ድሕሪ 10 ዓመት ወላዲታ ከተናዲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሃደመት መንእሰይ

ሶንግሚ ፓርክ ዶብ ክትሰግር ናብቲ ደንደስ ሩባ ግምግም በለት።

ከምእትፈርሕ ኣይሰሓተቶን። እቲ ፈለግ ዓሚቚ'ዩ፡ ዋሕዙ ድማ ብርቱዕ ይመስል ነበረ። እንተ ተታሒዛ'ውን ክሳብ ሞት ክትቅጻዕ ትኽእል'ያ። እንተዀነ ካብ ዝነበራ ፍርሒ ንላዕሊ ዝሕይል ድርኺት ይስምዓ ነበረ። ነታ ኣብ ቍልዕነታ ገዲፋታ ዝኸደት ወላዲታ ከተናዲ'ያ ካብ ሰሜን ኮርያ ትወጽእ ነይራ።

እዋኑ ጸሓይ ዕራርቦ'ዩ ነይሩ። ሶንግሚ ናብቲ ቀዝሒ ማይ ናይቲ ሩባ ኣእጋራ ምስ ኣለኸት ትበርር ዝነበረት ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑዋ።

ዕለት 31 ግንቦት 2019 እዩ ነይሩ። "ነቲ ኣብ ህይወተይ ዝጸበቐን ዝኸፍአን መዓልቲ ከመይ'ለ ክርስዖ? ብምባል'ያ ዛንታኣ ትጅምር።

ካብ ሰሜን ኮርያ ሃዲምካ ክትወጽእ ምኽኣል ሓደገኛ ቅያ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መራሒ እታ ሃገር ኪም ዮንግ ኡን፡ ነቶም ክወጹ ዝደልዩን ዝፍትኑን ኣትሪርሎም'ዩ።

ኣብ ፈለማ ለብዒ ለበዳ ኮቪድ-19 ድማ መሊሱ ነቲ ብቐደሙ'ውን ዕጽዉ ዝነበረ ዶባት ምሉእ ብምሉእ ረጊጥዎ። እታ ሽዑ ጓል 17 ዓመት ዝነበረት ሶንግሚ፡ ሓንቲ ካብቶም ንመወዳእታ ግዜ ዝወጹ እያ።

ሶንግሚ ንኻልኣይ ግዚኣ'ያ ነቲ ንሰሜን ኮርያን ቻይናን ዝፈላሊን ዝቐለለ መህደሚን ፈለግ ያሉ ትሰግሮ ነይራ።

ኣብቲ ናይ ፈለማ እግራ፡ ህጻን ኰይና ኣብ ዝባን ኣደኣ ተሓዚላ'ያ ሰጊራቶ። ከምዚ ትማሊ ዝተፈጸመ ዝዋጋእ ዝኽርታት'ዩ ዘለዋ።

ኣብ ቻይና ምስ ኣተዉ፡ ኣብ ሓደ ብዘመዳ ዝውነን ሕርሻ ሓሰማ'ዮም ተሓቢኦም ነይሮም። ካብ ዓይኒ ፖሊስ ቻይና ግን ክኽወሉ ኣይክኣሉን።

ኣቦኣን ኣደኣን ናብ ሰሜን ኮርያ ከይመልስዎም ክምሕጸኑ ድማ ይዝከራ። እቲ ዘዕቆቦም ቤተሰብ ከይተረፈ "ዋላ ንዓይ ውሰዱኒ" ኢሉ ነቶም ፖሊስ ምስ ለመኖም፡ ገጹ ክሳብ ዝደሚ ሃሪሞምዎ።

ናብ ሰሜን ኮርያ ከምዝምለሱ ምስተገብረ፡ ኣቦኣ ኣእዳዉ ንድሕሪት ተኣሲሩ ይዝከራ። ኣብ መዓርፎ ባቡር ደው ኢላ እንከላ፡ ወለዳ ናብቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝኸፍአ መዳጐኒ መዓስከር እናተወስዱ ቅጅል ይብላ። ጓል ኣርባዕተ ዓመት'ያ ነይራ።

