ድሮኖፎብያ፡ ንወተሃደራት ዝሃድኖም ዘሎ በሰላታት ድምጺ ድሮን

ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ምስ ኮርነር ፕረስ ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ብዛዕባ ድሮን ከምዚ ክብል ኣዕሊሉ ነይሩ፤ "ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ደቂስና እናሃለና ዕግርግር ይፍጠር፣ ድሮን መጺኣ ተባሂሉ። ድምጺ ኣይነበረን። ክንድቅስ እንተ በልና ሳልሳይ ግዜ ኣበራቢሮምና። ደሓር ሓደ ሓኪም ይሕርንኽ እዩ፣ እታ ሕርናኸኡ ናይ ድሮን ድምጺ እያ ትመስል። ደሓር ተረጋግኡ ሕርናኽ እዩ ተባሂሉ።"
ኣብ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ሕጂ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከምኡ'ውን ኣብ ኦሮምያ ድሮናት ከም ዝተጠቕመ ይግለጽ እዩ። ድሮን ንመልክዕ ኲናት ለዊጡዎ ኣሎ። እቲ በሰላኡ ግን ብዙሕ ኣይተጸንዐን። እዚ ዛንታ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣይኰነን፣ ወተሃደራት ዩክረይን ናብ ቤቶም ድሕሪ ምምላሶም ድምጺ ድሮን ክሳዕ ክንደይ በሰላ ከም ዝሓደገሎም ዝጸዊ እዩ።
ፓቭሎ - ወዲ 30 ዓመት ሰራሒ ድሮን - ካብ ግንባር ካብ ዝምለስ ነዊሕ ኣይገበረን። ኣብቲ ኣብ ኪየቭ ዝርከብ ንእሽቶ መንበሪ ህንጻ ኰይኑ ድማ ሓንቲ ኣዝያ ንእሽቶ ጸላም ቦርሳ ከፈተ። ኣብ ውሽጣ ድማ ኣርባዕተ ተሽከርካራይ ኣካል (ሮተር) ዘለዋ ድሮን ነበረት። ኣብቲ ክፍሊ ከብርራ እዩ መዲቡ።
ኣብቲ መቈጻጸሪ ኣካል ዝነበረ መልጐም ጠዊቑ ነቲ ኣንቴና ኣንቀሳቐሶ፣ ኣይተሳኸዐሉን። ፍሽኽ ኢሉ ከኣ፡ "ይቕረታ ሎሚ ኣይሰመረን፡" በለ። ክትርእያ ጽቡቕ ዘላ ትመስል እኳ እንተ ነበረት፡ ገለ ዝተሰብረ ነገር ግን ነይሩዋ።
ፓቭሎ ኣብ ግንባር ኦፕረይተር ኤፍፒቪ ናይ ዝተባህላ ድሮናት እዩ ነይሩ። እዘን ንኣሽቱ፡ ቅልጡፋትን ንምንቅስቓስ ቀለልትን ዝዀና ድሮናት ኣብ ቅድመአን ካሜራ ኣለወን። እዚ ድማ ካብ ርሑቕ ክበርራ የኽእለን።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዘን፡ ቦምባታት ዝጸዓና ኤፍፒቪ ኣብ ኵሉ ቅድመ-ግንባራት ዩክረይን ተዘርጊሐን። ነቲ ኣቐዲሞም ኣብ ውግእ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ዓበይቲ ኣጽዋር ድማ ተኪአንኦ።
እዘን ድሮናት'ዚአን ከቢድ ብረት ዝሓዛ መካይንን ኣብ ትሕቲ ኣግራብ ዝተሓብኡ ወተሃደራትን ይሃድና፣ ንውልቀ ወተሃደራት ከይተረፈ ይጸናተዋን ብዙሓት ይቐትላን። እቲ ብቐዳማይ ስሙ ጥራሕ ክርቋሕ ዝፈቐደ ፓቭሎ፡ "ካብ ኤፍፒቪ ክትሕባእ ኣይትኽእልን ኢኻ፡" ኢሉ። "ጉያ ድማ ፋይዳ የብሉን።"
