ትግራይ፡ ድሕሪ 33 ዓመታት ማንታ ዝተበኰረት ስድራቤት ካህን

ሊቀ ትጉሃን ኣማረ ሃይሉን ወ/ሮ ካሕሱ ዕቡይ ምስ ማናቱ ደቆም ሓቚፎም ይርኣዩ። ልብሰ ክህነት ዝለበሱ ኣቦይ ቀሺ መስቀል ሒዞም ኣለዉ፡ ሓቚፎማ ዘለዉ ህጻን ጓሎም ነታ መስቀል ክትሕዛ እናፈተነት ትርአ።
መግለጺ ስእሊ, ሊቀ ትጉሃን ኣማረ ሃይሉን ወ/ሮ ካሕሱ ዕቡይ

ኣብ እንደርታ ደብሪ ኣብ ዝበሃል ዓዲ ክልተ ሰባት ብተክሊል ተመርዕዮም ኣብ ለምለም ገዛ ኣተዉ።

ሊቀ ትጉሃን ኣማረ ሃይሉን ወ/ሮ ካሕሱ ዕቡይ ይበሃሉ።

ረጒድ ግራት እንደርታ ሓሪሶም ስርናይን ጣፍን ኮልሲሶም ምህርቲ ብለቖታን ቆፎን ጥርፍፍ ኣቢሎም ቀለብ ዓመት ይኽእሉ።

ኣብ ጐልጐል ደብሪ ዝተሰርሐ ርሻን ቤቶም ማሚቖም ይሓድሩ። እኽለማይ መሊኡ፡ ደምበ ተርኪሱ ፍረ ማህፀን ውሉድ ግን ኣይረኸቡን።

ን33 ዓመታት ብዘይውላድ ክልተ ብሩኻት ኣብ ሓደ ፅላል ቤት፡ ኣብ ንፅዲ ማእሲ ተተርኢሶም ሓሊፎሙዎ።

ግን ድማ "ፍረ ማህፀንናን ብርክናን ውላድ ስኢንና" ኢሎም ኮፍ ኣይበሉን።

ፍቖዶ ማይ ጸሎት ብምኻድ፡ ብርኮም ክሳብ ዝፍሕፋሕ ተንበርኪኾምን ሰማይ ኣንቃዕሪሮምን ንፈጣሪ ሰጊዶም።

"ጉጂ ትመርሕ እንተዄንካ ጎንፂ ዘይብሉ ኣይምራሕን። ውላድ ምስኣንና ድማ እቲ ፀገም ኣብ መኒኣና ምዃኑ ስለ ዘይንፈልጥ፡ ካብ ውላድ ወፃኢ ክንኳረ እንከለና ብኽልቴና ገፅ ኣሕዋትና ነይሮም ይግስፁና። ኰይኑ ግና ከምቲ መጽሓፍ ዝብሎ 'እስመ አልቦ ነገር ዘይሰአኖ ለእግዝአብሔር' እዩ እሞ ንፈጣሪ ቀሊል እዩ። ንደቂ ሰብ እዩ ዝኸብደና። እግዝኣብሔር ኣብ ዝፈቐዶ ውላድ ክህበና እዩ ኢልና ብተስፋ ኢና ንነብር ነይርና። ዝበልናዮ ድማ ኣይሳኣናይ፡" ኢሎም ሊቀ ትጉሃን ኣማረ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ወ/ሮ ካሕሱ እውን ብግዲኣ ቤተሰባ ኣጆኺ ፀዓሪ ይብልዋ ምንባሮም ብምዝካር፡ ውላድ ንምርካብ ፍቖዶ ማይ ፀሎትን ሕክምናን ትደክም ምንባራ ትዝክር።

"ግን ኣይተመሰለለይን ነይሩ፡" ትብል።

ከም ወዮ ሰብ ዝበልዖ እምበር ዝዛረቦ ኣይስእንን ዝበሃል፡ ዓዲ ብትሒም ትሒም ዝዛረቦ፡ ሊቀ ትጉሃን እዝኖም ኲር ኣቢሎም ይሰምዑ።

