እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስግኣት ምዕራባውያን ኰይኑ ዘሎ ቲክቶክ ብመን ይምራሕ?
ቻይናዊ መተግበሪ ቲክቶክ ንኣሜሪካ ዓቢይ ስግኣትን ምጥርጣርን ፈጢሩ፡ ክሳብ ክትእግዶ’ውን ከብጽሓ ከም ዝኽእል ክግለጽ እንከሎ፡ ዝዓበየ ኣቓልቦ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስጢራዊ ዋና ኣካያዲኡ ሾው ዚ ቸው ኰይኑ’ሎ።
እቲ ወዲ 40 ዓመት ሲንጋፖራዊ፡ ብዛዕባ ኣሰራርሓ ዳታን ድሕነትን እቲ መተግበሪ፡ ምስ በይጂን ኣሎዎ ዝበሃል ርክብ ኣብ ቅድሚ ኮሚተ ጸዓትን ንግድን ባይቶ ኣሜሪካ ቀሪቡ ዝሓለፈ ሓሙስ መብርሂ ሂቡ።
ብዛዕባ ኣሰራርሓኡን ኣብቲ ትካል ብሓቂ ክንደይ ዝኣክል ስልጣን ከም ዘለዎ’ውን ብዙሕ ኣይፍለጥን።
ቀንዲ ገጽ ቲክቶክ ኰይና ዝጸንሐት ዋና ኦፕሬቲን ኦፊሰር ቫኔሳ ፓፓስ ክትከውን እንከላ፡ ዝሓለፈ መስከረም ብዛዕባ ዋሕዚ ዳታ ኣሜሪካ ናብ ቻይና ብኮንግረስ ሕቶታት ቀሪቡላ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ኒውዮርክ ታየምስ ንኣካየድቲ ባይትዳንስ ነበር ጠቒሱ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ሚስተር ቸው ናይ ውሳነታት ዓቕሙ ድሩት ምዃኑን፡ ስልጣን እቲ ኩባንያ ኣብ ኢድ መስራቲኡ ዣንግ ዪሚን ምዃኑን የመልክት።
ቲክቶክ ምስ መንግስቲ ቻይና ዘለዎ ርክብ ኣብ ትሕቲ ዓቢ ምክትታል ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ትካል ንሚስተር ቸው ንቕድሚት ከምጽኦ ይርአ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ናብ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ካብቲ ጽላል ኩባንያ ባይትዳንስ ርእሱ ዝኸኣለ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኩባንያ ካብ ቻይና ዘይኮነስ "ኣብ ሲንጋፖር ዝመደበሩ ሲንጋፖርያዊ" ምዃኑ ንምእማን ጽዒሩ።
ኣብ ግዝኣት ከተማ ተወሊዱ ዝዓበየ ቸው፡ ሓያል ቻይናዊ ውርሻ ኣብ ዘለዎ ጸብለል ዝበለ ቤት ትምህርቲ ዝተማህረ ኰይኑ፡ ቋንቋ እንግሊዝኛን ማንደሪንን ጽቡቕ ገይሩ ዝመልኽ እዩ።
ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ሰራዊት ሲንጋፖር መኮነን እዩ ነይሩ።
ቸው፡ ናብቲ ኤም.ቢ.ኤ ዲግሪ ዝረኸበሉ ቤት ትምህርቲ ቢዝነስ ሃርቫርድ ቅድሚ ምኻዱ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ብስነ-ቝጠባ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺቡ፤ ትካል ፈይስቡክ ገና ጀማሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን ኣብኡ ልምምድ [ኢንተርንሺፕ] ገይሩ።
ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብ 2013 ኣብ ትካል ወፍሪ ዲኤስቲ - ኣብ ባይትዳንስ ቀዳማይ ኣውፋሪ ጕጅለ - መሪሑ ንሓሙሽተ ዓመታት ሰሪሑ። ብተወሳኺ ኣብ ጐልድማን ሳክስ ከም ባንከኛ ወፍሪ ኰይኑ ንኽልተ ዓመት ሰሪሑ።
ብድሕሪዚ ሚስተር ቸው፡ ኣብ ቻይናዊ ትካል ስማርትፎናት ሻኦሚ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ፤ ኣብቲ ትካል ዋና ሓላፊ ፋይናንስን ፕረዚደንት ኣህጉራዊ ቢዝነስን ኰይኑ፡ እቲ ትካል ኣብ 2018 ኣብ ዝርዝር ፍሉጣት ትካላት ንኽሰፍር መሪሑ።