እታ ድሮን ዋላ ኣዝያ ልዒላ እንከላ፡ በቲ "ብዝዝዝዝዝዝ ዝብል ድምጻ ትደሃል ኢኻ፡" ይብል።
ፓቭሎ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ግንባር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ኪየቭ ናብ ዝርከብ ቤቱ ተመሊሱ። ምስ ብዓልቲቤቱ ኣብ ሓደ ኣፓርታማ ይነብር። ድምጺ እተን ድሮናት ግን ስዒቡዎ ኣሎ። ከም መቝረጺ ሳዕሪ፡ ሞተር ብሽክለታን 'ኤር ኮንሽነር'ን ዝኣመሰሉ መዓልታዊ መሳርሒታት ንኤፍፒቪ የዘኻኽሩዎ። እዘን ድሮናት ንዕኡን ብጾቱን በሰላ ሓዲጋናሎም እየን።
ተፈጥሮ ካብዚ ድምጺ ሃዲምካ እተዕቝበሉ ውሑስ ቦታ ኣይኰነን። ፓብሎ ኣናህብ ወይ ጽንጽያታት ክጕርጕሩ ከለዉ ወትሩ እዩ ዝስንብድ። "ደጊም ተፈጥሮ ከስተማቕር ኣይክእልን እየ፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ድምጺ ነተን ድሮናት እዩ ዘዘኻኽረኒ፡" ኢሉ።
ብድምጺ ዝሓድረካ በሰላ ሓድሽ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ወተሃደራት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ ብሃንደበታዊ ብርቱዕ ድምጺ እዮም ዝስንብዱ ነይሮም። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ኲናት ዩክረይን ድሮናት ዝተዋፈራሉ እዩ። እቲ ዓይነት በሰላ ናይ ስንባደ'ውን ተቐዪሩ ኣሎ።
ኣብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ኪየቭ ሓኪም ስነኣእምሮ ዶክተር ሰርሂይ ኣንድሪቸንኮ፡ "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብብዝሒ ዝመጽኡና ተሓከምቲ፡ ብኣካላዊ ቍስሊ ዘይኰነ ብሰንኪ ድሮናት ኣእምሮኣዊ መጕዳእቲ ዝሓደሮም እዮም። ነዚ ድሮኖፎብያ ኢና ንብሎ፡" ኢሉ።
ከም ፓቭሎ ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ወተሃደራት ናብ ዓዶም ይምለሱ ኣለዉ። ድምጺ ድሮን ብዝሓደገሎም በሰላ ድማ ኣብ ስቓይ ይርከቡ።
ዶክተር ኣንድሪቸንኮ፡ ድሮኖፎብያ ኣብ ከተማታት ብዝረአ ልሙዳት ድምጽታት ክለዓል ከም ዝኽእል ገሊጹ። እዚኣቶም ድማ ንኣሽቱ ሞተር ብሽክለታታት፡ ስኩተር፡ መቝረጺ ሳዕር ወዘተ ይርከቡዎም - ኮታ ዝዀነ ዕንክሊል ዝብል ብዝፈጥሮ ድምጺ ስንባደ ክፈጥረሎም ይኽእል።

ብመጥቃዕቲ ድሮን ቅልጽሙ ዝሰኣነ ወተሃደር ሳቩር፡ "ሞተር ብሽክለታ ወይ መቝረጺ ሳዕሪ እንተ ሰሚዐ፡ ድሮን ክትከውን ትኽእል እያ ኢለ እየ ዝሓስብ፡" ኢሉ።
