ኢትዮጵያ፡ ብጌጋ ዝረኸቦ 8.4 ሚልዮን ብር ዝመለሰ ቅኑዕ ሰብ

ኣቶ ቻላቸው ጌጡ

ምንጪ ስእሊ, AMC

እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣቶ ቻላቸው ጌጡ ይበሃል። ንሱ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኣምሓራ ክኢላ ፋይናንስ እዩ።

ብ20 ሕዳር 2018 (ግ)፡ ኣብ ሞባይሉ 8.4 ሚልዮን ብር ናብ ባንክ ሕሳቡ ከምዝተሰጋገረ ዝሕብር መልእኽቲ በፂሕዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወፃኢ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክሰዱሉ ዝኽእሉ ኣዝማድ ይኹን ፈተውቲ የብለይን ዝብል ኣቶ ቻላቸው ኣዝዩ ተደናጊሩ።ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠሞ ነገር ድማ ንመሳርሕቱ ነጊርዎም።

ዝያዳ ምድንጋር ዝፈጥር እንተዘይኰይኑ፡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ዘብርህ ዋላ ሓደ'ኳ ኣይነበረን።

ስለዚ ናብ ባህርዳር ናብ ዝርከብ ጨንፈር ባንክ ንግዲ ቤዛዊት ደዊሎም።

ሰዓቱ ጠቒሱ ድማ፡ "8.4 ሚልዮን ብር ናብ ባንክ ሕሳበይ ከምዝተሰጋገረ ዝገልጽ መልእኽቲ በጺሑኒ" ብምባል ሓቅነት እቲ ዝውውር ከረጋግጽ ሓቲቱ።

ኣቶ ቻላቸው ናብ ባንኪ ደዊሉ ብዛዕባ እቲ ዘይተጸበዮ መጠን ገንዘብ ናብ ሕሳቡ ምስግጋሩ ብዝምልከት ዝበጽሖ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ቅኑዕ ምዃኑ ከምዘረጋገጸ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

እቲ ገንዘብ ካበይ ከምዝተለዓኸሉ ምስ ተሓተተ፡"ካብ ባንክ ኣዋሽ ናብ ባንክ ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያ ኣብ ዝሰጋገረሉ እዋን ዝመጸ እየ" ኢሉ።

ናቱ ባንክ ሒሳብ ኣብ ባንክ ንግዲ ከምዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ቻላቸው፡ እቲ ገንዘብ ካብ ካልእ ባንክ ናብ ናቱ ሕሳብ ብኸመይ ክምዝሰገረ ስለዝደንጸዎ፡ እዚ ከመይ ክኸውን ክኢሉ ክብል ነቲ ሰራሕተኛ ባንክ ብድጋሚ ሓቲትዎ።

እንተኾነ እቲ ኣብቲ እዋን ደዊሉ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ባንክ እዚ ፍጻመ ብኸመይ ክኸውን ከምዝኽእል ከብርህ ኣይከኣለን።

ኣቶ ቻላቸው "እንተተኻኢሉ ምስቶም ባንክታት ተዘራሪብኩም ኣዐርይዎ" ብምባል፡ እቲ ብሃንደበት ኣብ ባንክ ሕሳቡ ዝተረኽበ ሚልዮናት ብር ናብ ዋናኡ ክሰጋገር ሓቲቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"እቲ ገንዘብ ኣይናተይን፤ ምስቲ ዝለኣኾ ባንክ ተዘራሪብኩም፡ መልሱን ውጽኢቱን ኣፍልጡኒ" ኢሉ።

እንተዀነ ዝረኸቦ ምላሽ "ከምኡ'ማ ኣይከኣልን" ዝብል እዩ ነይሩ። "እቲ ገንዘብ ናብቲ ዝለኣኾ ባንክ ንምምላስ ባዕልኻ መጺእካ ክተመልክት ኣለካ" ተባሂሉ።

"ኣስግረለይ ኣይበልክዎን፤ ካብ ደገ ይኹን ካብ ውሽጢ ከምዚ ዓይነት ገንዘብ ከስግሩለይ ዝኽእሉ ኣዝማድ የብለይን" ብምባል ኣብቲ ሰዓት ዝተፈጠሮ ምድንጋር ይገልጽ።

ብዝዀነ "ዝምልከቶ ኣካል ሕጊ ነቲ ገንዘብ ርእዩ ይምርምሮ፡ ናብ ዋንኡ ድማ ይመልሶ" ብምባል ናብ ክፍሊ ፖሊስ ባህርዳርን ሻሙናይ መደበር ፖሊስን ከይዱ ጥርዓን ኣቕሪቡ።

