መጥቃዕቲ ታይላንድ፡ 'ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝነበሩ 24 ቈልዑ ሓደ'ዩ ብህይወት ተሪፉ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ታይላንድ፡ ኣብ ሓደ መውዓሊ ህጻናት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሽጉጥን ካራን፡ 23 ህጻናት ዝርከቡዎም 37 ሰባት ሞይቶም።
ሎሚ፡ ስድራ እቶም ግዳያት ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተኣኪቦም ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።
ኣባል ፖሊስ ዝነበረ ውልቀሰብ፡ ኣብቲ ህንጻ መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ ክልተ፡ ደቂሶም ዝነበሩ ቈልዑ እንከይተፈረ'ዮም ተቐቲሎም።
እዚ ኣብታ ሃገር ሓያል ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ ታይላንድ ባንዴራ ትሕት ኢሉ ተሰቒሉ ኣሎ።
ፖሊስ፡ እቲ ወዲ 34 ዓመት፡ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ክድለ ምስ ጀመረ፡ ንርእሱን ንስድርኡን ከም ዝቐተለ ሓቢሩ።
ነቲ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዘለዓዓሎ እንታይ ከምዝኾነ ንጹር ኣይኮነን። ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ኣባልነት ፖሊስ ተባሪሩ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፕራዩት ቻን-ኦቻ፣ ንጉስ ማሃ ቫጂራሎንግኮርንን ንግስትን ብሓባር ኣብቲ ከባቢ ምብጻሕ ክገብሩ ትጽቢት ይግበር።
ብሓሙስ ለይቲ፡ ብወርቂ ዘጌጹ ጽገሬዳን ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎምን ኣስክሬን እቶም ህጻናት ዝሓዙ ሳናዱቕ ሬሳ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
'እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን'
ፖሊስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ድሕሪ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ብሓይሊ ናብቲ ህንጻ ብምእታው፡ ንመምህርን ሓደ ወላድን ከም ዝቐተለ ይገልጽ።
ቅድሚ ናብቲ ህጻናት ዘዕረፍሉ ቦታ ምእታው፡ መጀመርታ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰ ጾር መምህርን ሰራሕተኛ እቲ ቤት ትምህርቲን ከም ዝቐተለ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም።
መብዛሕትኦም ግዳያት ድማ ብካራ ከም ዝሃረሞም ፖሊስ ይገልጽ።
ርእሰ መምህር ናቲቻ ማነቹም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ነቶም ህጻናት ናብ ናይ ድቃስ ሰዓቶም ምስ ሰደደቶም ተኹሲ ከም ዝሰምዐት ተዛሪባ።
እቲ ቤት ትምህርቲ 92 ህጻናት ሒዙ ዝውዕል ኰይኑ፡ ትማሊ ግን ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ናይ መኪና ጸገምን፡ 24 ተመሃሮ ጥራይ ነይሮም።
ካብቲ መጥቃዕቲ ሓደ ቈልዓ ብህይወት ከም ዝተረፈ እታ ርእሰ መምህር ገሊጻ።
"እዚ ፈጺመ ሓሊመዮ ኣይፈልጥን . . . እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን። ሕጂ ዋላ ሓደ ክሓስብ ኣይክእልን" ኢላ።
ወዱ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ንሓደ ወርሒ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከይከደ ጸኒሑ ትማሊ ግን መጺኡ ትብል።
ዜና እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተቓልሐ፡ ፖሊስ ታይላንድ፡ ፓንያ ካምራቡ ዝተባህለ ኣባል ፖሊስ ዝነበረን ብምኽንያት ምጥቃም እጽ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ካብ ስርሑ ዝተባረረን ውልቀሰብ ይድለ ከም ዘሎ ሓበሬታ ኣውጺኡ።
ፖሊስ፡ ናብቲ ህንጻ ቤት ትምህርቲ ክበጽሑ እንከለው፡ ኣብ ውሽጥን ደገን ኣስክሬን ዓበይትን ህጻናትን ወዲቑ ጸኒሑዎም።
"እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ፡ ሰይሩ ብምእታው ብዋናነት ካራ ተጠቒሙ ብዙሓት ቈልዑ ቀቲሉ" ክብል ኣዛዚ ፖሊስ ዳምሮንግሳክ ኪቲፕራፓት ሓቢሩ።
"ድሕሪኡ፡ ክሳብ ገዝኡ ዝበጽሕ ንዝዀነ ኣብ መገዱ ዝጸንሖ ብሽጉጥ ወይ ብካራ ክቐትል ጀሚሩ። ገዝኡ ከቢብናዮ፤ ግን ኣብኡ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ"።
ካምራብ፡ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ ንበዓልቲ ቤቱን ወዱን'ውን ከም ዝቐተለ ፖሊስ ገሊጹ።
ኣብ ሰዓታት ንጉሆ፡ ምስ ምጥቃምን ምሻጥን ሜታፌታሚን ብዝተሓሓዝ ብዝቐረበሉ ክሲ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ። ሎሚ ዓርቢ ክኣ ፍርዲ ክወሃቦ ቈጸራ ተታሒዙ ነይሩ።
ኣብታ ሃገር፡ ብጃምላ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሽጉጥ ልሙድ ኣይኰነን። ኣብቲ ዞባ ግን ብተዛማዲ ዝለዓለ ቁጽሪ ወነንቲ ሽጉጥ ኣሎ።
ኣብታ ደቡብ ምዕራባዊት ሃገር፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ልሙድ ከም ዝዀነ ክኣ ሮይተርስ ይገልጽ።
ቅድም ኢሉ፡ ሓደ ኣዛዚ ሰራዊት ኣብ ባንኮክ ንኽልተ መሳርሕቱ ብጥይት ቀቲሉ ነይሩ።
ኣብ 2020፡ ሓደ ወተሃደር ኣብ ከተማ ናክሆን ራትቻሲማ 29 ሰባት ብምቕታል ካልኦት ዓሰርታት ዘቑሰለ መጥቃዕቲ ፈጺሙ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







