እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምንስሓብ ሰራዊት ሩስያ፡ ንወተሃደራዊ ድኽመቱ ዘቃለዐ እዩ ተባሂሉ
ሩስያ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዩክረይን እትርከብ ካርኪቭ ዝገበረቶ ምንስሓብ፡ ኣብ ቀረብን ኣወዳድባ ሰራዊትን ዘለዋ ድኽመት ዘቃለዐ ከምዝኾነ ገዳይም ወታሃደራት እታ ሃገርን ጸሓፍትን ገሊጾም፡፡
ሓደ ሩስያዊ ኣብ ዩክረይን ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ሩስያ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ መሳርሕቱ ነበር ብስልኪ ተዛሪቡኒ ኢሉ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርገሖ ጽሑፍ ‘‘ንጉሆ ሰላም ዝበልኩዎ ሰብ ንኣጋምሸት ኣስከሬኑ ምፍላይ ከመይ ከምዝሰልቸውኒ ክትግምት ኣይትኽእልን’’ ከምዝበሎ ይሕብር፡፡
‘‘ትማሊ እኳ ክልተ ጉጅለታት ናይ ስናይፐር ኣባላተይ ብታንኪ ተደምሲሶም፡፡ ሰለስተ ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም፤ እቲ ራብዓይ ህይወቱ ከድሕን ሰዓትን ፈረቓን ተዋጊኡ፡፡ ብጽኑዕ ዝቖሰለ ካልእ ብጻይ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፡፡ ዓሰርተታት ኪሎሜትር ዝነውሕ ዓውደ ግንባር ሒዝና ኣለና፤ ዳርጋ ዝተረፈና ሰብ ግን የለን፡፡’’
ዋላኳ መራሕትን ሚድታትን ሩስያ እቲ ካብ ካርኪቭ ዝተገበረ ምስሓብ ዘምጸኦ ለውጢ ከምዘየለ ይገልጹ እንተሃለዉ፡ ነቲ ኲናት ዝጽብጽቡ ውልቀ ሰባት፣ ገዳይም ወታሃደራትን ፍሉጣት ጸሓፍትን ግን፡ ኣብ ዕጹዋት ናይ ቴሌግራም ቻነላት ዝጽሕፉዎም ሓሬታታት ከቢድ ጸገም ከምዘጋጠመ ዘረድኡ እዮም፡፡
እቶም ቻነላት ሕጽረት ኣጽዋር፣ ሕጽረት ወታሃደራትን ድሑር ዝኾነ ናይ እዚ ሰንሰለት ከምዘሎ ብዝገልጹ ዛንታታት ዝተመልኡ እዮም፡፡
ኣብ ቀረባ መዓልቲ ንዘንሰሓቡ ወታሃራት ሩስያ ጠቒሱ ሓደ ናይ ቴሌግራም ቻነል ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፡ እቶም ወታሃደራት ሓንቲ ንኡሽቶ ናይ ስለላ ድሮን ንምጥቃም ካብ ላዕለዋይ ሓላፊ ፍቓድ ክረኽቡ ከምዝግደዱን እዚ ድማ ናይ ጸላኢኦም ኩነታት ቀልጢፎም ከይርድኡ ከምዝገብሮምን ይጠቅስ፡፡
ብሓደ ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ሩስያ ከምዝውነን ኣብ ዝተገለጸ ካልእ ናይ ቴሌግራም ቻነል ድማ ‘‘ . . . ካብ ዝገብር ኣዛዚኻ ንላዕሊ ጸላኢ የለን’’ ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ ጨርቂ ናይ ዝኣሰረ ወታሃደር ሩስያ ፎቶ ዘርጊሑ ነይሩ፡፡
እቲ ስእሊ መዓዝን ኣበይን ከምዝተወሰደ ዝገልጽ ሓሬታ እኳ እንተዘይሃለወ፡ ስምዒት ሰራዊት እታ ሃገር ዘንጸባርቕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ብዙሓት ነባራትን አባላትን እቲ ሰራዊት ክካፈልዎ ተራእዩ፡፡
