ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ ተራ ወተሃደር ክሳዕ መራሒ ትግራይ

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብቲ 17 ዓመት ዝወሰደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ትግራይ'ውን፡ ካብ ተራ ወተሃደር ክሳብ ኣዘዚ ኮር ኰይኑ ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ።

ነቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝቐፀለሉ እዋን፡ ምስ ሓላፊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢታማጆር ሹም ብርሃኑ ጁላ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ዘተ ኮፍ ኢሉ ተላዚቡ።

እንተዀነ፤ ምስ'ቲ ንሱ ዝመርሖም ዕጡቓት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ክልል ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ፖለቲካዊ ውግንናኡን ፀግዑን ሕቶ እናተልዓሎ ፀኒሑ እዩ።

ነቲ ካብ መንበሩ ተላዒሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዕቚቡ ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ተኪኡ፡ መራሒ እታ ክልል ኮይኑ ዝተሾመ እዚ ጀነራል፡ ብኸመይ ኣብዚ በፂሑ? ንድሕሪት ምልስ ኢልና ብሓፂሩ ንርአ።

'ወዲ ወረደ'፡ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ

ኣብ ማእከል እንደርታ - መቐለ - ተወሊዱን ኣብታ ከተማ ዓብዩን። ኣብቲ ፅቡቕ ስም ዘትረፈ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ተምሃራይ እንከሎ፡ ኣብ እዋን ንእስነቱ ናብ ቀልሲ ዝወረደ 'ወዲ ወረደ'፡ ኣብ መበል 49 ዓመት ቃልሱ ረጊፁ ይርከብ።

ኣብቲ እዋን ብምንቅስቓስ ተምሃሮ ኣዲስ ኣባበ ዩኒቨርሲቲን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ከም ዝተፀልወ፡ ህወሓት ለካቲት 1967 (ግእዝ) ዳርጋ ካብ እጥጆ ኣትሒዙ፡ ኣባል ስርዒት ከተማ ከም ዝነበረ፡ ሓደ እዋን ባዕሉ ንተለቪዥን ትግራይ ዝተዛረቦ ይምስከር።

ኣብቲ 'ወለዶና ዝሓቶ ቃልሲ እዩ ነይሩ' ዝብሎ ምስ ብዙሓት መዘናታቱ ተኣኪቦም ብ2 መጋቢት 1968 (ግእዝ) ናብ ሜዳ ወፂኦም፣ ማርዋ ኣብ ዝተባህለ (መሬት ኢሮብ) ተዓሊሞም ድማ ብዕሊ ተጋዳልቲ ህወሓት ኰኑ።

ካብቶም ሓቢሮሙዎ ዝወፅኡ መዘናታቱ ብህይወት ዘሎ ዳርጋ ንሱ ጥራሕ ከም ዝዀነ እዩ ዝዛረብ።

ኣብቲ እዋን፡ ክልተ ጋንታታት ህወሓት ጥራሕ ዝነበራ ኰይነን፡ 'ሓይሊ ወያነ' ናብ ዝብል ጋንታ ከም ዝተመደበ ይገልጽ።

ካብ 1969 ክሳዕ 1972 (ግእዝ) ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት መሪሕነት፡ 'ኮሚሳር' (ፖለቲካዊ ስርፀት) ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ካብ መወዳእታ 1972 ክሳዕ መጀመርታ 1974 ድማ ኮማንደር ቦጦሎኒ፣ ካብኡ ድማ ክሳዕ ፍርቂ 1979 ኮማንደር ብርጌድ ኰይኑ መርሐ። መጋድልቱ፡ "ዳርጋ ንሱ ዘይተሳተፈሎም ፅንኩራት ውግኣት የለውን፡" እዮም ዝብሉ።

ኣብ ትሕቲ እቲ ኣዝዩ ግኑንን ፍቱውን ወተሃደራዊ መራሒ ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያ ዝነበረ ተጋዳለይ ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ሓይሊ 73 ከም ኣመራርሓ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ውግኣት እጃሙ ኣበርኪቱ።

ኮማንደር ብርጌድ 43 ኰይኑ ድማ ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ቀይሕ-ኮኾብ ኣብ ዝነበሩ ውግኣት ተሳቲፉ። ካብ ሜዳ ኤርትራ ድሕሪ ምምላሱ ድማ ዓዲ ጎዞሞ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ብርጌዱ መሪሑ ተዋጊኡ።

ኣብቲ እዋን ዝተፋለጦም፡ ገለ ኣዘዝቲ ህግሓኤ ክሳዕ ደሓር ጽኑዕ ዕርክነት መስሪቱ ከም ዝቐፀለ ይዛረብ።

ካብኡ ቀፂሉ፡ ኣብቶም ከም ሓደ ነጥበ-መቐይሮ'ቲ ቃልሲ ተገይሩ ዝውሰድ፡ ምድምሳስ ኮራት 604ን 605ን (ውግእ ሽረ) ኣዛዚ ኮር ብምዃን ኣዋጊኡ።

