እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ንስደተኛታት ክሕግዝ ዝፍትን ዘሎ' ኣባል ባይቶ ጀርመን ኤርትራዊ ሰሎሞን ጸሃየ
ሰሎሞን ጸሃየ፡ኣብ ስነ-ጥበብ ክነጥፍ ዝጸንሐ መንእሰይ'ዩ።
ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት፡ ኣብ ኵሉ መዳይ ስደት ዘሕልፉዎ ኵርኳሕ ህይወት ስለ ዝግንዘብ ከኣ፡ ብስነ ጥበባዊ ሞያኡን ዓቕሙን ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ይነጥፍ ነይሩ።
ሕጂ፡ ነቲ ዕማም ብዝለዓለ ንኽሰርሓሉ ኣብ ዘኸእሎ ባይቶ ጀርመን ኣባል ኰይኑ ኣትዩ ኣሎ።
እዚ ትውልደ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ካይዘርስላውተር ኣብ ባይቶ ወጻእተኛታትን ስደተኛታትን ኣብ ዝወሃብ ውሳነታት ኣበርክቶኡ ከወፊ ኣብ መረጻ ተዓዊቱ።
ኣብቲ ውድድድር፡ ንብዙሓት ዜግነት ጀርመን ዘለዎም ዜጋታት ቱርኪ፣ ብራዚል፣ ቦሊቭያ፣ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ዝመበቆሎም ስደተኛታት በሊጹ'ዩ ተመሪጹ።
ሰሎሞን፡ ምስ 30 ድርሰታት ተወዳዲራ ዝተሓርየትን ብመንግስቲ ጀርመን ዝተመወለትን፡ "ኣውራ" ዘርእስታ ኣብ ስደተኛታት ኣተኲሩ ዝሰርሓ ፊልም ምስ ህዝቢ ክላለ ከም ዝሓገዘቶ ይገልጽ።
እታ ነውጺ ስደተኛታት ኣብ ኣውሮጳ እትትርኽ ሰነዳዊት ፊልም፡ ኣብ ጋዜጣታት ራድዮን ተሌቪዥንን እታ ሃገር ጽቡቕ ሸፈነን ኣድናቘትን ኣትሪፋ ብምጽንሓ ኣብቲ መረጻ ልዑል ድምጺ ረኺቡ ተዓዊቱ።
ንሱ፡ ጸገማት ስደተኛታት ኣብቲ ባይቶ ንኽስማዕን ፍታሕ ንኽረክብን ክሰርሕ ምዃኑ ይዛረብ።
"ንኣብነት፡ ኣብ ጕዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ እንርኢ፣ መንግስቲ ጀርመን እንተስ ሰኣን እኹል ሓበሬታ ወይ ዕሽሽ ምባል፡ ንኤርትራውያን መንነቶም ንምርግጋጽ፡ ካብ ኤምባሲ ኤርትራ መረጋገጺ ወረቐት ከምጽኡ ይሓቶም።
"እንተዀነ እቶም ብጸቕጢ መንግስቲ ካብ ሃገሮም ዝተሰደዱ ሰባት ናብ ኤምባሲ ከይዶም፡ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ከይመልኡን ክልተ ሚእታዊት ግብሪ ከይከፈሉን ኣገልግሎት ክረኽቡ ስለ ዘይከእሉ፡ ብዙሓት ከኣ ነቲ ተግባር ብመትከል ስለ ዝቃወምዎ፡ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ወረቐት ክነብሩ ይግደዱ። እዚ ድማ ነቲ ስደተኛ ዝገበረካ ምኽንያታት ዘጓኒ እዩ፡" ብምባል ኣብ ምፍትሑ እጃሙ ከበርክት ምዃኑ ይጠቅስ።
ሰሎሞን፡ ንነዊሕ ዓመታት፡ ደብዳበታትን ኢመይላትን ብምጽሓፍን ቋንቋ ብምትርጓምን ንስደተኛታት ክሕግዝ ጸኒሑ እዩ።
ንተወፋይነቱን ጻዕሩን ዝረኣዩ መቕርቡን ፈተውቱን ከኣ ናብ ባይቶ ስደተኛታት ክጽንበር ኣተባቢዖሞ።
ፈለማ ማዕረ ክንድኡ ዕድላት ዝረክብ ኣይመሰሎን።
ዳሕራይ ግን ነቲ ዘድሊ ረቛሒታት ኣማሊኡ ናብቲ ልዕሊ 110ሽሕ ነባሪ ዘለዎ ባይቶ ከተማ ክይሰርስላውተርን ተጸንቢሩ።
"ዕላማይ ነቲ ስደተኛ ማሕበረሰበይ በቲ ዘለኒ ናይ ስነጥበብ ሞያ ድምጺ ክዀኖ፣ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ነቲ ናተይ ዓቕሚ ስራሕ ይዅን ጥበብ ንኸዕቢ እዩ" ይብል።
'ኣውራ' - ኵነት ስደት
ሰሎሞን ጸሃየ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ፡ ከም ሰአሊ፡ ዳይረክተር፡ ከምኡውን ጸሓፊ ሓጸርቲን ሰነዳዊን ፊልምታትን ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራውን ሃገራዊን ፍርያት ስነ-ጥበብ ንሽልማት ዝበቕዑ ፍርያት ኣበርኪቱ እዩ።
