ሩስያ - ዩክረይን፡ ንዘለንስኪ ገጢምዎ ዘሎ ሰለስተ ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ነቲ ምስ ሩስያ ኣትይዎ ዘሎ ኲናት ብኸመይ ከምዝውድኦ ዝገልጽ ሓድሽ ውጥን ሒዙ ናብ ኣመሪካ ምብጻሕ ከካይድ ቀንዩ።

ንምምሕዳር ኣመሪካን ንክልቲኦም እቶም ኣብ ሕዳር ንፕረዚደንትነት ዝወዳደሩ [ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን] ረኺቡ’ውን ውጥኑ ክገልጸሎም ፈቲኑ ኣሎ። ማዕጾ ካማላ ሃሪስ ክኽፈተሉ እንከሎ፡ ማዕጾ ዶናልድ ትራምፕ ግን ከይተራሕወሉ እዩ ካብ ኣመሪካ ወጺኡ።

እቲ ዘለንስኪ ኣዳልዩ ናብ ኣመሪካ ሒዝዎ ዝኸደ ውጥን እንታይ ምዃኑ ክሳብ መወዳእታ ኣይተፈለጠን፤ እንተዀነ ኣብዚ ቅነ ኣብ ኣኼባ ፖሊሲ ወጻኢ ሃገሩ ብዝርዝር ክገልጾ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

እቲ ካብ ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ካብ ኣመሪካ ዘይተኣደነ ወተሃደራዊ ደገፋት ዝግበረሉ ዘለንስኪ ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ተጠቂሙ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ከጥቅዕ ብተደጋጋሚ ክሓትት ጸኒሑ’ዩ።

ብዘይካ'ዚ ሃገሩ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ንኽትከውን’ውን ብተደጋጋሚ ክሓትት ምጽንሑ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ነቲ ዘዳለዎ ሓሳብ ክገልጽ እንከሎ፡ “እቲ ውጥን ቅልጡፍ ውሳነ ዝደሊ ኣብ ወርሓት ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ዘለዎ’ዩ” ኢሉ። እንተዀነ እቲ ውጥን ብውሕዱ ሰለስተ ዓበይቲ ብድሆታት ኣብ ቅድመኡ ተገቲሮም ኣለዉ።

ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣመሪካ

ዘለንስኪ፡ ኣመሪካ ሓደ ካብ ዓበይትን ታሪኻውያንን ተባሂሎም ዝግለጹ ፕረዚደንታዊ መረጻ ኣብ ትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ ናብታ ሃገር ምብጻሕ ኣካይዱ።

ካማላ ሃሪስን ዶናልድ ትራምፕን ብኣዝዩ ጸቢብ ፍልልይ ሓደኦም ክዕወት ከምዝኽእል’ምበር እገለ’ዩ ክዕወት ዘይትብለሉ ምቅርራብ’ዩ ዘለዎም። እቲ ፍልልይ ከኣ ኣብተን ከም በዓል ፐንሰልቬንያ ዝኣመሰላ ንመን ክድግፋ ይኽእላ ዘይግመታ ወሰንቲ ክፍለ ግዝኣታት ክምጽእ ምዃኑ ይግመት።

ዘለንስኪ ናብ ኣመሪካ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ ናብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ከፍለ ግዝኣት ምብጻሕ ምስ ኣካየደ ካብ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን ተሪር ነቐፌታ በጺሕዎ’ዩ።

ኣፈጉባኤ ባይቶ ኣመሪካ ማይክ ጆንሰን ንምብጻሕ ዘለንስኪ፡ “ኣብ መረጻ ኣመሪካ ኢድካ ምእታው’ዩ” ኢሉ ገሊጽዎ።

ዩክሬናዊ ተንታኒ ፖለቲካ ታራስ ቤርዞቬት “ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ሕጂ’ውን ዩክረይን ምስ ፕረዚንታዊ መረጻ ኣመሪካ ተታሓሒዙ ስማ ንኽልዓለ ዘገድድ ኵነት ተኸሲቱ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ [2019] ምስ ክሲ ዶናልድ ትራምፕ ተታሓሒዙ ስማ ብኽፉእ ዝተለዓለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ’ዩ” ይብል።

