ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ክልተ ዞባታት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባታት ምዕራብ ጎጃምን ማእኸል ጎንደርን "ብሓይልታት መንግስቲ" ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝተፈላለዩ ሰዓታት ተፈፂሞም ብዝተባህሉ መጥቃዕትታት ኣስታት 20 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ ስድራ ግዳያትን መሰኻኽር ዓይንን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ ፅባሕ በዓል ጥምቀት ብሰኑይ ኣብ ማእኸላይ ጎንደር፣ ወረዳ ኣለፋ ከምኡ'ውን ምብራቕ ጎጃም፣ ወረዳ ቋሪት፡ በዓል ኣብ ልዕሊ ዘኽብሩን ኣብ ሕርሻ ቦታ ንጥሪት መግቢ ይእክቡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩን ሰባት'ዩ እዚ መትቃዕቲ ተፈፂሙ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ፡ መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ግዳያትን ዘዘራረበ ኰይኑ፡ ንኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ግን ኣይሰመረን።

ኣብዚ ፍፃመ ሓደ ቀሽን ካልኦት ህጻናትን ሓዊሱ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐተሉ እቶም ምንጪታት ተዛሪቦም።

ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣብዞም ክልተ ፍፃመታት ተቐቲሎም ካብ ዝተባህሉ ኣስታት 20 ሰባት ብተወሳኺ ካልኦት ብዙሓት ብማህረምትን ጥይትን ጕድኣት ከም ዝበፅሖም እቶም ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ይካየድ ዘሎ ጐንፂ ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ።

ብክልቲኦም ኣካላት ብዝፍፀሙ መጥቃዕትታት፡ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጉድኣት ይወርድ ከም ዘሎ ፀብፃባት ተሓለቕቲ ትካላትን ካልኦትን የመልክቱ።

ዞባ ማእኸል ጎንደር - ወረዳ ኣለፋ

ኣብ ዞባ ማእኸል ጎንደር ወረዳ ኣለፋ ጣብያ ኣምቻሆ 30 ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ብሰኑይ 12 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ኣ.ግ] ነበርቲ "ወተሃደራት መንግስቲ እዮም" ዝበልዎም ሓይልታት፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ብምውፃእ ኣብ መገዲ ቅትለት ከም ዝፈፀሙ፡ መሰኻኽር ዓይንን ሓደ ስድራ መዋቲን ገሊፆም።

ኣብቲ ዕለት ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ሰዓት 4፡30 [10፡30 ኣ.ምብራቕ ኣፍሪቃ]፡ ካብ ዋና ከተማ እቲ ወረዳ ሻውራ ናብ ደልጊ ይጓዓዙ ነይሮም ብምባል፡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ቃና ዘገሊላ ኣብ ዘኽብረሉ መዓልቲ መጥቃዕቲ ፈፂሞም ኢሎም።

ሓደ ምስክር ዓይኒ፡ "ድምፂ ዝተተኰሰ ጥይት ኢና ሰሚዕና - ዘጥዛሪ ተዅሲ ነይሩ። ናብ ሓደ ቀጽሪ ኣቲና. . . ህይወትና ኣትሪፍና። ሰብ ሰምቢዱ። ናብ ገዛ ዝኣተወን ዘይኣተወን'ውን ኣሎ። ሃዲኖም ዝቐተልዎ፣ ዝወቕዕዎ፣ ካብ ገዛ ብምውፃእ እናናዘዙ . . . ዝቐተልዎ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብቲ ከባቢ፡ ልዕሊ 100 ይዀኑ'ዮም ኢሉ ዝገመቶም ሓይልታት መንግስቲ ከም ዝነበሩ ተዛሪቡ።

ተመሃሪ 9ይ ክፍሊ ዝዀነ ወዱ ከም ዝተቐተሎ ዝተዛረበ ሓደ ንድሕንነቱ ሽሙ ዘይግለፅ ኣቦ፡"ካብ ስራሕ እንትምለስ እዩ ተቐቲሉ" ኢሉ።

"ጥይት ተተኲሱ፤ እንታይ እዩ ኢልና ተሓቢእና። ደሓር ምስ ተረጋግአ ወጺእና - (ሬሳ) ወዲቑ ረኺብና" ዝበለ እቲ ወላዲ፡ ሬሳ ኣብ ዘልዕለሉ "ወድኻ'ውን ተቐቲሉ'ዩ ኢሎምኒ፤ ኣነ'ውን ንወደይ ኣልዒለ" ይብል።

ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህብን ክልከላ ዝተገበረሉን ሞተር ከይኰነ ከም ዘይተርፍ እዮም እቶም ነበርቲ ይገልጹ።

ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ፡ " ስለ ምንታይ ሞተር ተንልዕሉ? ኣብዚ ሞተር እንተድኣ ሃልዩ ፋኖ ኣሎ ማለት እዩ' ብምባል ብሕርቃን እዮም ጨፍጪፈሞም ከይዶም" ኢሉ።

