'ኣብ ጸላም ከብደይ ዝዓቢ ህጻን ተረኺቡ' - ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝፍጠር ጥንሲ

ሳርቨሽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ብዘይ ምቍራጽ ይተፍእ ነይረ። ኵሉ ግዜ ድኻምን ቃንዛን ይሰመዓኒ ነይሩ" ትብል፤ እታ ጓል 35 ዓመት ንዝተወሰነ እዋን ሓሚማ ከምዝነበረት ብምግላጽ።
"እንታይ ይገጥመኒ ከም ዝነበረ ንኽርድኦ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ።"
ኣብ ህንዲ ካብ ኣውራጃ ቡላንድሻህር ኡታር ፕራደሽ እትውለድ ሳርቨሽ፡ ኣብ መጀመርታ ናብ ሓኪማ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ኣብ ናይ ፈለማ ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ ዋላ ሓንቲ ዝርአ ነገር ኣይነበረን።
ኣብ መጀመርታ፡ ንረኽሲ ከስዐ ዝኸውን ጸረ-ነፍሳት መድሃኒት ክትወስድ ጀሚራ።
ንሓደ ወርሒ መድሃኒት ድሕሪ ምውሳዳ፡ ለውጢ ስለዘይረኸበትሉ ናብ ሕክምና ተመሊሳ ከይዳ። ኣብዚ ግዜ'ዚ እዩ እምበኣር እቲ ኣዝዩ ዘሰንብድ ክስተት ዝተርኣየ። ሓካይማ ከይተረፉ ነቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝነበረ ምስልታት ክኣምንዎ ዝተሸገሩ።

ኣብ ህንዲ ከተማ ሜሩት ንዕስራ ዓመታት ክኢላ ራድዮሎጂ ኰይኑ ዝሰርሐ ዶክተር ኬ.ኬ ጉፕታ፡ ኣብ ተሓካሚቱ ሳርቨሽ ዝረኣዩ ናይ ምርመራ ውጽኢት ዘገርም ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።
"ኣብ የማናይ ሸነኽ ጸላም ከብዳ ናይ 12 ሰሙን ጥንሲ ነይርዋ" ዝበለ እቲ ሓኪም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤምኣርኣይ ስካን ተመሳሳሊ ነገር ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ ተዛሪቡ።
ንሱ ኣስዒቡ፡ "ናይ እማን ጥንሲ ምዃኑ ንምርግጋጽ'ውን ብዙሕ ክፋላት ናይቲ ስካን ወሲደ" ይብል።
ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝፍጠር ጥንሲ ዝፈረየ እንቋቑሖ ካብ ማህጸን ወጻኢ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሻምብቆ ማህጸን ምስ ዝትከል'ዩ ዝኽሰት።
ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝፍጠር ጥንሲ ሳሕቲ ዘጋጥም ኰይኑ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ንህይወት እታ ኣደ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ክኸውን ይኽእል።
ናይ ሳርቨሽ'ውን ብተመሳሳሊ እቲ ዕሸል ኣብ ክንዲ ኣብ ውሽጢ ማህጸና ዝምዕብል ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብዳ ይዓቢ ነይሩ። ጸላም ከብዲ ካብ ደምና መርዛም ነገራት ኣብ ምእላይ፡ ደረጃ ሽኮር ኣብ ደምና ኣብ ምዕቃብን ምቍጽጻርን ዓቢ ተራ ዘለዎ ክፋል ሰብነትና'ዩ።
ካብ ማህጸን ወጻኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብዲ ዝፍጠር ጥንሲ ኣዝዩ ሳሕቲ ስለዝዀነ፡ ሳርቨሽ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ሕክምና ዓለም ስሒባ።

