ኣመሪካ፡ ኣብ ክልላት ዘጋጠመ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ሓቲታ

ኣመሪካ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዝተፈጠሩ ግጭታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሎም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቲታ።

ኣብተን ክልላት ዘሎ ኵነታት ዘሻቕል ከምዝዀነ እውን ጸሓፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዘካየዶ ዝርርብ ተሌፎን ሓቢሩ።

ኣብ ክልቲኦም ክልላት ብዝቐጸለ ግጭት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጐድኡን ከምዝተቐተሉን ዝግለጽ ዘሎ ኰይኑ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎ ከምዝሓተተ ወሃቢ ቃሉ ማት ሚለር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብተን ክልላት ዘሎ ግጭት ብፖለቲካዊ ዘተ ክፍታሕ ዝሓተተ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሃዲኡ ዝነበረ ኵነታት ከምዝደገሰ ይግለጽ ኣብ ዘለወሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ክልል ኣብ መንጐ ሰራዊት ምክልኻልን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ግጭት ከምዝቐጸለ ምንጪታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ጐንደር ከቢድ ምልውዋጥ ተዅሲ ተኻይዱ።

ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ክልተ ኣብያተ ማእሰርቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ እሱራት ድሕሪ ምፍትሖም ግጭት ከምዝተፈጠረ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣብታ ከተማ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ሰላማውያን ሰባት ግዳይ ከምዝዀኑ እውን ተሓቢሩ። ሰራዊት ምክልኻል ብወገኑ ናብታ ከተማ ሰሊኾም ዝኣተዉ ዕጡቓት ፋኖ ዝፈተንዎ መጥቃዕቲ ከምዝፈሸለን፡ ልዕሊ 50 ኣባላት እቲ ጕጅለ ከምዝቐተለን ምግላጹ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ምዕራብ ጐጃምን ከባቢታት ሰሜን ሽዋን ግጭታት ከምዘጋጠሙ ቢቢሲ ኣብዚ ሰሙን ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ ከተማ ላሊበላ እውን ብከቢድ ብረት ዝተሰነየ ግጭት ከምዝተኻየደ ጸብጻባት የመልክቱ።

ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዅሲ ወይ ከቢድ ብረት ሰላማውያን ሰባት ከምዝሞቱ፡ መጕዳእቲ ኣካል ከምዝወረደን ንብረት ከምዝዓነወን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ኵነታት ኣብ ዝለወሉ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን ሰላምን ሓድነትን ኢትዮጵያ ኣብ ዝጠናኸረሉ ጉዳይን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘለዉ ጸገማት ጸጥታን ኣመልኪቱ እዩ ምስ ቀዳማይ ሚነስተር ኣቢይ ተዘራሪቡ ዘሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተራእየ ዘረፋ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ደው ዝበለ ዕደላ ረድኤት ደጊሙ ብዛዕባ ዝጅመረሉ ኵነታት እውን ተዘራሪቦም።

ውድብ ምግቢ ዓለምን ዩኤስኣይዲን፡ ንዝተጸገሙ ዜጋታት ተባሂሉ ዝመጽአ ረድኤት ተዘሪፉን ኣብ ዕዳጋ ውዒሉን ብምባል ዕደላ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ከምዘበልዎ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ መሰጋገሪ ፍትሒ ብምዝታይ፡ ብሊንከን፡ እታ ሃገር ተኣማንን ንዅሉ ዝሓቍፍን መስርሕ ፍትሒ ንምዝርጋሕ እትሰርሖ ዘላ ስራሕ ብኣወንታ ከምዝርእዮ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝገለጸሉ ተሓቢሩ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝቘመ መርማሪ ጕጅለ ግን፡ ኢትዮጵያ መሰጋገሪ ፍትሒ ምቛማ ካብ ዓለምለኻዊ ምርመራ ንምህዳም እዩ ክብል ኣብዚ ሰሙን ወቒሱ።

ኣብ ሓድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ገበናት ንምምርማር ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተመስረተ መርማሪ ጕጅለ ሰብሞያ፡ ስምምዕ ፕሪቶርያ ገበናት ኲናት ደው ከብል ከምዘይከኣለ እውን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግህሰታት ምክልኻል ይዅን ምምርማር ከምዘይከኣለ ዝገለጸ እቲ ኮምሽን፡ ብኣንጻሩ ንዅሉ ዘየጠቓልል ግልጽነት ዝጐደሎን መስርሕ መሰጋገሪ ፍትሒ ከምዝጀመረ ገሊጹ።