'ሓቂ ድዩ ውላደይ ቀቲለዮ?'፡ ኣቓልቦ ዘድልዮ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤሊ ኣብ ዝሓረሰትሉ እዋን ዝነበራ ስምዒት ንድሕሪት ምልስ ኢላ እንክትዝክሮ፡ "ፈለማ ሓጐስ እዩ ነይሩ፡" ትብል፤ ብዘይ ብዙሕ ቃንዛ ኣብ ገዛ እያ ሓሪሳ። በኳር ኣደ ምዃና ድማ፡ ዝያዳ ንሓጐሳ ሰማይ ኣዕሪግዎ።
ምስ ሓረሰት ኣብ ናይ መጀመርታ ሰለስተ መዓልታት ቅሩብ እንተደቀሰት'ውን፡ ድሕሪኡ ድቃስ ዝበሃል ሓሪምዋ።
"ኣብ ሕልሚ ወይ ጋህዲ ምዃኑ ዘይፍለጥ ዘባህርር መንገዲ ምጓዓዝ'ዩ። (እቲ ስምዒት) መመሊሱ ይመጽእ ነይሩ" ብምባል፡ ነቲ ዘጋጠማ ኵነታት ተዘንቱ።
"ድሕሪኡ ውላደይ ኣብ ዓራት ደቂሱ እንከሎ ዝቐተልኩዎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ሰብኣየይ ምስ መጸ 'ሓቂ ድዩ? ወደይ ቀቲለዮ?' ኢለ ክሓቶ እዝክር።"
ኤሊ፡ በቲ ንህይወት ብዙሓት ኣደታት ዘመሳቐለ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ (postpartum psychosis) እያ ተጠቒዓ።
ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ እንታይ'ዩ?
እታ ኣደ ንርእሳ ምዃን ተጸጊማ ወይ ካብቲ ንቡር ክውንነት እናረሓቐት ምስ ትኸይድ፡ ቀዳማይ ምልክት ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ (postpartum psychosis) እዩ።
ድቃስ ምስኣን ኣብ ሓራሳት ኣደታት ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ድሕሪ ወሊድ ብዘጋጥም ስነ ኣእምሮኣዊ ኵነታት ዝተጠቕዐት ኣደ ግን ምሉእ ብምሉእ ድቃስ ክሓርማ ይኽእል።
ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥሙ ሕማማት ኣእምሮ እዮም።
ጸጸኒሑ ዘጋጥም ምቅይያር ስምዒት፤
- ምህትፍታፍ ወይ ዓጀውጀው ምባል
- ዘይምኽኑይ ስምዒት በደል
- ዘየለ ድምጺ ምስማዕ
- ዕረፍቲ ምስኣን
- ምድንጋር
ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ ቅልጡፍ ሕክምና ምርካብ ግድን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣደታት ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን ብፍሉይ በዓል ሞያ ሓገዝን ክትትልን ክረኽባ ኣለወን።
ደረጃ እቲ ሕማም ኣብ ዝውስኸሉ፡ ኣደታት ሕክምና ተኸታቲለን ንምሕዋይ ብዙሕ ኣዋርሕ ክወስደለን ከም ዝኽእል ሰብሞያ ሕክምና የረድኡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መበገሲ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ እንታይ'ዩ?
