እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰለስተ ሃገራት ሓድሽ ቀረጽ ትራምፕ ይጽበየን፣ ኣብ ቅልውላው ዘላ ካናዳ ብኸመይ ትቃለሶ?
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሎሚ 01 ለካቲት 2025፡ ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮን ካናዳን 25 ሚእታዊት፡ ኣብ ልዕሊ ቻይና ድማ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ክገብር ምዃኑ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ።
ኣመሪካ፡ ካብ ካናዳ ኣብ ዝኣቱ ዘይቲ ብልዒ 10 ሚእታዊት ቀረጽ ከም እትገብር ክግለጽ እንከሎ፡ እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ግብራዊ ከም ዝኸዉን ትራምፕ ተዛሪቡ።
ትራምፕ፡ ንኣመሪካ ብጽቡቕ ኣየአንገዳን ኣብ ልዕሊ ዝበሎ ሕብረት ኤውሮጳ'ዉን ቀረጽ ከም ዝገብር እዩ ዝግለጽ።
ፕረስ ሴክሬታሪያት ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካናዳን ሜክሲኮን ዝጽዓን ቀረጽ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ "እቲ ስጕምቲ፡ ምንጪ ህይወት ብዓሰርተ ሚልዮን ዝቝጸሩ ኣመሪካዉያን ዝቐዘፈ ዘይሕጋዊ ፌንታሊን ብምዃነን ከምኡ'ዉን ኣብ ሃገርና ክከፋፈል ብምግባረን ዝተወስደ እዩ፡" ኢላ።
ዶናልድ ትራምፕ ቀረጽ (ታሪፍ) እንተ ሰሊዑ፡ ካናዳ ሓያልን ቅልጡፍን መልሰ-ተግባር ክትህብ ምዃና ቀዳማይ ምኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ብዓርቢ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ነቲ ካብ ካናዳ ናብ ሃገሩ ዝኣቱ ንብረት ካብ ቀዳም ኣትሒዙ 25 ሚእታዊት ቀረጽ ክገብር ከም ዝኽእል ገሊጹ እዩ።
ትሩዶ፡ "ኣብ ከምዚ ክንኣቱ ድላይ የብልናን፣ ተግባራዊ እንተዀይኑ ግና ንሕና`ውን ስጕምቲ ክንወስድ ኢና፡" ኢሉ።
ቀረጽ ሕመረት ናይ ትራምፕ ፖሊሲ ኣብ መዳይ ቍጠባ እዩ። ቍጠባ ኣመሪካ ንምዕባይ፡ ሽቕለት ንምውሓስን ግብሪ ንምኽዕባትን ዝሕግዝ መንገዲ ገይሩ ድማ ይርእዮ።
ከምዚ ዝኣመሰሉ ስጕምታት ኣብ ምጣነ-ሃብቲ ካናዳ ቅጽበታዊ ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኽእል ክኢላታት ስነ-ቝጠባ ይሕብሩ። ንኣመሪካውያን`ውን ዋጋታት ንብረት ክንህሮም ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ትሩዶ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ንዜጋታቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ "ሸፋፊነ ከጸባብቖ ኣይክእልን እየ፣ ሃገርና ኣብ ዝስዕቡ መዓልታት ኰነ ሰሙናት ጽንኩር እዋን ክገጥማ ይኽእል እዩ፡" ኢሉ።
ካናዳ ካብ ንግዳዊ ኲናት ከተምልጥ ትጽዕር ኣላ።
ሓለዋ ጸጥታ ዶባተን ንምዕባይ፡ ካናዳ ልዕሊ 690 ሚልዮን ዶላር ክትስልዕ ቃል እኳ እንተ ኣተወት፡ ንትራምፕ ግን ገና ዘካትዖ ዘሎ ነጥቢ እዩ። እዚ ክስልዖ እየ ዝብሎ ዘሎ ቀረጽ ድማ ከም መማጐቲ ሜላ ዝጥቀመሉ ዘሎ ይመስል።