እቲ ቃልሲ ዳርጋ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ኣብ ዘምረሓሉ እዋን ድማ ካብ 1979 (ግእዝ) ጀሚሩ፡ ብመሰረት ሓድሽ ኣወዳድባ፡ ሰለስተ እዚታት ህወሓት ዝነበራ ኰይነን፡ ኣዛዚ ክንፊ ሓደ መሪሑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ

ግንቦት 1983 ዓ.ም [ግእዝ] ደርግ ምስ ተደምሰሰ፡ ኣዛዚ ደቡብ-ምዕራብ ኰይኑ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጸጥታ ናይ ምርግጋእን ወሰንቲ ዕማማት ሰሪሑ ተባሂሉ ይንኣድ።

ገለ እዝታት ምስ ተዓፀፋ ድማ ምኽትል ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ነይሩ። ኣብ 1987 ምትዕርራይ ምስ ተገበረ ድማ ሓላፊ ማእከል መሰልጠኒ ኣዋሽ ኣርባ ብምዃን ተመዝዘ።

ኣብ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ኣዛዚ ኮር ኣብ ግንባር ቡሬ ብምዃን ተሳተፈ። ኣብቲ መወዳእታ ናይቲ ደማዊ ኲናት ክልቲአን ሃገራት፡ ምክትል ኣዛዚ ጠቕላላ ናይቲ ግንባር ብምዃን ይመርሕ ምንባሩ ሰነዳት ይሕብሩ።

ካብ 1994 ክሳዕ 2005 (ግእዝ)፡ ሓላፊ ዋና መምርሒ ስልጠና ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ብምዃን ዘገልገለ ኰይኑ፡ ካብ መወዳእታ 2003 ክሳዕ መወዳእታ 2004 ንሓደ ዓመት ድማ ኮማንደርን ላዕለዋይ ተፀዋዕን ዓቃቢ ሰላም ኣብየ (ደቡብ ሱዳን) ኰይኑ ሰሪሑ።

ብመዓርግ ኮሎነል ኰይኑ ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ስራሕ ዝጀመረ፡ ብ1991 ብርጌደር ጀነራል፡ ኣብ መወዳእታ 2005 ድማ ሌተና ጀነራል ኰይኑ ብጥሮታ ተሰናበተ።

ብዓቕልን ስቕታን ዝፍለጥ ወዲ ወረደ፡ መቓልስቱ 'ርጉዕ፡ በሊሕን መስተውዓልን ተዋጋኣይ' ብዝብል ይፀርሑዎ።

ኣብ ኲናት ትግራይ

ምስ ምምፃእ ቀዳማይ ምኒሰተር ኣቢይ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝነበሩ ናይ ክልተ ዓመታት ፍሕፍሕ፡ 'ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ' ክወድብ በቲ ኣብቲ እዋን መራሒ ትግራይ ዝነበረ ዶ/ር ደብረፅዮን ዝተሓረየ ምዃኑ ይዝረብ።

እቲ ኲናት ትግራይ ቅድሚ ምጅማሩ ዝዓረፈ ጀነራል ኣብርሃ ኳርተር፡ ኣብ ሓፂር እዋን ዘሰልጠኖም ኮማንዶታት፡ ኣብቲ ቃልሲ ዝነኣድ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ይንገር።

እንተዀነ፡ ወዲ ወረደ ምስቲ ምሉእ ጀነራል ዝዀነ ኣብርሃ ኳርተር፡ ገለ ዘይምርድዳኣት ከም ዝነበሮ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።

ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኰነ ሰላም ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ኰይኑ ቀፂሉ ኣሎ።

እቲ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ስዒቡ፡ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ ሓደ ወርሑ ዝተበተነ ኰይኑ፡ ቀንዲ ኣካል'ቲ ኣብ በረኻ ዝቘመ ገባርን ሓዳግን እቲ ቃልሲ - ሸውዓተ ሰባት ጥራሕ ኣባላት ዝነበሩዎ - ማእከላይ እዚ (ሰንትራል ኮማንድ) እዩ ነይሩ።

ስለዝዀነ'ውን፡ ኣብቲ ነፍስወከፍ ህይወት ሚልዮናት ተጋሩ ዝፀለወን ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘናግዐን ኲናት ዝተሳተፈ ሰብ እዩ።

ታሪኽ ኲናት ትግራይ እንክለዓል፡ ብሕማቕ ኰነ ብፅቡቕ፡ ስሙ ሓቢሩ ምልዓሉ ዘይተርፍ ኣገዳሲ ሰብ ኰይኑ፡ ኣንፈት እቲ ኲናት ኣብ ምውሳን ኰነ እቲ ኲናት ኣብ ምውጣን ልዑል ተራ ከም ዝነበሮ ይዝረበሉ።

