ደቂ ተባዕትዮ ድሕሪ ወሊድ ከም ኣደታት ኣካሎም ይቕየር ድዩ?

ደቂ ኣንስትዮ ክወልዳ እንከለዋ ብዙሕ ርኡይ ዝዀነ ስነህይወታዊ ለውጢ የጋጥመን። ግን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ኣቦ ምስ ዝዀኑ ኣካላቶም ከም ዝቕየር ትግንዘቡ'ዶ?
"ኣብ ኣካለይ ዘስተብሃልክዎ ነገር፡ ብዙሕ ክብደት ምውሳኸይ ጥራይ'ዩ፡ ሰብነተይ ኣቦኣዊ ኰይኑ!" ይብል ወዲ 3 ወርሒ ውላድ ዘለዎ ቶም።
እዚ ጽሑፍ ግን ብዛዕባ ገለ ኪሎታት ምውሳኽ ጥራይ ኣይኰነን።
"ኣቦን ኣደን ከም ነንሕድሕዶም ብስነህይወት ንወላዲ ዝተዳለዉ እዮም" ትብል ዶክተር ኣና ማቺን፡ ደራሲት መጽሓፍ ዘ ላይፍ ኦፍ ዳድ፡ ዘ ሜኪንግ ኦፍ ዘ ሞደርን ፋዘር።
"እዚ'ዩ እቲ ዓቢ ሓድሽ ርድኢት ብዛዕባ ወላዲነት - ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ብቐንዱ ከም ውጽኢት ጥንስን ሕርስን፡ ደቀንስትዮ ጥራይ ለውጢ ኣካላት ዘጋጥመን ይመስለና ነይሩ፡ ብሓቂ ግን ደቂ ተባዕትዮ'ውን ተመሳሳሊ ነገራት ይሓልፉ እዮም።"
ብርግጽ ኣደታት ብዙሕ ኣካላዊ ለውጢ የጋጥመን። ክንድኡ ርኡይ'ኳ እንተዘይኰነ ኣብ ኣቦታት እውን ዝመጽእ ለውጢ ኣሎ።
እወ፡ ደቂ ተባዕትዮ ን9 ወርሒ ዕሸል ኣይስከሙን፣ ኣይወልዱን ወይ ጸባ ኣየጥብውን። ግን ብዓይኒ ርኡይ ዘይኮነ ገለ ለውጥታት ይሓልፉ'ዮም።
"ብሓፈሻ ንመጀመርታ ግዜ ኣቦ ክዀኑ እንከለዉ፡ ክልተ ዓበይቲ ለውጥታት የጋጥሙ፡ ለውጢ ሆርሞናትን ለውጢ ሓንጎልን" ትብል ዶክተር ኣና።
ልዑልን ትሑትን ለውጢ ሆርሞናት
እቲ ቀንዲ ለውጢ ሆርሞናት፡ ምንካይ ቴስቶስትሮን ዝበሃል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ሆርሞን እዩ።
"ቴስቶስትሮን ኣብ ጸወታ ምኩሻም/ዕርክነት ኣብ እትህልወሉ እዋን ብሉጽ'ዩ፣ ምኽንያቱ ዝያዳ ተወዳዳሪ፡ መጻምድቲ ንምድላይ ዝያዳ ድራኸ ከም ዝህልወካ ይገብር" ትብል ኣና።
ሓደ ሰብ ኣቦ ምስ ኰነ ግን እቲ ምንካይ ንሓድሽ ተራኡ ዘዳልዎ መንገዲ እዩ።
"ትሑት ቴስቶስትሮን ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ልዕሊ ደቆም ኣዝዮም ተሃዋስያን ርህሩሃትን ይዀኑ። ንውላዶም ንኽከናኸኑ ድራኸ ከም ዝህልዎም ይገብሮም።"
ብተወሳኺ ምንካይ ቴስቶስትሮን፡ ኣቦታት ዝያዳ ትዕግስቲ ክህልዎም እውን ይገብር። እዚ ድማ ኣብ ምንባይ ህጻን ወይ ቈልዓ ሓጋዚ እዩ።
ምንካይ ቴስቶስትሮን፡ ኣቦታት ምስ ደቆም ኣብ ዝህልዎም ርክብ ዓቢ ፍረ ኣለዎ።
"ልዑል መጠን ቴስቶስትሮን ነቲ እወታዊ ሳዕቤናት ኦክሲቶሲንን ዶፓሚንን ይዓግቶ" ትብል ኣና - እዚኦም ክልተ ካብቶም ምስ ውላድ ኣብ ዝህሉ ምትእስሳር ዝሳተፉ ዓበይቲ ኬሚካላት እዮም።
"ሓድሽ ኣቦ ኣብ እትዀኑሉ እዋን ቴስቶስትሮንኩም ትሑት ስለዝኸውን፡ ጽልዋ ኦክሲቶሲንን ዶፓሚንን ኣዝዩ ዝዓበየ'ዩ፣ ስለዚ ምስ ደቅኹም ዕላልን ጸወታን ኣዝዩ ዝያዳ ባህ ይብለኩም።"
ብዛዕባ ሆርሞናትኩምን ሳዕቤናቶምን ዝያዳ ምፍላጥ፡ ብዛዕባ ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ሂወትኩም ዝያዳ ንኽትፈልጡ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ ትብል ኣና።
ሓባራዊ ረብሓ
ህጻናት እውን ከም ኣቦታት ብመገዲ ምሕቋፍን ምጽዋትን ኣቢሎም ምውሳኽ ዶፓሚንን ኦክሲቶሲንን የጋጥሞም።