ኣብ መጋቢት 2021 ናብ ባይትዳንስ ሰጊሩ ድማ፡ ኣብቲ ዓቢይ ትካል ሚድያ ዋና ሓላፊ ፋይናንስ ክኸውን ዝከኣለ ፈላሚ ሰብ እዩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ብጽሒት ቲክቶክ ኣሜሪካ ብሓይሊ ክሽየጥ ኣብ ዝገበሮ ፈተነታት፡ ቅድመኡ ዝነበረ ኬቪን ማየር ሃንደበት ስልጣኑ ድሕሪ ምልቃቝ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሑ ናብ ሓላፍነት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቲክቶክ ደይቡ።
ዝዓበየ ብድሆ
ሚስተር ቸው ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ገጢምዎ ዘሎ ብድሆታት፡ ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ እቲ ኩባንያ ንብጽሒት ኣሜሪካ ከውጽእ ወይ ድማ እገዳ ክስዕበሉ እዩ ብምባል ዝሕነዩሉ ዘለዉ ጉዳይ እዩ።
እዚ ጉዳይ ንቻይናውያን እውን ኣብ መንቀራቕሮ ዘእተወ ኰይኑ ኣሎ።
መንግስታዊ ማዕከን ዜና ግሎባል ታይምስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ንእገዳ ቲክቶክ ዝግበር ድፍኢት ብ"መርዛም ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣሜሪካ" ዝድረኽን፡ ንመትከላት ናጻ ዕዳጋ ዝጥሕስን ክብል ገሊጹ።
"ብዓይኒ ሰበስልጣንን ፖለቲከኛታትን ኣሜሪካ፡ [እቲ ኩባንያ] ቻይናዊ ድሕረ ባይታ ምህላዉ ጥራይ’ዩ 'ሱር ሓጢኣቱ’ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብኽልቲኡ ወገን ዕቱብ ምክትታል ዝገጠሞ ሚስተር ቸው፡ ካብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብውሕሉል ኣገባብ መጥቃዕቲ ዝጀመረ ይመስል።
መሪሕነት እቲ ትካል ድሕሪ ምሓዙ፡ ዳርጋ ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ቲክቶክ ኣካውንት [@shou.time] ከፊቱ ንውልቃዊ ህይወቱ ክገልጽ ጀሚሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣሽሓት ሰዓብቱ፡ ኣብ ጸወታታት ሱፐር ቦውልን ኤንቢኤን ክሳተፍ፡ ምስ ከም በዓል ቢል ሙረይ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት ክራኸብን ምስ ደራፊት ሲያራ ክስዕስዕን ርእዮምዎ።
ንሱ ኣብ ሓደ ቃለ መጠይቕ ኣፍቃሪ ጐልፍን ኣድናቒ ኮሜድያን ኬቪን ሃርትን ምዃኑ ተዛሪቡ። ምስ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ትካል ወፍሪ ቪቭያን ካኦ ዝተመርዓወ ኣቦ ክልተ ቈልዑ ሚስተር ቸው፡ ደቁ "ኣዝዮም ንኣሽቱ" ብምዃኖም ቲክቶክ ክጥቀሙ ከምዘይፈቅድ'ውን ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ቲክቶክ ንረብሓታት ኣሜሪካ ሓደጋ ከምዘይፈጥር ሰፊሕ ተደጋጋሚ መግለጺታት ብምሃብ ኣብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ተራእዩ።
ብተወሳኺ፡ ብቐጥታ ናብ ኣሜሪካውያን ተጠቀምቲ እቲ መተግበሪ፡ ጻውዒት ሓገዝ ኣቕሪቡ።
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ወግዓዊ ኣካውንት ቲክቶኩ ኣብ ዝዘርግሖ ቪድዮ፡ [እቶም ኣሜሪካውያን ተጠቀምቲ ቲክቶክ] ንኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ እንታይ ክብሎም ከም ዝደልዩ ክነግርዎ ሓቲቱ።
ኣብታ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ‘ላይክ’ ዝረኸበት ሓጻር መልእኽቲ ቪድዮ - ክሊፕ፡ "እዚ ንዓና ወሳኒ ኣብ ዝዀነ መድረኽ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፤ እዚ ኸኣ ንቲክቶክ ካብ 150 ሚልዮን [ተጠቀምቲ] ክእለ ዝገብር እዩ" ክብል ኣተሓሳሲቡ።