ቅድሚ እቲ ኲናት፡ ክንድ'ቲ ዝንገረሉ ዝኣክል እኹል ሰራዊት "ኣይወደበን" ተባሂሉ ዝንቀፍ ኰይኑ፡ ካልእ ሕቶ'ውን ይለዓሎ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት፡ ንሓይልታት ትግራይ ዝለዓለ መስዋእቲ ከም ዘኸፍሎም ዝንገረሉ ውግእ ግንባር ደብረብርሃን፡ ካብ መራሕቲ ውድብ ህወሓት ብዝተገብሮ ፅዕንቶ፡ "ዘይኣመነሉ ውግእ ኣካይዱ፡" ተባሂሉ ይንቀፍ።

ከም መራሒ ትግራይ

ኣብቲ ኣካታዓይ ምቋም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ካብ ከይዲ ምጥያሱ ጀሚሩ ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ኰይኑ፡ ከም ምክትል ፕረዚደንት- ሓላፊ ፀጥታን ሰላምን- ኰይኑ መሪሑ እዩ።

ኣብቲ ክልል በቲ ወዲ ወረደ ዝመርሖም፡ ንኽንፊ ህወሓት ከም ዝድግፉ ዕላዊ ዝገበሩ ዕጡቓት ምምሕዳራት መቐለን ዓዲግራትን ምቍፅፃሮም ስዒቡ ስግኣት ዝተሰመዖ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዓዘ ኰይኑ፡ ንሱ ዛጊድ ኣብ መንበሩ ይርከብ።

ካብ ሰራዊት ኰነ ካብ ዝዀነ ሓይልታት ፀጥታ ዝበፅሖ ስግኣት ዘይብሉ 'ዲፋክቶ' መራሒ እታ ክልል ኰይኑ ዝፀንሐ ጀነራል ታደሰ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ሓንቲ ናይ ብሕቲ ሚድያ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሐትት፡ ነቲ ወቕታዊ ወጥሪ ትግራይ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ "ሰዓራይን ተሰዓራይን ዘይብሉ ኵነታት እዩ፡" ክብል ገሊፁዎ።

እንተዀነ "እቲ ኵነታት ዝተወድአ ዝመሰሎ እንተ'ሎ ተጋግዩ፡" ዝበለ ኰይኑ፡ 'ኣዝዩ ድቃስ ዝኸልእ ኵነታት' ክብል ስግኣቱ ኣንፀባሪቑ። እንተዀነ፡ ስጕምቲ እቶም ዕጡቓት ክነቅፍ ኣይተሰምዐን።

ነዚ ፍፃመ'ዚ ስዒቡ፡ ጀነራል ታደሰ ካብቲ ሓደ ክንፊ ህወሓት ምሉእ ውክልና ማእከላይ ኮሚቴ ዝረኸበ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ነዚ ክቕበል ዝተገደደ ይመስል።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ህዝቢ ትግራይ መራሕቱ ብ'ኢመይል' ክረቍሕ ምሕታቱ ከዘራርብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ዕላዊ ከይኰነ እንተፀንሐ'ኳ፡ ሓላፍነት ፕረዚደንትነት ክሽከም ቅቡልነት ረኺቡ ከምዝፀንሐ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

"ንዅሎም በብገፆም እናጠበረ ኣብዚ ቦታ ዝበፅሐ ይመስል፡" ይብል ሓደ ተዓዛቢ ፖለቲካ እቲ ክልል።

"ንፉዕ ወተሃደራዊ መራሕን ኣዛዝን እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ከመይ ከም ዝኸውን ግን እንድዒ፡" ይብል'ቲ ፈላጢ ውሽጢ።

ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ጀነራል እንታይ ዓይነት ፖለቲካዊ ኰነ ወተሃደራዊ ኣንፈት ከም ዝኽተል፡ ኣዝዩ ዘይተገማቲ ፖለቲካ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ርኡይ ቦታ ዘለዎ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ኣብ ቅርቅርቲ ፖለቲካ እዚ ኣካታዓይ ክልል ኰይኑ፡ እንታይ ኰን የዐውት ይኸውን ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ።

ኣብታ፡ ድሕረ-ዂናት ቅልውላው እትርከብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ሓይልታት ዝርከብ ሰፋሕቲ ግዝኣታት ኣምሊሱ፡ ኣደዳ ቍርን ፀሓይን ኰይኑ ዝርከብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢዶ ናብ መረበቱ ይመልስ ይኸውን?

ወይስ፡ ምስቲ ዘሎ ዞባዊ ወጥሪ፡ ምስ መንግስቲ ፈደራል ወይ ድማ ምስ መንግሰቲ ኤርትራ ተመሓዝዩ፡ እታ ክልል ዓውደ ኲናት ይገብራ ዝብል ስግኣት ኣሎ።