እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንዩክረይን እናተቓለሰ ዝተቐትለ ሩስያዊ ተቓዋሚ
- Author, ሳራ ረይንስፎርድ
- Role, Eastern Europe correspondent
- Reporting from, Kyiv
ብወገን ኪቭ ኰይኑ ዝቃለስ ዝነበረ ፍሉጥ ተቓዋሚ ሩስያዊ ኢልዳር ዳዲን ከምዝተቐትለ እቲ ዝመልመሎ ጉጅለ ኣፍሊጡ።
ወሃቢት ቃል ናይቲ ጉጅለ ሲቪክ ካውንስል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዳዲን ከም ዝሞተ ብምርግጋጽ፡ "ጅግና እዩ ነይሩ፡ ጅግና ዀይኑ ክነብር እዩ" ኢላ።
ንሱ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ዞባ ካርኪቭ ኣብ መጻወድያ መዳፍዕ ሩስያ ምስ ኣተወ እዩ ተቐቲሉ።
ቅድሚ ሕጂ ምስ ሌጅዮን ጥቡቕ ርክብ ዝነበሮ፡ ኣብ ስደት ዝነብር ሩስያዊ ተቓዋሚ ፖለቲከኛ ኢልያ ፖናማረቭ ግን፡ ዳዲን ከም ዝሞተ "ርግጸኛ" ምዃና ንቢቢሲ ገሊጻ።
ካልኦት ምንጭታት፡ ናቱ ሞት ብገለ ኣብ ውግእ ምስኡ ዝነበሩ ከምዝተረጋገጸ ነጺሩ።
ኢልዳር ዳዲን፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሩስያ ፖለቲካዊ ጭኮና እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ሰላማዊ ተቓውሞታት ብምክያድ እዩ ዝፍለጥ።
ንሱ፡ ብመሰረት ካብ ሽዑ ጀሚሩ ‘ሕጊ ዳዲን’ እናተብሃለ ዝተሰየመ- ሓድሽ ዓንቀጽ 212.1 - ኣብ 2014 ነቲ ኣብ ተቓውሞ ዝምልከት ቀይዲ በተኽ ዝኾነ ሕግታት ሩስያ ብተደጋጋሚ ብምጥሓስ ዝተኸሰ ናይ መጀመርታ ሰብ’ዩ።
ጉዳዩ፡ ኣብ ጎደናታት ሞስኮ ባነር ሒዝካ ደው ምባል ጥራይ እዩ ነይሩ።
ንኽልተ ዓመትን ፈረቓን ዝተፈርደ ዳዲን፡ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ተዳጒኑ ነይሩ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣድማ ምሕሳም-መግቢ ኣካይዱ።
ድሕሪኡ ሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ አድማ ደው ንኽብል ኣሳቐይምዎ።
ኣብ 2017፡ ምስ ተፈትሐ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ሞስኮ ረኺበዮ ነይረ።
ኢዱ ብመቑሕ ተኣሲሩ ኣብ መንደቕ ከምዝተሰቕለ ነጊሩኒ፤ ሽዑ እቶም ሓለውቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከብፅሕሉ ኣፈራሪሖምዎ ነይሮም። እቲ ጭካነ ልቡ ዳርጋ ከም ዝተንከፎ ይዝክር።
ዳዲን ንዩክረይን ዝቃለሱ ቦጦሎኒ ሩስያውያን ወለንተኛታት ምስ ተፀንበረ እየ ዳግማይ ረኺበዮ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ድማ ተኸታታሊ ዕላል ገይርና።
"ኮፍ ኢለ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን’የ፤ ስለዚ ድማ ተሓባባሪ ክፍኣትን ገበናትን ሩስያ ክኸውን ኣይደልን’የ" ይብል ዳዲን ንኽምዝገብ ዝደረዀ ውሳነ እንተረድእ።
ልክዕ ከምቲ ዝሓሰብክዎ፡ መትከላውን ፅኑዕን ምዃኑ ገሊጹ።
ንነብሱ ወትሩ ከም ሰለማዊ ይቖጽር’ኳ እንተነበረ፡ ደሓር ናብ ቃልሲ ከምርሕ ዝደረዀ ኩነታት የረድእ፡ "እቲ ዓመጽ፣ እቲ ጃምላዊ መቕተልቲ፣ እቲ ስቅያትን ዘመተን" ኢሉ።
ዳዲን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ብዘካየደቶ ግፍዓዊ ወራር ውልቃዊ ሓላፍነት ከም ዝስከም ኣዝዩ ተሰሚዕዎ።
ንሱን ብጾቱ ሩስያውያንን ንቭላድሚር ፑቲን ደው ከብሉዎ ከምዘይከኣሉ፡ ብዓመጽ ፖሊስን ስግኣት ማእሰርትን ኣብ ጎደናታት ተቓውሞኦም ክገልፁ ከምዘይከኣሉ ይዝክር።
ዳዲን ሓደ ለይቲ ካብ ጥቓ ግንባር ውግእ፡ “እቲ ቀንዲ ነገር ፍርዲ ሕልናይ ምትግባር'ዩ" ክብል ጽሒፉለይ።
ፈለማ ኣብ ሰነ 2023 ምስ ቦጦሎኒ ሳይቤርያ እዩ ተፈራሪሙ ነይሩ፤ ክልቲኦም ብወግዒ ኣካል ዕጡቕ ሓይልታት ዩክረይን እዮም።
እቶም ዝተመልመሉ ኣባላቱ ብቐንዱ ሩስያውያን ዜጋታት ኮይኖም፡ ዩክረይን ንቭላድሚር ፑቲን ክትስዕሮ ምሕጋዝን ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ቀዳማይ ስጉምቲ ክኸውን ተስፋ ኣለዎም።
ሕጉስ ድዩ ነይሩ?
ብዝሒ ናይቶም ሩስያውያን ተቓለስቲ ዪክረይን፡ ንጹር ኣይኮነን፡ ኣድማዕነቶ'ውን ንጹር ኣይኮነን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ፑቲን ዳግማይ ኣብ ዝተመርጸሉ እዋን፡ ኣብ ስግረ-ዶባዊ ወራር ናብ ሩስያን ካልኦት ወፍርታትን፡ ገለ ዓወታት ከምዝረኸቡ ገሊጾም።
ንዳዲን ግን፡ እቲ ተመኩሮ ምሉእ ብምሉእ ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይነበረን።
ገለ ካብቲ ኣሃዱኡ ዝለኣኸቶ ተልእኾታት ብዝኾነ ወተሃደራዊ ዓላማ "ትርጉም ዘይብሉ" ኮይኑ ተሰሚዕዎ።
ከንቱ መስዋእቲ ብጾቱ ርእዩ እዩ።
ክገድፎ ይኽእል ድዩ ኢለ ሓሲበ ነይረ፡ ዳዲን ግን ሕልናኡ "ኣብ ጸግዒ" ኮፍ ኢልካ ምርኣይ ሕልንኡ ከምዘይፈቕደሉ ንጹር ነይሩ።
"ንሩስያ ደው ከብላ ፈቲነ - ግን ኣይከኣልኩን" ክብል ኣብ ሓደ ካብቲ ናይ መወዳእታ ዕላልና ንነብሱ ይነቕፋ።
"እኹል ስለዘይገበርኩ ድማ ኣሽሓት ተቐቲሎም"።