ኢጣልያ ኣብ ማእከል ባሕሪ ንዝርከቡ 1200 ስደተኛታት ንምድሓን ስርሒት ጀሚራ

ሓለዋ ዶባት ኢጣልያ፡ ነቶም ኣብ ገማግም ሲሲልያ ኣብ ንኣሽቱ ጀላቡ ተጸቓቒጦም ጸንበለል ዝብሉ ዘለዉ ኣስታት 1200 ስደተኛታት ንምድሓን ክልተ ዓበይቲ ስርሒታት ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

እቶም 800 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ጃልባ ገፋፊት ዓሳ፣ እቶም ኣስታት 400 ኸኣ ኣብ ካልእ ጃልባ ተጸቓቒጦም ከምዝርከቡ’ውን እቲ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።

ሓለዋ ዶባት ኢጣልያ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ከካይዶ ኣብ ዝጸንሐ ሰፋሕቲ ስርሒታት ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዝነበሩ ኣስታት 2000 ስደተኛታት ካብ ገማግም ሲሲልያ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘግዓዞም ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ጀርመናዊት መኽሰብ ዘይብላ ኣብ ድሕነት ስደተኛታት እትነጥፍ ‘ረስኪውሺፕ’ ዝተባህለት መርከብ ዘንቀሳቕሱ ሰራሕተኛታት፡ ኣብተን ስደተኛታት ተጸቓቒጦምለን ዘለዉ ንኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብውሕዱ ክልተ ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሓቢሮም።

ኣብዚ ዓመት ናብ ኢጣልያ ዝኣትዉ ብዝሒ ስደተኛታት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ዝነበረ ዋሕዚ ብምንጽጻር፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣዝዩ ዝበዝሐ ከምዝዀነ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ኣብ ኢጣልያ ዘሎ ጸጋማይ ክንፊ ልፍንታዊ መንግስቲ፡ ዘይሕጋዊ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ተሪረ ሕግታት’ኳ ዝኽተል እንተዀነ፡ ናብታ ሃገር ብዘይ ሰነድ ዝኣትዉ ስደተኛታት ግን ከጕድሎ ኣይከኣለን።

ኣብታ ካብ ገማግም ሊብያ ቶብሩክ ዝበሃል ቦታ ከምዝተበገሰት እትግለጽ ኣስታት 400 ስደተኛታት ሒዛ ዘላ ንእሽተይ ጃልባ፡ ነቶም ስደተኛታት ክሳብ ትማሊ ኣጋ ምሸት ዝዀነ ዓይነት ሓገዝ ከምዘይተገበረሎም ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቶም ኣብታ ጃልባ ዘለዉ ስደተኛታት ብሰንበት ናብ ኢጣልያ፡ ግሪኽን ማልታን ናይ ርድኡና ቴሌፎናት ከምዝደወሉ’ውን እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።

‘ሲ ዎች ኢንተርናሽናል’ ዝተበሃለ ጀርመናዊ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ ክልተ መራኽብ ንግዲ ናብቶም ኣብ ክሊ ማይ ማልታ ኰይኖም ርድኡና ዝብሉ ዝነበሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝፈተናሉ፡ ሰብ መዚ ማልታ ሓገዘን ከየበርክታ ከምዝኸልከልወንን እታ ሓንቲ መርከብ ግን ማይን ነዳደን ጥራይ ክትህቦም ከምዝተፈቐደላን ገሊጹ።

መንግስቲ ማልታ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ብሲ ዎች ኢንተርናሽናል ንዝተወሃበ መግለጺ መልሲ ኣይሃበሉን ዘሎ።

ኣብ ሓደጋ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታት እናተረኸበ ሓገዝ ንኽረኽቡ ዝተሓባበር ‘ኣላርም ፎን’ ዝተበሃለ ማሕበር ብወገኑ፡ ምስቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ስደተኛታት ክራኸብ ከምዝጸንሐ ብምሕባር፡ እታ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ክሊ ማይ ኢጣልያ ደቡባዊ ምብራቕ ኮፓ ፓሴሮ ኣብ ዝበሃል ቦታ ከምዘላ ገሊጹ።

እቲ ማሕበር ኣተሓሒዙ፡ ብሰንበት እታ ሓንቲ ጃልባ ማይ ተእቱ ከምዘላን ሚዛና ተጥፍእ ምህላዋን ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ ሓንቲ ኣብቲ ጃልባ ዘላ ሰደተኛ፡ መራሒ እታ ጃልባ ምስኦም ከምዘየለን ሕክምናዊ ሓገዝ ዘድልዮም ስደተኛታት ከምዝርከብዎምን ከምዝሓበረቶም ጠቂሱ።

ነታ ኣብ ገማግም ደቡባዊ ምብራቕ ሳይራኩስ ዝርከቡ ኣስታት 800 ዝዀኑ ስደተኛታት ንምድሓን’ውን ስርሒት ተጀሚሩ’ኳ እንተሃለወ፡ እታ ጃልባ ጽቕጥቕጥ ብዝበሉ ስደተኛታት መሊኣ ስለዘላ፡ ነቲ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ሓላሊኽዎ ከምዘሎ ሓለዋ ዶባት ኢጣልያ ገሊጹ።

እዛ ኣስታት 800 ዝዀኑ ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ማእከል ባሕሪ ዘላ ጃልባ ካበይ ከም ዝተበገሰት ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት’ውን ኣማኢት ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ናብ ደሴት ላምፔዱሳ ከምዝኣተወት ተፈሊጡ ኣሎ።

ረስኪውሺፕ ብሰንኪ እታ ብቐዳም ዝጠሓለት ጃልባ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 20 ስደተኛታት ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ብቐዳም ሓቢሩ ነይሩ።

ኣይኦኤም፡ ካብ 2014 ጀሚሩ ብማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ካብ ዝተበገሱ፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ከምዝሞቱ ወይ ሃለዋቶም ከምዝጠፍአ ይገልጽ።