እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩዋንዳ 4000 ኣብያተ ክርስቲያን ዝዓጸወትሉ ምኽንያት እንታይ'ዩ?
ኣብ ሩዋንዳ ልዕሊ 4000 ኣብያተ ክርስትያናት ምስ ምጥሓስ ደንቢ ጥዕናን ድሕነትን ብዝተሓሓዝ ተዓጽየን። ልዕሊ ዓቐን ድምጺ’ውን ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊጹ።
እቲ ወፍሪ ምዕጻው ንመብዛሕትአን ንኣሽቱ ኣብያተ ክርስትያናት ጴንጠቆስጠን ውሑዳት መሳጊዳትን ዝጸለወ ኰይኑ’ሎ። ገሊአን ኣብ በዓትታት ወይ ኣብ ገምገም ሩባታት ኣገልግሎት ዝህባ እየን።
ሚኒስተር ምምሕዳር ከባቢ ዣን ክላውድ ሙሳቢማና ንመንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ሰባት ንኸይጽልዩ ንምክልኻል ዘይኮነስ ድሕነትን ቅሳነትን ኣመንቲ ንምውሓስ'ዩ" ኢሉ።
እዚ ስጉምቲ ምዕጻው፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝወጸአ ሕጊ ቁጽጽር ቦታታት ኣምልኾ ስዒቡ ዝተወሰደ ዝዓበየ ወፍሪ እዩ።
እቲ ሕጊ፡ ብዝተወደበ መንገዲን ኣብ ውሑስ ኵነታትን ኣገልግሎት ክህባ ዝጠልብ ከምኡ’ውን ዓው ዝበለ ድምጺ ምጥቃም ቅጽዓት ከምዘስዕብ ይድንግግ።
ኹሎም ሰበኽቲ ከኣ ቅድሚ ቤተ ክርስቲያን ምኽፋቶም ስነ መለኮታዊ ስልጠና ክወስዱ የገድድ።
እቲ ሕጊ ኣብ 2018 ኣብ ዝጸደቐሉ እዋን ኣስታት 700 ኣብያተ ክርስቲያናት ተዓጽየን ነይረን።
ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ፡ እታ ሃገር ብዙሓት ኣባይቲ ኣምልኾ ከምዘየድልያ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን 99 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ንራብዓይ ግዜ መረጻ ከም ዝተዓወተ ዝተገለጸሉ ካጋመ፡ ብድዅም ናጽነት ምዝራብን ብጽኑዕ ቍጽጽር ሕብረተሰብን ይንቀፍ።
ኣብያተ ክርስቲያናት ነቲ ደንቢ መሊአን ንምኽባር ዝነበረን ናይ ሓሙሽታት ዓመት ዕድል ክጥቀማ ብዘይምኽኣለን እዚ ተሪር ስጉምቲ ይውሰደን ከምዘሎ ሰብመዚ ይገልጹ።
ገለ ካብተን ዝተዓጸዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዳስ ኣገልግሎት ይህባ ብምንባረን ንኣምለኽቲ ንሓደጋታት ከምዘቃልዕ ሓላፊት ቦርድ ምሕደራ ሩዋንዳ ኡስታ ካይተሲ ተዛሪባ።
ክሳብ ሕጂ 4,223 ናይ ኣምልኾ ቦታታት ከምዝተዓጸዋን ካብዚኣተን ከኣ እተን 427 ኣብ በዓትታት ኣገልግሎት ይህባ ከምዝነበራን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።
መብዛሕትኦም ሩዋንዳውያን ክርስትያን ኮይኖም ውሑዳት ዘይበሃሉ’ውን ንባህላዊ ልምድታት ይኽተሉ።
ኣብያተ ክርስትያናት ጴንጠቆስጠ እታ ሃገር መብዛሕቲኡ እዋን ተኣምራት ክንገብር ንኽእል ኢና ብዝብሉ ሰበኽቲ ዝመሓደራ ኮይነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ወሰኽ ኣርእየን እየን።
ገሊአን ኣብያተ ክርስትያን ገዘፍቲ ኰይነን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣምለኽቲ ይስሕባ። ገሊአን ከኣ ብዘይ ፍቓድ ኣብ ዝተሃንጹ ነኣሽቱ ህንጻታት ኣገልግሎት ይህባ።