ጌታቸው ረዳ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ተሸይሙ

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ስልጣን ፕረዚደንትነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘረከበ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብምኒስተርነት ተሸይሙ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓጺር መግለጺ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ'ሎ።

"ካብ 3 ሚያዝያ 2017 ጀሚሩ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣማኻሪ ምኒስተር ክኸውን፡" ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተሸየመ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣቶ ጌታቸው ንኽልተ ዓመት ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋል፡ ኣብዚ ሰሙን ንጀነራል ታደሰ ወረደ ስልጣኑ ከም ዘረከበ ይፍለጥ።

ዝሰርሓሎም መንግስታዊ ሓላፍነታት

  • ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዳይረክተር ፓብሊክ ዲፕሎማሲ
  • ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዳይረክተርነት ናብ ዋና ዳይረክተርነት ደይቡ
  • ምኒስተር ጉዳያት መስተራኽብ (ኮምዩኒከይሽን) መንግስቲ
  • ፍሉይ ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር (ኣብ ግዜ ቀዳማይ ምኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ)
  • ኣብ ኣላማጣ ተመሪጹ ናብ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣትዩ ነይሩ።

ጌታቸው፡ ግዜ ቍልዕነትን ትምህርትን

ጌታቸው ረዳ ኣብ ሰነ 1967 [ግእዝ] ካብ ኣቶ ረዳ ካሕሳይን ወይዘሮ ዓፈራ ተበጀን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ከተማ ኣላማጣ ተወሊዱ።

ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዝኣተወ ኰይኑ፡ ገና ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ንትምህርትን ንባብ መጻሕፍትን ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩዎ።

ምስ መማህርቱን መተዓብይቱን ናይ ትምህርትን ጸወታን ግዜ እኳ እንተ ነበሮ፡ እቲ ንመጻሕፍቲ ዝነበሮ ፍቕሪ ግን ምስኦም ንዘሕልፎ ግዜ ይድርቶ ነበረ።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ዝተመሃረ ኰይኑ፡ ዝለዓለ ውጽኢት እናረኸበ ንወለዱ ዘሐጕስን ንንኣሽቱ ኣሕዋቱ ኣብነት ዝዀነን ተመሃራይ እዩ ዝነበረ።

ብፍላይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስ በጽሐ ዘንብቦም መጻሕፍቲ ትምህርታዊ ጥራሕ ዘይኰኑስ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፉ ሓደስትን ዝነበሩን መጻሕፍቲ ደልዩ እናረኸበ ግዜኡ ኣብ ምንባብ ጥራሕ ከሕልፎ ይመርጽ ነበረ።

ብዓል ኒቸ፡ ካርል ማርክስን ለኒንን ዝጸሓፉዎም ብዙሓ ዓመታት ዘቝጸሩ መጻሕፍቲ፡ ካብ መንጎ እቶም ገና ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኰይኑ ዘንበቦም ይርከቡዎም።

ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ናይ ሽዑ ቤት ትምህርቲ 'ታዳጊዋ ኢትዮጵያ' ኣብ 1985 ምስ ወድአ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ዝለዓለ ውጽኢት ስለ ዝረኸበ፡ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ኣተወ።

ካብ መምህርነት ናብ ፖለቲካ

ጌታቸው ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምምራቑ ናብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ብመምህርነት ዝተጸምበረ ኰይኑ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህር ሕጊ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣገልገለ።

ኣብ ፈለማ 1990ታት [ግእዝ] ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ካልኣይ ዲግሪ (ማስተርስ) ክረክብ ዝበቕዐ ኰይኑ፡ ዳግማይ ናብቲ ብመምህርነት ዝሰርሓሉ ዝነበረ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ተመልሰ።

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ግን ብመምህርነት ነዊሕ ኣይጸንሐን፣ ኣብ 1997 ኣብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ብሓላፍነት ስራሕ መንግስቲ ስለ ዝተሸየመ ናብ ኣዲስ ኣበባ ግዓዘ።

ካብ ሞያ መምህርነት ወጺኡ ናብ ፖለቲካን መንግስታዊ ስልጣንን ካብ ዝኣቱ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ሓላፍነት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ብፍላይ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስትርን ነዊሕ እዋን ዝሰርሓሎም እዮም።