"መኻን ዳኣይኮነይ ናጋ ሓመድ ተደፊኑ ዝቐሪ እዩ፡" ኢሎምኒ። ካብ ሓሜት ዘሊሉ ኣብ ኣፎም ዝዛረብ ሰብ ተረኺቡ።

ሊቀ ትጉሃን እውን ኢሎም፡ "ንባዕሎም ተሳሓሒቶም ንዓይለ ኣሰሓሒቶምኒ ነይሮም። ክልተ ኣንስቲ ነይረን፡" ብምባል የዘንትዉ ሊቀ ትጉሃን።

"እታ ሓንቲ ወሊዳ እታ ሓንቲ መኻን ነይራ። ኣብ መንጕኡ ነገር ዓለም ኰይኑ ተባኢሰን። ደሓር ወያ ወላድ ኣነ እኮ ዝብላዕ ዝስተ ተሳኣንኩ ብርሃን ደቀይ እርኢ ኣለኹ እየ። ኣመርዑ ኣደርዑ ኣለኹ እየ። ንስኺ ግን ናጋ ንቝልቍል ኢኺ ዝዝክረኪ እኳስ የብልኽይ ኢላ ፀያታ። ካውኡ እታ ወላድ ሸውዓተ እያ ወሊዳ ነይራ ሸውዓቲኦም ስኢናቶም። ተገማ እታ መኻን ሸውዓተ ወሊዳ። ስለዚ፡ መጽሓፍና እውን መኻን ሰብ የለን እዩ ዝብል። ስለዚ፡ ንስኻ ሃይማኖታዊ መምህር ኴንካዶ ንኸማኻ ዝበለ ወዲ ትሽዓንተ ወርሒ መኻን ኢልካ ይፅረፍ እዩ ብዝብል ላብ ለይኾነ ነገር ኣቲና ነይርና፡" ብምባል ምስቲ ዝተወራዘየሎም ሰብ ከም ዝተጐራፈጡ ብሰንኩ ዝፈጠረሎም መሪር ጓሂ ይዝክሩ።

ብኣንፃሩ ድማ ሓደ ኣቦይ ቀሺ በርሀ ገብረ ዝበሃሉ ካብ ዓለም ዝተፈለዩ መናቱ ዝወለዱ ትኽትንፋስ ዓርኪ ሊቀ ትጉሃን ነይሮም።

"ኣብ እንዳ ስዋ ይዅን ኣብ ለግነየኒ ማእገረይ እዩ ዝጥብጥበኒ ነይሩ። ማንታ ክትወልድ ኢኻ ይብለኒ ነይሩ። ግን ብርሃነይ ከይረአየ ከይዱ፡ ኣነ እሓዝን፡" ብምባል ክልተ ገፅ ደቂ ሰብ ከም ዝራኣዩ ይነግሩ።

ጸሎትን ፃዕርን እታ ስድራ ሰማዒ ረኺቡ፡ መረባ እንዳ ሊቀ ትጉሃን ብዕልልታ ደመቐ።

"ደሓር እማ ማንታ ምስ ወለድና ኣይኰነንዶ እቶም ዝፈትውኒ ዝነበሩስ እቶም ዝሓምዩኒ ልነበሩ ከይቀረዩ ተደኒቖም። 'ማንታያ ወሊዱ' ተባሂሉ ስልኪ እናተደወለ ሱቕ ኢልካ እዩ መብልዒ እንጀራ እኳስ ስኢነ፡ ኣብቲ ናትኩም ታሕጓስ ተደምበርቲ ኢና እናበሉ ኣብቲ ሞባይል ስልኪ ዕልል እናበሉ ላበሰሩኒ ውዒሎም፡" ብምባል ብሕሱም ታሕጓስ ጭድድ ክብሉ ዝወዓሉላ መዓልቲ ይዝክሩ።

"ክርስትናለ ዕዱምን ለይዕዱምን ብዓዱ እዩ መፅዩ፡" እንክብሉ ገፆም ብፍሽኽታ ጸዳል ዓሲልዎ።

"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕክምና ኣሎ ካውኡ ሓሎፉለ ኣብ ወፃኢለ ኣሎ ልብል ወረ ነይሩ። ግን ንኣዲስ ኣበባ ከይንኸድ ሰብ ለይብልና። ንኣዲስ ኣበባስ ጨለ ምኸድና ንወፃኢ ከይንኸድለ ግን ቃዕሚ ለይብልና። ንዓዲ መን ኢልና ኢና ክንከይድ። ሎሚ ግን ናብ ዓድና መፂኡልና። ደጊም ሃማየይ ልጭነቑ ልነበሩ ናብ ካልእ ዘኽይድ የብሎምን፡" ብምባል ይዛረቡ።

