ካናዳ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ጀስቲን ትሩዶ ስለ ምንታይ'ዩ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ?

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ፡ ብሰንኪ'ቲ ካብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሰልፊ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጸቕጢ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድን እቲ ንዳርጋ 10 ዓመት ዝጸንሐ መራሒነቱ ከም ዘብቅዕን ኣፍሊጡ።

ትሩዶ፡ ሰልፊ ሊበራል ሓድሽ መራሒ ክሳብ ዝመርጽ ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ፤ ባይቶ ድማ ክሳብ 24 መጋቢት 2025 ክናዋሕ - ወይ ክእገድ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ ኣብቲ ብሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዛ ሃገር ኣብ ዝቕጽል ሓቀኛ መረጻ የድልያ፤ ኣነ ኸኣ ውሽጣዊ ውግኣት ክቃለስ እንተዀይነ ኣብቲ መረጻ ዝበለጸ ኣማራጺ ክኸውን ከም ዘይክእል ግልጺ ኰይኑለይ ኣሎ" ኢሉ።

ትሩዶ ኣብ ካናዳውያን ብዙሕ ተፈታውነት የብሉን፤ ቅድሚ'ቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ፈደራላዊ መረጻ ድማ፡ ካብ ውሽጢ ሰልፉ ጸቕጢታት ክብርትዖ ጀሚሩ።

"ትማሊ ምሸት [ብሰንበት] ድራር እናበላዕና ንደቀይ ብዛዕባ እቲ ሎሚ ዘካፍለኩም ዘለኹ ውሳነ ነጊረዮም ነይረ። እቲ ሰልፊ ብድልዱል ሃገር-ለኸ መስርሕ ኣቢሉ ዝቕጽል መራሒኡ ምስ መረጸ፡ ካብ መሪሕነት እቲ ሰልፊ ከምኡ'ውን ከም ቀዳማይ ምኒስተር ካብ ስልጣነይ ክወርድ ሓሲበ ኣለኹ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሊበራላዊ ሰልፊ ሳቺት ሜህራ ኣብዚ ሰሙን ኣኼባ ቦርድ መራሕቲ እቲ ሰልፊ ብምክያድ መስርሕ ምምራጽ ሓድሽ መራሒ ክጅምር ምዃኑ ገሊጹ።

"ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሊበራላውያን ንጀስቲን ትሩዶ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንሰልፍናን ሃገርናን ዝሃቦ መሪሕነት ብዘይ መጠን የመስግንዎ። ከም መጠን ቀዳማይ ምኒስተር፡ እቲ ዝነበሮ ራእይ ንካናዳውያን ለውጢ ኣምጺኡ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።

ምምሕዳር ትሩዶ፡ ከም 'ካናዳ ቻይልድ በነፊት'፣ ምምስራት ክንክን ስኒን ንገለ መድሃኒታት ዝኸውን ሽፋን ክንክን 'ፋርማኬር'ን ዝኣመሰሉ መደባት ከም ዘተኣታተወ ጠቒሱ።

መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ፒየር ፖይሊቭረ፡ ትሩዶ ስልጣኑ ምስ ለቐቐ "ዝተቐየረ ነገር የለን" ኢሉ።

"ኵሉ ሊበራላዊ ኣባል ባይቶን ተወዳዳሪ መሪሕነትን ንዅሉ ትሩዶ ንትሸዓተ ዓመታት ዝገበሮ ደጊፉ'ዩ። ሕጂ ድማ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ካናዳውያን ዘይዕጕባት ኰይኖም ንኽቕጽሉ ካልእ ሊበራላዊ ገጽ ብምልውዋጥ ንመረጽቲ ከታልሉ'ዮም ዝደልዩ" ክብል ፖይሊቨር ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣብ ታሕሳስ ምክትል ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ዝነበረትን ክሪስቲያ ፍሪላንድ ሃንደበት ካብ ስልጣና ምስ ወረደት፡ ወዲ 53 ዓመት ትሩዶ፡ ካብ ሰልፊ ሊበራል ንኽእለ ካብ ውሽጢ ዝቐርብ ጻውዒታት እናሓየለ'ዩ መጺኡ።

ፍሪላንድ ኣብ ዝጽሓፈቶ ደብዳበ፡ ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ካናዳ ቀረጽ ክውስኽ እየ ምባሉ ብምጥቃስ፡ ትሩዶ ነቲ እማመታት ትራምፕ ዘስዓቦ "ከቢድ ብድሆ" ንምፍታሕ እኹል ስራሕ ከም ዘይሰርሐ ከሲሳ።

ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካብ ካናዳ ዝኣቱ ንብረት 25 ሚእታዊት ቀረጽ ክኸፍል ተሓንዩ'ዩ።

እዚ ድማ ንቍጠባ ካናዳ ብዓቢኡ ከም ዝጐድእ ሰብ ሞያ ስነ-ቍጠባ ኣጠንቂቘም።

ትሩዶ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍሪላንድ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ኰይና ክትቅጽል'ኳ ተስፋ እንተነበሮ፡ ንሳ "ግን ካልእ መሪጻ" ኢሉ።

ካናዳ ካብ ሽዑ ጀሚራ ነቲ ካብ ትራምፕ ዝመጽኣ ስግኣት ንምክልኻል ኣብ ዶብ ኣመሪካ ስፍሕ ዝበለ ሓድሽ ስጕምቲታት ጸጥታ ተግባራዊ ክትገብር ምዃና ኣፍሊጣ።

ትራምፕ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ኣብ ልዕሊ ታሪፍ ዝግበር ጸቕጢ፡ ትሩዶ ካብ ስልጣኑ ንኽወርድ ከም ዝደረኾ ብምግላጽ፡ ካናዳ "መበል 51 ግዝኣት" ክትከውን ኣለዋ ዝብል ላግጺ ደጊሙ።

