መራሕቲ ትግራይ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ሰላም እንታይ ይጠልቡ?

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ጀሚሩ።

እቲ ትማሊ ሰኑይ ክጅመር ትጽቢት ተጌሩሉ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ብዝተፈጠሩ ምድንጓያት ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብመኽፈቲ ስነ-ስርዓት ከምዝጀመረን ፅባሕ 26 ጥቅምቲ ድማ ስሩዕ መደራደሪ ዛዕባታት ከም ዝቐርብን ምንጭታት ቢቢሲ ገሊፆም።

ወሃቢቃል መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ቪንሰንት ማግዌኛ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዘካይድዎ ልዝብ፡ ብሞንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ኰይኑ፡ ፍሉይ ልኡኽ እቲ ሕብረት ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ፣ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡህሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚሌ ማላምቦ-ናኩክን ዘተሓባብርዎ ምዃኑ ሓቢሩ።

“ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ንከብቅዕ መድረኽ ሰላማዊ ዝርርብ ተአንግድ ኣላ። ነቲ ኣብ ትግራይ ዝቕፅል ዘሎ ኣዕናዊ ጐንፂ፡ ሰላማውን ዘላቕን ፍታሕ ንምምፃእ ዝተሓስበ ሰላማዊ ዝርርብ ድማ፡ ካብ ሎሚ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 30 ጥቅምቲ ክካየድ እዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ዘተ ሰላም መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ንሓድሕዶም ብሸውዓተ ተዛተይቲ ከም ዝውከሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው፡ ሸውዓተ ተዛተይቲን ሓሙሽተ ኣካላት ፀጥታን ዝሓቘፈ ልኡኽ ጕጅለ ብ 23 ጥቅምቲ እዩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዩ።

ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኮለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤ፡ ዶክተር ፍስሃ ሃብተ ፅዮን፡ ኣይተ ካሳ ገብረዮውሃንስን ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃን ብወገን ትግራይ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ዘለው እዮም።

ተወካሊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኣውሮጳ ዶክተር ኣክሊሉ ሃይለሚካኤል ኣብ ጉዳይ እቲ ሎሚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ብፍሉይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ካብቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ፡ እቶም ሓሙሽተ ካብ ትግራይ ካብ መቐለ ከም ዝመፅኡን፡ እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ተወከልቲ መንግስቲ ትግራይ ኰይኖም ዘገልግሉ ከም ዝዀኑ ገሊፁ።

እዚ ዘተ ሰላም እዚ ንክዕወት ተስፋ ብምግባር ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘምርሑ ዝገለፀ ዶክተር ኣክሊሉ፡ ኣብቲ ዘተ ሰላም፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ካብ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ዝተወከሉ ተዓዘብቲ ከም ዝሳተፉ ሓቢሩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ኣብ ትግራይ “ብዙሕ ሰብ ይቕተል፡ ይመዛበልን ፆታዊ መጥቃዕቲ ይፍፀምን ብምህላዉ” መንግስቲ ትግራይ ብቐዳምነት ተዅሲ ደው ክብል ከም ዝጠልብ ገሊፁ።

እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ብዝብል ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተነቢሩ ዝፀንሐ ምቁራፅ ተፃብኦ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ምፍራሱ ስዒቡ ከም ብሓድሽ ብዝቐፀለ ኵናት፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ኣመዛቢሉ ኣሎ ዝበለ ዶክተር ኣክሊሉ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ትግራይ ክባፃሕ ከምዝጠልቡ ሓቢሩ።

ዶክተር ኣክሊሉ ወሲኹ፡ እዚ ሰላም እዚ ክመፅእ ዘይደሊ ናይ ደገ ሓይሊ ክብል ዝገለጾ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፅእ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ከምዘለዎምን ዓለምለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዓለምለኻዊ መራኸቢ ብዙሓንን ናብታ ክልል ክኣትውን ነቲ ኩነታት ክዕዘብዎ ከምዝደልዩ ገሊፁ።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ብተመሳሳሊ ሸውዓተ ተደራደርቲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉ ኰይኖም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ዝርከቦ ሸውዓተ ኣባላት ብዝሓዘ ጉጅለ ከም ዝውከል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢን ደመቀ መኮንን፣ ዶክተር ጌድዮን ጢሞቲዎስ፣ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ፣ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብዱልቃድር፣ ሌተናል ጀነራል ብርሃኑ በቀለን ዶክተር ጌታቸው ጀምበርን ቅድም ክብል ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተደራደርቲ ኮይኖም ዝተመዘዙ እዮም።

ልኡኽ ጉጅለ ተዛተይቲ ትግራይ እንመን እዮም?

ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ

ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣባል ማእከላይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ እዩ። እዚ ኮማንደር ሓይልታት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን፡ ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ።

ንሱ ኣብ1998 ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ክውላዕ ከሎ፡ ጀነራል ፃድቃን ቀላሲ ስርሒታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነይሩ።

ህወሓት ብምኽንያት እቲ ኲናትን ካልኦት ፖለቲካዊ ፍልልያትን ኣብ ክልተ ምስ ተገምዐ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊ፡ ነቲ ኣዛዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝነበረ ሙኩር ጀነራል ፃድቃን ካብ ስርሑ ኣሰናቢትዎ።

እዚ ጀነራል ደማዊ ኵናት ትግራይ ቅድሚ ምውልዑ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝነበረ ምውጣጥ ክፈትሕ ፃዕሪ የካይድ ምንባሩ ይግለፅ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ህወሓት ብመሪህነት ዝሓዘቶም መናእሰይ ዝበሃሉ ኣመራርሓ እዩ።

ኣይተ ጌታቸው፡ ኣብ ግዘ ስርዓት ኢህወደግ ኣባል ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት-ኢህወዴግን ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፅኡን ህወሓት ካብቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዘዳለዎ ውሁድ ውድብ ብልፅግና ንዓርሱ ምግላሉ ስዒቡ፡ ካብ መንግስቲ ፌደራል ተነፂሉ ምስ ኣመራርሓ ህወሓት ናብ ትግራይ ኣምሪሑ።

ብድሕሪኡ ወሃቢ ቃል ህወሓትን ሓላፊ እቲ ድሕሪ ኵናት ትግራይ ምውልዑ ዝተመስረተ ቤት-ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ትግራይን ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ ኣብ ግዘ ኢህወደግ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ኮይኑ ኣገለጊሉ።

ኣብ ግዘ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ድማ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክፍሊ ባህልን ዕብየት ቱሪዝምን ሚኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ካብ መንጎ ላዕለዎት ሰብመዚ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ እዩ።

ሕዚ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሎም ዝዛተዩ ዘለዉ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓደ እዩ።

ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን

ዶክተር ፍስሃ ሃብተፅዮን፡ ካብ ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይ ሓደ ኰይኑ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኵናት ኮነ ድሕሪኡ ዳይሬክተር ፖሊስን መፅናዕትን ትግራይ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን ድማ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኮይኑ የገልግል ኣሎ። ዶክተር ፍስሃ ሕዚ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሉ ምስ መንግስቲ ፌደራል ክደራደር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ መራሕቲ ትግራይ እዩ።

ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ

ገዲም ተጋዳላይ ኣሰፋ፡ ሓው እቲ ስሙይ ፖለቲከኛ ኣይተ ስየ ኣብርሃ እዩ። ሓደ እዋን ዋና ኣካየዲ ስራሕ ትካል ልምዓት መንግስቲ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ግዘ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ፡ ኣይተ ስየ ምስ ኩሎም ኣሕዋቱ እንትእሰር፡ ኣይተ ኣሰፋ እውን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተኣሲሩ። ካብ 1993 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ከኣ ንሸውዓተ ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ጸኒሑ።

ንሱ ኣብዚ እዋን እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ደማዊ ኵናት ብሰለማዊ መገዲ ዕልባት ክረክብ፡ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ዲፕሎማሲ ይነጥፍ።

ኮለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤን ኣይተ ካሳ ገብረዮውሃንስ

ኮለኔል ተወልደ ገብረትንሳኤን ኣይተ ካሳ ገብረዮውሃንስ እውን፡ ካብ ሞንጎ እቶም ንትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ሰላም ክሳተፉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኸቡ እዮም።

ትግራይ ካብቶም ሸውዓተ ተደራደርቲ ብተወሳኺ፡ ሓሙሽተ ኣካላት ፀጥታ እውን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝለኣኸት ተገሊጹ እዩ።