ኣብ 97 ዕድሚኡ ንባይቶ ዝወዳደር ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር

ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ነበር ማሃቲር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ውህሉል ተሞክሮ ዘለዎም ፖሊቲከኛታት ዝኾነ ማሃቲር መሓመድ፡ ኣብ 97 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ሓፈሻዊ መረጻ ማሌዥያ ንባይቶ ክወዳደር'ዩ።

ማሃቲር ክልተ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሌዥያ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፈላማይ እዋን ን22 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ'ዩ። ኣብ 2018 ዳግማይ ክምዘዝ ከሎ ድማ ወዲ 92 ዓመት ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሰንኪ ሕማም ልቢ ሆስፒታል ኣትዩ ዝነበረ እዚ ገዲም ፖለቲከኛ፡ ሕጂ ግን መንበሩ ንምክልኻል እኹል ጥዕና ከምዘለዎ ይዛረብ።

ግን ናቱ ሰልፊ እንተተዓዊቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን ድዩ ኣይከውንን ኣይገለጸን።

ማሃቲር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "መን ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኸውን ኣይወሰናን፡ ምኽንያቱ ሕጹይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣገዳሲ ዝኸውን ምስ ተዓወትና ጥራይ እዩ" ኢሉ።

ባይቶ ማሌዥያ ትማሊ ሰኑይ ክብተን እንከሎ፡ መንግስቲ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ከብቅዕ እዩ ኢሉ ተስፋ ዝገበረሉ ሓፈሻዊ መረጻ ንኽካየድ መንገዲ ከፊቱ’ዩ።

ማሃቲር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1964 እዩ ኣባል ባይቶ ኮይኑ። ካብ 1980ታት ጀሚሩ ማሌዥያ ንዝገበረቶ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለን ለውጥን ብሰፊሑ ይምስገን።

ኣብ 2018፡ ነቲ ኣማኢት ሚልዮናት ዶላር ገንዘብ መንግስቲ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ናጂብ ራዛክ ካብ ስልጣን ንምውራድ ካብ ጡረታ ተመሊሱ።

ብሓገዝ ናይቲ ተቐናቓኒ ነበር ኣንዋር ኢብራሂም፡ ዳግማይ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ናጂብ ራዛክ ድማ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ስልጣን ምጥቃምን ብዝብል ክሲ ተኣሲሩ።

ናይ ማሃቲር ሰልፊ ግን ክብደት ውሽጣዊ ንሕንሕ ክጻወር ከምዘይክእል ብምርግጋጹ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ማሃቲር ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እዚ ወዲ 97 ዓመት ፖሊቲከኛ፡ ናይ ሕማም ልቢ ጸገም ኣለዎ። ተደጋጋሚ ወቕዒ ልቢ ኣጋጢምዎ መጥባሕቲታት ተገይርሉ እዩ።

ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ሆስፒታል ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝወጸ ድማ ይፍለጥ።