ኣብዚ ጉዳይ ንብዙሕ ዓመታት ሓያለ መጽናዕትን ምርምርን'ኳ እንተተኻየደ፡ ብልክዕ መንቀሊ እዚ ሕማም ምፍላጥ ግን ኣይተኽኣለን።
ሰብሞያ፡ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ምልውዋጥ ሆርሞን ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምቱ።
እዚ ለውጢ፡ ሕሉ'ፍ ምድንጋርን ፍርሕን ክፈጥር ይኽእል።
እንተዀነ መን በዚ ክጥቃዕ ከም ዝኽእል ንምዝራብ ዘኽእል ጭቡጥ መረዳእታ የለን፣ ብምርመራ ደም ምፍላይ ዝከኣል'ውን ኣይኰነን።
ድሕሪ ሕርሲ ግዳያት ሕማም ኣእምሮ ካብ ዝዀና ኣደታት፡ እተን ኣስታት ፍርቂ ኣቐዲሙ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ዘይነበረን እየን።
ስለዚ፡ እቲ ዘጋጥመን ምህትፍታፍን ዕዋጀን ትጽቢት ዘይግበርሉ ኣሻቓሊ ተርእዮ እዩ።
ንኤሊ፡ እዚ ዓይነት ሕማም ኣእምሮ ኣዝዩ ቅልጡፍ ነይሩ።
"ኣብ ገዛ ንሰዓታት ኢሕታ (ቃንዛ ሕርሲ) ሒዙኒ እንከሎ ጀሚሩኒ'ዶ ይኸውን ኢለ እስከፍ ነይረ፤ ንምንታይ ምዃኑ'ኳ እንተዘይፈለጥኹ ክሳዕ ዝወግሕ ንበዓል ቤተይ ካብ ድቃሱ ከተስኦ ኣይደለኹን ነይረ፡" ትብል።
ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ፡ ካብ ዝወለዳ 100 ኣደታት ነተን ክልተ የጥቅዕ።
ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ጭንቀት (ቅዛነት) ግን፡ ካብ 10 ኣደታት ነታ ሓንቲ ዘጥቅዕ ኰይኑ፡ እዚ ግን ካብ (postpartum psychosis) ዝነኣሰ'ዩ።
ሰባት ንዓመታት ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጥም ጭንቀት ከም ተራ ምልውዋጥ ኵነተ ኣእምሮ ወይ መንፈስ (baby blues) ገይሮም ይርእይዎ። ሰብሞያ ግን፡ እዚ ኣመለኻኽታ ወለዲ ግቡእ ሓገዝ ከይረኽባ ከም ዝገብር የጠንቅቑ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከብ ትካል ግብረሰናይ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ ዝምልከት፡ ሕጂ'ውን ኣብ መዋልዳን ወይ ሰብ ሞያ ሕክምና ግጉይ ርድኢት ከም ዘሎ የመልክት።
ብሰንኩ ድማ ኣብ ዘይቅኑዕ መደምደምታ ብምብጻሕ፡ መደቀሲ ክኒና ጥራይ ከም ዘብዝሑ ዝተገብረ መጽናዕቲ የመልክት።
ኤሊ፡ ንተኸታታሊ መዓልታት ድቃስ ምስኣንን ብቕዕቲ ኣደ ንምዃን ዝፈጥሮ ጸቕጥን፡ ነቲ ሕማም ከም ዘጋድዶ ትዛረብ።
ካብዚ ብተወሳኺ ኤሊ ልዑል ምልውዋጥ ስምዒት ዘስዕብ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ (ባይፖላር ዲስኦርደር) ከም ዘለዋ ምፍላጣ፡ ጥዕናኣ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ክትርዳእ ኣኽኢሉዋ።
ግዳያት ባይፖላር ዲስኦርደር ዝዀና 25 ሚእታዊት ኣደታት፡ በዅሪ ውላደን ኣብ ዝወልዳሉ እዋን በዚ ሕማም ኣእምሮ ክጥቃዓ ስለ ዝኽእላ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰን ክትትል ክግበረለን ከም ዝግባእ ሞያውያን ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ ይመኽሩ።
ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ሓኪም ኣእምሮ ዝዀነ ዶክተር ኢያን ጆንስ ስምባደ ቍልዕነት ዘለወን ኣደታት፡ ድሕሪ ሕርሲ ንዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ ናይ ምቅላዕ ዕድለን ሰፊሕ ከም ዝዀነ የረድእ።
ምውሳኽ ሆርሞንን ተፈጥርኣዊ ኵነታትን ካልኦት ዓበይቲ ደረኽቲ ምኽንያታት ምዃኖም'ውን ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ክሕግዝ ይኽእል?
