ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ ንቤት ጽሕፈት ተቓዋሚ ውድብ ከቢቦም

ምንጪ ስእሊ, Bobi Wine/x/
ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ዩጋንዳ ቦቢ ዋይን፡ ሓይልታት ጸጥታ ካምፓላ ኣብ ድሮ እቲ ኣንጻር ብልሽውና ዝተወጠነ ሰልፊታት ተቓውሞ ንዋና ቤት ጽሕፈት ውድቡ ከምዝኸበብዎ ኣፍሊጡ።
ወተሃደራትን ፖሊስን ንቤት ጽሕፈታት መድረኽ ሃገራዊ ሓድነት (ኤን.ዩ.ፒ.) ናብ "ወተሃደራዊ ድፋዕ" ቀይሮምዎ ከምዝነበሩን፡ ንገለ ሰበስልጣን እቲ ሰልፊ "ብሓይሊ ከምዝኣሰሩን" ገሊጹ።
ፖሊስ ነቲ ማእሰርቲ ክሳብ ሕጂ ዋላ’ኳ ከረጋግጽ እንተዘይከኣለ ኣቐዲሞም ስጕምቲ ወሲዶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ኣዳለውቲ ናይቲ ተሓሲቡ ዘሎ ሰልፊ "ብሓዊ ይጻወቱ" ኣለዉ ክብል ብሰንበት ኣጠንቂቑ ከምዝነበረ ይዝከር።
መንእሰያት ዩጋንዳ ነቲ ልዑል ደረጃ ብልሽውናን ሕማቕ ምሕደራን እዩ ዝበልዎ ደው ክብል ንምሕታት ነቲ ሰልፊ ብኢንተርነት ደገፍ ከተኣኻኽቡ ጸኒሖም እዮም።
ነቲ ኣብታ ሃገር ንሰሉስ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ተቓውሞ ጸረ-መንግስቲ ዝወደቡ መንእሰያት፡ ብኸፊል ካብቶም ኣብ ጐረቤት ሃገር ኬንያ ኣንጻር መራሒኦም ብዘካየድዎ ከቢድ ተቓውሞ ምኽንያት ፕረዚደንት ሩቶ ሓሲብዎ ንዝነበረ ወሰኽ ግብሪ ክስርዝ ናይ ዝገበሩ መሳትኦም ጽልዋ ከምዘለዎም ይግለጽ።
ቦቢ ዋይን ብዝብል ናይ መድረኽ ስም ዝፍለጥ ኮኾብ ሙዚቀኛ ነበር ሮበርት ክያጉላኒን፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ፖለቲካዊ ውድብ ‘ነቲ ኣብ ዩጋንዳ ክካየድ ዝተወጠነ ተቓውሞ ይመርሖ ኣሎ’ ንዝብል ሓበሬታ ነጺግዎ'ሎ።
ይዅን እምበር ውድቡ "ኣንጻር በደል፡ ብልሽውናን ዘይቅኑዕ ምሕደራን ንምቅዋም ዝግበር ኵሉ ጻዕሪ" ከምዝድግፍ ገሊጹ።
ቦቢ ዋይን ንሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር "ፈራሓት" እዮም ክብል ዝኸሰሰ ኰይኑ ናብ ቤት ጽሕፈት ኤንዩፒ ዝወስድ ጽርግያታት'ውን ከምዝዓጸውዎ ኣብ ኤክስ ሓቢሩ።
ወሃቢት ቃል ፖሊስ ኪቱማ ሩሶከ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ንጥፈታት ኤንዩፒ ቀይሕ መስመራት ስለዘርኣየና ናይ ቅድመ ጥንቃቐ ስጕምትታት ወሲድና" ኢላ።
ቦቢ ዋይን፡ ዝሓየለ መራሒ ተቓዋሚ ሓይሊ ናይቲ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ እዩ፤ ብመንእሰያት ተፈታዊ ኰይኑ፡ ብዙሕ ግዜ ድማ ተኣሲሩ።
ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2017 ናብ ባይቶ ዝተመረጸ ቦቢ ዋይን፡ ኣብቲ ብዓፈና መንግስቲ ተሰንዩ ዝተኻየደ መረጻ 2021 ድማ ኣንጻር ሙሰቨኒ ተወዳዲሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ተቓወምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ንዝርከብ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክቈጻጸሩ ምዃኖም ተሓንዮም።
እቶም ሰልፈኛታት ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ከምኡ’ውን ንግዳያት ጭካነ ፖሊስ ፍትሒ ክወሃቦም ይጠልቡ ኣለዉ።
ኣብ ኬንያ ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ብዊልያም ሩቶ ዝምራሕ መንግስቲ ዘቕንዐ ተቓውሞታት ብ18 ሰነ ካብ ዝጅመር ንደሓር ኣብ ዘሎ ግዜ ዛጊት 50 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 423 ድማ ከምዝተጐድኡ ብመንግስቲ ዝምወል ሃገራዊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ይኣክል” ክብል ተሰሚዑ።
ቀንዲ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ዕላማ እቶም ሰልፈኛታት ከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ ምስ መንግስቲ ዝዀነ ይዅን ዝርርብ ቅድሚ ምክያዱ ንግዳያት ፍትሒ ክህሉ ኣለዎ ኢሉ።
መርገጺ ኦዲንጋ ነቲ ፕረዚደንት ሩቶ ንኣባላት ተቓወምቲ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ንምእታው ዝገበሮ ፈተነ ከዳኽሞ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







