እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰመረ ሰሎሞን፡ ኣብ ሜዳ ዘሕለፎ ህይወትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ርእይቶን እንታይ ይመስል?
ሰመረ ሰሎሞን: ጸሓፊ "ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነት ኤርትራን ዝተጠልመ መብጽዓን" ዘርእስታ መጽሓፍ'ዩ።
እዛ መጽሓፍ፡ ነታ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ብተደጋጋሚ እትግለጽ 'ንደቃ እትበልዕ ሰውራ' እትብል ዝውትርቲ ሓረግ ተዘኻኽር ዝብሉ ምሁራን ኤርትራውያን ኣለዉ።
ገዲም ተጋዳላይ ሰመረ ሰሎሞን ኣባይ መን'ዩ? ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎ ርእይቶ'ኸ ከመይ ይመስል?
ህልዊ ኵነታት ኤርትራ፡ ካብ ተራ ሰባት ጀሚሩ ብስነ-ፍልጠታውያን፡ ኣህጕራውያን ትካላት፡ ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ ተቓወምቲ ኣካላት፡ ካብ መሓውር መንግስቲ ዘምለጡ ገለ-ሰባት ኰኑ ተጋደልቲ-ነበር ብዝርከቡዎም ብዙሓት ሰባት ተቓሊሑ'ዩ።
ሰመረ፡ እቲ ዝበዝሐ ክፋል ህይወቱ ኣብ ሜዳ ኤርትራ'ዩ ኣሕሊፉዎ።
ብዙሓት እንክስዉኡ ንሱ ግን ዕድል ገይሩ ካብቲ ጽዑቕ ዉግኣት ድሒኑ ናጽነት ክርኢ በቒዑ።
ድሕሪ ናጽነት እውን ኣብ ልዑል ጽፍሒ መንግስቲ - ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ - ኣገልጊሉ'ዩ።
ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰቱ ህዝቢ ዘይተጸበዮም ኣሻዃት ጉዳያት ምስ ረኣየ ግን ካብቲ ስርዓት ንክእለ ወሲኑ።
ብኣግኡ ስለ ዝተኣልየ ከኣ ኣብ ወጻኢ ምስ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምስራሕ ንዓቕሙን ተመኩሮኡን ዝድርዕ ፍልጠትን ክእለትን ኣጥርዩ።
ሰመረ ሰሎሞን ብዛዕባ'ቶም ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰቱ ናይ የማነ-ጸጋም ዘይንቡራት ፖለቲካዊ ምዕባለታት ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕሪት ተመሊሱ ነቶም ኣብ ዘመን ብረታዊ ቃልሲ ዝነበሩ ፈተንቲ ፍጻሜታትን ክዉነታትን ምስ'ቶም ድሕሪ ናጽነት ዝማዕበሉ ተረኽቦታት ብምግጣም ዓሚቝ ጸብጻብ ዘቕረበ ናይ ዓይኒ-ምስክር'ዩ።
ኰይኑ ድማ ጸብጻቡ ብጽፈትን ብዘእምንን ኣገባብ ብምቕራቡ ብኤርትራውያን ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ መጐሰ ረኺቡ።
