ኣዋጅ ክተት መንግስቲ ሩስያ ብምቅዋም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተኣሲሮም

ኣብ ሩስያ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ክተት ስዒቡ ነቲ ኣዋጅ ዝተቓወሙ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር ከምዝተኣሰሩ ዘይሻራዊ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ኣፍሊጡ።

ትማሊ ቀዳም ጥራይ ኣብ 32 ከተማታት 724 ሰባት ከምዝተኣሰሩ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣንጻር ዩክረይን ዝዋግኡ 300 ሽሕ ሰባት ክኸቱ ምዃኖም ብወግዒ ምስኣፍልጠ ሰፊሕ ተቓውሞታት ክካየዱ ጀሚሮም።

ሰለማውያን ሰባት ናብ ወተሃደራዊ ወፍርታት ክኸቱ ኣለዎም ዝብል ውጥን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ከተማታት ሰፊሕ ናዕብታት ዘበገሰ ኮይኑ ኣብ መፈለምታ መዓልትታት እዚ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ተኣሲሮም።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ካብ ሞስኮ ሓንቲ ተሳታፊት እቲ ተቓውሞ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ምስኣተወት “መዝሓሊ ጥይት ኣይኮንናን” እንዳበለት ትጭርሕ ከምዝነበረት ጠቒሱ።

ካልእ ነባሪ ከተማ ፒተርስበርግ ዝኾነ ሩስያዊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል “መእንተ ፑቲን ኢለ ናብ ኵናት ክኸይድ ኣይደልን” ኢሉ።

ጓል 70 ዓመት ናታሊያ ዱቦቫ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ነቲ ኵናት ከምዝተቓወመቶን መናእሰይ ናብ ዓውደ ውግእ ክኸቱ መምርሒ ምውራዱ ከምዘፍርሓን ተዛሪባ።

ካብቶም ትማሊ ቀዳም ብፖሊስ ዝተኣሰሩ ሰባት ብቕይዶም ኣብ ማእኸል መመልመሊ ውትህድርና ከይዶም ሪፖርት ክገብሩ ከምዝተነገሮም ሓቢሮም።

ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ነቲ ውጥን መንግስቲ ዝቓወሙ ዘለዉ ሰባት ከቢድ መቕጻዕቲ ዘስዕብ መምርሒ ኣጽዲቓ’ያ።

ፕረዚደንት ፑቲን ካብ ዓውደ ግንባር ክሃድም ዝፈተነ ወይ’ውን ‘እምብለይ ኣይዋጋእን’ ዝበለ ወተሃደር ክሳብ 10 ዓመት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ዘወስን ኣዋጅ ትማሊ ቀዳም ፈሪሙ’ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ካብዚ ብተወሳኺ ዝኾነ ይኹን ናይ ወጻኢ ዜግነት ዘለዎ ሰብ ኣብ ውትህድርና ሩስያ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ከገልግል እንተድኣፈሪሙ ዜግነት ሩስያ ክወሃቦ ኣዚዙ።

እቲ ሓድሽ ኣዋጅ ሩስያ ክሳብ ክንደየናይ ዋሕዲ ወተሃደራት የጋጥማ ከምዘሎ ዘመላኽት’ዩ ዝበሉ ገለ ተዓዘብቲ ሓደ ሰብ ወተሃደር ሩስያ ንክኸውን እንተውሓደ ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ ዓመት ዝተቐመጠ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ረቛሒ ምጥሓሱ ከም መርኣያ ጠቒሶም።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሩስያ ድማ ብዙሓት መናእሰይ እታ ሃገር ነቲ ናይ ክተት ኣዋጅ ራሕሪሖም ካብ ሃገሮም ይስደዱ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ሩስያ ሰባት ካብ ውሽጢ ሃገር ናብ ወጻኢ ከይጉዓዙ ኣጠንቂቑ’ሎ።

ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ቁጽሪ ካብ ሩስያ ክወጽኡ ዝደልዩ ሰብ መካይን ከምዝወሰኸ ኣሚኖም። ኣብ ሓደ ናይ ፍተሻ ናቑጣ ጥራይ ኣስታት 2500 መካይን ሪጋ ምሓዘን ድማ ከም መረዳእታ ኣቕሪቦም።