ኢትዮጵያ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ካብ ዘለዋ ምሕዝነት እንታይ ከሲባ?

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE/FB

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብተን ፈለማ ዝበጽሐን ሃገራት እታ ቀዳመይቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እያ።

ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ዝተጀመረ ሽርክነት ሕጂ’ውን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ወርሑ ዳግማይ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ በጺሑ ነይሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እውን ኣብ 2018 ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ሸኽ ዓብደላ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምልኣኽ ኣብ ሓያሎ ዓውድታት ምስ ኢትዮጵያ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ፈሪማ’ያ።

ኣብ ናይ ኣዋርሕ ፍልልይ፡ ልኡል ወራሲ ዙፋን ኣቡዳቢ መሓመድ ቢን ዛይድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽኡ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባር ንምዕባይ ዘሎ ድሌት ከም ምልክት ተቖጺሩ።

ኣብዚ እዋን ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዱ።

ውዕል ሰላም

ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤርትራዊ ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራሕማን ስዒድ ኣቡ ሃሺም፡ እቲ ፕረዚደንት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለዎ ይጠቅስ።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተደጋጋሚ ምብጻሕ ምክያዶም ድማ ከም መርትዖ ይጠቅስ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ምስ ኤርትራ ውዕል ሰላም ክፈራረሙ ሓጊዙ’ዩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ስምምዕ ሰላም ክፈራረማ ኣበርክቶ ብምግባሮም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ዝለዓለ ሽልማት ክብሪ እታ ሃገር ሂባ’ያ።

ኢማራት ዓረብ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳንን ግብጽን ዘለዋ ዘይምርድዳእ ንክትፈትሕ ብተደጋጋሚ ፈቲና እያ።

ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሓ ዝተፈላለየ ፈተነታት ኣካይዳ እያ።

ኣቡዳቢ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ብዲፕሎማስያዊ መንገዲ ንክፍታሕ ዘይሕለል ጻዕሪ ኣካይዳ እያ።

ውሽጣዊ ጸገማትን ኤርትራን

ዕላማ ናይዚ ናይ ሕጂ ዑደት መሓመድ ቢን ዛይድ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ዘተኰረ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣቡ ሓሽም ይጠቅስ።

"ኣብ (ክልል) ኣምሓራ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ብዘሎ ወተሃደራውን ቁጠባውን ጸገማት ተቐባልነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ'ውን ርኡይ'ዩ" ይብል።

“ውሽጣዊ ድኽመት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይርአ ኣሎ። ኣብ ምምሕዳራዊ፡ ቁጠባዊን ካልእን ብዙሕ ድኽመት ኣሎ። እቲ ጸገም ዝፍንጀረሉ ናይ ግዜ ጉዳይ ጥራይ'ዩ ምባል ይካኣል።"

ኣቡ ሓሽም፡ ዑደት እቲ ፕረዚደንት፡ ሃገሩ ካብዚ ጸገማት መውጽኢ መንገዲ ንምርኣይ ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት።

እቲ ካልእ ግምት ድማ ምስ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ዝተኣሳሰረ እዩ።

መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ክሽለሙ ምኽንያት ዝዀነ እቲ ስምምዕ ሰላም 'ይዝረግ' ኣሎ ይብል እቲ ተንታኒ።

ወሲኹ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኩናት ዝተዛዘመሉ ኣገባብ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ዘሐጉሶ ከም ዘይኸውን ይገልጽ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተሰለፉ ፋኖታትን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራ ዕጥቂ ክፍትሑ ምሕታትን ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘይምምላስን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ምስ ኣሜሪካን ህውሓትን መሻርኽቲ ዝዀነ መሲሉ 'ክርኣዮ' ከም ዝኽእል'ውን ይዛረብ።

ክልቲኦም መረሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንኽተሓጋገዙ ክታሞም ኣንቢሮም

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE/FB

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም መረሕቲ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ንኽተሓጋገዙ ክታሞም ኣንቢሮም

