እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኮርያ፡ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት ንምእሳር ስለምንታይ ከቢድ ኰይኑ?
ሰበስልጣን ደቡብ ኮርያ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮል ክኣስርዎ ከምዘይከኣሉ ይግለጽ ኣሎ።
ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ እቲ ተኣጊዱ ዘሎ ፕረዚደንት ብ3 ታሕሳስ ወተሃደራዊ ሕጊ ንምትግባር ብዝገበሮ ፈተነ ትእዛዝ ማእሰርቲ ከምዘውጽአ ይዝከር።
እዚ ትእዛዝ ዝወጸ፡ እቲ ብኽሲ ናዕብን ክድዓትን ሓያሎ መርመራታት ዝገጥሞ ዘሎ ዩን፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ንሕቶ ንኽቐርብ ዝቐረበሉ ሰለስተ ጻውዒት ዕሽሽ ድሕሪ ምባሉ'ዩ።
ድሕሪ እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ ምውጽእ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣገደ ፕረዚደንት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ፈተነ ተኻይዱ ነይሩ።
ኣብቲ ፈተነ ልዕሊ 100 ኣባላት ፖሊስ ተሳቲፎም። እቲ ፕረዚደንት ዩን ሱክ ዮል ኣብ ገዝኡ ንሽዱሽተ ሰዓታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽንሑ ግን ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዎ ኣይከኣለን።
እቲ ምስ ጉጅለ ሓለዋ ጸጥታ ዩን ዝተገብረ ምድፍፋእ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት ጸኒሑ። ደገፍቱ ግን ነቲ መንበሪ ፕረዚደንት ብምኽባብን መካይን ብምጥቃምን ነቲ ማእሰርቲ ከምዝተኸላኸሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብራ።
እዚ እዋን ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኮርያ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወርሒ ኰይኑ ኣሎ። ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ብሃንደበት ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ኤስያ 'ወተሃደራዊ ሕጊ' ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣባላት ባይቶ ደቡብ ኮርያ ካብ ስልጣን ክእገድ ኣድሚጾም። ድሕሪኡ ዝሰዓበ ገበናዊ መርመራ እዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ንሕቶ ምቕራብ ድሕሪ ምእባዩ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ብናዕብን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ተኸሲሱ ትእዛዝ ማእሰርቲ ወጺኡሉ።
እቲ የማናዊ መራሒ ሕጂ'ውን ሓያል ደገፍ ኣለዎ - ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብኣቶም ድማ ዓርቢ ንግሆ ካብ ገዝኡ ወጻኢ ተረኺቦም ንማእሰርቱ ተቓዊሞም እዮም።
ግን ዩን ሕጂ ዝተዋረደ መራሒ ኰይኑ ይርከብ። ብባይቶ ተኸሲሱን ካብ ስልጣኑ ተኣጊዱን፡ ውሳነ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ከውርዶ ዝኽእል ቅዋማዊ ቤት ፍርዲ ይጽበ ኣሎ።
ስለዚ ስለምንታይ እዩ ፖሊስ ንፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ዩን ሱክ ዮል ምእሳር ከቢድዎ?