ስለዚ ኣቦታት ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ብምትንኻፍ፡ ምሕቋፍ፡ ቆርበት ምስ ቆርበት ርክብን ምትእስሳር ምህናጽ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም።
ይኹን እምበር፡ እቲ ዝዓበየ ምውሳኽ ኦክሲቶሲን፡ ህጻን እናዓበየ ምስ ከደ፡ ምስ ኣቦ ዘሎ ርክብ ድማ ዝያዳ መስተጋብራዊ እናዀነ ምስ ዝኸይድ እዩ ዝመጽእ።
"ሓደ ኣቦ 'ምስ ውላደይ ንምቅርራብ ክገብሮ ዝኽእል ሓንቲ ነገር እንታይ'ዩ?' ኢሉ እንተሓቲቱኒ፡ 'ምስ ውላድካ ተጻወት'' እየ ዝብሎ'' ትብለና ኣና።
"ምስ ውላዶም ብሓባር ክጻወቱ እንከለዉ፡ ክልቲኦም ዝዓበየ ጥርዚ ኦክሲቶሲን ይረኽቡ።"
ኣቦታት ምስ ደቆም ዝገብርዎ ዝተፈላለየ ጸወታታት ንዕብየት ህጻናት ወሳኒ'ዩ ትብል ኣና።
"ንሓደጋታትን ብድሆታትን ብኸመይ ከም ዝገጥምዎ፡ ከመይ ጌሮም ከም ዝወድቁን ከምዝለዓሉን፡ ሓመድ ከመይ ካብ ነብሶም ከምዘራግፉን ጸወታኦም ከምዝቕጽሉን ይምህሮም። ከምኡ'ውን ኣብ ጸወታ ዝተዋፈሩ ህጻናት ብኣካልን ስምዒትን ዝያዳ ተጻዋርነት ዘለዎም ኰይኖም ስለዝዓብዩ ዝሓሸ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ይህልዎም።"
"ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ 'እቲ ዘዘናግዕ ኣቦ' ተባሂሉ ምጽዋዕ ንብዙሓት ኣቦታት ውርደት ኰይኑ ይስምዖም ነይሩ፡ ብሓቂ ግን ጸወታ ንዕብየት ውላድ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።

እወታዊ ለውጢ ሓንጎል
ካብ ሆርሞናት ብተወሳኺ፡ ሓደስቲ ኣቦታት ሓንጎሎም ኣካላዊ ለውጢ'ውን የርኢ እዩ።
"ንኣብነት ኣብ ደጋዊ ሓንጎል ከም ውጥን፡ ብዘይ ምዝንባል ትኹረት ምሃብ፡ ጸገማት ምፍታሕ ዝኣመሰሉ ክእለታት ዘድልዩ መዳያት ምውሳኽ ንርኢ። ኣብቲ ወኒ-ኣልቦ ሓንጎል፡ ምስ ምሕብሓብን ምፍላጥ ሓደጋን ዝተኣሳሰሩ መዳያት ንጥፈታት ንርኢ፡ እዚ ድማ ደቆም ውሑስ ምዃኖም ንምርግጋጽ የድሊ" ትብል እታ ክኢላ።
ኣቦታት ንሓደጋ ዝያዳ ንቕሓት ካብ ምህላው ሓሊፎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ኣብ ቈልዑ ዝያዳ ተሃዋሲ ይዀኑ።
"ንቃንዛ ካልኦት ኣዝዩ ዝያዳ ይድንግጽ" ትብል ኣና።
ፍልጠት ሓይሊ እዩ
ኣና ብዛዕባ ስነ-ህይወቶም ፍንጪ ብምርካብ፡ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ባህርያዊ ድሌቶም ከም ኣቦ ርእሰ-ምትእምማን ክረኽቡ ተስፋ ትገብር።
"ቅድሚ ወለዲ ምዃኖም ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ዝሰምዖ ነገር እንተሃልዩ፡ ንኣደ ዝወሃብ ግምት ፍጽምቲ ወላዲት ከምዝዀነት ዝገልጽ እዩ። ኣደ ብባህርያዊ መንገዲ እንታይ ከም እትገብር ትፈልጥ'ያ ምኽንያቱ ንሳ ብጥንሲ፡ ሕርስን ምጥባውን ስለ ዝሓለፈት፤ ደቂ ተባዕትዮ ግን ኣብ ከይዲ ክመሃሩ ኣለዎም ዝብል ኣተሓሳስባ ነይሩ። እዚ ሓቂ ኣይኰነን። ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ልክዕ ከም ወለዲ ከም ነንሕድሕዶም ባህርያዊ'ዮም፣ ምኽንያቱ ክልቲኦም ብስነ-ህይወት ንኽገብርዎ ዝተዳለዉ'ዮም።" ትብል።
ኣና ኣብ መወዳእታ ንኣቦታት ገለ ለበዋ ኣለዋ።
"ባህርያዊ ድፍኢታትኩም ኣሎ፡ ከምዘለኩም ምምእማን ጥራይ እዩ ዘድልየኩም። ከም ዝመሃር ዘሎ ተሓጋጋዚ ወላዲ ዘይኮነስ ንነብስኹም ከም ማዕረ ሓባራዊ ወላዲ ክትሪእዋ ፈትኑ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







