እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ዘለንስኪ 'ውጥን ዓወት' ናብ ባይደን፡ ሃሪስን ትራምፕን ከቕርብ'ዩ
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካይዶ ምብጻሕ፡ “መደብ ዓወት” ዝበሎ ውጥን ናብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ከቕርብ ተዳልዩ።
ዘለንስኪ ምስ ባይደን ድሕሪ ምርኻቡ፡ እቲ ዝሓዞ መደብ ናብ ኮንግረስ ከምኡ’ውን ሕጹያት ተነሓናሕቲ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዝዀኑ - ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስን ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕን- ከም ዘቕርቦ ገሊጹ።
ጐድኒ ጐድኒ'ዚ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ክሳተፍ እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ዋይት ሃውስ ንዩክረይን ሓድሽ ናይ 375 ሚልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ይግለጽ።
ዘለንስኪ ኣብ ነፋሪት ኰይኑ ብቪድዮ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ ቪድዮ፡ “እዚ ቀውዒ መጻኢ ናይዚ ኲናት ክውስን'ዩ” ኢሉ።
ነዚ ናይ ዓወት መደብ ዝበሎ ውጥን ድማ ሰለስተ መገዲታት ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ ኣነጺሩ።
በዚ መሰረት፡ ሃገሩ ተወሳኺ ሓገዝ ኣጽዋራት ክግበረላ፡ ሩስያ ናብ ዘተ ሰላም ክትመጽእ ንምግዳድ ዝግበር ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ክሕይልን ሞስኮ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ንዝፈጸመቶ ወራር ምሉእ ተሓታቲት ክትከውን ክግበር ኣለዎ ይብል።
ዩክረይን ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ዒላማታት መጥቃዕቲ ንኽትፍጽም፡ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት መሓዙት ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ኣጠቓቕማ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይላት ዝነበረ እገዳታት ከልዕልኦ ንኣዋርሕ ክምሕጸን ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብነዊሕ ርሕቀት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከም “ቀጥታዊ ተሳትፎ” ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ከም ዝውሰድ ብምግላጽ ንሃገራት ምዕራባውያን ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ፕረዚደንት ባይደን ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣመሪካ ዩክረይን ነቶም ስርሒት ኣመሪካ ዝዀኑ ኣጽዋራት ነዊሕ ርሕቀት ክትጥቀም ንምፍቃድ መርገጺ ወሲድካ ዲኻ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ “ኣይፋል” ክብል’ዩ መሊሱ።
ተነሓናሒ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ሕዳር እንተተመሪጹ “ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት” ነቲ ኲናት ከብቅዕ ዝዓለመ ናይ ገዛእ ርእሱ መደብ ከም ዝሓዘ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ዘላ ደገፍ ብኽነት ገንዘብ’ዩ ካብ ምባል ወጻኢ ግን ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2024 ምስ ትራምፕ ዝተራኸበ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃንጋሪ ቪክቶር ኦርባን፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር “ኣብ ኲናት ዩክረይንን ሩስያን ተዓሪፋ’ውን ኣይህብን እየ። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ኲናት ዝውዳእ” ኢሉ ነይሩ።
ዘለንስኪ ኣብቲ ኣብ ኤክስ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ መሻርኽቲ ዩክረይን ንዝተገብረ ደገፍ ምስጋናኡ ገሊጹ’ዩ፤ ብፍላይ ኣመሪካ “መሪሕ ደጋፊት” ሃገሩ ምዃና ጠቒሱ።
ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ንምክልኻል ዩክረይን 56 ቢልዮን ዶላር ኣበርኪታ ኣላ።
“እዚ ሩስያ ኣንጻር ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ክንዮ ዕጫ ህዝብና ምዃኑ ዝተሰምዖ ነፍሲ ወከፍ ህዝብን መራሕን አመስግኖ” ኢሉ።