እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣማኢት ጠባብቕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከዘዋውሩ ዝወጠኑ ሰባት ብፖሊስ ተታሒዞም
ኣማኢት ጠባብቕ ካብ ኣውስትራልያ ናብ ሆንግ ኮንግ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምልኣኽ ዝተሓሰበ ተግባር ገበነኛታት ከምዝፈሸለ ሰበስልጣን ኣውስትራልያ ኣፍሊጦም።
ዋጋ ዕዳጋ ናይቶም ተሰሓብትን ሰጐምትን 805 ሽሕ ዶላር ከምዝዀነ ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ ሓቢሩ።
ምስቲ ጉዳይ ተዛሚዱ ኣብ ሲድኒ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
257 ጠባብቕ ሰለስተ ኣትማንን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ተዓቚቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብፖሊስ ተታሒዞም፤ ግቡእ ክንክን ተገይርሎም ድማ ናብ በረኻ ተመሊሶም ኣለዉ።
59 ብህወይት ዘለዉ ጠበቓት ኣብ ትሽዓተ ኮነተይነራት ተዓሺጐም እናተጎዓዓዙ እንከለዉ ድሕሪ ምዕጋቶም፡ ፖሊስ እታ ሃገር ነቶም ኣሰጋገርቲ እዮም ዝበሃሉ ሰባት ንምጽራይ ዘኽእል ሓይሊ ዕማም ኣብቲ ዝሓለፈ መስከረም ኣጣይሹ።
ፖሊስ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ተኸታታሊ ወፍርታት ኣካይዶም።
ፖሊስ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገዛ 118 ጠባብቕ፡ ሰለስተ ኣትማን፡ ሸሞንተ እንቋቑሖን 25 ዝሞቱ ጠባብቕን ሒዞም። ኣብ ገጠር ግረንፈል ኣብ ዝርከብ ገዛ ብዝተገብረ ፍተሻ፡ ኣብ ቦርሳታት ተሓቢኦም ዝነበሩ ኣርባዕተ ጠባብቕ ተረኺቦም።
እቶም ኣርባዕተ ጥርጡራት ኵሎም ካብ 31 ክሳብ 59 ዓመት ዝዕድመኦም ኰይኖም ህይወታውያን ተስሓብትን ሰጐምትን ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋር ተኸሲሶም ኣለዉ።
ገበነኛታት ኰይኖም እንተተረኺቦም ድማ ክሳብ 15 ዓመት ማእሰርቲ ይጽበዮም።
ክልተ ካብኣቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዋሕስ ከምዝተኸልከሉ ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ሆንግ ኮንግ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ናይ ወጻኢ እንስሳታት ከምዝዓብለለት መረዳእታ ዓለምለኻዊ ትካል ተፈጥሮ ይሕብር።
ኣብ 2021 ብኤዲኤም ካፒታል ፋውንደሽን ዝተሓትመ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት፡ ብውሑዱ ካብ 84 ሃገራት ኣርባዕተ ሚልዮን ብህይወት ዘለዉ እንስሳት ናብታ ከተማ ከም ዝኣተዉ ኣረጋጊጹ።