ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መቐለ ኣትያ

ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን፡ ተጉዓዝቲ ዝሓዘት ፈላመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ከም ዝኣተወት ተገሊጹ።

ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል፡ ካብ መቐለ ድሕሪ ምውጽኡ ን18 ኣዋርሕ ተቋሪጹ ዝጸንሐ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ብወግዒ ጀሚሩ ኣሎ።

እዛ ሎሚ ረቡዕ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተበገሰት ነፋሪት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ከምዝዓለበት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሒ።

በረራታት ነፈርቲ ዝከታተል ፍላይት ራዳር-24 ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ካብ ዓለምለኻዊ መኣርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከባቢ ሰዓት 6፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝተበገሰት ነፋሪት ቁጽሪ በረራ ኢቲ 104 ቦይንግ 737 መቐለ ከም ዝኣተወት የመልክት።

እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ 19 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ናብ መቐለ ዝገብሮ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ናብ ትግራይ ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት ትኬት ንምዕዳግ ብብዝሒ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት እቲ መገዲ ኣየር ከም ዝተርኣዩ ይግለጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ መቐለ፤ ካብ መቐለ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝቑረጽ ትኬት ክሳብ ዝቕጽል ሰሙን ኣብ ዘሎ ግዜ ተሸይጡ ከም ዝተወድአ መርበብ ሓበሬታ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ የመልክት።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ሎሚ ኣብ ዝጀመሮ በረራ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ከም ዝዀነ ክገልጽ እንከሎ፡ ጠለብ ዓማዊሉ ንምምላእ ቑጽሪ በረራ ክውስኽ ከም ዝኽእል ገሊጹ’ሎ።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ቅድሚ ምውልዑ፡ እቲ መገዲ ኣየር ናብ ትግራይ ዝገብሮ በረራታት፡ ካብ 10 ክሳብ 14 በረራታት ይካይድ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ብኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ህወሓትን ነበርቲ እታ ከተማን ዘትዩ ነይሩ።

ትማሊ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ኣብ መቐለ ንዝነበሮ ጻንሒት ዝምልከት ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ መብርሂ ከም ዝሃበ ብምግላጽ፡ ፈጸምቲ ስራሕ ዝተፈላለዩ ትካላት ፌደራል፡ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱ ዝጀመሩዎ ስራሓት ከቀላጥፉ መምርሒ ከም ዝሃበ ብትዊተር ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣብዚ ሰሙን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ሓበሬታ እቲ ኣማኻሪ የመልክት።

ብዘይካ'ዚ "ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ምርድዳእ ክሳብ ሓሙስ፡ ከበድቲ ኣጽዋር ምርካብን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ መቐለ ሕገ መንግስታዊ ሓላፍነቱ ምፍጻም ክቕጽል ትጽቢት ይግበር” ክብል ኣምባሳር ሬድዋን ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።

ሰብ መዚ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝነበሮም ዘተ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሙሉእ ንሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብ ትግራይ ንክወጽኡ ምሕታቱ መንግስታዊ ማእከን ዜና ኢትዮጵያ ኢቢሲ ጸብጺቡ።

እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተኻየደ ዘተ ስዒቡ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ኲናት ደው ከም ዝበለ ይፍለጥ።

እዚ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ከም ዘብጽሐ ይፍለጥ።