ሰራዊት ሩስያ ድኹም ናይ ምውጋእ ወነ ኣለዎም ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ሩስያውያን ጸብጸብቲ ኲናት ግን ኣብ ግንባር ዝረኣይ ምኽዳዕ ኣብ ምንስሓብ እቲ ሰራዊት ኣበርክቶ ከምዘይብሉን፡ ከስሕቡ ስለዝተነገሮም ምዃኑን ይገልጹ፡፡
ገለ ወታሃራት ድማ እቲ ሩስያ ዝጀመረቶ ‘‘ፍሉይ ወታሃደራዊ ወፍሪ’’ ዝብል ‘‘መንገዲ እምበር ዕላማ የብሉን’’ ኢሎም ከባጭውሉ ተራእዮም፡፡
ድኹም ኣመራርሓ ጥራሕ ኣይኮነን ንሩስያ ዝፍትና ዘሎ፡፡ እታ ሃገር መሰረታዊ ቀረባት ክተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ሰባት እናዋጽኡ ከማልእዎ ይግበር ኣሎ፡፡ ብዙሓት ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ጉጅለታት፡ ካብ ድሮናት ጀሚሩ ክሳብ ካልስን ብታንትን ወታሃደራት ንምምላእ ገንዘብ የተኣኻኽቡ ኣለዉ፡፡
‘‘ዘ ፒፕልስ ፍሮንት’’ ዝተባህለ ሓደ ጉጅለ ፡ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 17 ሚልዮን ዶላር ኣኪቡ ክዳውንቲ፣ ወታሃደራዊ መነጽራትን ካልኦትን ከምዝገዝአ ይገልጽ፡፡
ኮይኑ ግና እዚ ወፈያታት ንድልየት እቲ ሰራዊት ከማልእ ኣይከኣለን፡፡ ዘበናዊ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ዘብርሩ ፓይለታት ሓዊሱ ብዙሓት ወታሃደራውያን ኣሃዱታት ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ከምዘጋጠሞምን ሓገዝ ከምዝደልዩን ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ፡፡
እቲ ቀንዲ ጸገም ግን ሕጽረት መሳርሒ ኣይኮነን፤ ሕጽረት ሰራዊት እዩ፡፡
ዋላኳ ኣብታ ሃገር ግዱድ ዕስክርና እንተዘይሃለወ፡ ንዩክረይን ካብ እትወርር ንዳሓር ግን ተወሰኽቲ ሰባት ንምምልማል ድፍኢት ይግበር ኣሎ፡፡
ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ቅድሚ ሕዚ ብዘይተለመደ፡ ን 7 ሽሕ ሰባት ክፍቲ ስራሕ ቦታ ከምዘለዎ ዝገልጽ ምልክታ ኣውጺኡ፡፡
ገለ ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩን ዝተሰናበቱን፡ ተመሊሶም ክጽምበሩ ብተደጋጋሚ ከምዝተሓተቱ እውን ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡
ብዙሓት ሰባት ንምስሓብ፡ ሩስያ ዝነኣሰ ናይ ኣገልግሎት ግዘ ካብ ሰለስተ ዓመት ናብ ሰለስተ ወርሒ፡ 40 ዝነበረ ዝለዓለ ዕድመ ድማ ናብ 60 ኣደይባቶ ኣላ፡፡
መሃያ ናይቶም ስራሕቲ ድማ ካብ 1000 ዩሮ ክሳብ 4500 ዩሮ ዝበጽሕ ኮይኑ እዚ እውን ንብዙሓት ዘህርፍ ከምዝኾነ እዩ ዝግለጽ፡፡
ሩስያ ነቶም ዘመልክቱ ሰባት ናይ ሓደ ሰሙን ስልጠና ጥራይ እናሃበት ናብ ዩክረይን ተዋፍሮም ከምዘላ ይዝረብ፡፡