ኣምሓራ፡ ንሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ዘሰንበደ ጭውያ

 ሆነልኝ ፋንታሁን
መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ጭውያ ህይወቱ ዝሰኣነ ሆነልኝ ፋንታሁን

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብ"ዘይተፈልጡ ዕጡቓት" ዝተጨውዩ ኰይኖም፡ ሓደ ካብኣቶም ድማ ብሰንኩ ህይወቱ ሓሊፋ።

ቢቢሲ ኣምሓርኛ፡ ጭውያ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ግብረሰናይን፡ ሞት እቲ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ዝኾነ ኣቶ ሆነልኝ ፋንታሁንን ብዝምልከት፡ ካብ ካብ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ካብቶም ዝተለቐቑ ሰባትን ኣባላት ስድራን ዝርዝር ሓበሬታ ረኺቡ።

እቶም ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ቀይሕ መስቀል ሰሜን ጎንደር ዝዀኑ፡ ኣቶ ሁነልኝ ፋንታሁን፡ ዶክተር ተፈራ ኣሰፋን ኣደላደላው ይግዛውን፡ ብ7 ነሓሰ 2017 [ግ]፡ ሓዳስ ኣምቡላንስ ናብ ወረዳ ጃን ኣሞራ ኣብፂሖም ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን እዮም ተጨውዮም።

ካብቶም ካብቲ ጭውያ ዝተፈትሑ ክልተ ሰራሕተኛታት- ሓደ ዝዀነ ዶክተር ተፈራ ኣሰፋ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንግሆ ሰዓት 02፡30 [ኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ]፡ ፍሉይ ስሙ ጨነቅ (ኣምባ ራስ) ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብሄራዊ ፓርክ ሰሜናዊ ኣኽራናት፡ ብዕጡቓት ጅሆ ከምዝተትሓዙ ይዛረብ።

እቶም ኣባላት እታ ማሕበር፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ መኪና ብኣርባዕተ ዕጡቓት ደው ክትብል ምሰ ተገብረት፡ ከምዝተሃርሙ ምስክርነቱ ሂቡ።

"መጀመርታ ሓደ ዘይተዓጥቀ [ሰብኣይ] ካብ ቅድሚት መጺኡ፡ ነቲ መራሒ መኪና 'ደው' በል ኢሉዎ። እታ መኪና ደው ክትብል ከላ እቶም ዕጡቓት ብኡንብኡ ናብታ መኪና ደዪቦም። ንዕኡ ከነዛርቦ ብ[መስኮት] ቅልቅል ምስ በልና፡ ውፅኡ ኢሎምና፣ ወሪድና - ቀጥቂጦምና። ነቲ ተኸዲንናዮ ዝነበርና ባጅ ቀይሕ መስቀል ኣውጽእዎ ኢሎምና፡ ኣውጺእናዮ" ክብል እቲ ፍፃመ ከመይ ከምዝጀመረ ይዛረብ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት፡ ነቶም ጨወይቲ ኣብቲ ከባቢ ተመሳሳሊ ተግባር ከም ዝፍጽሙ ዝፍለጡ "ዕኑዳት" ክብሉ ይገልፁዎም።

ዶክተር ተፈራ፡ እቶም ጨወይቲ ነቶም ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀልን ብጾቶምን፡ ብእግሮም ንኽልተ ሰዓታት ናብ ካልእ ቦታ ከም ዘግዓዙዎም ሓቢሩ።

እቲ ሰራሕተኛ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ "ኣዝዩ ዝሑልን በረድን ዝበዝሖ ከባቢ'ዩ" ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጽ። እቶም ዕጡቓት ናብ ሓደ በዓቲ ከም ዝወሰድዎምን ድሕሪኡ ንኽለልቀቑ ገንዘብ ከም ዝሓተቱን እውን ሓቢሩ።

ዶክተር ተፈራ ኣሰፋ፡ ኣብ መጀመርታ ንነፍሲ ወከፎም ሓደ ሚልዮን ብር ከምዝተሓተቱ፤ ነዚ ንምንጋር፡ ንስድራቤቶም እውን ክድውሉ ተገይሮም።

ኣቶ ዋሴ ፋንታሁን፡ ዓቢ ሓው ኣቶ ሆነልኝ ፋንታሁን፡ ብሓሙስ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ብዝተሓዋወሰ ስምዒት ነቲ ተሌፎን ተቐቢሉዎ።

እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ጠለባቶም ንቤተሰቦም ድሕሪ ምሕባሮም፡ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ክልል ኣምሓራ'ውን ደዊሎም፡ ነቲ ኵነታት ኣረዲኦም።

ሞት ዘስዐበ ጭውያ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዛዕባ ምእሳሮም ንስድራቤቶምን ንቀይሕ መስቀልን'ኳ እንተተሓበረ፡ ኣቶ ሆነልኝ ምሸት ምሸት ሕማም ክስመዖ ከምዝጀመረ ዶክተር ተፈራ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ብዛዕባ እቲ ኵነታት ዋና ቤት ጽሕፈት ኣዲስ ኣበባን ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን ክፈልጥ ዝተገብረ ኰይኑ፡ መበጆ ዘይምኽፋል ፖሊሲ ዘለዎ ቀይሕ መስቀል፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ንምፍታሕ ብሽማግለታት ጻዕሪ ከምዝተገብረ ኣቶ ሻምበል ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ብጸቕጢ እቶም ዓበይቲ ዓዲ፡ ዓርቢ 9 ነሓሰ 2017 [ግ] ከባቢ ሰዓት 10፡0 ድሕሪ ቀትሪ እቶም ጅሆ ዝተትሓዙ ከምዝተፈትሑ ዶክተር ተፈራ ገሊጹ።

ይዅን'ምበር፡ ቀጻሊ ሕማምን ቃንዛን ኣቶ ሆነልኝ ካልእ ብድሆ ኰይኑ ከምዝቐፀለ ኣብሪሁ።

እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብእግሮም ንሰዓታት በቶም ዕጡቓት ክጓዓዙ ስለዝተገብሩ፡ ንምምላስ ኣጸጊምዎም ነይሩ።

ብፍላይ ነቲ ዝሓመመ መሳርሕቶም ተሸኪሞም ክጓዓዙ ኣይከኣሉን።

"እቲ መንገዲ ነዊሕ ስለዝነበረ፡ እቲ መራሒ መኪና [ኣቶ ኣደላደላው] ናብታ ዓዲ ከይዱ [ዝሕግዘና] ሰብ ፀዊዑ። ኣብ ቃሬዛ ተሸኪምና፡ ሰዓት 02፡00 ናብቲ ሆስፒታል በጺሕና። ቱርኒኬት ተዋሂብዎ፤ ለውጢ ኣይነበሮን። ሰዓት 05፡00 ምሸት ናብ ሆስፒታል ደባርቕ ተመሊስና፤ ግን ብሞት ተፈልዩ" ይብል እቲ ናይ ሰለስተ ዓመት መሳርሕቱ ።

ዶክተር ተፈራ ኣሰፋ፡ ጠንቂ ሞት መሳርሕቱ ኣቶ ሆነልኝ፡ ምስ መግረፍቲ፡ ስንባደ፡ ቍሪ ደቂሱሉ ዝነበረ ኵነታትን ጥምየትን ከምዝዀነ ገሊጹ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መግረፍትን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን" ጠንቂ ሞት ኣቶ ሁነልኝ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣተሓባባሪ ምክልኻል ሓደጋ ናይቲ ትካል ዝነበረ ኣቶ ሆነልኝ፡ ኣብ ቀይሕ መስቀል ንሰለስተ ዓመት ኣገልጊሉ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቈልዑን ነይሩ።

ሞት ሓዉ ኣብታ ካብ ማእሰርቲ ምፍታሑ ዝተነግረሉ መዓልቲ ከምዝሰምዐ ዝዛረብ ኣቶ ዋሴ፡ ብዝተሰብረ ድምጺ ከምዚ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይፈለጥኩን፤ ሓወይ ከይረኣኹዎ፡ ከም ንቡር ሓመድ ድበ'ውን ከይገበርኩሉ ስኢነዮ" ይብል።እቲ መንገዲ ውሑስ ስለዘይነበረ ንሓዉ'ውን ክቐብሮ ከምዘይክኣለ ብምግላጽ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ግጭት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት መጥቃዕቲ ከምዝፍፀሙን ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉን ፀብፃባት ይሕብሩ።

ገለ ትካላት እውን ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ካብቲ ክልል ከምዝወጻን፡ እዚ ድማ ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዛትን መሰረታዊ ድሌታትን ከምዝተዓናቐፈ ይንገር።