ንፕረዚደንት 'ህዝቡ ዝኣሰረ ጋኔን' ኢሉ ዝጸረፈ ፓስተር ናጻ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቲ ኣብ ዓለም ዝነውሕ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ “ጋኔን” ኢሉ ዝጸረፈ ሚኒስተር ፍትሒ ነበርን ፓስተርን፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ነጻ ተለቒቝ።
ሚኒስተር ፍትሒ ኢኳቶሪያል ጊኒ ነበር ፓስተር ሩበን ማየ ንሱእ ማንጉ ብፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማ ይቕረታ ምስተገብረሉ እዩ ካብ ማእሰርቲ ወጺኡ።
እቲ ወዲ 82 ዓመት ፕረዚደንት እታ ሃገር፡ ኣብ 1979 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ኰይኑ ክሳብ ሕጂ ን45 ዓመታት ነታ ሃገር ይገዝኣ ኣሎ።
ፓስተር ሩበን ማንጉ ኣብ 2022 ብሰፊሑ ኣብ ዝተዘርግሐ ቅዳሕ ድምጺ፡ ነቲ ፕረዚደንት "ንህዝቡ ከም እሱር ዝሓዘ... ጋኔን! " ብምባል ብትሪ ብምንቃፉ እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ጸኒሑ።
እቲ ፓስተር ንመራሕ ሃገር ይቕሬታ ምሕታት ኣብዩ። ድሕሪኡ፡ 'ህዝባዊ ዕግርግር ብምልዕዓል' ተኸሲሱ፤ ዝዀነ ስብከት ከየካይድ ድማ ብሚኒስትሪ ፍትሒ ኢኳቶሪያል ጊኒ ተኣጊዱ።
ፕረዚደንት ኦብያንግ ብዝተፈላለያ ትካላት ተጣበቕቲ መሰላት ደቂሰብ ሓደ ካብቶም ሕሱማት መለኽቲ ገዛእቲ ኣፍሪቃ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
ኣብታ ሃገር ኣብ 2022 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ንሻድሻይ ግዜ ተወዳዲሩ፤ ዳርጋ 95 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ 'ብዓብላሊ ድምጺ' ከም ዝተዓወተ ይንገር።
ኣብታ ብነዳዲ ዝሃብተመት ሃገር ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዘይቅቡልን ዘይጽወርን ኰይኑ፡ ናጻ ፕረስ ከኣ ዘይሕሰብ እዩ።
ኣብቲ ናይ 2022 መረጻ፡ ወዱን ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገርን፡ "ሓይልን ብቕዓትን ሰልፊና ዘረጋገጸ ውጽኢት" ክብል መግለጺ ሂቡ ነይሩ።
ገለ ሕጹያት ተቓወምቲ ኣብቲ ውድድር ተሳቲፎም’ኳ እንተነበሩ ዋላ ሓደ ክዕወት ትጽቢት ዝተገብረሉ ግን ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ኦብያንግ ነታ ሃብታም ሃገር ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ወሰንቲ መንግስታዊ ሓላፍነታት ሰዂዑ ስልጣኑ ኣዳልዲሉ እዩ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1979 ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሓዞ ስልጣን፡ ናብኡ ዝቐንዐ ብዙሕ ፈተነታት ዕልዋ መንግስቲ ኣፍሺሉ እዩ።
ፓስተር ሩበን ማንጉ፡ ኣብ ምሉእ ግዜ ማእሰርቱ መሰል ጠበቓ ከምዘይረኸበን፡ ኣብ ፍርዲ’ውን ከምዘይቀረበን ብሰኑይ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
"ኣብ ከልካሊ ቀይዲ እየ ነይረ" ክብል ድማ ጠቒሱ።
ብዓርቢ ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ፡ እቲ ፓስተርን ካልኦት 19 ሰባትን ይቕረታ ከምዝተገብረሎም ኣፍሊጡ።
"እቶም ኣብዚ ድንጋገ'ዚ ተጠቒሶም ዘለዉ ተቐበልቲ ጸጋ ምሕረት፡ ንስሓ ናይ ዝኣተዉ ዜጋታት ባህሪ ከንጸባርቝ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ’ውን ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ’ሎ።
ሩበን ማንጉ ዝተቐብአ ፓስተር ጴንጠቆስጠ ኰይኑ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ‘ጽላሎት ክርስቶስ’ ትንቢታዊ ኣገልግሎት ይህብ።
ካብ 1998 ክሳብ 2004 ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ኰይኑ ዘገልገለ እቲ ፓስተር፡ ኣብቲ ዓመት ኣብታ ሃገር ድሕሪ ዘጋጠመ መንግስታዊ ነውጺ፡ ብፕረዚደንት ቴዎዶር ኦብያንግ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
ኣብ 2007 ድማ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ቀዋሚ ወኪል ኢኳቶርያል ጊኒ ኰይኑ ተመዚዙ። ኣብ 2013 ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኰይኑ ተሸይሙ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ 'ንሓንቲ ጓል ደፊሩ' ተባሂሉ ተጠርጢሩ ነይሩ፤ ዲፕሎማስያዊ ናጽነት ስለ ዝነበሮ ግን ኣይተኣሰረን።
እቲ ፓስተር ነቲ ሽዑ ዝቐረበሉ ክሲ ክሳብ ሕጂ ምላሽ ኣይሃበሉን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