ብሓበሬታ ሓደ ሓው ኣብ መቐለ ዓዲ ሹም ድሑን ናብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ኣደታትን ህፃናትን ኣደ ብምኻድ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም።

ወይዘሮ ካሕሳ፡ "ሓደ ሓውና እዩ ከምዚ ዝበለ፡ ሕክምና ኣሎ ሞኩሩ ኢሉ ልኢኹልና። ኣነለ እግዝአብሔር እኮ ብሰብ ኣምሲሉ ይልእኽ እዩ። ንሞክር እንዶ ኢለዮ በዓል ገዛይለ እሺ ኢሉ ተቐቢሉኒ። ፅዒርና ተመሲሉልና፡" ብምባል ገፃ ዕምበባ መሸላ ኣምሲላ ሓሳብ ልባ ከም ዝሰመረላ ትገልፅ።

ከም ትምኒት ዓርኮም መናቱ ኣዋልድ ተበኲሮም። "ንዶክተር ሳምሶን ምሉጌታ ብተኣምር እየ ረኺበዮ፡" ኢሎም ሊቀ ትጉሃን ኣማረ።

ሎሚ እንዳ ሊቀ ትጉሃን ጨርቂ ሽንቲ ይሕፀብ'ሎ። ስዒሞም ዘይፀግብወን ይአብ ስራን ህያብን ዝበሃላ መናቱ ኣሓት ገዛ ዕንፅራር ገይረነኦ ይውዕላ ኣለዋ።

"ሎሚ ዳኣ ናይ እማትና ሰብ ኣይነልዕል፡ ምስ ደቅና ንውዕል። ካብ ዝገሽኩዎ ኰይነ እኳስ ድምፀን ብስልኪ ከይሰማዕኹ ኣይውዕልን። ልኣይ ዝሃበ ንመን እሞ ሂቡ ኢልኻዮ። ውላድ እኮ ርእሲ ዅሉ እዩ። ከም ወዮ ጐይታና ዝበሎ 'ብዝሁ ተባዝሁ ምልኡዋ ለምድር' ኢሉና እዩ ዘርእና ከየቋርፅ።"

ምስቲ ካህን ምዃኖም ፈጣሪ ውሉድ እንተሃበ ይሃበና እንተ ዘየሎ ግን ሃይማኖትና ኣፅኒዕና ክንሓልፍ ኢና ኢሎም ወሲኖም ምንባሮም ዝገለፁ ሊቀ ትጉሃን ሓደ ተጓንፎ ይውስኹ።

"ግበር ክምሰል እዩ ዝብል መጽሓፍ፣ ከይፀዓርካ ድማ ኣይዀንን። ማይ ጸሎትለ ፀዓሪ እዩ፣ ሕክምናለ ፀዓሪ እዩ። ኣብ ኣርባዕተ ሓካይም በፂሐ እየ። እንተ ተናገርኩ ልኡ ምብስባስ ከይመስል እምበር እቲ ሓደ ዶክተር ኣብ ካልእ ክትወልድ ሞኪርካዶ ኢሉኒ፡ ኣነ ካህን እየ። ብተክሊል ዝተሓፀርኩ እየ። ንሳለ መርሕስነይ እያ። ኣነለ መርሕስና እየ። ግዛዕ ምዛዕ ኣይንፈልጥን ኢለዮ።

"ውላድ እምበር ክህነት ዓብዪ ኣይኰነን ኢሉኒ፡ ክህነት ኣፍርስ ኢሉኒ። እዚ ክትብለኒ ኣይመፃኹን ኢለ ወፅየ ከይደ፡" ብምባል ውሉድ ንምርከብ ዘሕለፍዎ ሓርጎፅጎፅ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ፡ "ክህነትናለ ሓሊና ውላድናለ ረኺብና፡" ኢሎም ሊቀ ትጉሃን ኣማረ።