“ብኸምዚ ኣገባብ ምትእምማኖም ብኸቢድ ተሃስዩ ክበሃል ይከኣል። ክሳብ ምጥርጣር ተበጺሑ’ዩ።” ድማ ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ፡ ወደብ ንምርካብ ሓይሊ ክጥቀም ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ዩ ተባሂሉ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን መዘራረቢ ኰይኑ ነይሩ።

"ዋላ'ኳ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳይ ወደብ ብግልጺ እንተዘይገለጸ፡ ነቲ እናተበላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ዝመስል ዝምድና ግን ዝያዳ ከበላሽዎ ይኽእል'ዩ" ይብል ኣቡ ሓሽም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘምረሐት፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይገልጽ።

"ኢትዮጵያ ዘጋጥማ ዘሎ ዓበይቲ ሽግራት ብዘይ ኤርትራ ባዕላ ናይ ምፍታሕ ዓቕማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ዘየለ ክርኣዮም ይኽኣል። . . . ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ እዘን ሃገራት ንኽልቲአን ውሕስነት እዩ። ብፍላይ ኣብ ቅልውላው ዘላ ኢትዮጵያ ስለዝዀነት፡ ደገፍ ኤርትራ ከም ዘድልያ ዝሓሰቡ ይመስሉ።”

ኣቡ ሓሽም፡ እቲ ሕቶ ብኢትዮጵያ ወገን ዝቐረበ ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ይጠቅስ።

“ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዕረቑኒ። ዘለኒ ውሽጣዊ ጸገማት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ክፈትሕ ይደሊ’የ ኢሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ባዕሎም ክፈትሕዎ ዘይከኣሉ ጸገም ናይ ሓባር መሻርኽቲ ብምጽዋዕ ነዚ ጸገም ንምፍታሕ ሓግዙና ክብሉ ይኽእሉ እዮም” ይብል።

ዲፕሎማስያዊ ረብሓ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዑደት ግን ብዛዕባ ኢትዮጵያ ጥራይ ኣይኰነን።

እቲ ረብሓ ክልቴኣዊ ከም ዝዀነ ዝሕብር እቲ ተንታኒ፡ "[እቲ ዑደት] ኢማራት ዓረብ፡ ጽልዋ እተስፍሓሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ስለ ዝዀና፡ ንናይ ወጻኢ ፖሊሲአንን ዝምድናታተንን ሚዛን ዝህብ’ዩ። ንሳቶም’ውን ተረባሕቲ እዮም" ይብል።

ኢማራት ዓረብ ካብ ኢትዮጵያ ብሃንቀውታ እትጽበዮ ብዙሕ ነገር ክህልዋ ይኽእል እዩ።

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣቕረብቲ ፍርያት ሕርሻ ክዀናኣ ከም ዝኽእላ ይገልጻ።

“[ኢትዮጵያን ሱዳንን] ብዙሕ ናይ ሕርሻ መሬት ኣለወን፤ ሕጽረት ዝናብ የብለንን። ብቐረብ ማይ ክድግፍዋ ይኽእሉ እዮም። [ኢማራት] ሕጽረት ማይ ኣለዋ። ኢትዮጵያ ዝስተ ይኹን ካልእ ማይ ናይ ምቕራብ ዕድል ኣለዋ" ክብል የብርህ።

ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኢትዮጵያ ንኢማራት ምችእቲ ናይ ኢንቨስትመንት ኣማራጺት ክትከውን ትኽእል እያ።

እቲ ዝዓበየ ጉዳይ ድማ ዲፕሎማሲ እዩ።

ኣዲስ ኣበባ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ እያ። ሓደ ካብቶም ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝካየዱ ኣኼባታት እታ ኣህጉር ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ ዝካየድ።

እዚ ድማ ኢማራት ናብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐሊሉ ክትበጽሕ ዝሕግዝ ኣቋራጭ ምዃኑ እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ይገልጽ።

ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ሓያላት ሃገራት ኣቓልቦ ዘቕንዓሉ ከባቢታት እዩ።