ሰመረ ሰሎሞን ሓደ ካብ ብዙሓት ንግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ምሕደራን መንግስቲ ኤርትራ ኣስተውዒሎም ካብቲ ስርዓት ዝተኣልዩ ነባራት ተጋደልቲ እዩ።
ካብ ስርዓት ኢሳያስ ንክእለ ዝወሰዶ ስጕምቲ ብኣስተንትኖ ጸጽዩ ብመጽናዓታዊ ትንተና ኣሰንዩ ብምቕራቡ ከኣ ፍሉይ ይገብሮ።
ሰመረ ንምስክርነቱ ብመጽሓፍ መልክዕ ብምቕራብ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ናይ ኤርትራውያን ማዕከናት ዜና ተዓዲሙ ብምቕራብ ከኣ ኣብ መድርኻቶም ወጺኡ በቲ ኣብ መጽሓፉ ዘቕረቦም ጸብጻባትን ዝተጠቕመሎም መጐትኡን ምስክርነቱን ንከርሕስ ብርጡብ ኣገባብ ዝተጣበቐ ምሁር እዩ።
ነታ ብመጀመርታ ብእንግሊዘኛ ዘቕረባ መጽሓፉ፡ ኣቓልቦ ኣንበብቲ ምስ ረኸበት መዛረቢ ዛዕባታት ብምፍጣር ኣብ ብዙሕ ኵርንዓት ኤርትራውያን ተቓልዐት፣ ናብ ትግርኛ ብምትርጓሙ ከኣ ዝዓበየ ፍረ-ጻማ ከም ዝረኸበላ ብዙሓት ኣንበብቲ ትግርኛ ይምስክሩ።
ካብ ስርዓት ኢሳያስ ተገሊሎም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተጋደልቲ-ነበር ቍጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ ክነሱ ብተነጻጻሪ ግን ብዛዕባ ተሞኵሮኦም ዘቕረብዎ ጽሑፋት ዉሑድ'ዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው።
ብዛዕባ'ዚ ብዝምልከት ሰመረ፡ "ርግጽ'ዩ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ብዝሒ ቍጽሪ ተጋደልቲ-ነበር ዉሑድ ኣይኰነን። ኣብ ታሪኽ ኤርትራ እቲ ኣውራ ዜሕንኽ ተረክቦ ኸኣ እቶም ንኤርትራ ዓቢ ዕዳ ብምኽፋል ናጽነታ ንክትረክብ ዜኽኣሉ ተጋደልቲ ካብ'ታ ባዕላቶም ካብ መግዛእቲ ዜላቐቑዋ ኤርትራ ብምእላይ ናብ ስደት ከምርሑ ረኣይትን ሰማዕትን ክንከውን ብምኽኣልና'ዩ።
"እዞም ኣብ ስደት ዘለዉ ተጋደልቲ-ነበር ግን ብኣልማማ ኣብ ምቅላዕ ኢሳያስን መሻርኽቱን ዜቕረብዎ ሓተታ ከም'ቲ ዝድለ'ዩ ንምባል ኣዝዩ ይኸብድ። ብኻልእ ሸነኹ ድማ ኣብ ተሞኵሮኦም ተመርኲሶም ብመጠኑ'ምበር ብጽዑቕ ጐስጒሶም'ዮም ክብል'ውን ኣየተኣማምነንን" ይብል።
ወሲዅ፡ "እቲ ዝኸኣለ ብዓቕሙ ነቲ ስእሊ ስርዓት ኢሳያስ ከቕርብ ክኢሉ'ዩ ክብል ዝጋገ ዘለኹ ኣይመስለንን። ብዙሓት ከምዚ ከማይ ነቲ ስርዓት ጠንጢኖም ብምውጽኦም ንባዕሉ ተቓውሞኦም ግዙፍ ምዃኑ ክንርድእ ንኽእል" ኢሉ።
ቀጺሉ ኸኣ "እቲ ልሙድ ኰይኑ ዝረኽቦ ኣዘራርቦኦምን ከም ምስክርነት ዘቕርብዎ ኣገባባትን ዋላ'ኳ ንዓይ ምሉእ ዕግበት ኣይፍጠረለይ ገለ-ገለ ዜስተብሃልኩሎም ኣቀራርባታት ኣለዉ ክብል እኽእል" ምስ በለ መረዳእታ ንከቕርበልና ብኡ-ንብኡ ተወከስናዮ።