ጥርዓኑ ተሰሚዑ ድማ ፖሊስ እቲ ገንዘብ ከየንቀሳቕስ ናብ ባንክ ደብዳበ ጽሒፉ።

ብድሕሪ'ዚ መርመራ ተኻይዱ፤ ነዚ ስዒቡ ፖሊስ ናብ ኣቶ ቻላቸው ደዊሎም "እቲ ገንዘብ ገለ ምትላል የብሉን። ነጻ'ዩ፤ ንዝመጽእ ነገር ኵሉ ሓላፍነት ክንወስድ ኢና" ኢሎምዎ።

ብድሕሪኡ ናብቲ ሒሳቡ ዝርከበሉ ባንክ ተመሊሱ "እቲ ገንዘብ ውሑስ እዩ ኢሎምኒ። ብጌጋ ዝተለኣኸ'ዩ ኢሎምኒ። ናብ ዋናኡ ክመልስዎ ሓቲተዮም፤ እቲ ገንዘብ በዚ መልክዕ ተመሊሱ" ይብል ኣቶ ቻላቸው።

ሓደ ዓሚል ባንክ ኣዋሽ ናብ ካልእ ባንክ ገንዘብ ከሰጋግር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ብጌጋ ናብ ሒሳብ ኣቶ ቻላቸው ዝኣተወ 8.4 ሚልዮን ብኸምዚ ናብ ዋናኡ ተመሊሱ።

ኣቶ ዓብዱሰመድ መሓመድ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ንባንኪ ኣዋሽ 8.4 ሚልዮን ብር ኣብ ባንኪ ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያ ናብ ዝርከብ ናብ ኣቶ መሓመድ ኢብራሂም ሒሳብ ከሰጋግር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ እቲ ጌጋ ተፈጺሙ።

ሓደ ሰራሕተኛ ባንክ ንግዲ ድማ ብጌጋ ናብ ሕሳብ ኣቶ ኣላቸው ከምዘሰጋገሮ ባንክ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ምስጋና ደብዳበ ጠቒሱ።

ኣቶ ቻላቸው ናይ ብሕቱ ዘይኰነ ገንዘብ ብቕንዕና ከምዝመለሰ እቲ ባንክ ብ29 ሕዳር 2018 ናይ ምስጋና ደብዳበ ጽሒፉ እዩ።

ኣቶ ቻላቸው ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ናብ ሕሳቡ ክኣቱ ከሎ "እስኪ ክሓስበሉ" ኢሉ እንተነይሩ ምስ ተሓተተ "ብፍጹም" ክብል ብፍሽኽታ መሊሱ።

"ሎሚ ዝዀነ ሰብ ዘሚቱ እናበልዐ፡ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ኣምጽእ ተባሂሉ ኣብ ዝግደደሉ ክልልን ሃገርን፡ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ክመጸልካ ከሎ ከመይ ጌርካ ትም ትብል?" ዝብል ርእይቶ ዝሃብዎ ሰባት ነይሮም።

ንሱ ግን "ምስ ሃይማኖተይ፡ ኣተዓባብያይን ምስ ባህሊ ሕብረተሰበይን ኣይቃዶን" ይብል።

"ቀደሙ'ውን ናተይ ዘይኰነ ነገር ናተይ ኣይኰነን ኢለ ስለዝሓስብ፡" ብምባል ከምዘይናሳሕ ወሲኹ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብሰናይ ተግባሩ ዝተሓበኑ ብዙሓት ከምዘለዉ'ውን ኣመልኪቱ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን ዝኾነ ኣቶ ቻላቸው፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ ወሰኽ ደሞዝ፡ ከም በዓል ሞያ ፋይናንስ ኣብ ወርሒ 9 ሽሕ ይረክብ ከምዝነበረ ይዛረብ።

እቲ ገንዘቡ ብቕንዕና ዝመለስካሉ ውልቀሰብ እንታይ ገይሩልካ ንዝብል ሕቶ ድማ ነዚ ዝስዕብ ምላሽ ሂቡ።

"[ሰሓቕ] ናይ ኵሉ ሰብ ሕቶ እዩ። ሓንሳብ ንመድኃኒያለም ሂበዮ'የ፤ ዝመጽእ እንተሃልዩ ግና 'ኣምላኽ ይሃበለይ' ኢለ ክቕበሎ እየ። ኣይቅበልን ኣይብልን፤ ግን ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዝሃበኒ ነገር የለን።"