ትሩዶ ኵሎም ኣማራጺታት ገና ኣብ ባይታ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
እቶም ኣርባዕተ ካብ`ቶም ኣማራጺታት ድማ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
1. ብፍሉይ ኣብ ዝተሓርዩ ኣቑሑት ኣመሪካ ቀረጽ ምግባር
ካናዳ ኣቐዲማ ምስ ትራምፕ ሓደ ናይ ቀረጽ "ኲናት" ኣካይዳ እያ።
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ስክፍታታት ሃገራዊ ድሕነት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኣሉሚንየም ካናዳ 10%፡ ኣብ ልዕሊ ሓጺን ካናዳ ድማ 25% ቀረጽ ሰሊዑ።
ካናዳ፡ ንትራምፕን መሻርኽቱን ፖለቲካዊ መልእኽቲ ንምትሕልላፍን ሕነ ምፍዳይን፡ ኣብ ልዕሊ ብፍሉይ ዝተመርጹ ኣቑሑት ኣመሪካ ቀረጽ ሰሊዓ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ነቲ ቀረጽ ንምልዓል ክልቲአን ሃገራት ተሰማሚዐን።
ላዕለዎት ሰበስልጣን ካናዳ ኣብ ቀረባ እዋን ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ትራምፕ ዳግማይ ቀረጽ እንተ ሰሊዑ`ውን፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝተመርጹ ፍርያት ቀረጽ ብምስላዕ፡ ቅልጡፍ መልሰ ተግባር ከም ዝህቡ ተሓንዮም።
ብመሰረት መረዳእታ መንግስቲ ኣመሪካ፡ 17 ሚእታዊት ሰደድ ኣመሪካ ናብ ካናዳ ይኸይድ። ልዕሊ 75% ሰደድ ካናዳ ከኣ ናብ ኣመሪካ ይኣቱ።
ካናዳ ኣብዚ ምስ ኣመሪካ እትገጥሞ ቍጠባዊ ኲናት ክወርዳ ዝኽእል ሃስያ ንኽትጻወር ተዳልያ ኣላ።
ኣብ ክፍሊ ፈደራላዊ ፋይናንስ ካናዳ ኣብ ጉዳያት ፖሊሲ ንግዲ ዝሰርሕ ዝነበረ ክኢላ ሕጊ ፒተር ላርክ፡ ኣብ ፍሉይ ፍርያት ቀረጽ ምስላዕ መብዛሕትኡ እዋን ቀዳማይን ውሑስ ኣገባብ ዝኸውን ብሰንኪ እዚ ዘይምዕሩይነት እዩ፡ ክብል ይዛረብ።
ካናዳ ኣብ ዝተወሰኑ ኣቑሑት ዒላማ ብምግባር፡ ንህዝባ ብሰፊሑ ከይሃሰየት ንኣመሪካ ክትጐድኣ ትኽእል እያ፡
ምኽንያቱ፡ ነቶም ኣብ ኣመሪካ ዘለዉ ተጠቀምቲ ዋጋታት ክኸብሮም ስለ ዝኽእል።
ስለዚ ድማ እዮም ሰበስልጣን ብሕነ ምፍዳይ ክመጽእ ንዝኽእል ጽልዋ ንምንካይ፡ "ፍርያት ካናዳውያን ግዛእ/ኢ" ብዝብል ወፈራ ዝጕስጕስሉ ዘለዉ።
ምሁራት፡ ትራምፕ ንሳልሳይ ግዜ ፕረዚደንት ስለ ዘይከውን ፖለቲካዊ ሃስያኡ ዝወሓደ እዩ ብምባል ይማጐቱ።
መምህር ስነ-ቝጠባን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ካናዳ ኣማኻሪ ፋይናንስ ዝነበረን ጁልያን ካራጉስያን፡ "ከምቲ ዝሓለፈ ግዜ ጽልዋ ኣይክህልዎን'ዩ፡" ይብል።
2. ዶላር ብዶላር ዝኽፈል ቀረጽ
ኣብ ዝሓለፈ ምስ ኣመሪካ ቍጠባዊ ኲናት ንምግጣም ዝወሰደቶ ስጕምቲ፡ ዶላር ብዶላር ግብሪ ምስላዕ ዝብል እዩ።
ኣብ ልዕሊ ኣሉሚንየምን ሓጺንን ኣመሪካ ተመሳሳሊ ቀረጽ ሰሊዓ።
በዚ ድማ ጠቕላላ ካናዳ ዝኸፈለቶን ኣመሪካ ዝሰላዓቶን ዋጋኡ ከም ዝዳረግ ኰይኑ። ኣብቲ እዋን`ቲ ኣስታት 16.6 ቢልዮን ካናዳ ዶላር ክበጽሕ ከኣ ክኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ እዋን`ዚ፡ እዚ ዶላር ብዶላር ዝብል ቀረጽ ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ዝዓበየ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ንማዕከናት ዜና ካንዳ ዝጠቐሱ ወግዓውያን ምንጭታት ከም ዝሕብሩዎ፡ ካናዳ ኣስታት 37 ቢልዮን ዶላር ዝግመቱ ኣቑሑት ንቐዳማይ ዙርያ ድልዊ ገይራ ትርከብ።
