ኲናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ምኽታት ዕቝር ሰራዊት ጌጋታታ ተኣሚና

ሩስያ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዕቝር ሰራዊታ ኣብ ኲናት ዩክረይን ከተኽትት ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ጌጋታት ከምዝተፈጸመ ተኣሚና።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሩስያ፡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ኣዋጅ ዝተጥሓሰሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ፤ ኵሉ ጌጋታት ከኣ ክእረም እዩ" ብምባል ኣብቲ መስርሕ ጌጋታት ይፍጸሙ ከምዘለዉ ተኣሚኑ።

ኣብ ገለ ዞባታት "ኣመሓደርቲ ነቲ ኵነታት ንምእራም ብንጥፈት ይሰርሑ ከምዘለዉ" ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ሩስያ ብዝግበር ዘሎ ዝትግበር ዘሎ ኣዋጅ ክተት፡ ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘይብሎም ሰባት - ወይ ድማ ኣዝዮም ኣረጋውያንን ስንኩላንን - ይጽውዑ ከምዘለዉ ብዙሓት ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣንጻርቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ኣዋጅ ጻውዒት ክተት፡ ሰፊሕ ተቓውሞታት ተበጊሱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነቲ ኣዋጅ ጻውዒት ብ21 መስከረም ‘ከፊላዊ ክተት’ ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይ ሾውጊ ድሒሩ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት ክጽዋዕ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ኣብ ማዕከናት ዜና ተቓወምቲ ሩስያ ዝወጹ ጸብጻባት፡ ክሳብ ሓደ ሚልዮን ሰባት ክጽውዑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ ኣብቲ ኣብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ክረምሊን ዝተሓትመሉ ኣዋጅ፡ ንብዝሒ ዝኸቱ ሰባት ዝምልከት ሓበሬታ ከምዝተገድፈ ይገልጹ ።

ብርክት ዝበሉ ወተሃደራዊ ክኢላታት ምዕራብን ዩክረይንን፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዕቝር ሰራዊት ክጽውዕ ምውሳኑ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረን ዕውታት ከምዘይኰኑ ዘርኢ ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።

ሩስያ፡ ወራራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ካብ እትጅምር፡ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ኣቍጺራ ኣላ።

እቲ ጻውዒት ካብ ዝእወጅ ጀሚሩ፡ ኣብ መላእ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ልዕሊ 2000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።

ወሃቢ ቓል ፕረዚደንት ሩስያ፡ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዶባት ሩስያ ንምዕጻውን ኣብታ ሃገር ‘ወተሃደራዊ ሕጊ’ ንምንባር ዝተመሓላላፈ ዝዀነ ይዅን ውሳነ ከምዘይፈልጥ፡ ብተወሳኺ ገሊጹ እዩ።

ኣቐዲሙ ዝወጸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድሙ ዝኽእሉ ሰባት ደው ንምባል እዚ ክግበር ከምዝኽእል ይሕብሩ ነይሮም።

እቲ ጻወዒት ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ፡ ብዙሓት መንእሰያት ሩስያውያን ካብታ ሃገር ክወጹ ክፍትኑ ተራእዮም።

ብሳተላይት ዝተወስደ ምስሊ፡ ኣብ ዶብ ጆርጅያ ነዊሕ ሪጋ መካይን ሩስያ ከምዘለዋ የርኢ።

ኣብዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ሓደ ሰብኣይ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ሳይቤርያ ኡስት-ሊምስክ ንሓደ መኮነን ምልመላ ሰራዊት ብኸቢድ ኣቝሲልዎ።

እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ፡ ናብቲ መኮነን ቀሪቡ ድሕሪ ምጽግዑ፡ ጥይት ክትኩሰሉ እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ኣሎ። ብድሕሪኡ ኣብቲ ህንጻ ናብ ዝነበሩ ሰባት ክትኵስ እንከሎ፡ ብስንባደ ክሃድሙ ተራእዮም።

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ሰሜን ካውካሰስ እትርከብ ሪፓብሊክ ዳጌስታን ሩስያ፡ ሰባት ብሰንኪ እቲ ጻውዒት ክተት ምስ ፖሊስ ተጋጭዮም።

ኣብ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ማካችካላ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ልዕሊ 100 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ናጻ ተቘጻጻሪ ሰብኣዊ መሰላት ሩስያ ኦቪዲ-ኢንፎ ገሊጹ።

ኣብ መላእ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ማእከላት ስልጠናን ካልኦት ምምሕዳራዊ ህንጻታትን ብርክት ዝበሉ መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ እውን ጸብጻባት ሓቢሮም እዮም።

ፑቲን ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ እቲ ኣዋጅ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክንደይ ዕቝር ሰራዊት ከምዝጽውዑ ኣይነጸረን።

ሚስተር ሸውጉ ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ብቕጽበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ 300 ሽሕ ዕቝር ሰራዊት - ወተሃደራዊ ተመኵሮ ዘለዎምን ፍሉይ ክእለት ዘለዎምን ሰባት - ክምዝገቡ ምዃኖም ገሊጹ።

 እዚ ካብቲ ሩስያ ዘለዋ 25 ሚልዮን ዕቝር ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኣስታት 1 ሚእታዊት ምዃኑ እቲ ሚኒስተር ገሊጹ።

እቲ ኣዋጅ ጻውዒት፡ ዝተወሰነ ገደብ ዕድመን ስንክልናን ከምዝግበር'ኳ እንተገልጸ፡ ተወሳኺ ዝርዝር ግን ኣይሃበን።

ካብ 18-60 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ - ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ድማ ካብኡ ንላዕሊ - ክኸቱ ከምዝኽእሉ ይእመን።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ሩስያ፡ እቲ ጻውዒት ድሩት ክኸውን እዩ ዝብል መብጽዓታት ፕረዚደንትን ሚኒስተር ምክልኻሉን ከም ዘይኣምንዎ ይገልጹ።

ኣብቲ ኣዋጅ ብዛዕባ ገለ ፍሉያት ነገራት፡ ንኣብነት ተመሃሮ ዘይምምልማል ዝገልጽ ነገር'ኳ እንተሎ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዘየለ እዩ ዝንገር።

እዚ ድማ ኮታ ንምምላእ ንመን ከም ዘሰልፉ ንኽውስኑ ንሓለፍቲ ክልላት ክፉት ገይርካ ክግደፍ ምዃኑ እዩ ዘመልክት።

ፕረዚደንት ፑቲን ብ24 መስከረም፡ ተመሃሮ እቲ ኣዋጅ ከምዘይምልከቶም ገሊጹ ነይሩ።

ሩስያ፡ ብ24 ለካቲት ወራራ ቅድሚ ምጅማራ፡ ኣብ ዶባት ዩክረይን ኣስታት 190 ሽሕ ወተሃደራት ኣውፊራ ነይራ።