ሕውየት
እዞም ሰብ ሓዳር ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ንመላእ ስድራቤት ኣዝዩ በዳሂ ተመኵሮ ከምዝነበረን ኣብ ትሕቲ ዓቢ ፋይናንሳዊ ጸቕጢ ከምዘእተዎምን ይዛረቡ።
ቢቢሲ ንዕኣ ንምርካብ ኣብ ዓዲ ዳስቱራ ናብ ዝርከብ ገዛ ሳርቨሽ ተጓዒዙ። ኣብ ዓራት ኰይና ቃንዛ እናተሰምዓ፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ ከብዳ 21 ግዜ ተሰፍያ።
ካብ ምጥቃም ሽቓቕ ክሳብ ኣብ ዓራት ኮፍ ምባልን ክዳን ምቕያርን ኣብ በዓል ቤታ ፓራምቪር ክትምርኮስ ተገዲዳ እያ።
ሳርቨሽ፡ ብፍላይ ነቲ ብሓካይም ዝብሃል ዝነበረ ክትቅበሎ ከም ዝኸበዳ ዝተዛረበት ኰይና ምኽንያቱ ድማ ወርሓዊ ጽግያታ ከምቲ ንቡር ይፈስስ ስለዝነበረ'ዩ።
ከምዚ ዓይነት ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝፍጠር ጥንሲ ደቂ ኣንስትዮ ብብዝሒ ስለዝደምያ "ጥንሲ ንምፍላጥ ግዜ ይወስድ" ይብል ዶክተር ኬ.ኬ ጉፕታ።
ድሕሪ ብዙሕ ገምጋማት፡ ሓካይማ ነቲ ዕሸል ንምእላይ ካብ መብጣሕቲ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ከምዘየለ ደምዲሞም። ምኽንያቱ ዕብየቱ እንተቐጺሉ ጸላም ከብዳ ክትበታተን ከምእትኽእልን ከም ሳዕቤኑ ድማ ንሞት ከሳጥሓ ከምዝኽእል ስለዝገመቱ'ዩ።
ብሰንኪ እቲ ዝተሓላለኸ ነገራት፡ መብጣሕቲ ክግበረላ ናብ ደልሂ ክኸዱ ተመኺሮም እኳ እንተነበሩ፡ ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኑ ግን ኣይከኣሉን።
"ድኻታት ኢና፡ ናብ ደልሂ ኬድና ክንከፍሎ ኣይተኻእለናን" ይብል ፓራምቨር።
ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ወርሒ ቃንዛ፡ ኣብ ሜሩት ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ሆስፒታል ዝርከቡ ጕጅለ ሓካይም፡ ነቲ 90 ደቓይቕ ዝወሰደ መብጣሕቲ ከካይድዎ ተሰማሚዖም።

ኣብ ጸላም ከብዲ ዝፍጠር ጥንሲ ክሳብ ክንደይ እዩ?
መብዛሕትኡ ግዜ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ማህጸና ዝወጽእ እንቋቑሖ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስዝረክብ እያ እትጠንስ ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት፡ ቢኤችዩ ቫራናሲ ክኢላ ጥንስን ሕርስን ፕሮፌሰር ዶክተር ማምታ ሲንግ።
እዚ ዝፈረየ እንቋቑሖ ብድሕሪኡ ብሻምብቆታት ማህጸን ኣቢሉ ናብቲ ድቂ ዝተሓዘሉን ዝምዕብለሉን ማህጸን ገጹ ይኸይድ።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ እቲ ዝፈረየ እንቋቑሖ ኣብ ክንዲ ናብ ማህጸን ዝበጽሕ ኣብ ሻምብቆ ማህጸን ይጸንሕ ወይ ድማ ሓሓሊፉ፡ ኣብ ገጽ ካልእ ኣካል ተጣቢቑ ይተርፍ ይብል ዶክተር ሲንግ።
ኣብ ሳርቨሽ እቲ ድቂ ምስ ጸላም ከብዳ ተጣቢቑ ተሪፉ። ናብ ጸላም ከብዲ ዝጕዓዝ መጠን ደም ጽቡቕ ስለዝዀነ፡ ኣብ መጀመርታ መዓልታት ነቲ ህጻን ከም "ልሙዕ መሬት" ኰይኑ'ዩ ዝሰርሕ ዝበለ ዶክተር ሲንግ፡ እንተዀነ ክሳዕ መወዳእታ "ኣብኡ ክነብር ዝከኣል ኣይኰነን" ኢሉ።
ብደረጃ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጥንስታት ኣስታት ሓደ ሚእታዊት ካብ ማህጸን ወጻኢ ዝፍጠሩ ምዃኖም ኣብ ፓትና ኤይምስ ፕሮፌሰር ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ዶክተር ሞኒካ ኣናንት ትዛረብ።
"ካብ ኣስታት ሸሞንተ ሚልዮን ጥንሲ ሓደ ጥራይ ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብዲ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት" ትብል።
ቅድሚ ሳርቨሽ ኣብ መላእ ዓለም 45 ደቀንስትዮ ኣብ ውሽጢ ጸላም ከብደን ጥንሲ ማዕቢሉ ከምዝነበረ ዝተገለጸ ኰይኑ ካብዚኣተን እተን ሰለስተ ህንዳውያን ከምዝዀና ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