ግዳያት ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ ዝዀና ኣደታት ግቡእ ሕክምናን ሓገዝን እንተ ዘይረኺበን፡ ንርእሰን ክጐድኣ ከም ዝኽእላ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት የመልክቱ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣውስትራልያን ኒውዚላንድን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ነዚ ሕማም ዝተቓልዓ ኣደታት ምስ ውላደን ኣብ ሓደ ብምጽናሕን ናይ ቀረባ ክትትል ብምግባርን ምሕካም ዝሓሸ እዩ።
ኣብ ፈረንሳይን ቤልጂየምን ድማ፡ ነዘን ኣደታት ንምሕካም ዝተዳለዉ ክፍልታት ሕክምና ኣለዉ።
ኤሊ፡ "ኣብ ኣእምሮይ ዝዀነ ነገር ሃንደበት ከም ዝጠፍአን ከም ዝተለወጠን'ዩ ተሰሚዑኒ፣ እዚ ድማ ርኡይ ነይሩ" ትብል።
ብዛዕባ'ቲ ሃንደበት ዝተፈጠረ ነገር ንምዝካር'ኳ እንተ ዘይከኣለት፡ ኣብ መደያይቦ (ኣስካላ) ገዛኣ ደው ኢላ፡ ሰብኣያ ናብ ሆስፒታል ክድውል እንከሎ ትዝክር።
"ኣዝየ'የ ፈሪሐ። ሓገዝ ክረክብ ደልየ ነይረ፣ አእዊ ስለ ዝነበርኩ ሓላፊት ሓኻይም መወልዳን ምስ ውላደይ ደቂሰ ንኽሕከም ብዙሕ ተቓሊሳትለይ እያ" ትብል ኤሊ።
"ልዕሊ ዅሉ እቲ ኣገዳሲ ናተይ ደሕነት ምርግጋጽ እዩ ነይሩ፣ ዝለዓለ ኣድህቦኦም ድማ ኣባይ እዩ ነይሩ።"
"I'm not myself you see" ዝብል መጽሓፍ ዘሕተመት ኣሪያነ ቢስቶን ድማ፡ ድሕሪ ሕርሲ ብሰንኪ ዘጋጠማ ሕማም ኣእምሮ ኣብ ጐድኒ ውላዳ ድራጎን ከንጸላሉ ይረኣያ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ድምጺ ድሮን ይስማዓ ከም ዝነበረ'ውን ኣብ መጽሓፋ ኣስፊራቶ ኣላ።
ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዋ፡ ውላዳ ኣብ ጥቓኣ ክኸውንን እኹል ድቃስ ክትረክብ ምስ ተገበረን ግን ሕማማ ከም ዝተፈወሰ ተዘንቱ።
እዚ ዘጋጠማ ሕማም ከም ዝለወጣ ትዛረብ ኣሪያነ፡ 'ካብ ሆስፒታል መዓስ ክትወጽእ ከም ዘለዋ፣ ንውላዳ ጡብ ክተጥቡ ኣለዋ'ዶ የብላን' ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ከም ዝነበሩ ትዛረብ።
ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ለንደን ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ክሌር ዶልማን ሕክምና እናተኸታተልካ ጡብ ምጥባው ኣደታት ዝውስናኦ ዝለዓለ ውሳነ ከም ዝዀነ ይገልጽ።
ኣብ ሓደሓደ ሃገራት፡ ንፈለማ እዋን ኣደ ምዃን ብማሕበረሰብ ይዅን ብባህሊ ዓቢይ ክስተት'ዩ።
ኣብ ሓደ ሓደ ባህልታት ሓራሳት ንኣስታት 40 መዓልታት ካብ ገዛ ከይወጽኣ ይግበር።
ኣብ ከም ህንዲ ዝኣመሰላ ሃገራት ድማ፡ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ሕማም ኣእምሮ ብእከይ መንፈስ ከም ዝተትሓዝካ'ዩ ዝእመን።
ኣብ ካልእ ሃገር ድማ፡ ናይ ኣደ ዘይምኽኣል ወይ ውድቀት ተገይሩ ይውሰድ።
ኣብ ሆንክኮንግ ከኣ፡ ዝወለዳ ኣደታት 'ፍጽምቲ ባህላዊት ኣደ' ክዀና ልዑል ጸቕጢ ከም ዝግበረለን ተመራመርቲ የረድኡ። ንትጽቢታት እቲ ማሕበረሰብ ምስ ዘየማልኣ ግን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ይሓፍራ ወይ ቤተሰበን ከም ዘተሓታ ይስምዐን።
ካልእ ቈልዓ ምውላድ እንተደልየንከ?
ኣብ ዩኒቨርሲታት ማንችስተርን ካርዲፍን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ድሕሪ ሕርሲ ሕማም ኣእምሮ ካብ ዘጋጠመን ክልተ ኣደታት እታ ሓንቲ ዳግማይ ኣብ ትወልደሉ እዋን'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ከጋጥማ ከም ዘኽእል የመልክት።
ኤሊ፡ ብዙሓት ቈልዑ ዘለወን ኣደታት ኣቐዲመን ዘድልየን ሓገዝ ክትልማ ይኽእላ እየን ትብል።
ሓራሳት ድቃስ ንክረኽባ ተወሳኺ ቤተሰብ ወይ መሓዛ ኣብ ጥቓአን ክህልዉ ዝደልያ እንተ ኰይነን፡ ቅድሚ ምውላደን ኣቐዲመን ክውስና ይግባእ።
"ብቝዓት ኣደታት ንክዀና ግን ንርእሰን ቀዳምነት ክህባ ኣለወን" ብምባል፡ ክዳለዋ ከም ዝግባእ ትምዕድ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