ሶንግሚ ናብቶም ኣብታ ካብ ዶብ ቻይና ናይ ፍርቂ ሰዓት ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሙሳን ዝነብሩ እንዳቦሓጉኣ (ብኣቦኣ) ተወሲዳ። ናይ ትምህርቲ ዕድል ግን ከምዘይብላ ተነግራ።

ዋላ'ኳ ኣብ ዴሳዊት ሰሜን ኮርያ ትምህርቲ ናጻ እንተዀነ፡ ስድራቤታት ንመምህራን ብላዕ ከይሃቡ ደቆም ከምህሩ ግን ጸገም'ዩ። ንርእሶም'ኳ ብኽንደይ ጋዶ ዝናበሩ እንዳባሓጎኣ ኸኣ ንብላዕ ዝኸውን ኣይነበሮምን።

ስለዝዀነ ድማ፡ መዓልታታ ነተን ኣብቲ ሕርሻ ዝነበራ መናቲለ መግቢ ንምምእራር ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገጠራት ኮለል ብምባል ተሕልፎ ነበረት። ኵሉ ሳዕ ከኣ ምስሓመመት'ያ፣ ዋላ ክረምቲ። "ብዙሕ ዝበልዖ ኣይነበረንን፡ ብሰንኩ ድማ [ሕማም] ናይ ምክልኻል ዓቕመይ ትሑት'ዩ" ትብል። "ካብ ሕማመይ ምስተበራበርኩ ምእንቲ ክበልዖ፡ ዓባየይ ኵሉ ሳዕ ጠዓሞተይ ኣብ እግሪ'ቲ መስኮት ተጽንሓለይ ነይራ።"

ወለዳ ኣብቲ መዓርፎ ባቡር እንከላ ካብ ቅድሚ ዓይና ንሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ ምስዋሮም፡ ሓደ ምሸት፡ ኣቦኣ ሰላሕ ኢሉ ናብቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ዓራት ብምእታው፡ ናብ ሕቚፎኡ መንጢሉዋ። ብሓጐስ ተፈንጪሓ። ንቡር ህይወት ዳግም ክምለስ'ዩ ማለት'ዩ። እንተዀነ፡ ሓጐሳ ከይወድአት፡ ንዓለማ ዘጸልመተ ፍጻመ ገጠማ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣቦኣ ሞይቱ። ብሰንኪ ማእሰርቲ ጥዕናኡ ማህሚኑ'ዩ ነይሩ።

እታ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ናብ ቤታ ዝተመልሰት ኣደኣ'ውን በዓልቤታ ሞይቱ ምስ ጸንሓ፡ ኣመና ጓሃየት። ክትሓስቦ ዘጸግም ውሳነ ድማ ወሰደት። ንኻልኣይ ግዜ ካብ ሰሜን ኮርያ ክትሃድም ወሲና፤ ንውልቃ።

እታ ኣደኣ ዝተበገሰትላ ንግሆ፡ ሶንግሚ ገለ ፍልይ ዝበለ ነገር ከምዘሎ ተሰምዓ። ኣለባብሳ ኣደኣ ንቡር ኣይነበረን። ናይ ዓባያ ክዳን ለቢሳ ነይራ። "እንታይ ውጥን ከምዝነበራ ኣይፈለጥኩን፡ ግን እንተ ኸይዳ ንነዊሕ እዋን ከምዘይርእያ ይርድኣኒ ነይሩ፡" ትብል።

ኣደኣ ካብ ገዛ ወጺኣ ምስከደት፡ ሶንግሚ ናብ መደቀሲኣ ተመሊሳ ብመንጸፍ ዓራታ ተጠቕሊላ ፊቕታ ተተሓሓዘቶ።

ዝቐጸላ 10 ዓመታት ከኣ እተን ዝጸንከራ ነበራ።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመታት ኣቦሓጐኣ ሞይቱ። ጓል 10 ዓመት ኰይና፡ በይና ነታ ዓዲ-ውዒል ዝነበረት ዓባያ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ተሰከመት። ዝድግፋ ዝዀነ ምንጪ እቶት'ውን ኣይነበራን። "ሓደ ድሕሪ ሓደ ስድራቤተይ ይጸንቱ ነይሮም። ዘፍርሕ'ዩ ነይሩ" ብምባል ሶንግሚ ንድሕሪት ተመሊሳ ንዝነበራ ስምዒታት ተካፍል።