ዶ/ር ሳምሶን ምሉጌታ ወናኒን ኣመሓዳርን ማእከል ሕክምና ኣደታትን ህፃናትን ኣደ፡ ጻዕዳ ጋወን ገይሩ ናብ ካሜራ እናርኣየ
መግለጺ ስእሊ, ዶ/ር ሳምሶን ምሉጌታ ወናኒን ኣመሓዳርን ማእከል ሕክምና ኣደታትን ህፃናትን ኣደ

ዶ/ር ሳምሶን ምሉጌታ ወናኒን ኣመሓዳርን ማእከል ሕክምና ኣደታትን ህፃናትን ኣደ እዩ። ከምኡ እውን ኣብቲ ማእከል ሓኪም ክፍሊ ሕክምና ነቅአ ህይወት ወይ መኻንነት ኰይኑ ይዓዪ።

"ብመሰረት መፅናዕቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ሽዱሽተ ሰባት ሓደ ሰብ ፀገም መኻንነት ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ሓደ ካብ ሽዱሽተ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። ኣብ ኵሎም ሃገራት ዝርግሕኡ 17 ሚእታዊ እዩ፡" ይብል።

ብዙሓት ፀገም መኻንነት ዘለዎም ሰባት ካብ ሕክምና ወፃኢ ናብ ፀበልን ባህላዊ ሕክምናን ከም ዝኸዱ ይፍለጥ። ብመሰረት መብርሂ ዶ/ር ሳምሶን እቲ ፀገም ብሰንኪ ቴክኖሎጅያዊ ኣማራፂ ዘይምህላዉ ዝፍጠር እዩ።

ዝበዝሑ ግዳያት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ዓቕሊ ፅበታዊ መፍትሒ ምንዳይ ግዜኦም ከም ዘሕልፉ ይፍለጥ። ገሊኦም ኣለሻ ሕክምና ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸዱ። ካብኡ ሓሊፎም እውን ናብ ወፃኢ ሃገራት ከይዶም ዝፅዕሩ ኣለዉ።

ማእከል ሕክምና ኣደ፡ ክፍሊ ሕክምና ነቅአ ህይወት ወይ እውን መኻንነት ንኽጅምር ዝደፈኦ መበገሲ ነይሩዎ።

ሓደ እዋን ካብ ገጠር ትግራይ ዝመፅኡ ሰብ ሓዳር፡ ብዓልቲ ቤቱ ካብ ወፃኢ ድቂ ቋፂራ መፂኣ። ነዊሕ ከይፀንሑ እቲ ጥንሲ ኣብ 8 ሰሙኑ ተነፂሉ። ናብቲ ዝተሰርሓሎም ሃገር ተመሊሶም ክኸዱ ሓበሬታ ተዋሂብዎም።

ኰይኑ ግና፡ "ንደልዮ ምግቢ የለን። ቋንቋ ብጣዕሚ ፀጊሙና። ገንዘብና ወዲእና። ስለዚ፡ እንድሕር ኣብዚ ተጣይሽ ኴንካ ክንመፅእ ኢና። ተለይኰይኑ ግን ኣይንኸድይ፡ ኢሎም። ካብቲ ናቶም ኣጋጣሚ ኢና ነቲ ሕክምና ንምጅማር ክንሓስብ ዝኻኣልና፡" ይብል ዶ/ር ሳምሶን።

ብሩክ ገብረመድህን ኣብ ኲናት ትግራይ ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ዓንዲ ሕቘኡ ተሰይሩ ብመንበር ተሓጊዙ እዩ ዝኸይድ። ብሰንኪ መጕዳእቱ ድማ ቈልዓ ናይ ምውላድ ተስፍኡ ፀልሚቱ ነይሩ። ምስታ ኣብ ገድሊ ዝተላለያ ብዓልቲ ቤቱ ኣብርሀት ተስፋይ ከይተፈላለዩ ፍቕሮም ቀፂሉ።

ብመሰረት ካብ ሕክምና ኣዋሽ ዝረኸብዎ ሓበሬታ ናብ ማእከል ሕክምና ኣደ ብምኻድ ደቦል ውላዶም ክሓቝፉ በቒዖም።

ናብ ማእከል ሕክምና ኣደ መፂኦም ፀገሞም ምስ ገለፁ፡ ዶ/ር ሳምሶን ምሉእ ናፃ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ውሉድ ክረኽቡ ከም ዘኽኣሎም ይገልፁ።

