ቦይንግ፡ ምስ ሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ ዝቐረበሉ ክሲ ኣበይ በጽሐ?

ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ብዘጋጠመን ሓደጋ ነፈርቲ ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ልዕሊ ትካል ኣፍራዪ ነፈርቲ ቦይንግ ዝተመስረተ ክሲ ከቋረጽ ምዃኑ ገሊጾም።

ሰበስልጣን ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ምስ ስድራቤት እቶም ኣብቲ ክልተ ሓደጋታት ዝሞቱ ሰባት ድሕሪ ዝገበሩዎ ናይ ማንዛ ኣኼባ፡ ቦይንግ እቲ ጉዳይ ብስምምዕ ዝፈትሓሉን ነቲ ክሲ ክነጽጎ ዘኽእሎ ኵነታት ኣብ ምጽናዕ ከም ዝርከብን ገሊጾም።

እዚ ውሳነ'ዚ፡ እቲ ቤትፍርዲ፡ ቦይንግ ነቲ ኣቐዲሙ ጉድለቱ ተኣሚኑ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ ዝቐረበ ሳምዕ ድሕሪ ምንጻጉ ዝቐረበሉ ናይ ምትላል ክሲ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ቅድሚ ምጅማሩ ዝወጽአ እዩ ።

ኣብ ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ብዘጋጠመ ሓደጋታት ናይ ዝሞቱ ስድራ ጠበቓታት ግን በቲ ሓድሽ ውጥን፡ "ኣዝዮም ከም ዝጐሃዩ፡" ገሊጾም።

"ምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከም ዘይበጽሐ እኳ እንተ ገለጸ፡ እቲ ብጽሑፍ ዝተጻሕፈ ሰነድ ግን ናይ መወዳእታ ውጽኢቱ እንታይ ከም ዝኸውን መርኣያ እዩ፡" ትብል ጠበቓ ናይቲ ንስድራቤት እቶም ብሓደጋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝሞቱ 34 ሰባት ዝውክል ትካል ኤሪን ኣፕልባም።

ወሲኻ ድማ፡ "ቦይንግ ናይ እምነት ቃሉ ብዝሃበሎም ገበናት ንዝጠፉኡ 346 ሰባት ገና ናብ ፍርዲ ኣይቀረበን። ሕጂ ድማ በቲ ስርዓተ ፍትሒ ካብ ገንዘባዊ ዝሓለፈ መቕጻዕቲ ከይቕበል ክሃድም ይጽዕር ኣሎ፡" ኢላ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ንቦይንግ፡ ናይቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ንመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢንዶነዥያን ዘጋጠሞም ክልተ ዘሕዝን ሓደጋታት ስዒቡ ናይ ምትላል ክሲ ይቐርበሉ ኣሎ።

ጠንቂ ናይቲ 346 ህይወት ሰባት ዝወሰደ ሓደጋ ናይተን ዘመናውያን ነፈርትን - ቦይንግ 737 ማክስ 8 - እቲ ብግቡእ ዘይተገጥመ መሳርሒታት መቈጻጸሪ በረራ ምዃኑ ይግለጽ። እቶም ፓይለታት'ውን ኣብተን ነፈርቲ ከም ዝተተኽለ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ቦይንግ ኣብ መጀመርታ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ብምእማን፡ ገበናዊ ክሲ ንኸይምስረተሉ 2.5 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍልን ድሕነት ነፈርቱ ከማሓይሽን ተሰማሚዑ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ማክስ-737 ዝተባህለት ተመሳሳሊት ነፋሪት ኣብ እዋን በረራ እንከላ ማዕጾ ድሕሪ ምውዳቑ፡ እቲ ጉዳይ ዳግማይ ተበራቢሩ።

ምኒስትሪ ፍትሒ፡ ቦይንግ ንውዕላት እቲ ስምምዕ ከም ዘየኽበረ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊኡ ክሲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቦይንግ ብናይ ምትላል ክሲ ገበነኛ ምዃኑ ብምእማን፡ ተወሳኺ 243 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ክኸፍልን ንውሱን ግዜ ስርሑ ዝከታተል ብቤትፍርዲ ተመዚዙ ክሸይምን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ግን፡ ሓደ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ዳኛ እቲ ዝተሰየመ ኣካል ዝተመዘዘሉ ኣገባብ ኣብ ሕቶ ዝኣቱ እዩ ብምባል፡ ነቲ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ዝተበጽሐ ስምምዕ ነጺጉዎ።

ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን ዝጀመረ መስርሕ፡ ናብቲ ነቲ ጉዳይ ብቕልል ዝበለ ሕጋዊ መልክዑ ክሕዞ ቃል ናብ ዝኣተወ ፕረዚደንት ትራምፕ ክሰጋገር ክኢሉ ኣሎ።

እቲ ትካል መፍረ ነፈርቲ፡ ብዛዕባ'ዚ ኣብ ልዕለኡ ዝቐረበ ክሲ ክለዓል ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ርእይቶ ክህብ ኣይመረጸን።

ክፍሊ ፍትሒ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።