ዕደና ወርቂ ኣብ ዝካየደሉ ቦታ፡ ኣስከሬናት ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኣብ ዝዀና ቦታታት ዕደና ወርቂ፡ ብኣዋርሕ ዝቝጸሩ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ተቐቢሮም ከም ዝጸንሑ ዘርኢ ዘሰክፍ ምስሊታት ወጺኡ።
እዚኦም፡ ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መላእ እታ ሃገር ንዘይሕጋዊ ዕደና ዒላማ ዝገበረ ስርሒታት ካብ ዝጅምር ንደሓር ኣብኡ ዝጸንሑ እዮም።
ሓንቲ ካብቶም ዝተፈነዉ ቪድዮታት [ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን]፡ ኣብ ቦርሳ ዝተጠቕለሉ ሬሳታት ተርኢ።
ካልእ ድማ ገለ ዝማህመኑ ብህይወት ዘለዉ ዓደንቲ ተርኢ።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተደናጐየ ስርሒት ምድሓን ህይወት፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ ቤት ፍርዲ መንግስቲ ነዚ ስርሒት ንከመቻችእ ትእዛዝ ምሃቡ ስዒቡ ትማሊ ሰኑይ ተጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቶም ዓደንቲ ብዘይ ፍቓድ ኰነ ኢሎም ናብቲ ኣብ ከተማ ስቲልፎንታይን ዝርከብ ቦታ ከም ዝኣተዉ ብምምጓት፡ ሰበስልጣን ተሪር መርገጺ ብምሓዝ፡ ናብቲ ከባቢ ዝኣቱ ቀረብ መግብን ማይን ዓጽዮም።
ኣብ ሕዳር ሓደ ምኒስተር መንግስቲ "ኣገዲድና ከነውጽኦም ኢና" ኢሉ ነይሩ።
ልዕሊ 100 ካብቶም ኣብቲ ከባቢ "ዛማ ዛማስ" ተባሂሎም ዝፍለጡ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ፡ ኣብቲ ካብ ጆሃንስበርግ ኣስታት 145 ኪሎ ሜተር ንደቡባዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ዕደና ስጕምቲ ምውሳድ ካብ ዝጅምር ኣብ ትሕቲ መሬት ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ሰበስልጣን ግን ነዚ ኣሃዝ ክሳብ ሕጂ "ብወግዓዊ ምንጪ" ስለ ዘይተረጋገጸ ኣየረጋገጽናዮን" ክብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ ገና ካልኦት ኣማኢት ሰባት ኣብቲ ቦታ ዕደና ከም ዘለው ይግመት።
ማሕበር ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ዝዘርግሖ ሓደ ቪድዮ፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ማልያ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ረሳሕ መሬት ኰፍ ኢሎም ይረኣዩ።
ገጾም ብሃሳስ ነገር ክሽፈን እንከሎ፡ ሓደ ሰብ እቶም ደቂ ተባዕትዮ ጠምዮም፤ ሓገዝ የድልዮም እዩ ክብል ይስማዕ።
"ሬሳ ናይቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዝሞቱ ኢና ነርእየኩም ዘለና። እዚኦም ድማ ኵሎም ኣይኰኑን... ከመይ ከም ዝተሸገሩ ትርእዩ ዶ ኣለኹም? በጃኹም ሓገዝ የድልየና ኣሎ" ይብል።
ኣብ ካልእ ቪድዮ ሓደ ሰብኣይ "እዚ ጥሜት እዩ፤ ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ይሞቱ ኣለዉ" ይብል።
ብድሕሪኡ ቍጽሪ ዝሞቱ 96 ከም ዝበጽሕ ብምግላጽ፡ ሓገዝ መግብን ካልኦት ቀረባትን ክመጽኣሎም ይምሕጸን።
እቲ ማሕበር፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ከም ዝተቐድሐ ይገልጽ።
ብሰኑይ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት እታ ሃገር ኣብ ጥቓ እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዝተኻየደሉ ቦታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምምሕዳር 'ጊውሳ' እቶም ቪድዮታት "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ምስሊ" ናይቲ ስዉር ኵነታት ዘርእዩ እዮም ኢሉ።
"እቲ ኣብዚ ዝተፈጸመ ነገር ብሽሙ ክጽዋዕ ኣለዎ፤ እዚ ቅትለት ስቲልፎንታይን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘርእዮ ነገር እንተሃልዩ፡ ኵምራ ኣካላት ደቂ ሰባት፡ ኣስክሬን ሓገዝ ስኢኖም ዝሞቱ ዓደንቲ'ዩ" ይብል ፕረዚደንት ጊውሳ ማመትልወ ሰቢ።
እዚ ድማ፡ ሰብ መዚ ኰነ ኢሎም ዝኽተልዎ "ከዳዕ ፖሊሲ" ብምህላዉ ዝስዓበ'ዩ ክብል ነቒፉ።
እቲ ማሕበር፡ ኣብቲ ከከም ክብደት ሰብነቶም ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ሰባት ክሕዝ ዝኽእል ቦታ ልዕሊ ዓቐን ሰባት ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ትማሊ 26 ብህይወት ዝተረኽቡ ዓደንቲን ትሽዓተ ሬሳታት ከም ዝወጽኡ ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ሃብቲ ማዕድን ማኮሶንከ ቡተለዚ፡ ቀዳምነት ነቶም ዝሞቱ ወይ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮም ድዩ ክወሃብ ዝብል ከረጋግጽ ኣይከኣለን።
ሎሚ ምስ ምኒስትሪ ፖሊስ ብሓባር ብምዃን ድማ ተወሳኺ መብርሂ ክወሃብ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







