ሳፋሪኮም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ኤም-ፔሳ ጀሚሩ

ኤምፔሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ፡ ኤም-ፔሳ ዝተባህለ ብሞባይል ዝሳለጥ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ሎሚ ብወግዒ ይጅምር ኣሎ።

ሳፋሪኮም ነዚ ኣገልግሎት ንምጅማር ካብ ሃገራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ፍቓድ ምስ ተዋህቦ ድሕሪ ሰለስተ ኣዋርሕ እዩ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ እቲ ኣገልግሎት ብወግዒ ከም ዝጅምር ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ሳፋሪኮም፡ እቲ ኣገልግሎት ንምጅማር ፈተነታት ከካይድ ከም ዝጸንሐን ቴክኒካዊ ምድላዋት ከም ዘረጋገጸን ሓቢሩ። ምስ ባንክታት ውዕሊ ከም ዝፈረመ፡ ሰራሕተኛት ቘጺሩ ከም ዘሰልጠነን ወኪላት ኤም-ፔሳ ከም ዘዳለወን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዋና ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዝዀነ ቮዳኮም ግሩፕ ሊሚትድ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም 2016 ኣገልግሎት ኤም-ፔሳ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ኵሎም ዓማዊል ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ነቲ ኣገልግሎት ናብ *733# ብምድዋል ክረኽቡዎ ከም ዝኽእሉ ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ መተግበሪ ድማ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ከም ዝተዳለወ ሓቢሩ።

ዓማዊል ብኤም-ፔሳ ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ሃገር ክፍሊት ክፍጽሙ፡ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ገንዘብ ክቕበሉ፡ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ክፍሊት ክፍጽሙ፡ ናይ ኣየር ሰዓት ክገዝኡ፡ ካብ ኤም-ፔሳ ናብ ባንክታት ገንዘብ ክሰዱን ካብ ባንክታት ናብ ኤም-ፔሳ ገንዘብ ከሰጋግሩን ከም ዝኽእሉ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

እዚ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ከም ዝተዳለወ ዝንገረሉ ዘሎ መተግበሪ፡ ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ስልኪ ነቲ መተግበሪ ካብ ፕለይ ስቶር ብምውራድ ክጥቀሙ ከም ዝኽእሉ እዩ ተገሊጹ። ተጠቀምቲ ኣይኦኤስ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ነቲ መተግበሪ ክረኽብዎ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ ኣሎ።

ግዝያዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ስታንሊ ንጆሮጌ፡ ኤም-ፔሳ ኣብ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ዘሐጉስ ምዃኑ ተዛሪቡ።

እዚ ብሞባይል ዝፍጸም ገንዘብ ናይ ምዝውዋር ስርዓት ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪቃ 51 ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለዎ እውን ብምዝኽኻር ኤም-ፔሳ ውሑስ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ስርሑ ዝጀመረ ሳፋሪኮም ኣብታ ሃገር ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ዓማዊል ከም ዘፍረየ እቲ ኩባንያ ይሕብር።

ኤም-ፔሳ ከመይ ይሰርሕ?

ኤም-ፔሳ ብሞባይል ዝግበር ናይ ገንዘብ ዝውውር ስርዓት እዩ።

ጀማሪ እዚ ኣገልግሎት ኬንያዊ ኩባንያ ቴሌኮም ሳፋሪኮም ኰይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።

ስርዓት ኤም-ፔሳ ምስ ሲም ካርድ ብምትሕሓዝ ተጠቀምቲ ኣብ ቴሌፎኖም ገንዘብ ከቐምጡ፡ ገንዘብ ክቕበሉ፡ ክፍሊት ክፍጽሙ፡ ካብን ናብን ባንክታት ገንዘብ ከሰጋግሩ፡ ናብ ካልኦት ተጠቀምቲ ኤም-ፔሳ ገንዘብ ክሰዱን ብተሌፎኖም ኣቢሎም ካልእ ምልውዋጥ ገንዘብ ከካይዱን ይኽእሉ።

ብ2007 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ብሳፋሪኮምን ቮዳፎንን ዝተጀመረ ኤም-ፔሳ፡ ኣብ ኬንያ ብሃገራዊ ባንክ ኬንያ ይመሓደር።

ኤም-ፔሳ ዝብል ስም ‘ኤም’ ንሞባይል ዝውክል ክኸውን እንከሎ፡ 'ፔሳ’ ድማ ብቋንቋ ስዋሂሊ ገንዘብ ማለት እዩ።

ካብ ወኪላት ኤም-ፔሳ ዝዀኑ ድኳናት ጥረ ገንዘብ ናይ ምውጻእ ኣማራጺ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ኬንያ ካብ ጉሊት ክሳብ ኣብ ብሉጻት ዓበይቲ ትካላት ዝወሃብ ኣገልግሎታት ክፍሊት ብኤም-ፔሳ ይፍጸም።

ኣስታት 50 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ውሽጣዊ ፍርያት ኬንያ (GDP) በዚ ስርዓት’ዚ እዩ ዝንቀሳቐስ።

ኢትዮ ቴሌኮም ቅድሚ ክልተ ዓመት ገንዘብ ምቕባል፡ ገንዘብ ምልኣኽ ከምኡ እውን ካብ ወፃኢ ሃገራት ገንዘብ ምቕባል ዘኽእል ቴሌ ብር ከም ዝጀመረ ይዝከር።