ኣብቲ እዋን ዩክረይን ብዛዕባ ጆ ባይደን ሕማቕ ንኽትዛረብ ብዶናልድ ትራምፕ ዕዩ ከምዝተወሃባ’ዩ ዝንገር ነይሩ፤ እንተዀነ ትራምፕ ነዚ ኣይውዓልክዎን’ዩ ዝብል።

ዘለንስኪ ነቲ ካብ ጆ ባይደን ክወሃቦ ዝጸንሐ ደገፋት እናተኸናኸነ ምስ ዶናልድ ትራምፕ ሃናጺ ዝርርብ ንምግባር’ውን ይፍትን ኣሎ። እዚ ከኣ ካማላ ሃሪስ እንተተዓዊታ ከምቲ ካብ ጆ ባይደን ክረኽቦ ዝጸንሓ ወተሃደራዊ ሓገዛት ንክትቅጽለሉ፡ ትራምፕ እንተተዓዊቱ ከኣ ካብኡ’ውን ደገፋት ንኽረክብ ንኽልቲኦም ከአንግዶም’ዩ ዝፍትን ዘሎ።

እንተዀነ እቲ ንዘለንስኪ “ናይዛ ዓለም ዝበለጸ ሸቃጢ” ኢሉ ዝገልጾ ትራምፕ ግን ምስ ዘለንስኪ ክራኽብ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ብዘይካ እዚ ትራምፕ፡ ጆ ባይደን፡ 'ዩክረይን ክሳብ ትዕወት ክንድገፋ ኢና' ምባሉ ብምልዓል መቃጨጪ’ዩ ገይርዎ።

ኣብ ዓውደ ኲናት ዘሎ ኵነታት

ሩስያን ዩክረይን ኣብ ልዕሊ 1000 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ግንባር’የን ጸሚደን ዘለዋ።

ኣብ ዞባ ዶነስክ ከተማ ፖከሮብቭስኪ ዘሎ ድፋዓት ከኣ እቲ ዝጻዕጸዐ ኲናት ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር’ዩ።

እታ ከተማ ቀንዲ መትኒ መጓዓዝያ ዩክረይን ኰይና ሩስያ ነታ ከተማ ንምቍጽጻር’ያ ትጽዕር ዘላ።

እታ ከተማ ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ 48 ሽሕ ሰብ’ኳ ይነብራ እንተነበረ ሕጂ ግን 19 ሽሕ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝነበራ ዘሎ።

ዩክረይን ነዛ ከተማ እንተኸሲራታ፡ ናብ ሓያለ ድፋዓት ዝመሓላለፍ ስንቅን ኣጽዋርን ክብተኻ’ዩ።

ብዘይካ እዚ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ዞባ ዶነስክ ኣብ እትርከብ ከተማ ቩሀልዳር’ውን ተጸጊዖም ኣለዉ።

ካብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራውያን ምንጭታት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሰራዊት ሩስያ ነታ ከተማ ኣብ ምሉእ ከበባ ንምእታው ተቓሪቦም ኣለዉ።

ሰራዊት ሩስያ ኣብ መጀመርታ 2023 ከምኡ ከኣ ኣብ መጀመርታ 2024 ነታ ከተማ ንምቍጽጻር ክልተ ፈተነታታት ኣካይዱ ነይሩ’ዩ፤ ሰራዊት ዩክረይን ሕጂ’ውን ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ነታ ከተማ ካብ ሰራዊት ሩስያ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ እንተሃልይዎ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ክርአ’ዩ።

እንተዀነ ዘለንስኪ ሰራዊቱ’ውን ኣብ ዞባ ኩረስክ መሬት ሩስያ ሒዞም ስለዘለዉ ኣብ ዞባ ዶነስክ ዘጋጠሞ ዘሎ ብድሆታት በዚ ከካሓሕሶ’ዩ ዝህቅን ዘሎ።

