ስለምንታይ ኢና'ባ እዋን ቍልዕነትና ዘይንዝክር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝተወለድናላ መዓልቲ፣ መጀመርታ ደው ዝበልናላ መዓልቲ፣ እተን ቀዳሞት ዘውፃእናየን ቃላት፡ ኵለን ኣብ ህይወትና ኣገደስቲ ህሞታት እየን።
ዋላ ሓደ ካብኣተን ግን ኣይንዝክሮን ኢና፤ ስለምንታይ'ዩ?
ተመራመርቲ ስነፍልጠትን ስነኣእምሮን፡ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ንዓሰርተታት ዓመታት ተቓሊሶም እዮም።
ካብ ቀዳሞት ዓመታት ህይወትና ዝተወሰኑ ፍጻመታት ክንዝክር ዘይምኽኣልና 'ኢንፋንታይል ኣምነዥያ' ብምባል ይገልጽዎ።
እዚ ንምግላጽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክልሰ-ሓሳባት ተማሂዞም እዮም።
ኣብ ኣመሪካ- ዩኒቨርሲቲ የል ፕሮፌሰር ስነኣእምሮን ኒውሮሰርጀሪን ኒክ ቱርክ-ብራውን፡ እቲ ክትዕ ኣብ ክሊ ክልተ ቀንዲ ሕቶታት ዝዘውር ምዃኑ ይዛረብ።
ኣብ መጀመርታ ዓመታት ዝዀነ 'ዝኽርታት' ንፈጥር እሞ፡ ጸኒሕና ንርስዖ ወይስ ክሳብ ዓበይቲ ንኸውን ፈጺምና 'ዝኽሪ' ኣይንፈጥርን ኢና- ዝብሉ።
ብመሰረት ፕሮፌሰር ቱርክ ብራውን፡ ክሳብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ተመራመርቲ ብሓፈሻ ዕሸላት ዝኽሪ ክፈጥሩ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ይግምቱ ነይሮም።
ገሊኦም ከምዚ ዝዀነ ርእሰ-ምትእምማን ወይ ናይ ምዝራብ ክእለት ስለ ዘይብሎም ከም ዝዀነ ይገልጹ።
ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ድማ ክሳብ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድመና፡ ዝኽሪ ክንፈጥር ኣይንኽእልን ኢና ዝብል እዩ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ እቲ ሓደስቲ ፍጻመታት ንምኽዛን ሓላፍነት ዝስከም ክፋል ሓንጎል ሂፖካምፐስ ምሉእ ብምሉእ ስለዘይማዕበለ እዩ።
ሓንጎል ህጻን ምዕዛብ
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብፕሮፌሰር ቱርክ ብራውን ኣዋሃድነት ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ነዚ ናይ ባዕሉ ክልስ-ሓሳብ ዝጻረር ርኽበት ዝሓዘ ይመስል።
ጕጅለኡ፡ ካብ ኣርባዕተ ወርሒ ክሳብ ክልተ ዓመት ዝዕድመኦም 26 ዕሸላት፡ ስእሊ ብምርኣይ ሓንጎሎም ስካን ተገይሩ።
ብድሕሪኡ፡ እቶም ቈልዑ ሓደ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣይዎ ምስሊ ምስ ካልእ ሓድሽ ምስሊ ኣርኣዩዎም፣ እቶም ቈልዑ ኣየናይ ምስሊ ቀዲሞም ዝያዳ ከም ዝጥምቱ ንምፍላጥ እዩ።
እቲ ዕላማ፡ እቶም ህጻናት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረእዩዎ ምስሊ ኣትኲሮም ዝጥምቱ እንተዀይኖም፡ ነቲ ምስሊ ክዝክርዎን ከለልይዎን ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ምርምር ተኻይዱ ይፈልጥ እዩ።
እቶም ተመራመርቲ፡ ሂፖካምፐስ ናይቶም ህጻናት ዝያዳ ንጡፍ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ነቲ ምስሊ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ረኣይዎ ናይ ምዝካር ተኽእሎኦም ዝለዓለ ምዃኑ ረኺቦም።
እዚ ብፍላይ እቲ ህጻን ልዕሊ 12 ወርሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ።
እዚ ድማ ሂፖካምፐስ ህጻናት ኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝዀኑሉ እዋን ገለ ዓይነት ዝኽሪ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይሕብር።
እቶም ዝኽርታት ናበይ ይኸዱ?
