ኣናህብ ከም ነፀላ ዝኽደን ኢትዮጵያዊ መንእሰይ

ታምራት ጌታቸው ገና ወዲ 18 ዓመት መንእሰይ እዩ። ልዕሊ ሽምጡ ዕርቃኑ ኰይኑ ነቶም ኣናህብ ከም ነጸላ ተኸዲንዎም ይረአ።

ኣብ ኣእዳዉ፡ እዝኑ ይኹን ኣፍንጭኡ መከላኸሊ ኣይገበረን። እቶም ኣናህብ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ፈለኽለኽ ይብሉ።

እዚ ንምርኣዩን ንምስምዑን ዘደናግር ነገር ከመይ ኢሉ ክኸውን ክኢሉ ክብል ቢቢሲ ሓቲቱ።

"ህያብ እዩ" ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ መልሲ የብሉን።

ናይ ታምራት ንህቢ ናይ ምልማድ ህያብ ዝረኣየን ዝሰምዐን ተገሪሙ'ዩ።

ንሱ ድማ፡ “ተውህቦይ ኣናህብ ምንባይ እዩ። ንሳቶም ድማ ይእዘዙኒ እዮም" ይብል።

ታምራም ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ኣሶሳ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።

ንህቢ ብምንባይ እዩ ዝመሓደር። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት እዩ ጀሚሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይ ገዛእ ርእሱ ንህቢ ኣይነበሮን። ካልኦት ጎረባብቲ ክናብዩ ምስ ረኣየ ምስ ንህቢ ክላመድ ጀሚሩ።

"ንህቢ ነቶም ዝቐርብዎም ከም ሰባት እዮም" ዝብል ታምራት፡ እቶም ኣናህብ መጺኦም ኣብ ልዕሊኡ ክዓርፉ ከለዉ ይፈርሕ ከምዘይነበረ ይዛረብ።

“ዝዛረቦ ይሰምዑኒ’ዮም” ብምባል ድማ ተረዳዲኦም ከምዝነብሩ ይሕብር።

"ንህቢ እንተነኺሱ ይቐትል’ዩ” ክበሃል ዝሰምዕ ተምራት፡ ብንህቢ ተነኺሱ ዝሞተ ሰብ ርእዩ ከምዝፈልጥ ይዛረብ።

ካልኦት ነበርቲ መዓር ንምቑራጽ ፀልማት ወይ ትኪ ወይ ካልእ መከላኸሊን እዮም ዝጥቀሙ።

ንሱ ግን እቶም ኣናህብ መጺኦም ክኸብዎን ክስዕብዎን ምስ ረኣየ "እዚ ህያብ ፈጣሪ እዩ" ክብል ሓሲቡ።

ንመጀመርታ ግዜኸ እንታይ ተሰሚዕዎ?

እቶም ኣናህብ ንመጀመርታ ግዜ መጺኦም ኣብ ዝባኑ ምስ ዓለቡ እንታይ ተሰሚዕዎ?

“ኣይፈራሕኹን። ብኣምሓርኛ 'ኪዱ' ክብሎም ከለኹ ከይዶም። 'ኣብ ኢደይ ኩኑ'፡ 'ኣብ ሰብነተይ ኩኑ' ክብሎም ከለኹ ሰሚዖም ይቕመጡ። ሰብ መጀመርያ ነዚ ምስ ረኣየ ፈሪሑ ነይሩ። ካልኦት ድማ 'ግደፍ' ይብሉኒ ነይሮም። ምስ ግዜ ግን ሰባት ህያብ ምዃኑ ክርድኡ ጀሚሮም።”

ታምራት ሕጂ ሰለስተ ቆፎ ንህቢ ኣለዋ። ተወሳኺ ቆፎታት ኣዳልዩ ንዝኣትዉ ንህቢ ይጽበ ኣሎ።

"ስድራ እናተረድኡ መጺኦም።”

"ናብ ኣናህብ ክትቀርብ ከለኻ ጽሩይ ክትከውን ኣለካ" ዝብል ታምራት ናብ ኣፉ ከምዝኣትዉን ናብ ጎሮሮኡ ከይትኣትዉ ክነግሮም ከሎ ከምዝሰምዑን ይገልጽ።

"ናብ ጎሮሮይ ከይትኣትዉ ክብሎም ከለኹ ኣይኣትዉን። ክጽውዖም ከለኹ ይሰምዑ። 'ኪዱ ክብሎም' ከለኹ ይእዘዙ።"

'ተነኺስካ ትፈልጥ’ዶ' ንዝብል ሕቶ “ተነኺሰ እፈልጥ እየ። ኣብ ገጸይ ከውርዶም ምስ ዝፍትን ነኺሶሙኒ ይፈልጡ’ዮም። ግን ንምንካስ ኢሎም ኣይኰኑን።”

ታምራት ንነብሱን ንሃገሩን ኣብ መዝገበ ድንቃ ድንቂ ከስፍር ሓያል ድሌት ኣለዎ።

ብዙሓት፡ "ኣነ ኣብ ሃገረይ ሰብ ኣይኰነን ዑፍ የልምድ’የ” ኢሎም ክደርፉ እንከለዉ፡ ንሱ ድማ “ንህቢ የልምድ’የ" ብዝብል ክፍለጥ ሓያል ድሌት ኣለዎ።