታ ሃገር ናብ ብር ይቕይሮ። ነቲ ብር ተጠቒሙ ድማ ተመሊሱ ይገዝእ። እዚ ዑደት እዚ ይቕጽል። ሕጂ ግን ቡን ሸይጡ ነቲ ዶላር ኣብ ባንክ የቐምጦ። ካልእ ገንዘብ ስለዘይብሉ ካብ መንግስቲ ይልቃሕ።”
እቲ ኣብ ባንኪ ዘሎ ዶላር ክትንክፍ ዘይደለየ ነጋዳይ ንኽልቃሕ ቀዳምነት ክወሃቦ እንከሎ፡ እቲ ሓረስታይ ግን ክለቃሕ ኣይከኣለን ይብል። "ስርዓት ባንክ እታ ሃገር ብኸምዚ ብኣንጻር’ዩ ዝሰርሕ ማለት'ዩ።"
እቲ ነጋዳይ ነቲ ዝረኸቦ ዶላር ኣብ ባንክ ናብ ብር ቀይሩ ተመሊሱ ክሰርሕ ከም ዝነበሮ ይዛረብ።
ምስ ለውጢ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ንዝግበር ዕድጊት ጥረ ኣቑሑት ወፃኢ ዶላራት ምቕማጥ ቅኑዕ ምዃኑ የመልክት።
“እቲ ለውጢ ነቶም ዶላር ኣብ ወጻኢ ዝጥቀሙሉ ጽቡቕ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ንኹሎም ሰደድቲ ከም ሓደ ምርኣይ፡ ዶላር ከቐምጡን ንዕዳጋ ልቓሕ ከጻብቡን ምግባር ዘይኸውን እዩ። ዘየድሊ መሰል እዩ ዝህቦም። ቀዳምነት ንኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ክወሃብ እናተገብአ፡ ንሰደድቲ ምሕብሓብ ግቡእ ኣይኰነን።"
ስጉምቲ ሃገራዊ ባንክ ኣብ ህይወት ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ለውጢ የምጽእ፡ ኣብ ምርግጋእ ዝቕባበ ዋጋ ክሳብ ክንደይ ረብሓ ኣለዎ፡ ዝብሉ ሕቶታት ነቶም ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ቀሪቡሎም።
ዓብዱልመናን ብዓይኒ እቲ ፖሊሲ ፅቡቕ ስጉምቲ እዩ ካብ ምባል ሓሊፉ ናህሪ ዋጋታት ከረጋጋእ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ሃገራዊ ባንክ ኣዝዩ ፕራግማቲክ ክኸውን ይግባእ። ሽግራት ምስ ዝፍጠሩ ተዓጻጻፊ ምዃን የድሊ’ዩ” ይብል።
እቲ ለውጢ ንናህሪ ዋጋታት ከም ዘረጋግእ "ዝዀነ ጥርጣረ የብለይን" እኳ እንተበለ፡ ኣብቲ ዝተቐመጠ ቁጽሪ ክብጻሕ'ዩ ዝብል እምነት ግን ከም ዘይብሉ ይገልጽ።
"ጽኑዕ ናይ ምክትታል ፖሊሲ እንተተኸቲሎም፡ ዝቕባበ ዋጋታት ክጎድል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ዝቕባበ ዋጋ ብዝሒ ገንዘብ እዩ። መንግስቲ ካብ ሃገራዊ ባንክ ክልቃሕ’የ ዝብል ከም ዝንኪ ገሊጹ ኣሎ። ብጣዕሚ ፅቡቕ ስጉምቲ እዩ" ይብል።
ንግዲ ብልቓሕ ከም ዝጅምር ዝገልጽ ኣቶ ኣየለ፡ እቲ ልቓሕ ዕድላት ስራሕ ከም ዝፈጥር’ዩ ዝዛረብ።
“ምህርቲ ይህሉ። ፍርያት ምስ ዝህሉ ንዕዳጋ ይቐርብ። እዚ ብግዲኡ ዋጋ ናይቲ ፍርያት የጉድሎ። ብሓፈሻ ንመነባብሮ ኩሉ ሰብ ዝጸሉ’ዩ። ስለዚ እቲ ፖሊሲ፡ ዝቕባበ ዋጋ ከጉድል እዩ ዝብል እምነት የብለይን” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