ኣብ ግንባር ድሮናት ቀጻሊ ድምጺ እየ ዝገብራ ነይረን። ሳቩር፡ "ደብዳብ ከቢድ ብረት ንሒደት ካልኢታት ጥራሕ እዩ ድምጺ ዝገብር። ድምጺ ናይታ ድሮን ግን ኵሉ ሳዕ እዩ ኣብኡ ዘሎ፡" ይብል'ሞ፡ "ኣብ ውሽጢ ድፋዕካ ኴንካ ንሰዓታት ኢኻ ትሰምዖ። ነቲ ድምጺ'ቲ ኣብዚ ኰይነ'ውን ወትሩ እየ ዝዝክሮ፡" ይውስኽ።
ሓድሓደ ግዜ፡ ስቕታ እዩ እቲ ጸገም። ዶክተር ኣንድሪቸንኮ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ ስቕታ ጭንቀት የስዕብ። ናብ ግንባር ዝኸዱ ወተሃደራት ድሮን እንተ'ለዋ ምእንቲ ክሰምዑ ብጥንቃቐ እዮም ጽን ዝብሉ። ቀጻሊ ወጥርን ፍርሕን ይፈጥረሎም፣ ንላዕሊ ምቍማት ድማ ይቕጽሉ።"
ወተሃደራት ናብ ዓዶም ምስ ተመልሱ እውን፡ እዚ ወጥሪ እዚ ይስምዖም እዩ። ሓድሓደ ግዜ መብራህቲ ሃንደበት የጥፍኡ፣ ብመስኮት ካብ ምጥማት ይቝጠቡን ኣብ ትሕቲ ፍርናሽ ይሕብኡን።
ወተሃደራት ሕክምና ክደልዩ ከለዉ፡ ዶክተር ኣንድሪቸንኮ መብዛሕትኡ ግዜ ጠንቂ ጭንቀቶም እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን። ኣባላት ስድራቤት ግን መዝሓሊ ማሽን ወይ 'ኤር ኮንድሽነር' ድሕሪ ምውልዓ ከም ዝሰዓበ ይገልጹ።
ቅድሚ ሕጂ ወተሃደራት ካብቲ ሓያሎ ዓውደ-ውግኣት ዝካየደሉ ዝነበረ ጣሻታት (ጫካታት) እዮም ዝፈርሑ ዝነበሩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ግና ብኣንጻሩ ካብ ድሮናት እዮም ዝሰግኡ። ሎሚ ኣብ ትሕቲ ርጐድቲ ኣግራብ ዘለዎ ጫካታት ዝያዳ ውሕስነት ከም ዝስምዖም ይዛረቡ።
ካብ ግንባር ንዝምለሱ ወተሃደራት ከም ፓቭሎ፡ ድሮናት ሓድሽ ዓይነት ፍርሒ ፈጢረናሎም ኣለዋ።
እዚ ፍርሒ እዚ ኣዝዩ ፍሉይ እዩ። ካብ በሰላኡ ክትገላገል ድማ ቀሊል ኣይኰነን።
ፓቭሎ፡ "ዓለም ከም ዓውደ ውግእ ገይርካ ኢኻ እትርእያ፡" ይብል።
"ዝዀነ ህሞት ዓውደ-ውግእ ክመስለካ ይኽእል እዩ፡" ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብቲ ዓቢይ መበገሲ ወይ ጠንቂ ፍርሒ ድምጺ ምስማዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ፓቭሎ፡ "ሓደ ነገር ምስ እትርኢ፡ ሓንጎልካ ኣብ ሓንቲ ካልኢት ክምርምሮ ይኽእል'ዩ። እንታይ ምዃኑ ኣብ ካልኢት ጥራይ ክትግንዘብ ትኽእል ኢኻ።"
"ዘይተፈልጠ ድምጺ ምስ ሰማዕኻ ግን ሓንጎልካ ይቕየር። ነዚ ድምጺታት'ዚ ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ ኣይትኽእልን፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር፡ ህይወትካ ከድሕን ይኽእል'ዩ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







