ኢራን፡ ኣሜሪካ ዝፈጸመቶም መጥቃዕቲታት 'ስትራተጂያዊ ጌጋ' ክትብል ገሊጻቶ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ነቲ ብዓርቢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕን ሶርያን ዝፈጸመቶን ኣብ መላእ እቲ ዞባ 85 ዕላማታት ዝወቐዐን መጥቃዕቲ ኣየር "ስትራተጂካዊ ጌጋ" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መዓስከራ ንዝተፈጸመን ሰለስተ ወተሃደራታ ዝቐተለን መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ጀሚራ ኣላ።
መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ምልሻ ነቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ፈጺሙ ብዝብል ተሓታቲ ይገብር።
ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ትማሊ ቀዳም ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ሑቲ’ውን ሓድሽ ዙርያ ሓባራዊ መጥቃዕቲ ጀሚረን ኣለዋ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዒራቕን ሶርያን ዝካየድ መጥቃዕቲ "ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪን ዘይምርግጋእን ካብ ምጕህሃር ወጻኢ ካልእ ውጽኢት ከምዘይህልዎ" ሓቢሩ።
ኣቐዲማ’ውን ዒራቕ፡ ብኣሜሪካ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ነቲ ዞባ "ኣዕናዊ ሳዕቤን" ከምጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቓ ነይራ።
ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ዝርከብዎም ብውሕዱ 16 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ዒራቕ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ወሃቢ ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ እቲ መጥቃዕቲ "ምግሃስ" ልኡላውነት ሃገሩ ምዃኑን፡ "ንጸጥታን ምርግጋእን ዒራቕ ይዅን እቲ ዞባ" ጽልዋ ከምዘሕድርን ገሊጹ።
ሶርያ ብወገና "ወራር” ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ መሬተይ “ክቕጽል ኣይክእልን" ክትብል ብትሪ ኣፍሊጣ።
ወተሃደራዊ መግለጺ ኣሜሪካ፡ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኮር ሓለዋ ሰውራ ኢራን - ሓይሊ ቕዱስን ምስኡ ዝተሓሓዙ ሚሊሻታትን ኢና መጥቃዕቲ ፈጺምና ይብል።
ሓያሎ ነፈርቲ ኣሜሪካ ዝተሳተፋ ኰይነን ብቐጥታ ካብ ኣሜሪካ ዝተበገሳ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ’ውን ነይረን።
ሶርያ ኣብ ኣርባዕተ፤ ዒራቕ ድማ ኣብ ሰለስተ ቦታታት ዝርከቡ ብድምር ልዕሊ 85 ዒላማታት ከምዝተሃርሙ ሰራዊት ኣሜሪካ ይሕብር
ኣብ መሬት ኢራን ግን ዝዀነ መጥቃዕቲ ኣይተኻየደን።
ድሕሪ'ቲ ብዓርቢ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣሜሪካ ሓደ መጥቃዕቲ ጥራይ ከምዝተፈጸመ ሓደ በዓል ስልጣን ምክልኻል እታ ሃገር ተዛሪቡ’ሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ "ኣብ ዝመረጽናዮ እዋንን ቦታታትን ክቕጽል'ዩ" ክብል ብምግላጽ እንተዀነ ሃገሩ "ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ይዅን ኣብ ካልእ ቦታታት ዓለም ግጭት ኣይትደልን" ኢሉ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ዮርዳኖስ ምስ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣሜሪካ ብሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ወተሃደራታ ድሕሪ ምማቶምን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ምቝሳሎምን’ዩ።
ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ ሚልሻ - እስላማዊ ተቓውሞ - በቲ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ከምዝዀነ ይገልጹ። እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብኢራን ዝተሰርሐት ኰይና ምስተን ናብ ሩስያ ዝሽየጣ ዘለዋ ትመሳሰል ምዃና’ውን ሓቢሮም።
ኢራን ግን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ መደበር ኣሜሪካ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነ ተራ ከምዘይብላ ብምግላጽ "ኣብ ውሳነታት ተቓወምቲ ጕጅለታት ኣይተሳተፈትን" ኢላ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢራን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዒራቕ፡ ሶርያን የመንን እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ፡ "ንዕላማታት ስርዓት ጽዮናውያን ጥራይ'ዩ ዘማልእ" ክብል መሓዛ ኣሜሪካ ንዝኾነት እስራኤል ጠቒሱ።
ሩስያ "እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሶርያን ዒራቕን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰላምን ድሕነትን ብዛዕባ ዝፈጠሮ ስግኣት" ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት "ህጹጽ" ኣኼባ ክካየድ ጸዊዓ’ላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







