እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሑቲ፡ ‘ኣሸበርቲ’ ከምዝስየሙ ምስተገለጸ መርከብ ኣሜሪካ ኣጥቂዖም
ኣሜሪካ ነቲ ጕጅለ ዳግማይ “ሽበራዊ" ኢላ ክትሰምዮ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፡ ተዋጋእቲ ሑቲ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ንእትርከብ መርከብ ኣሜሪካ ዒላማ ገይሮም ኣለዉ።
ሑቲ፡ ነታ "ጀንኮ ፒካርዲ" እትበሃል መርከብ ጽዕነት ብሚሳይላት ከም ዝወቕዕዋ ገሊጾም።
ሰራዊት ኣሜሪካ፡ እታ መርከብ ብረቡዕ ምሸት ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተሃርመት ይገልጽ።
ኣሜሪካ በቲ ንሑቲ እትህቦም ሓድሽ ስያመ፡ ትካላት ፋይናንስ ኣሜሪካ ገንዘብ ሑቲ ክዓጽዋ ዝጠልብ ኰይኑ፡ ኣባላቱ ድማ ካብ ኣሜሪካ ክእገዱ ዘግብር’ዩ።
ኣብ ወሽመጥ ዓደንን ቀይሕ ባሕርን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ከም ግብረመልሲ ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ቓዛ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ኣብ የመን ኣብ ዝርከባ ዓሰርተታት ዒላማታት ሑቲ ደብዳብ ነፈርቲ ብምክያደን፡ እቲ ጉጅለ ኣብ ማያት ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ከይገብር ደው ንምባል ዝዓለመ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሑቲ ረቡዕ ምሸት፡ እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ጀንኮ ፒካርዲ ዕውት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመን፡ እዚ ድማ “ግብረ-መልሲ ነቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘካይዳኦ ዘለዋ ወራር’ዩ" ኢሉ።
ሰራዊት ኣሜሪካ፡ እታ መርከብ፡ ሑቲ ካብ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት የመን ብዝተወንጨፈት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝተሃርመት ሓቢሩ። ገለ ጉድኣት ከምዝወረዳን ኣብ ልዕሊ ሰባት ግን ዘጋጠመ ጉድኣት ከምዘየለን ኣፍሊጡ።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጃክ ሱሊቫን፡ ንሑቲ ዳግማይ "ዓለማዊ ግብረሽበራዊ" ኢልካ ምስያም፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ንግዳዊ መራኽብ ካብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዝእደብ ንምግባር ከምዝዀነ ገሊጹ።
ሚስተር ሱሊቫን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሑቲ፡ ንኣባላት ኣሜሪካን ዓለማዊ ንግዳዊ ንጥፈታትን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ብምዃኑ፡ "ምስ ትርጕም ግብረሽበራዊ ዝሰማማዕ" ኢሉ።
ሚስተር ሱሊቫን ወሲኹ፡ "ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ እንተደኣ ኣቋሪጾም፡ ኣሜሪካ ነዚ ስያመ ብቕጽበት ዳግማይ ክትግምግሞ እያ" ኢሉ።
ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ኣጋ መወዳእታኡ፡ ኣብ ልዕሊ ሑቲ “ግብረሽበራዊ” ዝብል ስያመ ሂቡ ነይሩ።
እዚ ስጕምቲ’ዚ፡ ነታ ብኲናት ዝተሃስየት የመን ናብ ሰፊሕ ጥሜት ክደፍኣ ከም ዝኽእል ካብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረድኤትን መጠንቀቕታታት እናተወሃበ እንከሎ ዝተወሰደ’ዩ ነይሩ።
ኣብ 2021 ጆ ባይደን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ምስተመረጸ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ እቲ ውሳነ ተላዒሉ ነይሩ።
እቲ ሓድሽ ስያመ፡ ‘ኤስዲጂቲ’ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰባትን ትካላትን ንሑቲ ዝዀነ ይዅን ደገፍ ንኸይህቡ እውን ዝኽልክል እዩ።
ይዅን እምበር፡ ሰበ ስልጣን ናብታ ብሰንኪ ንኣስታት ዓሰርተው ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ዝዓነወት የመን ሰብኣዊ ረድኤት ምእታዉ ንምርግጋጽ፡ ኣብቲ ሓድሽ ስያመ ክስረሓሉ ድሌት ነይርዎም።
"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን ከጋጥም ዝኽእል ኣሉታዊ ጽልዋታት ንምክልኻል ዝሕግዝ ፍቓድ ነዝርግሕ ኣለና" ዝበለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ፡ "ህዝቢ የመን ዋጋ ተግባራት ሑቲ ክኸፍል የብሉን" ኢሉ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሑቲ መሓመድ ኣልቡካይቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ኣሜሪካን ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ የመን ኲናት ምጅማረን ተጋግየን፤ ምኽንያቱ ካብቲ ንናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኵሮአን ኣይተጠቕማሉን" ክብል ጽሒፉ።
የመን ኣብ 2015 ብዝተጋደደ ኲናት ሓድሕድ ዕንወት ኣጋጢምዋ፡ ልዕሊ 160 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን 21 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣደዳ ተጸባይ ረድኤት ክኸውን ከምዝተገደደን ይግለጽ።