ፕሮፌሰር ቱርክ ብራውን፡ ስራሕ ጋንታኡ ዕሸላት ኣብ ሂፖካምፐስ ተዘክሮታት ይፈጥሩ ከምዘለዉ ንምርግጋጽ "ቀዳማይ ስጕምቲ" ምዃኑ ገሊጹ። ካብዚ ንላዕሊ ግን ኣዝዩ ብዙሕ መጽናዕቲ የድሊ።
"ተዘክሮታት ንዕቅብ እንተዄንና ሕጂ ኣበይ ኣለዉ? መሊስና ክንረኽቦም ንኽእል ዲና?" ይብሉ።
ኣብ 2023 ዝተሓትመ ሓደ መጽናዕቲ፡ ዕሸላት ከለዉ ካብ ኣጸጋሚ ሃዋህው ክሃድሙ ዝተማህሩ ኣናጹ፡ ምስ ዓበዩ ነዚ ክእለት ከም ዝሰኣኑ ኣረጋጊጹ።
ነቲ ዝኽሪ ንምምላስ፡ ሂፖካምፐስ ብሰብ-ሰርሖ ኣገባብ ክነጥፍ ይከኣል እዩ።
እንተዀነ፡ ዕሸላት ዝኽሪ ፈጢሮም፡ ድሒሮም ኣብ ህይወቶም ክስእንዎን ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ኣይተፈልጠን።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዌስትሚኒስተር ፕሮፌሰር ኒውሮሳይኮሎጂ ካትሪን ላቭደይ፡ ዕሸላት እንተወሓደ ክዛረቡ ምስ ዝጅምሩ ዝኽሪ ናይ ምፍጣር ክእለት ከምዘለዎም ትኣምን።
"ቈልዑ ካብ መዋእለ ህጻናት ምስ ተመልሱ ዝነግሩና ነገር ኣለዎም። ግን ድሕሪ ቅሩብ ዓመታት ክገልጽዎ ኣይክእሉን'ዮም። ስለዚ ዝኽሪ እንተሃለዎም እውን ኣይዕቅብዎን ማለት'ዮም" ትብል።
"እቲ ሕቶ፡ ካብቶም ዝኽርታት ክንደይ ምስ ግዜ ይጠፍኡ፣ ክንደይ ቀልጢፎም ይሃሱ፡ ብጭቡጥ ከነስተንትነሎምን ክንሓስበሎምን እንኽእል ሕልናዊ ተዘክሮታት ክሳብ ክንደይ ከምዝዀነ'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, ullstein bild via Getty Images
ናይ ሓሶት ዝኽሪ ክኸውን ይኽእልዶ?
ካልእ ብዛዕባ ዝኽሪ ቍልዕነት ዘለና ርድኢት ዘተሓላለኸ ጉዳይ፡ ሰባት ከም ቀዳማይ ዝኽሮም ዝሓስብዎ፡ ብሓቂ እቲ ቀዳማይ ዝኽሮም ምዃኑ ምርግጋጽ እዩ።
ገሌና ንኣብነት ዕሸላት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ሓደ ፍሉይ ፍጻመ ክንዝክር ንኽእል ኢና።
ፕሮፌሰር ላቭደይ ከምዚ ዓይነት ዝኽሪ ዝኽሪ ሓቀኛ ተመኵሮ ክኸውን ተኽእሎ ከምዘየለ ትዛረብ።
"እዚ ዓይነት ዝኽሪ ዳግመ ህንጸት ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ሓደ ሰብ ገለ ነገር እንተነጊሩካ ብዛዕባኡ እኹል ሓበሬታ እንተሃልዩካ፡ ሓንጎልካ ነቲ ሓቂ ዝመስሎ ዳግማይ ሃኒጹ ክዕቅቦ ይኽእል'ዩ።"
"እቲ ብሓቂ ንርእዮ ዘለና ጉዳይ ንቕሓት'ዩ፣ ንቕሓት ንምዕቃን ድማ ኣጸጋሚ'ዩ" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ፕሮፌሰር ቱርክ ብራውን፡ ኣብ እዋን ቍልዕነት ዝነበረ ምዝንጋዕ፡ ብዛዕባ መን ምዃንና ገለ ዝዛረብ ምስጢር ይመስሎ።
"መንነትና ዝምልከት'ዩ። ሰባት ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓመታት፡ ነገራት ዘይንዝክርሉ እዋን ከምዘሎ ምሕሳብ፡ ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣረኣእያ ብሓቂ ዝፈታተን ይመስለኒ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