ኣብ ሕሱም እዋን፡ ቅሩብ ኣፍልጦ እንተሃልዩካ፡ ጐቦታት ሰሜን ኮርያ ክዕንግሉኻ ይኽእሉ'ዮም። ሶንግሚ፡ ንግሆ ንግሆ ብምግስጋስ፡ ናብቶም ኣብ ከባቢኣ ዝነበሩ ጐቦታት ብምኻድ ትበልዖን ትሸጦን ሓምሊ ሸማጢጣ ትምለስ ነበረት። ገ

ለ ካብቶም ዝማእረረቶም ቆጽለ-መጽሊ ንመድሃኒት ዘገልግሉ ስለዝነበሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘሎ ዕዳጋ ትሸጦ ነበረት። ፈለማ ግን ተሓጺቦም፡ ተቐምቂሞም ብኢድ ክነቕጹን ስለዘለዎም፡ ምሉእ ለይቲ ክትሰርሕ ትግደድ ነበረት።

"ናይ ጽባሕ ስራሕ ወይ ወጥን ከውጽእ ኣይክልን'የ ነይረ። ኵሉ መዓልቲ ከይጠሚ ምእንቲ ይቃለስ ነይረ፡ ነታ መዓልቲ ክሰግራ. . ።"

______________________

ድሕሪ ናይ ኣስታት 500 ኪሜ፡ ሓደ ኳዅ ክበርር ተዓዘበት፣ ሚዩንግ-ሁይ ደቡብ ኮርያ ኣትያ።

እቲ ሓደ ዓመት ዝወሰደ ጕዕዞኣ፡ ብቻይና ኣቢሉ፡ ብሃገረ ላኦስ ሓሊፉ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ታይላንድ ዘምርሐ'ዩ ነይሩ። ኣብኡ ምስ በጽሐት ከኣ ናብ ኤምባሲ ደቡብ ኮርያ ከይዳ።

ዝሃደሙ ሰሜን ኮርያውያን ናይ ምዕቋብ ፖሊሲ ዘለዎ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ተቐቢሉ ብነፋሪት ናብ ርእሰከተማ ሶል ኣሰጋጊርዋ።

ኣብ ደቡባዊ ገማግም ኣብ እትርከብ ኢንዱስትሪያዊት ከተማ ኡልሳን ናብራ ስደት ፈለመቶ። ኣብ ሓደ ፋብሪካ መራኽብ ተቘጺራ መዓልታዊ ብዘይ ዕረፍቲ ትሰርሕ ነበረት። ካብ ሰሜን ኮርያ ሰብ ከተውጽእ ኣዝዩ ክቡር'ዩ፣ መንገድኻ ከተዓናቕፍ ንዝኽእል ሰብ ብላዕ ገንዘብ እናሃብካ'ዩ ዝኽየድ።

ሚዮንግ-ሁይ ለይቲ ለይቲ ኣብ ጸልማት ንበይና ኮፍ ኢላ ብዛዕባ ጓላ ብናፍቘት ተስተንትን ነይራ፣ ምስላ እናተራእያ፡ ከመይ ትህሉ? እንታይ ትገብር ትህሉ? እናበለት። ብፍላይ መዓልቲ ልደት ሶንግሚ ንሚዮንግ-ሁይ ዝኸበደ'ዩ ነይሩ። ካብ ኣርማድዮኣ ባንቡላ ኣውጺኣ፡ ጓላ ኰይኑ ስለዝስምዓ ምስታ ባንቡላ ትዛረብ፣ ንዝተበተኸ ርክበን ህይወት ንምዝራእን ርእሳ ንምጽንናዕን ትገብሮ ዝነበረት'ዩ።

እታ ኣደ፡ ካብቲ ዝነበረቶ ማሙቕ ክሸነኣ ብዛዕባ'ቲ ምስ ጓላ ዝነበራ ነዊሕ ምፍልላይ ከተዘንቱ እንከላ ብኽያት'ዩ ዝስዕራ። ጓላ ኢዳ እናዳህሰሰት "ኣይትብከዪ፡ ኵሉ መመላኽዒ ገጽኪ ይብረዝ ኣሎ" ብምባል ክትእብዳ ትፍትን።