ሰራዊት ዩክረይን ካብ ነሓሰ ጀሚሩ ናብ ውሽጢ ግዝኣታዊ መሬት ሩስያ ብምእታው 820 ትርብዒት ኪሎሜተር መሬት ሩስያ ተቘጻጺሩ ከምዘሎ ይፍለጥ። እንተዀነ ሩስያ’ውን ነታ ኣብ 2014 ዝተቘጻጸረታ ክረምያ ሓዊስካ 18 ሚእታዊት ካብ መሬት ዩክረይን [108 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር] ኣብ ትሕቲ ቍጽጽራ ኣእትያቶ ኣላ።

እንተዀነ እዚ ንዩክረይን ተወሪረ ንኽትብል ዕድል ዝፈጥር ስለዝዀነ ናብ ዘተ ምስ ዘምርሓ ንዩክረይን ዝለዓለ ኢድ ዘውህባ’ዩ።

ንዩክለራዊ ምፍረራሕ ሩስያ

ዘለንስኪ ነቲ ሓድሽ ውጥን ንኣመሪካ ከቕርብ እንከሎ፡ ብሚሳይል ነዊሕ ርሕቀት ናብ ውሽጢ ሩስያ ደብዳብ ክፍጽም ፍቓድ’ውን እዩ ዝሓትት ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት ንባይቶ ጸጥታ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓንቲ ኒዩክለር ዘይብላ ሃገር ብንዩክለር ዘለዋ ሃገር ተደጊፋ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ መጥቃዕቲ ክትፍጽም እንከላ ሃገሩ ነቲ ኒዩክለር ናይ ምጥቃም መሰላ ክትጥቀመሉ ከምእትኽእል’ዩ ገሊጹ።

ፑቲን ኒዩክለር ክጥቀም ከምዝኽእል ከፈራረርሕ እዚ ናይ መጀመርታኡ ኣይኮነን።

ቅድሚ ሕጂ’ውን ዩክረይን ነዊሕ ዝውንጨፍ ሚሳይላት ክትጥቀም ንምዕራባውያን ሃገራት ፍቓድ ኣብ ዝሓተተትሉ፡ ፑቲን ከም ግብረመልሲ ኒዩክለር ክጥቀም ከምዝኽል ኣፈራሪሑ ነይሩ’ዩ።

ሓደ ሩስያዊ በዓል መዚ ስሙ ከይገለጸ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ኒዩክለር ብተደጋጋሚ ከም መፈራርሒ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ፡ እዚ ከኣ ንዝዀነ ከፍርሕ ኣይርኣናዮን” ኢሉ።

ፖለቲካዊት ኣማኻሪት ታቲና ኢስታኖቫያ ብወገና እቲ ፑቲን ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ዘሎ ምፍርራሓት ብተግባር ክሰነ ከምዘይክእል’ያ ትገልጽ።

ታቲና ኢስታኖቫያ ብምስዓብ “[ፑቲን] ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ተኽእሎታት ኣሎ፤ እቲ ኒዩክለር ምጥቃም ዝብል ግን እንኮላይ ንዕኡ እቲ ዝኸፍአ ኣማሪጺ’ዩ” ትብል።

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተኸሲቱ ዘሎ ተሃዋሲ ግጭት ከተረጋግእ ኣብ ትጋደለሉ ዘላ’ዩ፡ ሩስያ ኒዩክለር ክትጥቀም ከምእትኽል ኢዳ ተወጣውጥ ዘላ።

ገለ ተንተንቲ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵነታት፡ ኣመሪካ ናብ ዩክረይን ምሉእ ኣድህቦኣ ንከይትገብር ጸሚዱ ክሕዛን ከገድዳን ከምዝኽእል ክገልጹ እንከለዉ፡ ዝበዝሓ ሃገራት ምዕራብ ከኣ ተወሳኺ ወጥሪ ንኸይክሰት ምስ ሩስያ ዘለወን ርክብ ንምምሕያሽ ክፍትና ከምዝኽእላ ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።