ነቲ ክብረ በዓል ዘመድ ንምሕታት ብሞተር ናብታ ከተማ ይኣትው ዝነበረን ካብ መጥቃዕቲ ዘምለጠን ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ " ኣብ ልዕሌና ተዅሲ ከፊቶም። ንሞተር ኰነ ሰብ ንዝረኸብዎ እዮም ዝወቕዑ ነይሮም" ብምባል ተዛሪቡ።

ንሱ ጐይዩ ኣብ ዝወፅአሉ ነታ ሞተር ይዝውር ዝነበረ በዓል ሓዳር መሓዝኡ ከም ዝተቐተለ ዝሓበረ እዚ ምስክር ዓይኒ፡ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን ካልኦት ሽዱሽተ ከም ዝቘሰሉን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነቲ በዓል ሞተር ከም ዝፈልጦ ዝተዛረበ ካልእ ምስክር ድማ፡ "ማዕጾ ክኸፍቱ ብምግባር እዮም (ቀቲለሞም)፤ ኣብ መገዲ ዝቐተልዎ ነቲ ሞተረኛ ጥራሕ'ዩ" ኢሉ።

ካልእ ነባሪ ድማ፡ "ሓደ ንወዱ ሒዙ ብምምፃእ ናብ ጥምቀት ክኸይድ እንትብል፡ ንወዱ ፈልዮም ቀቲለሞ። እቲ ካልእ ኣብ እንዳ ስጋ ሓራዲ እዩ፤ ኣብ እንዳ ስዋ ረኺበሞ'ዮም ቀቲለሞ። እቲ ሓደ ድማ መዓልታዊ ስራሕ እዩ ዝሰርሕ። ኵሎም ዋላ ሓደ ዘይብሎም ድኻታት እዮም።. . . ንፁህ ሰብ እዩ ተጨፍጪፉ" ብምባል ተዛሪቡ።

"ወርቂ ውላድ'ዩ ነይሩ" ብምባል ንወዱ ዝገለፆ ኣቦ መዋትቲ፡ ቢቢሲ እንተዛርቦ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ዳስ ሓዘን እዩ ነይሩ፤ እናበኸየ ነቲ ቃለ መሕትት ክቕፅሎ ኣይከኣለን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀለበት ዝኣሰረ ዘመዱ ካብ መንጐ መወትቲ ከም ዝዀነ ዝተዛረበ ካልእ ነባሪ ድማ፡ " ንኹሎም እፈልጦም እየ። ዘሰቅቕ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ነባሪ ሬሳታት መወትቲ ከም ዘልዓለ ገሊጹ።

ኣብቲ እዋን፡ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ብፅባሒቱ ጡሩምባ ብምንፋሕ ደሃዮም ዝጠፍኡ ሰባት ይድለዩ ከም ዝነበሩን ብምሕባር፡ ሬሳ ኣብ ካልእ ከባቢ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን'ውን ከም ዝተረኸበ ገሊፁ።

ቁፅሪ ዝሞቱ ትሽዓተ ከም ዝዀኑ ዝተዛረበ እዚ ውልቀሰብ፡ ካልኦት ሓሙሽተ ሰባት ብጥይትን ብማህረምትን ከም ዝቘሰሉ ተዛሪቡ።

ሓይልታት መንግስቲ ብ125 ሽሕ ብር ዝገዝኣ ሞተር ሓዊሱ ሓሙሽተ ሞተር ሳይክላት ብምቅፃል 13 ሞተራት ድማ ከም ዝወሰዱ ሓቢሩ።

"ዋላ ሓደ ዝተዋግኦም የለን" ብምባል ኣብቲ ከባቢ ኣብ መንጐ ሓይልታት መንግስትን ፋኖን ጐንፂ ከም ዘይነበረ ብምግላፅ እቶም ዝሞቱ "ሲቪላት'ዮም" ኢሉ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ እቶም መወትቲ ብሰሉስ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም [ኣ.ግ] ኣምቻሆ ቤተ-ክርስትያን መድሃኒኣለም ከም ዝተፈፀመ ነበርቲ ገሊፆም።

ሓደ ነባሪ፡ "ሽድሽቲኦም ሬሳታት ኣብ ሓደ ቤተ-ክርስትያን እዮም ብጃምላ ተቐቢሮም። ፍትሓት'ውን ከምኡ" ኢሉ።

ኣቦ እቲ ዝተቐተለ ቈልዓ፡ "ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ። ሬሳ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሓደ እንትቕበር ኵሉ ርእሱ'ዩ ደፊኡ" ብምባል ካብ መወትቲ እቶም ሰለስተ ኣዝማድ በዓልቲ ገዝኡ ከም ዝዀኑ ተዛሪቡ።

ዞባ ምዕራብ ጎጃም - ወረዳ ቋሪት

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ቋሪት ጣብያ ሸባ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ናይ ሕርሻ ቦታ (ግራት) መግቢ ጥሪት ይእክቡ ዝነበሩ 11 ሰባት ከም ዝተቐትሉ፡ ሰለስተ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

