ፍሉጥ ርዋንዳዊ ነቓፊ ፕረዚደንት ካጋመ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣሜሪካ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, @CKANIMBA
እቲ ብቅሉዕ ንመንግስቲ ርዋንዳ ብምቅዋም ዝልለ ፖል ሩስስኣባጊና ካብቲ ኣብ ኪጋሊ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጻኡ ናብ ኣሜርካ ከም ዝኣተወ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዋይት ሃውስ፡ ኣፍሊጡ።
ንሱ በታ ኣብ 1994 ዝተሰርሐት ሆቴል ርዋንዳ ዘርእስታ፡ ንጃምላዊ ህልቂት ርዋንዳ እትድህስስ ኣብ 2004 ኣብ ዝተሰርሐት ፊልም፣ ከም ሓደ ጅግና ድሕሪ ምቕራቡ እዩ ስሙ ሰማይ ዓሪጉ።
ኣብ 2021 ብናይ ግብረሽበራ ክሲ ብቤት ፍርዲ ን25 ዓመታት ክእሰር እኳ እንተተፈርደ፡ ደገፍቱ ግን ናይ ሓሶት ፍርዲ ብምባል ይነጽግዎ። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ምፍቱሑ’ውን ፡ ሳላ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተኻየደ ዝርርብን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ መንግስቲ ኣመሪካን እዩ።
እቲ ኣካያዲ ሆቴል ነበር፡ ፍርዱ "ብትእዛዝ ፕረዚደንት’’ ምስተቐየረ፡ ናብታ ቀዋሚ ነባሪ ዝኾነላ ሃገረ ኣሜርካ ክምለስ ተፈቒዱሉ'ሎ ክብል ድማ ምስተፈትሐ መንግስቲ ሩዋንዳ ገሊጹ።
ጓሉ ካሪን ካኒምባ ብዛዕባ ምምጻእ ኣቡኣ ናብ ሳን ኣንቶንዮ ቴክሳስ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣብ መወዳእቱኡ ሎሚ ስድራቤትና ተጠራኒፋ ኣላ ። የቐንየልና ኩሉኹም ንኸተምጽእዎ ዝጸዓርኩም” ብምባል ኣብ ትዊተር ምስ ድኻም ዝመስል፡ ግን ከኣ ፍሽኽታ ዝመልኦ ስእሊ ናታን ናይ ኣቡኣን ብምልጣፍ ዘርጊሓ።
ብተወሳኺ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጄክ ሱሊቫን እውን ብወገኑ" ነቶም ምስ መንግስቲ ርዋንዳ ብምዃን፡ ኣብቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብምምስጋን፡ ስድራቤትን ፈተውትን ሩሰሳባጊና እዛ መዓልቲ ክትመጽእ ነዊሕ ተጸቢዮም’ዮም " ክብል ብመገዲ ትዊተሩ ጽሒፉ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታታት ብዕሊ ንፖል ካጋመ ክነቅፍ ዝጸንሐ ሩሰሳባጊና፡ ኣብ 2018 ብተንቀሳቕሲ ምስሊ ብምስናድ እቲ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዑ ነይሩ።
ደገፍቱ ከም ዝገልጽዎ፡ ኣብ 2020 ናብ ቡሩንዲ ክትወስዶ ዝተባህለት ናይ ውልቂ ነፋሪት ኣብ ኪጋሊ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ብምዕራፋ ከምዝተታሕዘ እዮም ዝዛረቡ።
እዚ ፍሉጥ ነቓፊ ፕረዚደንት ካጋመ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ በቲ ኣብታ ሃገር ኣብ 2018ን 2019ን ኤፍ.ኤል.ኤን ብዝበሃል ጉጅለ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ ዝሕተት።
ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ካብ ሚያዝያ 1994 ጀሚሩ ን100 መዓልታት ምጽንሑ ዝዝከር ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብ ብሄረ ቱትሲ ዝኾኑ 800 ሽሕ ሰባት ካብ ማሕበረሰብ ሁቱ ብዝመጹ ኣኽረርቲ ተቐቲሎም።
ኣቶ ሩሰሳባጊና ኣብ 1996 ካብ ሩዋንዳ ምስ ወጸ፡ ታሪኹ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ተሓቢኡ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሰከተማ ቤልጅየም ብራስለስ ከም መራሒ ታክሲ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ።
ኣብ 1998 ብዛዕባ እቲ ምጽናት ዓሌት ኣብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ተሳቲፉ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ 2004 ዶን ቺድል ዝተዋስአላ ናይ ሆሊዉድ ልዑል ጠለብ ዝነበራ ር ፊልም እያ ዓለምለኻዊ ዝና ዘምጺኣትሉ።
እቲ ናይ ሽዑ ኣካያዲ ሆቴል፡ ንኣስታት 1200 ሰባት ብምዕቋ ብ ካብቲ ዝነበረ ጎንጺ ከምዘድሓኖም ይግለጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