ኣብ መወዳእታ፡ 20,400 ዶላር ኣመሪካ ብምኽፋል፡ ሚዩንግ-ሁይ ንጓላ ካብ ሰሜን ኮርያ ከተወጽኣ ተወዓዓለት። በዚ ድማ ሃንደበት እቲ 10 ዓመታት ዝወሰደ ዝማህመነ ትጽቢት ሶንግሚ ኣብቂዑ።

ንፈለግ ያሉ ሰጊራ ናብ ቻይና ምስ ኣተወት፡ ካልኣይ ግዜ ንከይትተሓዝ ለይቲ ለይቲ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ብሰላሕታ እናተንቀሳቐሰት ኣሕሊፋቶ።

ብድሕሪ'ዚ ኣውቶቡስ ተሰቒላ ንዓበይቲ ጐቦታት ቻይና ሓሊፋ ናብ ላኦስ ኣትያ። ኣብኡ ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ተዓቚባ ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኤምባሲ ደቡብ ኮርያ ኣምሪሓ።

ንኣዋርሕ ኣብቲ ኤምባሲ ክትድቅስ ድሕሪ ምጽናሓ ከኣ ብነፋሪት ናብ ደቡብ ኮርያ ግዒዛ። ኣብታ ሃገር ምስኣተወት፡ ናብቲ ሓደስቲ ሰሜን ኮርያውያን ዝጸንሕሉ ናይ ተሃድሶ ማእከል'ያ ተወሲዳ። ብምልኡ እቲ ዝሓለፈቶ ጕዕዞ ሓደ ዓመት ዝወሰደ'ኳ እንተዀነ፡ ንሶንግሚ ግን 10 ዓመት ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑዋ።

________________________

ኣብ መወዳእታ ምስ ወላዲታ ተራኺባ፡ ሚዩንግ-ሁይ ዝሰርሓቶ ዝተቓመመ ኑድል ብሸሓኒ ኮፍ ኢላ ክትበልዕ በቒዓ።

ሶንግሚ፡ ናይ ሰሜን ኮርያ ፍሉጥ መግቢ'ያ ዝያዳ ትፈቱ። ምስቲ ኣደኣ ዘለዋ ናይ በደል ስምዒት ክነጻጸር እንከሎ፡ ሶንግሚ ሓያል ጸዓት እተንጸባርቕ መንእሰይ'ያ። ነቲ ናይ ግዜ ቁልዕነታ በሰላ ከዊላ፡ ንኣደኣ እናኣበደት፡ ክትስሕቕን ክትጻወትን ትርአ።

"ካብቲ ናይ ተሃድሶ ማእከል ክወጽእ ሓደ መዓልቲ ምስተረፈኒ፡ ኣዝየ ተረቢጸ ነይረ። ንኣደይ እንታይ ከምዝብላ ርግጸኛ ኣይነበርኩን" ትብል። "ወቂበ ክርእያ ደልየ ነይረ፡ ግን ኣብቲ ናይ ስደት ጕዕዞ ረጒደ፡ ጸጕረይ ድማ ወንጪሩ'ዩ ነይሩ።"

"ኣነ'ውን ናይ ብሓቂ ተረቢጸ'የ ነይረ" ክትብል ትእመን ሚዩንግ-ሁይ ብወገና።

ነታ ንመወዳእታ ግዜ ጓል ሸሞንተ ዓመት እንከላ ዝራኣየታ ጓላ፡ ደጊማ ረኸበታ ከተለልያ ኣይክኣለትን። ጓል 18 ዓመት ምስ ኰነት'ያ ትረኽባ ዘላ።

"ኣብ ቅድመይ ደው ምስ በለት፡ እዚኣ'ያ ክትከውን ዘለዋ ኢለ'የ ተቐቢለያ። ብዙሕ ክብሎ ዝደሊ ነይሩ፡ ግን ቃላት ምውጻእ ኣብዮምኒ። ሕቝፍ ኣቢለ፡ 'ንፍዕቲ፡ ንዅሉ ሓሊፍኪ ኣብዚ በጺሕኪ' ጥራይ'የ ኢለያ።"

