ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ኣብ ሶማሊላንድ በዓል ሙሉእ-ስልጣን ኣምባሳደር ሸይማ

 ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ

ምንጪ ስእሊ, Presidency of Republic of Somaliland

ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዘለዋ ርክብ ዝያዳ ከትርር ይኽእል እዩ ተባሂሉ ዝተኣመነሉ ብዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር መዚዛ።

ቅድሚ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ቆንስላ ፍሉይ ልኡኽ 'ምበር ኣምባሳደር ሃልዩዋ ኣይፈልጥን።

ናብታ ሃገር ሓድሽ ኣምባሳደር ኮይኑ ዝተላእከ ተሾመ ሹንዴ ሐሚቶ ትማሊ ሓሙስ 23 ነሓሰ 2016 ዓ.ም ንፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ናይ ሽመት ደብዳቤኡ ኣቕሪቡ።

ፍሉይ ልኡኽ ነበር ብኣምሳዳር ምትካኡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ወገናት ዝያዳ ዘትርር ምዃኑ ይንገር።

ዜና ሹመት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማሊላንድ ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ንግብጺ ጐቲቱ ናብቲ ዞባ ከምዘምፀኣ ኣብ ዝተሰምዓሉ ቅነ እዩ።

ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቖጽራ ሶማልያ፤ እታ ዓርሰ-ናፅነት ዝኣወጀት ዞባ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝበፅሐቶ ስምምዕ ኣፍደ ባሕሪ፡ 'ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን' ዝጥሕስ እዩ ብዝብል ሓያል ተቓውሞ ተስምዕ ኣላ።

ብሰንኪ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንዓመታት ኣብ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዝፀንሐት ግብፂ፡ ምስ ሶማልያ ወተሃደራዊ ስምምዕ ክትፈራረም ግዜ ኣይወሰደላን።

ነዚ ወተሃደራዊ ስምምዕ ስዒቡ ድማ፡ ብፍቓድ መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ኣፅዋርን ግብጺ ናብ ሞቃድሾ ምእታዉ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣቘጢዑ ይርከብ።

እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ነቲ ንወተሃደራዊ ምትእትታው ግብጺ ግብረመልሲ ንምሃብ ዝተወስደተ ከይኮነ ኣይተርፍን'ዩ።

ሶማሊላንድ፡ ምውፋር ሰራዊት ግብጺ ናብ ሶማልያ ሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ ብምባል፡ እቲ ጉዳይ ብሸለልታ ከምዘይትሪኦ ሎመ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣጠንቂቓ'ላ።

ካብ ቆንስል ናብ ኤምባሲ

ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ወርሒ ሰነ 24 (ግእዝ) ዲፕሎማሰኛታት ሙሉእ ኣምባሳደራትን ኣብ ዝመዘዘትሉ'ዩ፡ እዚ ሓድሽ ኢትዮጵያዊ ዲፕሎማት ናብ መዓርግ ኣምባሳደርነት ሓፍ ኢሉ ዝለኣኽ ዘሎ።

ፍሉይ ልኡኽ ሶማሊላንድ ነበር ደሊል ከደር እውን፡ በዓል ሙሉእ-ስልጣን ኣምባሳደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሃርጌሳ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ ናብ ደረጃ ኤምባሲ ክብ ክብል ኣብ ውሳነ ከምዝተበጽሐ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብ እዋን ፅምብል መበል 33 መዓልቲ ናጽነት፡ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቆንስል ኢትዮጵያ ናብ ብርኪ ኤምባሲ ከምዝዓበየ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።

ምስ ሶማልያ ዘለወን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ርክበን ንምጥንኻር ወሰንቲ ስጉምትታት ይወስዳ ኣለዋ።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ሶማልያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ፀዊዓ፡ ነቲ ኣብ ሞቓድሾ ዝነበረ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምብራራ ዝዝከር እዩ።

ብተወሳኺ ሶማልያ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማሊላንድ ሃርጌሳን ርእሰ ከተማ ፑንትላንድ ጋሮዌን ዝርከባ ቆንስላት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 7 መዓልታት ክዕጸዋ ምእዛዛ ይፍለጥ።

እንተዀነ፡ ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ኣብ ሃርጌሳ ዝነበረ ቆንስል ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኤምባሲ ሓፍ ኢሉ በዓል ሙሉእ ኣምባሳደር ተሸይሙሉ ይርከብ።

ሓድሽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሃርጌሳ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ምድንፋዕ ከምዝሰርሕ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ኣምባሳደር ርሆዳ ኤልሚ ኣብ ኤክስ ገሊፁ።