ሓለውቲ'ቲ ፕረዚደንት
ዋላ'ኳ ኣባላት ባይቶ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምድማጾም ዩን ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ እንተተገፈፈ፡ ሕጂ'ውን ኣገልግሎት ሓለዋ ጸጥታ ክረክብ መሰል ኣለዎ።
እዞም ሓለውቲ እዚኦም ድማ ነቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ፈተነ ማእሰርቲ ኣብ ምዕጋት ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቶም እዮም።
ኣገልግሎት ፕረዚደንታዊ ሓለዋ (ፒኤስኤስ) ንዩን ካብ ዘለዎ ተኣማንነት ወይ ድማ "ብዛዕባ ሕጋውን ቅዋማውን ተራኦም ካብ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት" ተበጊሶም ተዋሲኦም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ሴኡል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሜሰን ሪቺ ይዛረብ።
ዩን ካብ ስርሑ ምእጋዱ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣገልግሎት ፕረዚደንታዊ ሓለዋ (ፒኤስኤስ) ካብ ግዝያዊ ፕረዚደንት ቾይ ሳንግ-ሞክ መምርሒ ክወስድ ይግባእ። "ብፕረዚደንት ቾይ ስርሖም ደው ከብሉ መምርሒ ኣይተዋህቦምን፡ ወይ ድማ ትእዛዛቱ ይነጽጉ ኣለዉ" ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሪቺ።
ገለ ክኢላታት፡ እቶም መኮንናት ጸጥታ፡ ነቲ ቤት ጽሕፈት ባዕሉ ዘይኰነስ፡ ንዩን "ብዘይቅድመ ኵነት ተኣማንነት" ከምዘርኣዩ ይኣምኑ። ነዚ ሓሳብ ንምድጋፍ ድማ ሓላፊ ፒኤስኤስ ፓርክ ጆንግ-ጁን ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ብዩን ከምዝተመዘዘ ይጠቅሱ።
"ዩን ብልክዕ ነዚ ፍጻመ ንምድላው ነቲ ትካል ብተሪር እሙናት መሊእዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ክሪስቶፈር ጁሚን ሊ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ጠበቓን ክኢላ ኮርያን።
ብተወሳኺ'ውን እቲ ቅድሚ ፓርክ ዝነበረ ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ኪም ዮንግ-ሂዩን፡ ንዩን ወተሃደራዊ ሕጊ ክእውጅ ከምዝመኸሮ ይኽሰስ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዩን ዝካየድ ዘሎ ገበናዊ መርመራ ድማ ንኽሕተት ተታሒዙ ይርከብ።
ሓደጋ ምብራኽ ቅልውላው
እቲ "ዝቐለለ" ፍታሕ፡ ግዝያዊ ፕረዚደንት ቾይ፡ ንፒኤስኤስ ስርሑ ደው ከብል ምእዛዝ ከምዝዀነ ክሪስቶፈር ጁሚን ሊ ይዛረብ።
"ከምኡ ክገብር ፍቓደኛ እንተዘይኰይኑ፡ እዚ ንባዕሉ ብሃገራዊ ባይቶ ካብ ስልጣኑ ንኽእለ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ወሲኹ የብርህ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ዝዀነ ቾይ፡ ኣባላት ባይቶ ንፈለማ ተካኢ ዩን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃን ዳክ-ሱ ካብ ስልጣኑ ክእለ ድሕሪ ምድማጾም እዩ ነታ ሃገር ንምምራሕ ሓላፍነት ተረኪቡ ዘሎ።