እቲ ኣብ ስርሓት ውሩያት ኤርትራውያን ስነጥበበኛታት ዘንጸባርቘ ፍልይ ዝበለ ቅዲ ኣሰኣእላን ኣተኣላልያን ንፈጠራዊ ዓቕሙ ዘንጸባርቕ እዩ።
ሓንቲ ካብተን ብቕዓቱ ዘመስከረለን ከኣ "ኣውራ" ዝተሰመየት ዶኩመንታሪ ፊልም ኰይና፣ ስደተኛታት ዝሓልፍዎ ጭንቅን መከራን፡ ከምኡ'ውን ሒዞምዎ ዝመጽኡ ዓቕምን ጸጋን እተዘንቱ እያ።
እዞም ሕጂ ስደተኛታት ዝቕበሉ ዘለው ህዝቢ ሃገራት ምዕራብ ንባዕሎም ኣብ ሓደ እዋን ታሪኾም ተሰዲዶም ከም ዝነበሩ ብምዝኽኻር ንኵነተ ስደት ክርድእዎ ትትርኽ።
ሰሎሞን ከኣ እታ ፊልም "ወጽዓ ስደተኛ ንምርዳእ፡ ሰብ ምዃን ጥራይ እኹል'ዩ። እቶም በቲ መስርሕ ዝሓለፉ ግዳያት ጸገሞም እንተዘንትዮምልካ ክትሰምዖም እዩ ዝግባእ" ብምባል ጭንቂ ስደተኛ ንምርዳእ ብእኡ ክትሓልፍ ግድን ከም ዘይኰነ ይገልጽ።
ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ዓዶም እንከለው ዘሕልፍዎ ቀጻሊ ግፋን ማእሰርትን ኣብ ህይወቶም ስምብራት ከም ዝገደፈሎም የረድእ።
ሰሎሞን መን እዩ?
ወላዲኡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኤርትራውያን ቀባእቲ እዩ ነይሩ።
ስለ ዝዀነ ሰሎሞን ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ እዩ ንስነ ጥበብ ክርድኦን ክስዕቦን ጀሚሩ።
ካብ 2005 ጀሚሩ ኣብ ስእልን ጽሑፍን ዝተፈላለየ ስርሓት ከሰርሕ ዝጸንሐ ሰሎሞን፣ ከም "ኣቅላስያ፡ ትዕግስትን" ዝተሰምያ ብዓለምለኸ ደረጃ ስምን ስልማትን ዝረኸባ ፊልምታት ኤርትራ ሰኣልን ኣርታዕን ብምዃን ሰሪሑ።
ብተወሳኺ፡ ንከም በዓል እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች)፣ ተስፋኣለም ኣረፋይነ (ቆርጫጭ)፡ፍጹም በራኺ፡ ተመስገን ገብረስላሰ (ጣኒቆ)፡ ዮውሃንስ ትካቦ (ወዲ ትካቦ)፡ን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ድምጻውያን ናይ ደርፊ ቪድዮ ክሊፓት ሰሪሑ።
ምስ ዝተፈላለዩ ጀርመናውያን ድምጻውያን'ውን ስነጥበባዊ ስርሓት ኣፍርዩ ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ እንከሎ ልዕሊ 13 ፊልም፣ ልዕሊ 150 ቪድዮ ክሊፕ ከም ዝሰርሐ፡ ኣብዚ ግዜ እውን ዛጊት ሸውዓተ ፊልምታት ኣፍርዩ ኣሎ።
ብ1986 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ዝዓበየ ሰሎሞን፡ ኣብ መበል 16 ዙርያ ናብ ሳዋ ድሕሪ ምውራዱ ኣብ ኣስመራ ነርሲን ስኩል ተማሂሩ።
ካብ ኤርትራ ክሳብ ዝስደድ ድማ ኣብ ሓሊበት ሆስፒታል ከም ኣማኻሪን ተሓጋግዚ መዲካል ዳይረክተር፣ ኣብ ኦሮታን ምኒስትሪ ጥዕናን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ስርሓት ሰሪሑ።
"ኣብ ኤርትራ ዋላ'ኳ ብተዛማዲ ደሓን ዝዀነ እቶትን ናብራን እንተነበረኒ፡ ጽባሕ እንታይ የጋጥመካ ስለ ዘይትፈልጥ ግን ቅሳነት የብልካን፤ በዚ እየ ተሰዲደ፡" ኢሉ።
ሰሎሞን ኣብዚ እዋን እውን ፈጠራዊ ዓቕሙ ንምዕባይ ዝተፈላለየ ስርሓት ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
ዝዀነ ስደተኛ ብዙሕ ብድሆታት ስለዝሓለፍ፡ ዓቕሙን ክእለቱን ንምዕባይን ንምምሕያሽን ከይተሓለለ ክመሃርን ክሰርሕን ከም ዝግባእ ኣዘኻኺሩ።
ኣብ ሓደ እዋን ሰሎሞን፡ ወላዲቱ ጸገም ጥዕና ምስ ኣጓነፋ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ክሕግዛ ከምእተገደደ ብምግላጽ፡ ዝዀነ ካብ ሃገሩን ህዝቡን ዝተሰደ ሰብ ብዘጋጥሞ ጸገማት ከይተዳህለ ነብሱ ንምቕያር ክሰርሕን ካብ ዝዀነ ወልፍን ተስፋ ምቑራጽን ክርሕቅን ይጽውዕ።