ኣብርሀት ተስፋይ፡ "ኣደ ማእከል ሕክምና ናይ ፍቕርና መሰረት እዩ ኢለ እየ ዝገልፆ። ንዶ/ር ሳምሶን ከመስግኖ እፈቱ፣ ወላዲና እዩ።" ብምባል ታሕጓሳ ንምግላፅ ቃላት ክሳብ ዝሓፅራ ተመስግን።

ነባር ተጋዳላይ በሪሁ ገብረሚካኤል ብ1984 (ግ) ኣብ ገድሊ ብዝበፅሖ መጕዳእቲ ምስታ ምስኡ ብሓዳር ዝፀነዐት ብዓልቲ ቤቱ ድሕሪ 20 ዓመት ዝተሃንጠይዎ ዕንበባ ዝመስል ወዱ ተበኲሩ ኣሎ።

ህንጻ ማእከል ሕክምና ኣደታትን ህፃናትን ኣደ፡ ታቤላኡ ድማ ኣብ ላዕሊ ይርአ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኲናት ትግራይ ብዘጋጠሞ መጕዳእቲ ዓንዲ ሕቘኡ ብሓገዝ እዚ ማእከል ጥዕና ክወልድ ከም ዝበቕዐ ዶ/ር ሳምሶን ይገልፅ

ብዓልቲ ቤቱ መብርሂት ሓጎስ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባዊ ፀቕቲ ከይዓገታ ሓደ መዓልቲ ክምሰለልና እዩ ብምባል ምስ በሪሁ ብፍቕሪ ፀኒዓ ዝቐፀለት ኣብነታዊት ጓለንስትየቲ እያ።

"ካብ ቤተሰብን ካብ ኵሉ ማሕበረሰብን ዳርጋ ተነፂለ እየ ዝነብር ነይረ። ቤተሰበይ ስለምንታይ ከምዚ ኢልኪ ትነብሪ ወይ ሕክምና ዘይትኸዱ ይብሉኒ ነይሮም። በሪሁ ለዋህ እዩ። ፅቡቕ ፍቕሪ የርእየኒ። ብጣዕሚ እዩ ዘኽብረኒ። ቤተሰበይ እውን የኽብረለይ። ውሉድ ብምስኣን ብዘጋጠመና ፀገም ተፃዊርና ግን ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሕና፡" ብምባል ትገልፅ።

ሕክምና መኻንነት፡ ብልሙድ ተፈጥራኣዊ መንገዲ ምውላድ ኣብ ዘይከኣለሉ ግዜ ዝካየድ ሕክምና እዩ። ብፍላይ ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ብሰንኪ ተላባዲ ሕማም ትቦ ፍረ ነብሲ ይዕፆ እሞ ዘርኢ ክወፅእ ኣይኽእልን። ስለዚ፡ ብተፈጥራዊ መንገዲ ክወልዱ ኣይኽእሉን።

ብወገን ደቀንስትዮ እውን ሻምበቆ ማህፀን ይዕፆ። እዚኦም ብብዝሒ ዝተለመዱ ጠንቅታት እዮም። ካብዚ ወፃኢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣካላዊ መጕዳእቲ ከጓንፍ እንከሎ፡ ፆታዊ ርክብ ብምግባር ጥንሲ ክፍጠር እንተ ዘይክኢሉ ካብ ፍረ ነብሶም ዘርኢ ይውሰድ። ካብተን ደቀንስትዮ ድማ መድሓኒት ብምሃብ እንቋቝሖ ክፈሪን ናብ ደገ ክወፅእ ብምግባርን እንቋቝሖን ዘርኢ እቲ ወዲ ተባዕታይን ኣብ ደገ ክራኸብ ብምግባር ጥንሲ ይፍጠር። ብድሕሪኡ እቲ ድቂ መሊስካ ናብ ማህፀን ይኣቱ። ብመንገዲ እዚ ቈልዓ ክወልዱ ይኽእሉ ብመሰረት ሞያዊ ትንታነ ዶ/ር ሳምሶን ምሉጌታ።

እዚ ብዶ/ር ሳምሶን ዝምራሕ ዘሎ ማእከል ሕክምና መኻንነት ካብ መቐለ ሓሊፉ ኣብ ቀረባ ግዜ ተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከፊቱ ስርሑ ንምጅማር ኣብ ምሽብሻብ ይርከብ።