ካናዳ ብኸመይ ዝዓበየት ርእሰ ከተማ ስርቂ መኻይን ትኸውን ኣላ?

ሎጋን ላፋርኒየር ኣብ 2022 ጥቅምቲ ሓደ ንግሆ ካብ ድቃሱ ምስተሰአ መኪናኡ ይስእና።

እታ ሽዑ ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ዝገዝኣ ሓዳስ ‘ራም ረቤል’ ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት መኪናኡ እያ ጠፊኣ።

ክልተ በዓል ቆቢዕ ክዳን ዝለበሱ ሰባት ኣብ ሚልተን ኦንታርዮ ኣብ ዝርከብ ገዛኡ ኣብ ደገ ንዝነበረት ‘ፒክኣፕ’ መኪና ሰይሮም ብምእታው ብቐሊሉ እናዘወሩ ሒዞምዋ ክዕዘሩ ከለዉ ኣብ ናይ ድሕነት ካሜራኡ ይረኣዩ።

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፡ ብልክዕ ነታ ናቱ እትመስል መኪና ኣብታ ኣስታት 8,500 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ጋና ንመሸጣ ዝቐረባ መካይን ኣብ ዝዘርግሐት ሓንቲ መርበብ ሓበሬታ ተራእየት።

ሚስተር ላፈርኒየር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “እቲ ንጹር ምልክት ከኣ እቲ ንወደይ ኣብ ድሕሪት መንበር መራሒ መኪና ዝገጠምናዮ መትሓዚ ላፕቶፕ’ዩ ነይሩ” ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ኣሳእል ናይታ ንመሸጣ ዝቐረበት ተመሳሳሊት ፒክኣፕ እውን እቲ ዝጠቐሶ ምልክት ከምዝተራእየ ይገልጽ።

“መኪናይ ምዃና ኣብ ኣእምሮይ ዘጠራጥረኒ ነገር ኣይነበረን” ይብል።

ከምዚ ዛንታ ላፋርኒየር ልሙድ እዩ። ኣብ 2022 ኣብ ካናዳ ልዕሊ105 ሽሕ መካይን ከምዝተሰረቓ ይግለጽ። ኣብ ውሽጢ ደቒቕ ኣስታት ሓሙሽተ መካይን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ካብቶም ግዳያት ሓደ ከኣ ፈደራላዊ ሚኒስተር ፍትሒ ካናዳ ኰይኑ፡ ብመንግስቲ ዝተዓደገትሉ ‘ቶዮታ ሃይላንደር ኤክስኤልኢ’ ዝዓይነታ መኪናኡ ክልተ ግዜ ተሰሪቓ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሓጋይ፡ ኢንተርፖል (ትካል ዓለምለኸ ፖሊስ) ዝኸፍአ ስርቂ መካይን ካብ ዝፍጸመለን 137 ሃገራት ኣብ ቀዳሞት10 ሰሪዕዋ ነይሩ።

እታ ሃገር ኣብ ለካቲት ንዓለምለኻዊ ትካል ፖሊስ መረዳእታ ከተቕርብ ከም ዝጀመረት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ "ዘገርም እዩ" ይብል ወሃቢ ቃል ኢንተርፖል።

እዘን መካይን ምስ ተሰረቓ ንኻልእ ጐነጻዊ ገበናት ንምፍጻም ከም ዝውዕላ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኻልኦት ካናዳውያን ከም ዝሽየጣ ወይ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብመሸጣ ከም ዝለኣኻ ሰብመዚ ይዛረቡ።

ኢንተርፖል ካብ ለካቲት ጀሚሩ ካብ ካናዳ ዝተሰረቓ ልዕሊ 1500 መካይን ኣብ መላእ ዓለም ከምዘለዋ ዝሕብር መረዳእታ ከምዝረኸበ ይጠቅስ።

ኣብ ሰሙን ከኣ ኣስታት 200 ካልኦት ዝተሰረቓ መካይን ምልላይ ከምዝቐጸለን እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ወደባት ካልኦት ሃገራትን ከምዝዀነን የረድእ።

ስርቂ መኪና ክሳብ ክንድዚ ለበዳ ስለዝዀነ ቢሮ መድሕን ካናዳ "ሃገራዊ ቅልውላው" ክብል ይገልጾ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ትካላት መድሕን (ኢንሹራንስ) ልዕሊ 1.5 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ካሕሳ ስርቂ መካይን ክኸፍላ ተገዲደን ኣለዋ።

እቲ ጸገም፡ ሰበስልጣን ፖሊስ’ውን ሰባት ስርቂ መካይን ብኸመይ ክከላኸሉ ከምዘለዎም ዝሕብር መምርሒታት ብምውጻእ ህዝቢ ክፈልጦ ክገብሩ ኣገዲድዎም ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ገለ ካናዳውያን ነቲ ጉዳይ ባዕሎም ፍታሕ ከናድዩሉ ዝጀመሩ ኰይኖም፡ ኣብ መካይኖም ‘ትራከር’ (መቆጻጸሪ ኣሰር) ካብ ምትካል ክሳብ ናይ ብሕቲ ሓለዋ ምቝጻር ዝኸኣልዎ ኵሉ ይገብሩ ኣለዉ።

ገለ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት ከኣ፡ ኣብቲ መኻይኖም ደው ዘብላሉ ቦታ ልክዕ ከምቲ ኣብ ባንክታትን ኤምባሲታትን ዝግበር ዝመስል ኣብ መሬት ዝትከል ማሕለኻ (‘ቦላርድ’) ብምግባር ንሰረቕቲ ክገትኡ ይፍትኑ።