"ብዙሓት ብዝወረዶም ግፍዒ ተዓኒዶም ኣብ ቀጻሊ ዉሽጣዊ ቃልሲ ይነብሩ ከም ዘለዉ፡ ገሊኦም ዝኳለል ዘረባ ፖለቲካ ጸሊኦም፡ ገሊኦም ዕቤት ኣርኪቡዎም፡ ገሊኦም ብድኻም ተጠቒዖም፡ ገሊኦም ናይ ምጽሓፍ ዓቕሚ ዝጐደሎም፡ ገሊኦም ከኣ በቲ ሕማቕ ባህርያት ብረታዊ ቃልሲ ክዛረቡ ዘይደልዩ፡ ገሊኦም ንዘገልገልዎ ውድብ ምንቃፍ ከም ስም ሃገር ምድዋን ገይሮም ስለ ዝሓስቡ፡ ገሊኦም'ውን መንነቶም ምስታ ዝተዀስኰሱላ ውድብ ብቐረባ ዘተኣሳስሩ'ሞ ንዕኣ ምንቃፍ ከም ንነብሶም ምጽራፍ ኰይኑ ስለ ዝስምዖም (ኮታ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምቾት-ዞባ (comfort zone) ክወጽኡ ዘይደልዩን ይርከብዎም።
"ሕራይ፡ ኣብ ጸብጻባት ተጋደልቲ-ነበር ዝነበረ ኣንፈታት ቃልሲ ክጥቀስ ኣብ ቦትኡ ሃልዩ፡ ንኣብነት ከም ኣብ ቃልሲ ዝተራእየ ጅግንነት፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝነበረ ጽንኩር ናብራ፡ ዝነበሩ መስርሓት፡ ዝተወልዱ ሕልምታት፡ ዝተኸሰተ ብጻይነት ... ወዘተ. ዝኣመሰሉ መለለይታት ብረታዊ ቃልሲ ከም ዉሁብ ብምቝጻር ኣብ ፍልይ ዝበለ ሓተታ ክኣቱ እደሊ" ይብል ሰመረ። "እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝማዕበለ መንከላልኦታት'ዩ" ኢሉ ወሰኸሉ።
"ኣብ ሜዳ ንተጋዳላይ ዜግድዑ ኵነታትን በዳህቲ ኣቕዋማትን ነይሮም'ዮም። ከም ኣብነት ኣብ ዉጹእ ምእዙዝነት ምርዓም፡ ብረጂመንታዊ ኣተሓሳስባ ምቕያድ፡ ናይ ውልቀኻ ኣረእእያ ዘይምስሳይ፡ ብዝዀነ መለክዒ ካብ ናይ መራሕቲ ኣቕዋም ሰተት ከይበልካ ምጕዓዝ፡ ኣብ'ዚ ዘይርዓሙ ተጋደልቲ (ብፍላይ ድማ ምሁራት) ብጠቐነ ምጥቃዕ ... ወዘተ. ዘኣመሰሉ፡ ድፉን ኣእምሮን ራዕድን ዝፈጠሩ ብጕስያ ዘይሕለፉ ባህርያት ሜዳ ነይሮም'ዮም።
"እወ፡ እዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘለና ኣካይዳ መንግስቲ ተኣማሚንካን ኣፍካ መሊእካን ኣፍልብኻ ገቲርካን ዘይትመላለሰሉ ዕጹውን ድራቆናዊ ስርዓት ምንጩ ድሕሪ ናጽነት ዝበቖለ ባህሊ ዘይኰነስ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝሰሰነ ባህሊ ምዃኑ ክሕባእ ከም ዘይብሉ፡ ኩሉ ኸኣ ክፈልጦ ዚግባእ ሓቂ'ዩ፣ እቶም በቲ መስርሕ ዝሓለፍና ሰባት ከኣ ምእንቲ ሕልናና ከነቐስን ነቲ ዝነበረ ኵነታት ክንገልጽን ብዘሕለፍናዮ መሰናኽላት ከነዘንትውን ሓላፍነት ኣሎና። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካብ ኣተሓሳስባኻ ዘጕድም ኵነታት፡ ከምኡ'ውን ብምስጢራውነት ዝልለ ናይ ሜዳ ፖለቲካዊ ባህሊ ኣዝዩ ከም ዝጸለወና ክሕባእ የብሉን" ክብል ሰመረ ነቲ ዜሕለፎ ጕዕዞ ብነቐፌታ መከቶ።
"እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ስርዓት ብምስጢራውነት መልሚሉ፡ ንብዙሕነት ናይ ኣረእእያ ዘቐድም ባይታ ኣዳኺሙ፡ ደፊርካን ብርእሰ-ምትእምማን ናይ ምዝራብ ባህሊ ኣልሚሱ (ብፍላይ ኣብ'ቲ ላዕለዋይ ኣካል)፡ ንምልኪን ምልካዊ ኣሰራርሓን ባይታ ዘጣጥሐ ስርዓተ-ምሕድራ ፈጢሩ'ዩ ምባል ከም ምግናን ኣይቁጸርን" እናበለ ነቲ ዝነበረ ኵነታት ገለጾ።
'ምድስካል'
ሓንቲ ካብ'ተን ሰመረ ሰሎሞን ኣብ መጽሓፉ ዜቕረቦም ብሉጻት ምዕራፋት ምዕራፍ ኣርባዕተ - እታ ብመልክዕ ባጫ 'ምድስካል፡ ንብሉጽ ስራሕ ዝወሃብ ሽልማት' ኢሉ ዝሰመያ ምዕራፍ ከይኰነት ኣይትተርፍን።
ምኽንያቱ እቲ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ ሞራል ተጋደልቲ ንምድቋስ ዝስንዘር ዝነበረ መቕጻዕቲ ስለ ዝነበረ።
ምድስካል ብጊዜ ሰውራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ እዋን ናጽነት ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ሓለፍቲ ዝተራእየ መቕጻዕቲ'ዩ።
ደራሲ ንምድስካል ንምግላጽ ዝተጠቕመሎም ኣብነታትን፡ ኣብ ኣንባቢ ተዘዝታ ዝገድፉ ኰይኖም ነቲ ኣዚሩ ዝሓስብ ኣንባቢ ኸኣ እቲ መቕጻዕቲ ካብ ዉጹእ ጭካኔ ሓሊፉ ብካልእ ስም ክሰምዮ ኣይክእልን።
"እዚ ተግባረ መንግስቲ'ዚ ንስነ-ኣምሮኣዊ ህይወት ዝጸሉ፡ ናይ ምንጻልን ብስጭትን ስምዒት ዝፈጥር፡ ናይ ምግላልን ናይ ሕልና ዕርበትን ዜስዕብ መቕጻዕቲ" ኢሉ ይገልጾ።
"ናይ ምድስካል መቕጻዕቲ ነቲ ዝደስከለ ኣብ ድንግርግር ኣጥሒሉ ርእሰ-ተኣማመንነቱ ከም ዜጥፍእ ጌሩ ነብሱ ንክድርቢ፡ ካብ ኩሉ ምርሓቕን፡ ሰብኣውነቱ ከም ዘዋድቕ ይገብር" ኢሉ ደራሲ ናቱ ኣብነት የቕርብ። እቲ መቕጻዕቲ ካብ ናይ ብደውካ-ሞት ብይን ዝፈልዮ ረቛሒ ከም ዘይብሉ ገይሩ'ውን የቕርቦ።
ብኻልእ ኣዘራርባ እታ ተጋደልቲ ተሰኪሞም ኣብ ናጽነት ዘብጽሕዋ ሰውራ ንደቃ ከመይ ገይራ ሓይኻ ከም እትበልዖም እትገልጽ መጽሓፍ ምንባብ ካብ ምሒር ምስድማም ምስ ናይ ባዕልኻ ሕልና እተባእስ ኰይና ንረኽባ ዝበሉ ኣንበብቲ ኣለዉ።
ንመጽሓፍ ሰመረ ሰሎሞን ፍሉይ ዝገብራ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝተኸሰቱ ፍጻሜታትን ዝተኸፍሉ ዕዳታትን ዝቦቘሉ ሕልምታትን ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ሕጂ ኸኣ ኤርትራ በጺሓቶ ዘላ መድርኽ ምስቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ፍጮኣዊ ኵነታት ኣተኣሳሲሩ ከመይ ኢልና ኣብዚ ህልው ኵነታት ከም ዝበጻሕና እተርኢ መጽሓፍ'ያ ኢሎም ፍርዶም ዝሃቡላ ምሁራን ዜጋታት ኣለዉ።