ሶንግሚ ንወላዲታ ብዓይና ምስረኣየታ፡ ጽልምት ከምዝበላ'ያ ትዛረብ። "እናበኸና ተሓቛቚፍና ን15 ደቒቕ ጸኒሕና። እቲ መስርሕ ብምልኡ ሕልሚ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓካ።"

ሶንግሚን ኣደኣን፡ ከም ብሓድሽ ዝምድናአን ንምህናጽ ኣብ ዝጽዕታሉ ዘለዋ እዋን፡ ሶንግሚ ሓደ ክትሓቶ ትብዓት ዝሰኣነትሉ ሕቶ ኣለዋ። ጓል ሸሞንተ ዓመት ካብ እትኸውን ኣትሒዛ መዓልታዊ ንርእሳ ክትሓቶ ዝጸንሐት ሕንቅል-ሕንቅሊተይ እዩ።

ሎሚ ግን ንዝተረፋ መረቕ ካብ ሸሓኒኣ ፊት እናበለት፡ ነተን ንነዊሕ እዋን ኣብ ልባ ዝዓቘረትን ቃላት እናተማትአት በጨቕ ኣቢላተን።

"ስለምንታይ ሓዲግክኒ ኬድኪ?"

ሚዩንግ-ሁይ፡ እናፈርሐት ክትገልጸላ ጀሚራ። እቲ መጀመርታ ዝገበርዎ ናይ ምህዳም ፈተነ ባዕላ ዘበገሰቶ'ዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን፡ ንሳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብህይወት ወጺኣ ናብ እንዳ ሓሙኣ ከይዳ ምንባር ኣሰኪፉዋ፣ ሞት ወዶም መዓልታዊ ከተዘኻክሮም ኣይተዋሕጠላን። ንሶንግሚ ሒዛ በይና ናብራ ከይትጅምር ከኣ ገንዘብ ኣይነበራን።

"ክወስደኪ ደልየ ነይረ፡ እቲ ደላላይ ግን ቈልዑ ኣይቅበልን'የ ኢሉ" ድሕሪ ምባል "ደሓር ከኣ፡ ዳግማይ እንተ ተታሒዝና፡ ክልቴና ምተሳቐና። ስለዚ፡ ንዓባይኪ ንሓደ ዓመት ክትኣልየኪ ሓቲተያ።"

"ኣሃ. . . እቲ ሓደ ዓመት ግን 10 ዓመት ኰይኑ" ክትብል ኣዒንታ ንታሕቲ እናጠመተት ሶንግሚ መለሰት።

"እወ" ትብል ኣደኣ ርእሳ እናነቕነቐት።

"ኣብታ ዝወጻእኩላ ንግሆ፡ ኣእጋረይ ፍሕት ምባል ኣብየናኒ ነይረን፡ እንተዀነ፡ ኣቦሓጐኺ ሃዊኹኒ፤ ውጺ ኢሉኒ። ደርብየኪ ከምዘይከድኩ፡ ክትፈልጢ እደልየኪ እየ። ዝሓሸ ህይወት ክፈጥረልኪ ድልየት ነይሩኒ። እዚ ኸኣ እቲ ዝሓሸ ምርጫ ይመስል ነይሩ።

___________________________

እዚ ምርጫ'ዚ ንብዙሓት ካብ ሰሜን ኮርያ ወጻኢ ዘለዉ ሰባት ዘይሕሰብ መሲሉ ክርአ ይኽእል'ዩ። ኣብ ቅድሚ'ቶም ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሃድሙ ሰባት ዘሎ መዓንጣኻ ዝቐርጽ ምርጫን ሓደጋን ግን እዚ'ዩ።

ብኪም ዮንግ ኡን ዝምራሕ መንግስቲ፡ ሃዳምነት ንምግታእ ኣብ ዶባት ዘሎ ሓለዋ ብምትራር ኣብ ልዕሊ'ቶም ክሃድሙ ዝተሓዙ ኸኣ ከቢድ መቕጻዕቲ የውርድ ኣሎ።

ቅድሚ 2020 ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ዓመታዊ ልዕሊ 1,000 ሰሜን ኮርያውያን ናብ ደቡብ ኮርያ ይኣትዉ ነይሮም። ኣብቲ ሶንግሚ ዝሃደመትሉ ዓመተ 2020 ግን እቲ ዓመታዊ ቁጽሪ ናብ 229 ኣንቆልቊሉ።

