እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ፡ ኣብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ዘጋጠመ ሓደጋ እንታይ እዩ?
ረቡዕ 9 ሓምለ 2017 [ግ] ምሸት ከባቢ ሰዓት 2፡00 [ኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ኣብ መቐለ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ትዓልብ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቀሊል ሓደጋ ከምዝገጠማ ተሳፈርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።
እታ ቍጽሪ በረራ ET- 298 ኰይና፡ Q400 ዝዓይነታ ነፋሪት፡ ኣብ እትዓልበሉ እዋን ሸተት ኢላ ካብ መስመር-ራንወይ 50 ሜትሮ ወፂኣ ናብ ሕሩስ ብምእታዋ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ክንፊ እታ ነፋሪት ጉድኣት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ።
ብሰንኪ ሓያል ደበና፡ ኣብረርቲ ክልተ ግዜ ከዕልቡዋ ምስፈተኑ እንደገና ብቕልጡፍ ናብ ሰማይ ከም እትሕምበብ ገይሮም፤ ኣብ መበል ሳልሳይ ግዜ ፈተነኦም ግን፡ እታ ነፋሪት ናብ መሬት ዓሊባ ናብ ፀጋም ዛዝያ ነዊሕ ከምዝኸደት፡ ካብ ተሳፈርቲ ሓደ ዝነበረ መዓርግ ኪሮስ ኣለማዮሁ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ነቲ ሓደጋ ስዒቡ፡ ኣብ ፀጋማይ ክንፊ እታ ነፋሪት መስበርቲ'ኳ እንተጋጠማ፡ ካብ ዝኸፍአ ሓደጋ ከምዝደሓነት'ውን ቢቢሲ ካብ ተሳፈርቲ ኣረጋጊፁ።
መንዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፡ "ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ET-298 ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ምዕላባ፡ ንእሽቶ ምዝንባል ኣጋጢሙዋ፤ ኣብቲ እዋን ብርቱዕ ዝናብ ይዘንብ ነይሩ" ኢሉ።
በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ዝወረደ ጉድኣት'ኳ እንተዘየለ፡ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ - ሓንቲ ተሳፋሪትን ሓንቲ ካብቶም ኣብረረትን፡ መጠናዊ ማህሰይቲ ኣጓኒፉወን ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብቲ እዋን ሓደጋ፡ ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይዱ ከምዝተመልከተ ዝተነግረሉ- ከንቲባ ከተማ መቐለ ዶ/ር ረዳኢ በርሀ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቶም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ ተጓዓዝቲ መኪና መዲቡ ነናብ ቦታኦም ክበፅሑ ከምዝገበረን፡ እተን ናብ ሕክምና ዝኣተዋ እውን ድሕነተን ከምዘረጋገፀን ን104.4 ራድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ገሊፁ።
እቲ ከንቲባ፡ እተን መጠናዊ ማህሰይቲ ዘጋጠመን "ሓንቲ ተሳፋሪትን እታ ኣብራሪት ጓል ኣንስተይቲን ብቕልጡፍ ናብ ሆስፒታል ተወሲደን ሕክምና ከምዝተገብረለን፡" ኣረጋጊጹ።
በቲ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ተሳፈርቲ ከቢድ ስንባደን ጭንቀትን ከምዘጋጠመ ከምኡ'ውን ኣውያት ዝተሰምዐን ኰይኑ፡ መከላኸሊ ባርዕ ሓዊን ኣምቡላንስን ኣብ እዋኑ ከም ዝበጽሑ ድማ ተሓቢሩ።
እታ ካብ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተበጊሳ ኣብ መቐለ ክትዓልብ ሓደጋ ዘጋጠማ ነፋሪት፡ ክልተ ኣብረርቲ ሓዊሱ- 4 ሰራሕተኛታትን ዝበዝሑ ህፃናት ዝርከቡዎም 49 ተጓዓዝትን ኣሳፊራ ከምዝነበረት ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የነጽር።
እቲ መገዲ ኣየር ኣብ መግለፂኡ፡ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ዝርዝር ሓበሬታ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ኣብቲ እዋን ሓያል ዝናብ ይዘንብ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ በቲ ዝተፈጥረ ኵነታት ንዓማዊሉ ይቕረታ ሓቲቱ።
ኣብዚ መዓርፎ ነፈርቲ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከጋጥም እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጥሪ 18 ጥሪ 2024፡ ካልእ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ቀሊል ሓደጋ ኣጋጢሙዋ ከምዝነበረ ይዝከር።
እታ ተሳፈርቲ ፅዒና ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ኣብ መቐለ ምስ በጽሐት ኣብ እዋን ምዕላብ ሓደጋ ከምዘጋጠመ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓቢሩ ነይሩ።
ሰበስልጣን እቲ ክልል፡ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ጎማ እታ ነፋሪት ብምንፋሱ ምዃኑ ኣረጋጊፆም ነይሮም።