ኣብታ ካብ ቶሮንቶ ቅሩብ ውጽእ ኢልካ እትርከብ ከተማ ሚሲሳውጋ ዝነብር ናውማን ካን፡ ንሱን ሓዉን ግዳያት ስርቂ መካይን ድሕሪ ምዃኖም ቦላርድ ናይ ምትካል ስራሕ ከምዝጀመሩ ይዛረብ።

ኣሜሪካ፡ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ድሕሪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ስርቂ መካይን ወሰኽ እንተጋጠመን'ኳ፡ ኣብ ካናዳ ዘሎ መጠን ስርቂ (ካብ 100 ሽሕ ሰባት - ስርቂ 262.5 መኻይን) ምስቲ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ዘጋጥም (ካብ 100 ሽሕ ሰባት 220) ዝበልጽ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል።

ብተወሳኺ ምስታ ብመሰረት ኣብ 2022 ዝተመዝገበ ዳታ፡ ኣብ 100 ሽሕ ሰባት ኣስታት 300 ስርቂ ተሽከርከርቲ ዝምዝገበላ ኣመሪካ ከኣ ብመጠኑ ዝቀራረብ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተራእየ ወሰኽ ስርቂ መንቀሊኡ ብኸፊል ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተፈጠረ ዓለማዊ ሕጽረት መካይን ኰይኑ ኣብ ጠለብ ዘገልገላን ሓደስቲን ተሽከርከርቲ ወሰኽ ተራእዩ’ሎ።

ብተወሳኺ’ውን ብደረጃ ዓለም ንገለ ሞዴላት መካይን ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ስለዘሎ፡ ዝተወደቡ ጕጅለታት ገበን ነቲ ስርቂ ዝለዓለ ኣታዊ ዝረኽቡሉ ኣማራጺ ይገብርዎ ከምዘለዉ ኣብ ማሕበር መካይን ካናዳ ዳይረክተር ዝምድናታት መንግስቲ ኤልዮት ሲልቨርስታይን የረድእ።

ወደባት ካናዳ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ካብ ካልኦት ሃገራት ንላዕሊ ንኸምዚ ዓይነት ስርቂ ዝያዳ ተቓላዕቲ ከምዝገብረን እውን ወሲኹ ገሊጹ።

“ኣብ ስርዓት ወደባት፡ ካብቲ ካብ ሃገር ዝወጽእ ንላዕሊ ኣብቲ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዘሎ ነገር ዝያዳ ትዅረት ይወሃቦ” ክብል የረድእ።

ፖሊስ ገለ ዝተሰርቃ መካይን ክረክብ ክኢሉ’ሎ።

ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣገልግሎት ፖሊስ ቶሮንቶ ን11 ኣዋርሕ ዝጸንሐ መርመራ ብምክያድ ኣስታት 60 ሚልዮን ዶላር ካናዳ ዝዋግአን 1080 መካይን ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ ነይሩ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ድማ ልዕሊ 550 ክስታት ተመስሪቶም።

ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ መፋርቕ ታሕሳስን መወዳእታ መጋቢትን፡ ኣባላት ዶብን ፖሊስን ኣብ ወደብ ሞንትርያል ኣብ 400 ናይ መራኽብ ኮንተይነራት ፈተሻ ብምክያድ ኣስታት 600 ዝተሰርቃ መካይን ረኺቦም።

እዚ ዓይነት ስርሒታት ግን ንብዝሒ እቲ በቲ ወደብ ዝንቀሳቐስ ሸቐጥ ኣብ ግምት ብምእታው ንምፍጻሙ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ኣብ 2023 ጥራይ ኣስታት 1.7 ሚልዮን ኮንተይነራት ብወደብ ሞንትርያል ኣቢሉ ተጓዓዒዙ።

ግዜኡ ዝሓለፎ ቴክኖሎጂታት እውን ካልእ ጉዳይ እዩ።

ከንቲባ ናይታ ካልእ ብስርቂ መካይን ኣዝያ ዝተሃስየት ኣብ ኦንታርዮ እትርከብ ከተማ ብራምተን ዝዀነ ፓትሪክ ብራውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ወደብ ኒውኣርክ ኮንተይነር ተርሚናል ዑደት ኣካይዱ ነይሩ።

ዕላማ ዑደቱ ከኣ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ካናዳን ዝግበር ናይ ምርመራ ሜላታት ንምንጽጻር ከምዝኾነ ይግለጽ።

ንሱ ንጋዜጣ ናሽናል ፖስት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብወገን ኣመሪካ ዝሓሸ ናይ መቆጻጸሪ መሳርሒታት ከምዝጥቀሙን ኣብ ካናዳ ግን ዘይተማልኡ ምዃኖምን ሓቢሩ።

መንግስቲ ካናዳ ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ናይ መራኽብ ኮንተይነራት ናይ ምፍታሽ ዓቕሚ ንምድልዳል ሚልዮናት ከም ዘውፍር ገሊጹ ነይሩ። ፖሊስ’ውን ኣብ ማሕበረሰብ ንዝፍጠር ስርቂ መካይን ንምምካት ተወሳኺ ገንዘብ ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ከም በዓል ሚስተር ላፋርኒየር ዝኣመሰሉ ወነንቲ መካይን መካይኖም ውሑሳት ንኽዀና እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ገና ኣብ ቃልሲ ይርከቡ።