ካብዚ ቀጺሉ ከኣ 110 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ናብ ዝግመት ካልኦት ኣቑሑት ክሰፍሕ ይኽእል እዩ።
እቲ ብድሆ ዝኸውን ግን፡ ካናዳ እቲ ትራምፕ ዝስልዖ ቀረጽ ብኽንደይ መጠን ዝዓበየ ምዃኑ ኣይትፈልጥን እያ።
ብመጠን ዝወሰኸሉ፡ ካናዳ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ኣመሪካ ከም ኣምሳያኡ ወሰኽ ክትገብር እያ።
እንተዀነ፡ ካናዳ ኣብ ኵሉ ኣይኰነትን ዶላር ብዶላር ቀረጽ ከተካይድ።
ስኮት ሞ - መራሒ ናይታ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነት ኣውራጃ ሳስካችዋን - እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑት ኣመሪካ ዝስላዕ ቀረጽ፡ ነታ ሃገር፡ "ክመናንሃ እዩ፡" ይብል።
ካራጉስያን፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑት ካናዳ ክትስልዖ ትሓስብ ዘላ ቀረጽ፡ ነታ ሃገር ናብ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ክሸማ ከም ዝኽእልን ካናዳ፡ ብመንገዲ ዶላር ብዶላር መልሰ ተግባር እንተ ሂባትሉ፡ ነታ ሃገር ናብ ቍጠባዊ ዝቕባበ ክመርሓ ተኽእሎ ከም ዘሎን ተዛሪቡ።
እዚ ድማ ልዑል ዝቕባበ፡ ትሑት ቍጠባዊ ዕቤትን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ክላርክ፡ ካናዳ እትወስዶ ዝዀነ ዓይነት ውሳነ፡ ብፖለቲካዊ ቀዳምነት ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ኣብዚ መዳይ`ዚ ዝተኻየዱ ዳህሳሳት ከም ዝሕብሩዎ፡ ኣብዝሓ ካናዳውያን ኣንጻር ኣመሪካ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝድግፉ የመልክት። ዝበዝሑ መራሕቲ ንግዲ ካናዳውያን`ውን ነቲ ዶላር ብዶላር ዝብል ሜላ ከም ዝድግፉ ድማ የርኢ።
"በዚ ድማ ፖለቲከኛታት ካናዳ ሓያል መልሰ ተግባር ክህቡ ክድፍኡ ይኽእሉ እዮም፡" ይብል ክላርክ። "ብዛዕባ ፖለቲካዊ ውሳነታት ኢና ንዛረብ ዘለና፣ እዚ ድማ ኵሉ ሳዕ ርትዒ ዝኽተል ኣይኰነን፡" ይብል።
3. ጸዓት ከም ፈዳይ ሕነ
ነዚ ቍጠባዊ ኲናት ንምግጣም ካናዳ ካብ ዘለውዎ ዓበይቲ ጸጋታት ሓደ ጸዓት እዩ።
ኣብ ግዝኣታት ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ዝርከባ ከም ብዓል ቨርሞንት፡ ኒውዮርክን ሜይንን ዝኣመሰላ ምስ ካናዳ ዝዳወባ ቦታታት፡ ሓይሊ ኤለክትሪከን ብዝያዳ ኣብ ካናዳ እየን ዝምርኰሳ።
ብሪቲሽ ኮሎምብያን ማኒቶባን እውን ንምዕራባውን ማእከላይ ምዕራባውን ዞባታት ኣመሪካ ጸዓት የቕርባ።
ኣሃዛት መንግስቲ ካናዳ ከም ዝሕብሩዎ፡ 30 ግዝኣታት ኣመሪካ ንገለ ክፋል ሃልኪ ኤለክትሪከን ካብ ካናዳ እየን ዝዕድጋ።
ብተወሳኺ፡ ካናዳ ንኣመሪካ ዘይተጻረየ ነዳዲ ኣብ ምቕራብ ቀዳመይቲ እያ።