እዚ ፖለቲካዊ ደውታ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ፖለቲካ ደቡብ ኮርያ ዘሎ ፖለቲካዊ መልመስቲ (ፖላራይዘሽን) እውን ዘንጸባርቕ'ዩ። ኣብ መንጎ እቶም ንዩንን ወተሃደራዊ ሕጊ ንምእዋጅ ዝወሰዶ ውሳነ ዝድግፉን ከምኡ'ውን እቶም ነዚ ዝቃወሙን ማለት እዩ። እቲ ፍልልያት ድማ ግድን እዚ ጥራይ ኣይኰነን።
መብዛሕትኦም ደቡብ ኮርያውያን ዩን ብ3 ታሕሳስ ወተሃደራዊ ሕጊ ምእዋጁ ጌጋ ምንባሩን ክሕተት ከምዘለዎን ከምዝሰማምዑ ኣብ ማእከል ኒው ኣመሪካን ሴኩሪቲ ላዕለዋይ ተሓጋጋዚት ዮን ኪም ትገልጽ። እቲ ተሓታትነት እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ግን ክሰማምዑ ኣይክእሉን እዮም።
"እቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ተዋሳእቲ ኣብ መስርሕ፡ ኣገባብን ሕጋዊ መሰረትን ኣይሰማምዑን፡ እዚ ድማ ነቲ ሕጂ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይርጉጽነት ክብርኽ ይገብር ኣሎ" ክትብል ተብርህ።
ብሰንኪ እዚ ዘይርጉጽነት'ዚ ከምቲ ብዓርቢ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ፕረዚደንታዊ መንበሪ ንመዓልታት ዘጋጠመ ዝዓረደ ወጥሪን ምትፍናን ይፍጠር ኣሎ፤ እዚ ድማ ተረርቲ ዘረባታትን እንተላይ ምስ ፖሊስ ምትህልላኽን የስዕብ ኣሎ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ዝያዳ ወከልቲ ሒዞም ክምለሱን ሓይሊ ክጥቀሙን ይኽእሉ እዮም፤ ግን እዚ "ኣዝዩ ሓደገኛ" ክኸውን እዩ ይብል ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሜሰን ብወገኑ።
ፒኤስኤስ ብከቢድ ዝተዓጥቀ እዩ፡ ስለዚ ንማእሰርቲ ዝዋፈሩ መኮንናት ዝዀነ ይዅን ምብራኽ ወጥሪ ንኸይፍጠር ክጥንቀቑ ኣለዎም።
"ፖሊስ ንኣባላት ፒኤስኤስ ክእሰሩ ዝጽውዕ ተወሳኺ ትእዛዝ ሒዞም እንተመጺኦም፡ [ፒኤስኤስ] ድማ ነቶም ትእዛዛት እንተነጺጉ፡ ድሕሪኡ ሽጉጦም እንተተማዘዙ እንታይ ዋጋ ኣለዎ?" ክብል ሊ ይሓትት።
ፖሊስ ሕጂ ነቲ ዳይረክተር ፒኤስኤስን ምክትሉን ዕንቅፋት ብምዃኖም ይምርምሮም ከምዘሎ ይገልጽ። ስለዚ ተወሳኺ ክስታትን ትእዛዝ ማእሰርቲን ክመጽእ ተኽእሎ ኣሎ።
ካብ ትእዛዝ ወተሃደራዊ ሕጊ ዩን ዝመጽእ ጽልዋ እውን፡ ነቲ ዝምርምሮ ዘሎ ቤት ጽሕፈት መርመራ ብልሽውና (CIO) ብድሆ እዩ።
እቲ ትካል ስራሑ ካብ ዝጅምር ገና ኣርባዕተ ዓመቱ እዩ። ነቲ ህዝቢ ብሰንኪ ፕረዚደንት ነበር ፓርክ ጌውን-ሃይ ብዝፍጽሞ ብልሽውና ዘርኣዮ ቁጥዐ መልሲ ንምሃብ ዝቖመ እዩ። እቲ ቁጥዐ ህዝቢ ፕረዚደንት ነበር ፓርክ ጌውን-ሃይ ካብ ስልጣኑ ክእለይን ድሒሩ ድማ ክእሰርን ምኽንያት ኰይኑ ከምዝነበረ ይዝከር።
ቅድሚ ሕጂ ፕረዚደንታት ደቡብ ኮርያ ክእሰሩ ተራእዮም እኳ እንተዀኑ፡ ዩን ግን ቅድሚ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ማእሰርቲ ዘጋጥሞ ናይ መጀመርታ ፕረዚደንት እዩ።
ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ንዩን ዳግማይ ኣብ ቀይዲ ከእትዉ ፈተነ ከካይዱ ይኽእሉ እዮም፡ ዋላ'ውን እቲ ዕስለ ደገፍቲ ዩን እንተዓብዮም ዓቢ ብድሆ ክፍጠር ተኽእሎ እንተሃለወ። ሓድሽ ትእዛዝ ንኽወጽእ እውን ከመልክቱን እንደገና ክኣስርዎ ክፍትኑን ይኽእሉ እዮም።
ደቡብ ኮርያ ሕጂ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘይተፈልጠ ኵነታት ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ዝረኣ ዘሎ ዘይርጉጽነት ክቕጽል ገና ተኽእሎ ኣሎ።