ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ኣፍሪቃውያን 'ንዕቀት' ምርኣዩ ተወቒሱ

ሰኔጋልን ጫድን፡ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማይክሮን፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ፈረንሳ ኣንጻር ዕጡቓት ጅሃዳውያን ከካይዱዎ ንዝጸንሑ ናዕብታት ንምምካት ዝተጻወተቶ ተራ ካብ ምምስጋን ተሓዪበን ኢሉ ዝሃቦ መግለጺ፡ ተሪር ግብረ-መልሲ ሂበን።

ዝሓለፈ ሰኑይ ማክሮን፡ ሃገራት ሳሕል፡ ፈረንሳ ንዝገበረቶ ተራ ንምምስጋን "ረሲዐን" ክብል ተዛሪቡ። ነዚ መግለጺ ዝህብ ዘሎ፡ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብቐጻሊ ኣብ ዝወጽእሉ ዘለዉ እዋን እዩ።

ፈረንሳ፡ እተን ሃገራት ኣብ ቍጽጽር ዕጡቓት ከይወድቃ ምትእትታው እንተ ዘይትገብር፡ ዝዀነት ኣብ ዞባ ሳሕል እትርከብ ሃገር፡ ልዑላዊት ሃገር ክትከውን ከም ዘይትኽእል ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጫድ ዓብደራማን ኩላማላህ፡ እቲ ማክሮን ዝሃቦ ርእይቶ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘለዎ ንዕቀት ዘቃልዕ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ጫድ ኣብዚ ቀረባ እዋን [ፕረዞደንት ፈረንሳ] ብዝተዛረቦ ዘረባ ስክፍታኣ ትገልጽ ኣላ። እዚ ዘረባ፡ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያን ንዘለዎም ንዕቀት ዝመልኦ ኣተሓሳስባ ዘንጸባርቕ`ዩ፡" ክብል ኣብ መደበር ተለቪዥን ሃገሩ ገሊጹ።

ንሱ ቀጺሉ፡ "መራሕቲ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክብረት ከርእዩን ዋጋ እቲ ዝኸፈሉዎ ከለልዩን ኣለዎም፡" ኢሉ።

ቀዳማይ ምኒስተር ሰኔጋል ዑስማነ ሶንኮ ብወገኑ፡ ፈረንሳ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ "ከም ሊብያ ንዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ኣፍርቃ ንዘይምርግጋእ፡" ኣበርክቶ ከም ዝገበረትን ኣብ ድሕነት እቲ ዞባ ድማ፡ "ኣዕናዊ ሳዕቤን፡" ከም ዘኸተለን ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ "ፈረንሳ ድሕነትን ልዑላውነትን ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ዓቕሚ ይዅን ሕጋውነት የብላን፡" ክብል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ማክሮን ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ ኣምባሳደራት፡ ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ንዘለዋ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ዳግመ ውደባ ትገብረሉ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ካብ ኣፍሪቃ ክትወጽእ ተገዲዳ እያ ንዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ።

ሰራዊት ፈረንሳ፡ ነቲ ኣብ 2013 ኣብ ማሊ ዝተራእየ እስላማዊ ምልዕዓል ስዒቡ እዩ ናብታ ሃገር ኣትዩ። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ እቲ ተልእኾ ንኒጀርን ቡርኪናፋሶን ሓዊሱ ናብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዞባ ንምእታው ተናዊሑ።

"ነቲ ተልእኾ ክንፍጽም ቅኑዕ እዩ ነይሩ። ሰባት የቐንየለይ ምባል ዝረስዑ እመስለኒ። ግን ደሓን ምስ ግዜ ክመጽእ እዩ፡" ክብል ማክሮን ትማሊ ሰኑይ ተዛሪቡ።

"እዚ ዝብሎ ዘለኹ ግን ነቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቦም ደው ኢሎም ነዚ ኣረእእያ`ዚ ክሕዙ ትብዓት ዝሰኣኑ መራሕቲ ኣፍሪቃ እዩ። ሰራዊት ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ እንተ ዘይዋፈር፡ ሎሚ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ልዑላዊት ሃገር ኣይምሃለወቶን፡" ክብል ወሲኹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ሰኔጋል ዑስማነ ሶንኮ፡ ሰኔጋል ወተሃደራት ፈረንሳ ክወጽኡ ክትሓትት ንዝወሰነትሉ ምኽንያት ኣመልኪቱ ማክሮን ዝተዛረቦ፡ "ፍጹም ጌጋ" ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብታ ሃገር ዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምዕጻው ምስ ፈረንሳ ዝተገብረ ዝዀነ ይዅን ዘተ ከም ዘይነበረ ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ውሳነ ዝተወስደ ብሰኔጋል ጥራሕ ምዃኑ፡ ካብ "ሓራ፡ ናጻን ልዑላዊትን ሃገር፡" ምዃና ዝነቐለ ከም ዝዀነ`ውን ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጫድ ዓብደራማን ኩላማላህን ቀዳማይ ምኒስተር ሰኔጋል ዑስማነ ሶንኮን፡ ወተሃደራት ኣፍሪቃ ኣብ ውግኣት ዓለም ንሓርነት ፈረንሳ ክብሉ ዘበርከትዎ ግደ ጠቒሶም።

"እቶም ኣብ ገለ ግዜ ብሓይሊ ዝዓስከሩ፡ ግቡእ ኣተሓሕዛ ዘይረኸቡን መወዳእታ ድማ ዝተጠልሙን ወተሃደራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንስለ ምክልኻል ፈረንሳ እንተ ዘይከቱ፡ ምንባልባት ሎሚ ፈረንሳ ኣካል ጀርመነት ምሃለወት፡" ይብል ሶንኮ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ጫድ፡ ሰኔጋልን ኣይቮሪኮስትን ምስ ፈረንሳ ዝነበረን ስምምዕ ጸጥታ ኣቋሪጸንኦ፣ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ድማ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ንወተሃደራት ፈረንሳ ክወጽኡ ኣዚዘን።

ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ዝነበራ ጽልዋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እናነከየ መጺኡ ኣሎ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ክንዮ መግዛእትን ኣብ ምዝመዛ ዝተመርኰሰ ዝምድናን ዝወለዶ ምዃኑ ዝገልጽ ክስታት ይቐርብ ኣሎ።

ኣብ ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝርከባ ብወተሃደራውያን ዝምርሓ ሃገራት፡ ፈረንሳ ካብ ሃገራተን ድሕሪ ምስሓባ ናብ ሩስያ ቀሪበን ኣለዋ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጫድ፡ ጫድ ኣብቲ ን60 ዓመታት ዝጸንሐ ሽርክነት፡ ዘይምርግጋእን ካልኦት ጉዳያትን እናተቓለሰት እኳ እንተ ጸንሐት፡ ኣበርክቶ ፈረንሳ ኣብታ ሃገር ኣብ "ናይ ገዛእ ርእሳ ስትራተጂካዊ ረብሓታት" ዝተሓጽረ ምንባሩ ገሊጹ።

ጫድ ምስ ፈረንሳ ዝነበራ ስምምዕ ምክልኻል ኣብ ሕዳር ዓጽያቶ። "ጫድ ምሉእ ልዑላውነታ ከተረጋግጽን ስትራተጅያዊ ሽርክነታ ብመሰረት ሃገራዊ ቀዳምነታት ዳግማይ ክትክልሶን ግዜኡ በጺሑ ኣሎ፡" ኢሉ።