ብሰኑይ 12 ጥሪ 2017 ዓ.ም ለይቲ ሰዓት 7፡00 መግቢ ጥሪት ይእክቡ ዝነበሩ ሰባት፡ በቲ ከባቢ ይሓልፉ ብዝነበሩ ሓይልታት መንግስቲ ከም ዝተቐተሉ ተዛሪቦም።

ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ወዲ 35 ዓመት እዩ ዝተባህለ መራሒ ሃይማኖትን ኣብ መፋርቕን መወዳእታን ዓሰርተታት ዝርከቡ ህጻናትን ከም ዝዀኑ እዮም እቶም መሰኻኽር ዝዛረቡ።

እቲ መጥቃዕቲ እንትፍፀም ከም ዘምለጠ ዝዛረብ ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ ካብ መንጐ እቶም መወትቲ ወዲ 16 ዓመት ዘመዱ ከም ዝርከቦም ይገልፅ።

"ብሓንሳብ ኢና ሓሰር ንስከም። ነቶም ህፃናት ንምሕጋዝ ኬድና፣ ወርሒ ስለ ዘይወፅአት ኰፍ ኢልና እንትንፅበይ ሃንደበት መፂኦም። 'እንታዎት ኢኹም?' ኢሎምና። ንጥሪት ሓሰር ንእክብ ኣለና ምስ በልናዮም ከቢቦምና።. . . 'እዚ ኩሉ ሰብ ድዩ ሓሰር ዝእክብ?' ሓሰር ብቀትሪ'ምበር ብፀልማት ድዩ ዝእከብ?' ብምባል ከም ዝሓተትዎም ተዛሪቡ።

"ዓፂድ ስገም ኣርኪቡና ኣሎ። እቲ ሓሰር ጥሪት ስለ ዝበልዓልና፡ (ብፅባሒቱ) ናብ ዓፂድ መታን ክንምለስ ኢልና ኢና [ብለይቲ መጺእና] ኢልናዮም። እቲ ቀሺ መስቀል ኣውፂኡ 'እረ በጃዅም' ኢሉ ዋላ እንተለመነ ክሰምዑና ኣይከኣሉን" ብምባል ክትኵሱሎም ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን ንሱን ሓደ ካልእ ውልቀሰ ሰብን ከም ዘምለጡን ዝተዛረበ እዚ ምስክር ዓይኒ፡ "ቍልቍለት ዘለዎ ገደል ኣሎ፡ ብኡ እየ ሃዲመ" ብምባል ህይወቱ ከም ዘትረፈ ገሊፁ።

"ልዕሊ መጠን ጥይት ተተኵሱ።. . . ኣብ ታሕቲ [ኣብ ገደል ተሓቢአ] ወዲአሞም ከይዶም ኢለ ክበክይ ፀኒሐ። ንዓይ እውን ክቐትሉኒ'ዮም ኢለ ቀስ እንትወጽእ፡ ካብ ካልእ ቦታ ሰብ መጺኡ ኣእውዩ። ካብኡ እንተኸድኩ ን11 ቀቲለሞም ከይዶም" ኢሉ።

ከቢድ ድምፂ ሰሚዑ ካብ ገዝኡ ከም ዝወፅአ ዝዛረብ ካልእ ምስክር ዓይኒ ድማ፡ ድምፂ ጥይት ከም ዝዀነ ምስ ፈለጠ ከም ዝሃደመን ሰዓታት ፀኒሑ ናብቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ቦታ ከም ዝኸደን ተዛሪቡ።

"ኵሉ እናእወየ ወፂኡ። ኣብ መወዳእታ ኣሰር ድምጺ እናሰማዕና፣ ድምፂ እቲ ጥይት'ውን እናረሓቐ ምስ ከደ፡ ከይድና ሬሳታት ኣልዒልና። ሰብ ተኣኪቡ። ብጣዕሚ'ዩ ዘሕዝን፤ ህፃናት'ዮም" ነይሮም ኢሉ።

ሓደ ነባሪ፡ እቶም መወትቲ "ኣርባዕተ ቈልዑ ሓደ ስድራ ቤት ሓዊሱ ካብ ሰለስተ ስድራን ዓሌተ ዘመድን" ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ሓቢሩ።

ቀብሪ መወትቲ ብሰሉስ 13 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሸባ ጊዮርጊስ ከም ዝተፈፀመ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።

ሓደ ነባሪ፡ "ዓውዲ ንምእካብ ብዝወፅኦ እንተድኣ ዝተርፍ ኰይኑ፡ ብኸመይ ክንነብር? ቐትሪ እንተተቐቲሉ፣ ለይቲ ተረኺቡ'ውን እንተተቐቲሉ ብኸመይ ንነብር? መሪሩና፤ ምሒር ሓዚንና። ከምዚ ዓይነት ርኢና ኣይንፈልጥን። ብጣዕሚ የሰንብድ፤ ኣመና'ውን ተጨኒቕና" ብምባል ነቲ ሕሰም ገሊጹ።

ቢቢሲ ዝበፅሖን ብዘይሻራዊ ኣካል ዘየረጋገጾን ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ሓዘንተኛታት ንብዙሕ ሬሳታት ከቢቦም እንትበኽዩ የርእይ።