ኣመሪካ፡ እቲ 60 ሚእታዊት እትዋት ነዳዲኣ ካብ ካናዳ ከም እትረኽቦ ምምሕዳር ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ ይሕብር።
ቀዳማይ ምኒስተር ኦንታርዮ ዳግ ፎርድ፡ ካናዳ ንኣመሪካ ምእንቲ ከተቐንዙዋ ናብ ኣመሪካ ዝኸይድ ነዳዲ ደው ከተብሎ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ትራምፕ፡ ቀረብ ነዳዲ ካናዳ ብ10 ሚእታዊት ክጐድል ምዃኑ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ካብ 19 ለካቲት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣሚቱ።
ይዅን`ምበር፡ ካናዳ ሕጂ`ውን ንኣመሪካ ንምቕንዛው ገደብ ጸዓት ወይ ግብሪ ናይ ምኽፋል ኣማራጺታት ኣለዋ።
"ቀልጢፉ ዘቐንዙዎም ምውሳኽ ዋጋታት እዩ። ምኽንያቱ፡ ትራምፕ ዋጋታት ጸዓት ብቕልጡፍ ንምውራድ ባዕሉ ጐስጓስ ኣካይዱ እዩ፡" ይብል ካራጉስያን።
4. ናይ ኣመሪካ መስተ ምሕሳም፣ ወይ ድማ ካብ ሕነ ምፍዳይ ምቝጣብ
ኦንታርዮ፡ ኣመሪካ እተፍርዮ ኣልኮላዊ መስተታት ክትሕሰሞ ከም እትኽእል ፎርድ ይገልጽ።
እዚ ድማ ዝተፈላለዩ ናይ በበይነን ኣውራጃታት ሰበስልጣን ካናዳ ነናይ ገዛእ-ርእሶም መልሰ ተግባር ክህቡ ከም ዝኽእሉ ዘመላኽት እዩ።
ካልእ ኣማራጺ፡ ሕነ ዘይምፍዳይ እዩ - እንተ ወሓደ ንሕጂ።
ንሰሙናት ዝኣክል ሰበስልጣን ካናዳ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ዝርከቡ ኣመሪካውያን መዛኑኦም ክራኸቡ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ድማ ብመጀመርታ ኣመሪካ ክትስልዖ እትኽእል ዝዀነ ይዅን ቀረጽ ንምክልኻል እዩ።
ትማሊ ረቡዕ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሜላኒ ጆሊ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ ተራኺባ፡ ቀረጽ ንኽልተአን ሃገራት ጽቡቕ ዘይምዃኑን ካናዳ`ውን ብዛዕባ ጸጥታ ዶባትን ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ኣመሪካ ንዘለዋ ስክፍታታት ኣፍልጦ ብምሃብ ክትፈትሖ ትጽዕር ከም ዘላን ዝገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።
ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ከኣ፡ "ምጽማድና ክንቅጽል ኣለና፡" ኢላ።
ካናዳ፡ ምስቲ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ ዝተኣታተወ ዝመሳሰል፡ በቲ ክኽፈል ዝኽእል ቀረጽ ንዝተጐድኡ ትካላት ንግዲ መደብ ረድኤት ክትሕንጽጽ ከም እትኽእል`ውን ኣመት ሂባ ኣላ።
ገሊኦም፡ ሕነ ምፍዳይ ዘስዕቦ ቍጠባዊ ወጻኢታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ካናዳ ኣብ ክንድኡ ንግዳዊ ዝምድናታታ ኣብ ምብዛሕን ውሽጣዊ ምህርቲ ኣብ ምውሳኽን ከተተኵር ከም ዘለዋ ይምጕቱ።
"ንሕና ብተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ልዕለ ሓያላን ኢና፡" ዝበለ ካራጉስያ፡ ካናዳ ነቲ ቀረጽ ከም መነቓቕሒ ተጠቂማ፡ ፍርያታ ናብ ካልእ ቦታታት ክትሸይጥ ከም እትኽእል ገሊጹ።