ኣብ ፈለማ ናይቲ ለበዳ፡ ሰሜን ኮርያ ዶባታ ብምርጋጥ፡ ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ዝግበር ምንቀስቓስ'ውን ኣጊዳ ነይራ። ወተሃደራት ኣብ ዶባት ክሃድም ንዝረኸብዎ ተኲሶም ክቐትሉ ትእዛዝ ተዋሂብዎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 67 ሰሜን ኮርያውያን ጥራይ ናብ ደቡብ ሰጊሮም። ኵሎም ድማ ቅድሚ'ቲ ለበዳ ካብታ ሃገር ዝወጹ'ዮም።

ሶንግሚ ሓንቲ ካብቶም ቅድሚ ዶባት ምዕጻዉ ዝሰገሩ ዕድለኛታት'ያ። ስለዚ ድማ፡ ዝኽርታታ ኣገዳሲ'ዩ፣ ኣብታ ዕጽውቲን ምስጢራዊትን ሃገር ህይወት እንታይ ከምዝመስል ብቐሊሉ ዘይርከብ ኣመት ዝህብ ስለዝኾነ።

መጠን ዋዒ ክረምቲ ይውስኽ ምንባሩ ትዝክር። ኣብ 2017፡ ዘራእቲ ብደርቂ ሃጒጎም፡ ቀውዒን ኣየትን ዝብላዕ ዘይነበረሉ ኵነታት ነይሩ።

እዚ ብዘየገድስ ግን፡ ሓረስቶት ዓመታዊ ንመንግስቲ ዘረክብዎ እቶት ክጐድል የብሉን። እዚ ማለት ከኣ፡ ዝተርፎም ውሑድ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ እዋን'ውን፡ ዝርካቡ ንመንግስቲ ምስሃቡ ዝብላዕ ክሳብ ዝስእኑ ዝዀኑሉ ግዜ'ሎ።

ገሊኦም ድራር ዕለቶም ንምምእራር ናብ ጐቦታት ብምኻድ ኣሕምልቲ ሸማጢጦም ይዕንገሉ። ገለ ኸኣ ሕርሻ ደው ኣቢሎም ካልእ ስራሕ ሃሰው ይብሉ።

ካብ ሕርሻ ወጻኢ ዕደና እቲ ካልእ ቀንዲ ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፍት'ዩ። እቶም ኣብቲ ሶንግሚ ትነብረሉ ዝነበረት ከተማ ሙሳን ዘሎ ዕደና ዝሰርሑ ኸኣ ይሕሹ።

ኣብ 2017 ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኑክሌር ድሕሪ ምክያዳ፡ ዓለምለኻዊ እገዳ ተነቢሩላ። ብሰንኩ ድማ ነቲ ዝወጽእ ማዕድን ሓጺን ዝገዝኦ ኣይነበረን።

እቲ ኣብታ ከተማ ዝነበረ ዕደና ዳርጋ ስራሕ ከቋርጽ ተቓሪቡ ነይሩ፡ ሰራሕተኛታቱ'ውን ደሞዞም ኣይክፈሉን ነይሮም። ለይቲ ተሓቢኦም ናብቲ ዕደና ብምኻድ ኣቝሑት ክሳብ ምስራቕ'ዮም በጺሖም። ከምቲ ሓረስታይ፡ ናብ መሮር ወፊሮም መግቢ ምምእራር ከኣ ኣይፈልጥዎን'ዮም።

እዚ ከይኣክል ከኣ፡ ኣብ 2019 እቲ ካብ መግቢ ምምእራር ዝኸፍአ ፍርሒ ናይ ወጻኢ ፊልምታት ወይ መደባት ተለቪዢን ክትርኢ እንተ ተረኺብካ'ዩ። እቲ ካብ ቀደም ጀሚሩ ብኮንትሮባንዳ ተሓቢኡ ዝኣቱ ፊልምታት፡ ንገለ ሰሜን ኮርያውያን ምስቲ ካብ ዶባት እታ ሃገር ወጻኢ ዘሎ ዘወናውን ዓለም ዘፋልጥ'ዩ።

