ኣንጎላ ምስ ዕጡቓት ጉጅለ ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ብምፍሻሉ ናብ ዲ/ ኮንጎ ወተሃደራት ከምእተዋፍር ኣፍሊጣ

ዕጡቓት ጉጅለ ኤም23 ካብ ዝተቖፃፀርወን ዓዲታት ይስሕቡ ምህላዎም ይገልፁ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣንጎላ ምስ ዕጡቓት ጉጅለ ኤም23 ዝተበፅሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ምፍሻሉ ስዒቡ ናብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (ዲ.ኣር.ሲ) ወተሃደራዊ ኣሃዱ ክትሰድድ ምዃና ገሊጻ።

ክልቲኦም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ማለት’ውን ዓመጽቲ ኤም23ን ወተሃደራት መንግስትን፡ ነቲ ብሰሉስ ዝተጥሓሰ ምቁራፅ ተኹሲ መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን’ውን ናብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝኾነን ብዙሓት ዕጡቓት ጉጅለታት ዝርከቡሉን ከባቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝተዋፈረ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ 300 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክፈናቐሉ ከምዝተገደዱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልፅ።

እቲ ጎንፂ ኣብታ ምስ ሩዋንዳን ኡጋንዳን እትዳወብ ግዝኣት ሰሜን-ኪቩ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ብተነሓናሕቲ ጉጅለታት ዝተዘመተት ልምዕትን ኣኽራናት ዝመልኣን ከባቢ እያ።

ክሳብ ዓርቢ ብዝቕጽል ዝነበረ ውግእ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓቦ ሻቅሎት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ።

ሕብረት ኣውሮጳ ርእሰ ከተማ እቲ ዞባ ናብ ዝኾነት ጎማ ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ በረራ ስርሒት ጀሚሩ ኣሎ።

ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣንጎላ ኣብ ዘውፅኦ መግለጺ፡ ኣብቶም ብጉጅለ ዓመጽቲ ኤም23 ዝተትሓዙ ከባቢታት ሰላም ንምውሓስን ንተቖጻጸርቲ ትግበራ ስምምዕ ምቁራፅ ተኹሲ ንምሕላውን ወተሃደራቱ ከምዝዋፈሩ ሓቢሩ።

ኣካል ዞባዊ ሓይሊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ወተሃደራት ኬንያ’ውን ናብቲ ከባቢታት ተዋፊሮም ኣለዉ።

እቶም ብሩዋንዳ ከምዝድገፉ ዝንገረሎም ዓመጽቲ ብወገኖም ካብ ብዙሓት ዝተቖፃፀርዎም ዓድታት ክወፅኡ ምዃኖም ቅድሚ ዝተወሰነ ሰዓታት ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ኮንጎ፡ ሰራዊት ኣንጎላ ኣብ መኸተ ኣንጻር ዓመጽቲ ንምሕጋዝ ምምጽኡ ብሓጎስ ክቕበሎ ምዃኑ ይግለፅ።

ግን ድማ እዚ ጎንፂ ናብ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ኲናት ዝሰጋገረሉ ሓደጋ ከይህልው ተሰጊኡ’ሎ።

ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብቲ “ኣፍሪቃዊ ኲናት ዓለም” ብዝብል ዝግለፅን ኣብ ምብራቓዊ ዲ.ኣር.ሲ ዝተኻየደን ኲናት ብውሕዱ ናይ ሸሞንተ ሃገራት ኣፍሪቃ ወተሃደራት ተዋጊኦም ነይሮም። ኣዝዩ ሕሱም ስቅያት ሰላማውያን ዜጋታት ድማ ኣኸቲሉ።

ሩዋንዳ “ንዓመጽቲ ሁቱ ዕጥቆም ከፍትሕዎም ኣይከኣሉን” ብዝብል ነዊሕ ዓመታት ንሰበስልጣን ኮንጎ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ። ገሊኦም ካብቶም ዕጡቓት ድማ ምስቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ሩዋንዳ ዝተሓሓዙ እዮም።

ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰፊሕ መሬት ዝተቐፃፀረን ናብ ኣንፈት ከተማ ጎማ ክግስግስ ዝጸንሐን ጉጅለ ዕጡቓት ኤም23 ከምዘይትድግፍ’ውን ትገልፅ።

ተዋጋእቲ ኤም23 ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ንሰፊሕ ክፋል ሰሜን ኪቩ ተቖፃፂሮም ነይሮም፤ ኮይኑ ግን ብወተሃደራት ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ሓይልታትን ስለዝተደፍኡ ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም ነቲ ዝዓጠቕዎ ኣጽዋር ፈቲሖም።

ኣብ መእተዊ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ ዳግማይ ምጉጃል ጀሚሮም።