"ካናዳ ምስ ኣመሪካ እንተትወሃሃድ፡ ታሪፍ ኣይምሃለወን፡ ግብሪ ኣዝዩ ምነከየ፡ ካብ ስግኣት ናይተን ብቐጻሊ ከቢበንኣ ዘለዋ መራኽብ ሩስያን ቻይናን ድማ ፍጹም ውሑስቲ ምዀነት" ክብል ጽሒፉ።

ካብ 2019 ጀሚሩ ሰልፊ ሊበራል ከም ናይ ውሑዳት ሰልፊ ኰይኑ ይመሓደር ኣሎ።

ፍሪላንድ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምውራዳ፡ ትሩዶ ደገፍ ናይተን ቅድሚ ሕጂ ንሊበራላውያን ኣብ ስልጣን ንኽጸንሑ ዝሓገዛ ውድባት - እቶም ምስ ሊበራላውያን ናይ ደገፍ ስምምዕ ዝነበሮም ንጸጋም ዝጽግዑ ኒው ዲሞክራትን ሃገራዊ ሰልፊ ኩቤክ ብሎክ ኩቤኮይስን - ስኢኑ።

እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ ዓቃባውያን ኣብ ምርጫ ንኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ሊበራላውያን ብኽልተ ኣሃዝ ርኡይ መሪሕነት ሒዙ ጸኒሑ - እዚ ድማ ሎሚ ሓፈሻዊ ምርጫ እንተተኻይዱ ሊበራላውያን ርኡይ ስዕረት ክገጥሞም ከም ዝኽእል ይሕብር።

ሕጂ ሊበራላውያን ነቲ ሰልፊ ናብቲ ዝቕጽል መረጻ ዝወስድ ሓድሽ መራሒ ክመርጹ እዮም፤እዚ መረጻ ድማ 20 ጥቅምቲ 2025 ወይ ቅድሚኡ ክካየድ ኣለዎ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ውድድር ክፉት ምዃኑን፡ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ምሉእ ብምሉእ ካብቲ መስርሕ ወጻኢ ከም ዝጸንሕን ብምግላጽ መጻኢ ኣባላት ሰልፊ ሊበራል ዝውስንዎ ከም ዝኸውን ተዛሪቡ።

መራሒ ብሎክ ኩቤኮስ ኢቭ-ፍራንሶዋ ብላንቸት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሊበራላውያን ሓድሽ መራሒኦም ምስ መረጹ፡ ኣቐዲሙ ዝካየድ መረጻ ክግበር ሓሳብ ኣቕሪቡ።

መወዳእታ ዘመነ ትሩዶ

ትሩዶ ወዲ እቲ ኣብ ሰብዓታትን ሰማንያታትን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊሉ ዝነበረ ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ፒየር ትሩዶ እዩ።

ጀስቲን ትሩዶ ድማ፡ ሰልፊ ሊበራል ኣብ 2015 ሓድሽ መብጽዓታት ሒዙ ብምምጻእ ብኣብዝሓ ድምጺ ኣብ መረጻ ምስ ተዓወተ ቀዳማይ ምኒስትር ኰይኑ።

ኣብ እዋን መሪሕነቱ፡ ኣብ ካቢነኡ ማዕርነት ጾታ ክህሉ ብምግባር፡ 50 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ኰይነን ክቕጽላ ገይሩ።

ምስ ደቀባት ካናዳ ዝግበር ዕርቂ፡ ሃገራዊ ግብሪ ካርቦን ምምጻእ፤ ንስድራቤታት ካብ ግብሪ ነጻ ዝዀነ ናይ ህጻናት ሓገዝ ምትእትታው ከምኡ'ውን ካናቢስ ሕጋዊ ምግባር ዝኣመሰሉ ስርሓት ዓሚሙ'ዩ።

ሃገራዊት ሓላፊት ባይቶ ደቀባት ሲንዲ ዉድሃውስ ኔፒናክ፡ ትሩዶ ኣብ ጕዳያት ደቀ'ባት ዝነበሮ ስራሕ ብምንኣድ፡ "ንቐዳሞት ኣህዛብ ኣገደስቲ ዝዀኑ ጕዳያት ንምፍታሕ ትርጕም ዘለዎ ስጕምቲታት ወሲዱ'ዩ" ኢላ።

"ብዙሕ ስራሕ ይተርፍ'ዩ፤ መጻኢ መንግስታት ግን ኣብዞም ጕዳያት ንኽሰርሑ መሰረት ኣንቢሩ'ዩ።"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትሩዶ ዝቐርብ ክስታት ግን ተራእዩ።

እዚ ድማ ምስ ሓደ ብብልሽውና ዝኽሰስ ካናዳዊ ትካል ዝገበሮ ስምምዕ ዝምልከት ክትዕን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ቡናዊ ገጽ መመላኽዒ ገይሩ ዝተስኣሎም ኣሳእልን ዝርከብዎም ጕዳያት ግዳይ ሓያሎ ነቐፌታታት ክኸውን ገይሮም'ዮም።

ካናዳ ካብቲ ለበዳ ክትወጽእ ምስ ጀመረት፡ ዋጋታት ኣባይትን መግብን ሰማይ ዓሪጕ።

ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ወጥሪ ክርአ ምስ ጀመረ ድማ፡ መንግስቱ ነቲ ዓቢ ዕላማታት ኢሚግሬሽን ንድሕሪት ስሒቡ።

ኣብ መወዳእታ 2024፡ 22 ሚ፤እታዊት ካናዳውያን ጥራይ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ግምት ከም ዝነበሮም ጸብጻባት የመልክቱ።