ከምቲ ኣብ በዓል 'ከይ-ደራማስ' (K-dramas) ዝቐርብ ምስልታት ዘመናዊት ደቡብ ኮርያ ነቲ መንግስቲ ዝለዓለ ስግኣት'ዩ።

"ፊልሚታት ደቡብ ኮርያ ክትርኢ እንተተረኺብካ፡ ብገንዘብ ክትቅጻዕ ወይ ናይ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ኣብ ስሩዕ ቤትማእሰርቲ ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ። ኣብ 2019 ግን ነቲ ፊልምታት ክትርኢ እንተ ተታሒዝካ ናብቲ ሕሱም ፖለቲካዊ መዳጎኒ መዓስከር ኢኻ ትውሰድ" ትብል ሶንግሚ።

ሓደ ግዜ፡ ናይ ህንዲ ፊልም ዘለዎ 'ዩ-ኤስ-ቢ ስትክ' ሒዛ ተረኺባ'ያ፡ እንተዀነ እቲ ፊልም ኣብኡ ከምዝነበረ ከምዘይፈለጠት ነቲ ዝሓዛ ኣባል ጸጥታ ኣእሚናቶ፡ ብናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ሓሊፉላ፤ መሓዛኣ ግን ዕድል ኣይገበረትን። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ሰነ 2022፡ ሶንግሚ ናብ ደቡብ ኮርያ ምስኣተወት፡ ኣደ መሓዝኣ ቴለፎን ደዊላትላ።

"መሓዛይ 'ስኲድ ገይም' ሒዛ ከምዝተረኽበት ነጊራትኒ። ንሳ ትዝርግሖ ብምንባራ ተረሺና" ክትብል ሶንግሚ ብዛዕባ'ቲ ዘሕዝን ፍጻመ ህይወት መተዓብይታ ትገልጽ።

እቲ ሶንግሚ ዘካፈለቶ ዛንታ፡ ምስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ናይ ወጻኢ ምርኢታት ብዝተኣሳሰር ምኽንያት ሰባት ከምዝተረሸኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ዝሳነ'ዩ።

"እቲ ኵነታት ካብቲ ኣነ ኣብኡ እንከለኹ ዝነበረ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘፍርሕ'ዩ ዝመስል። ሰባት ናይ ዶቡብ ኮርያ ሚድያ ሒዝኩም ጸኒሕኩም ተባሂሎም፡ ዕድመኦም ብዘየገድስ ይርሸኑ ወይ ናብ መዓስከራት ይውሰዱ ኣለዉ"።

__________________________

ኣብታ ናጻን ርእሰማላዊትን ደቡብ ኮርያ ሓድሽ ህይወት ምምራሕ ነቶም ካብ ዴሳዊት ሰሜን ኮርያ ዝመጹ ሓያል ቃልሲ'ዩ። ኵሉ ነገር ካብቲ ዘሕለፍዎ ዝተፈለየ ብምዃኑ ነጻሊ ስምዒት ከሕድር ዝኽእለ'ዩ። ሶንግሚ ግን ዝእግማ ኣይትመስልን'ያ።

ናፍቘት ናይቶም ክትወጽእ እንከላ ክትሰናበቶም ዘይክኣለት መሓዙታ ኣለዋ። ምስኦም ሓቢራ ክትስዕስዕን ብኣእማን ኣብ ባይታ ክትጻወትን ብናፍቖት ትዝክሮ።

"ኣብ ደቡብ ኮርያ ምስ መሓዙትካ ምስ ተራኸብካ፡ ናብ ዕዳጋ ወይ እንዳ ሻሂ ኢኻ ትኸይድ" ትብል ምንእኣስ ብዘስምዕ ቃና።

ሶንግሚ ምስቲ ዘላቶ ሕብረተሰብ ክትሕወስ ዝገበራ፡ ካብ ደቡብ ኮርያውያን መዛኑኣ ከምዘይትፍለ ጽኑዕ እምነት ስለዘለዋ'ዩ።

"ንኣዋርሕ ብቻይናን ላኦስን ድሕሪ ምጕዓዘይ፡ ናብ ጓና ሃገር ክነብር ዝስደድ ዘለኹ ዘኽታም ኰይኑ'ዩ ተሰሚዑኒ"። ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ርእሰከተማ ሶል ምስ ዓለበት ግን፡ እቶም ሰራሕተኛታት በቲ ትፈልጦ ቋንቋ "ኣን-ኒዮንግ-ሃ-ሰይ-ዮ" ብምባል'ዮም ብሓጐስ ተቐቢሎማ።