ኢማራት "ኣብ ኤርትራ ዀነ ኣብ ጅቡቲ እትደልዮ ነገር ንኢትዮጵያ ሒዛ ብቐሊሉ ክትፍጽሞ ትኽእል እያ" ብምባል ኢትዮጵያ ብመንጽር ዝተፈላለዩ መዐቀኒታት ኣብቲ ዞባ 'ሓያል ጽልዋ’' ከም ዘለዋ ይጠቅስ።

እቲ ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ንኢትዮጵያ እውን ኣገዳሲ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ካብዚ ዑደት ኣገዳሲ ዲፕሎማስያዊ ረብሓ ከም ዘትርፍ ኣቡ ሓሽም ይገልጽ።

"ምስ ኤርትራ ይኹን ጎረባብቲ ሃገራት ዝምድና ምስ ዝበላሸው፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ምሕጋዝን ምድጋፍን ዓቕሚ ክህልዋ ይኽእል'ዩ" ይብል።

ወተሃደራዊ ስምምዓት

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ኣብ ወተሃደራዊ ዓውዲ ጥቡቕ ርክብ ኣለወን።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ወተሃደራዊ ስምምዓት ተፈራሪመን እየን።

መበል 16 ምርኢት ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኣብ 2012 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እዩ ተኻይዱ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ መንጎአን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ምፍራመን ከም ዝተገለጸ ይዝከር።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣስማት ክልቲአን ሃገራት ብተደጋጋሚ ብሓባር ተላዒሉ’ዩ።

ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ኢትዮጵያ፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ኤርትራ ዝብገሳ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ትጥቀም ከም ዝነበረት ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብቲ እዋን ድምጺ ኣሜሪካ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘስካሕክሕ ኲናት፡ ሓገዝ ናይተን ኣብ ዓሰብ ዝርከባ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ይሓትት ኣሎ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ ነይሩ።

ቴሌቪዥን ትግራይ ብወገኑ፡ "ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክርከቡ ዘይኽእሉ ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ሓዊሱ ኣዝዮም ምዕቡላት ኣጽዋር ንህዝቢ ትግራይ ንምጥቃዕ ብሰፊሑ ኣብ ጥቕሚ ውዒሎም" ክብል ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣመልኪቱ’ዩ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሜጀር ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣምሓርኛ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሓይሊ ኣየር ብነፈርቲ ውግእ፡ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን የጥቅዕ ከምዘሎ ብምግላጽ "ንገዛእ ርእስና ኣሰልጢንናን ኣዕጢቕናን ኢና። እቶም ካልኦት ኣበሃህላታት ሓሶት እዮም። ብባዕልና ዝሃነጽናዮ ሓይሊ ኢና ጸላኢ ነጥፍኦ ዘለና" ኢሉ ነይሩ።

ይኹን እምበር እዚ ጸብጻብ’ዚ ብነጻ ኣካላት ኣይተረጋገጸን።

ሸርፊ ወጻኢ

ኣብ ኢትዮጵያ ንዓመታት ዝጸንሐ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ኣሎ።

እዚ ድማ ብዙሕ ቁጠባዊ ጸገማት ከም ዘስዓበ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ እዩ።

"ኣብዚ መዳይ'ውን (ኢማራትስ) ክትሕግዛ ትኽእል'ያ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ብዙሕ ክትጠቅም ትኽእሉ እያ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓጊዞምዋ እዮም" ይብል ኣቡ ሓሽም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዝገበሮ ዑደት፡ ኢማራት ዓረብ ንኢትዮጵያ ብመልክዕ ብቐጥታ ናብ ማእከላይ ባንክ ኣታዊ ዝኸውን ብድምር 3 ቢልዮን ዶላር ክትህብ ከም ዝተሰማምዐት ይዝከር።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ በጽሐ፡ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝተገብረሉ ፕረዚደንት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከም ዝተዘራረቡ ተገሊጹ’ሎ።

ርክብ ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን በብእዋኑ እናደልደለ ይኸይድ ከምዘሎ እቶም መራሕቲ ምግላጾም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ኢንዱስትሪ፡ ሕርሻ፡ ኢንቨስትመንትን ፋይናንስን ዝርከብዎም ዝተፈላለዩ ዓውድታት፡ 17 ስምምዓት ከምዝተኸተሙ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን ኣለዋ።