እቲ ቃል ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ሰላም ንምባል ዝጥቀምሉ ኰይኑ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ'ዩ ባህታ ፈጢሩላ። "ኣብ ሓደ መሬት ንነብር ሓደ ህዝቢ ምዃንና ኣስተውዒለ፤ ናብ ካልእ ሃገር ኣይመጻእኩን። ንደቡብ ጥራይ'የ ተጓዒዘ።"

ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ ኣተወት ን10 ደቒቕ ኮፍ ኢላ በኽያ።

ሶንግሚ ከምእትብሎ ሕጂ ሓደ ዕላማ ሒዛ'ላ- ንክልቲአን ኮርያታት ንምሕባር። ደቡብ ኮርያውያን ነዚ ሕልሚ እናተነግሮም'ዮም ዝዓብዩ፤ ግን ብዙሓት ዝቕበልዎ ኣይኮነን።

እታ ሃገር ካብ እትምቀል ግዜ ብዝነውሐ መጠን፡ ነቲ ሕልሚ ዝገዝኡ ሰባት እናወሓዱ ይኸዱ፣ ብፍላይ መንእሰያት ኣገዳስነት ሕብረት ኮርያታት ብዙሕ ኣቓልቦ ዝህብዎ ኣይኮነን።

ሶንግሚ፡ ናብ ኣብያተ-ትምህርቲ ብምኻድ፡ ብዛዕባ ሰሜን ኮርያ ኣስተምህሮ ትህብ። ብዛዕባ ሕብረት ዝግደሱ እንተለዉ ምስ እትውከሶም፡ ውሑዳት ኣእዳው ጥራይ'የን ዊጥ ዝብላ። ካርታ ኮርያ ስኣሉ ምስ ዝበሃሉ ግን፡ መብዛሕትኦም፡ ንብምሉኡ ወሽመጥ ኮርያ፡ እንኮላይ ሰሜን ዘጠቓልል ስእሊ'ዮም ዝህቡኻ። እዚ ድማ'ዩ ንሶንግሚ ተስፋ ዝህባ።

_________________________

ሶንግሚ ምስ ኣደኣ ዘለዋ ዝምድና እናተሓደሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ በሰላታታ ዳርጋ ሃሲሱ'ዩ። ክልቲአን ክተሓቛቘፋን ክስሕቃን እየን ዝርኣያ። ብዛዕባ'ቲ ዘቐንዙ ሕሉፈን ኣብ ዝትንክፋሉ እዋን ከኣ ሶንግሚ ንብዓት ኣደኣ ትሕብስ።

ኣደኣ ዝወሰደቶ ምርጫ ቅኑዕ'ዩ፡ ትብል ሶንግሚ፡ ክልቲአን ብሓጐስ ኣብ ደቡብ ኮርያ ይነብራ ምህላወን መረጋገጺ ምዃኑ ትጠቅስ።

ዋላ'ኳ ሚዩንግ-ሁይ ፈለማ ንጓላ ከተለልያ እንተዘይክኣለት፡ ክልቲአን ግን ቅምጥ ኢልን'የን ንሓድሕደን ዝመሳሰላ። ሕጂ ናይ ጓል 19 ዓመት ምስላ ኣብ ጓላ ትርእዮ ኣላ።

ዝምድናአን፡ ናይ መሓዙት ወይ ኣሓት'ዩ ዝመስል። ሶንግሚ፡ ብዛዕባ ዝብህጉዋን ትብህጐምን ኣወዳት ኣዕሩኻ ነደኣ ዘርዚራ ክትነግራ ደስ'ዩ ዝብላ።

ክሰሓሓባ እንከላዋ'ዩ ኵሉ ዝዝከራ።

"ሽዑ፡ ወይለይ፡ ናይ ብሓቂ ምስ ወላዲተይ እባ'የ ዝነብር ዘለኹ እብል" ትብል እናሰሓቐት።