እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርዋንዳ፡ ንራብዓይ ግዜ ንክምረጽ ዝወዳደር ዘሎ ካጋመን ኩነታት እታ ሃገርን
ን24 ዓመታት ንርዋንዳ ዝመርሓ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ኣብቲ ንራብዓይ ግዜ ንኽምረጽ ዝካየድ ምርጫ ብገፊሕ ክስዕር ከም ዝኽእል’ዮም ተንተንቲ ዝሕብሩ ዘለዉ።
ንርዋንዳ ካብ 2000 ጀሚሩ ዝመርሓ ዘሎ ፖል ካጋመ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫታት ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ’ዩ ክስዕር ጸኒሑ፤ ብፍላይ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 99 ሚኢታዊት ድምጺ’ዩ ረኺቡ።
ወዲ 66 ዓመት ካጋመ እቲ ንሱን ካልኦትን ዝመርሕዎ ዝነበሩ ዕጡቅ ጉጅለ ኣብ መወዳእታ 1994 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ክሳብ ሎሚ ኣብ ዝልዓለ ጽፍሑ ብምዃን’ዩ ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ።
ርዋንዳ ኣብ 1994 ዓሌት ሁቲ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ጃምላዊ ህልቂት ብምፍጻም ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ልዕሊ 800 ሽሕ ከም ዝቐተሉ ዝዝከር ኰይኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ከምዚ ነውጺ እንከላ’ዩ እቶም ብዓል ካጋመ ዝመርሕዎም ዕጡቃት ነታ ሃገር ተቘጻጺሮማ።
ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ ካጋመ ሓድነት እታ ሃገር ኣብ ምድልዳል ብዝገበሮ ኣበርክቶ ብብዙሓት ክውደስ ክኢሉ’ዩ።
ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ተመራማሪ ዝዀነ ዶክተር ፍሌክስ ንዳሂንዳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ትንታነ “ቅድሚ 30 ዓመታት ርዋንዳ ፍጹም ዝተደምሰሰት ሃገር’ያ ነይራ። እንተዀነ ብፖል ካጋመ ዝምራሕ ሰልፊ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ነገራት ሃዲኡ’ዩ፤ ምስጋና ከኣ ይግብኦም’ዩ” ኢሉ።
እንተዀነ ካጋመ ይውደስ ጥራይ ኣይኰነን።
ንዕኡ ዝቓወሙ ክወዳደርዎ ከም ዘይፈቕድን፡ ክሳብ ናብተን ዝተሰደድወን ሃገራት ሰባት እናልኣኸ ቅንጸላ ከም ዘካይድን’ውን ይንገረሉ።
እንተዀነ ካጋመ፡ ሃገሩ ሰብኣዊ መሰላት ከም እተኸብርን ኣብታ ሃገር ፖሎቲካዊ ነጻነት ከም ዘሎን’ዩ ብተደጋጋሚ ዝሕብር።
ሓደ ተንታኒ ፖሎቲካ እቲ ዞባ ግን እቲ ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ ምርጫ ‘ስማዊ’ ከም ዝዀነ’ዩ ዝገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ኣስታት ትሽዓት ሚልዮን ሰባት ድምጾም ክህቡ ክምዝገቡ እንከለዉ ካብዚኦም ብውሕዱ እቶም ክልተ ሚልዮን ንመጀመርታ ግዜ ድምጾም ከም ዝህቡ ኮምሽን ምርጫ እታ ሃገር ይሕብር።
ኣፈናዊ ውጽኢት እቲ ምርጫ ሰሉስ ንግሆ ክሕብር ትጽቢት ይግበር።
ኣድመጽቲ ፕረዚደንትን 53 ኣባላት ታሕተዋይ ባይቶን ሎሚ ሰኑይ ክመርጹ’ዮም፤ ሰሉስ ከኣ 27 ኣባላት ሃገራዊት ባይቶ ንምምራጽ ድምጾም ክህቡ’ዮም።
ሲልቭያ ምቶኒ ዝተባህለት ርዋንዳዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል “ንመጀመርታይ’የ ከድምጽ፤ ኣዝየ’የ ተሃንጥየ ዘለኹ” ኢላ።
መብዛሓትኦም መንእሰያት ርዋንዳ ብፍላይ ከኣ እዞም ሕጂ ንመጀመርታ ግዜ ዝመርጹ ዘለዉ፤ ኣብ ዕምሮም ብጀካ ፖል ካጋመ ካልእ መራሒ ኣይርኣዩን።
ካጋመ ካብ 1994 ክሳብ 2000 ምክትል ፕረዚደንትንት ሚኒስተር ምክልኻልን ኣብ ዝነበረሉ’ውን እንተዀነ ነታ ሃገር ዳርጋ ንሱ’ዩ ዝመርሓ ነይሩ፤ ኣብ 2000 ከኣ ብወግዒ ፕረዚደንት ኰይኑ።
ኣብዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ ፍራንክ ሃቢዝማን ካብ ሰልፊ ‘ዲሞክራቲክ ግሪን’ ከምኡ ከኣ ብውልቁ ዝወዳደር ዘሎ ፍሊፕ ምፓዪማን ይወዳደሩ ኣለዉ።
ክልቲኦም ኣብቲ ኣብ 2017 ዝተኻየደ ምርጫ’ውን ተወዳዲሮም ነይሮም።
እንተዀነ ብድምር ትሕቲ 1 ሚኢታዊት ድምጺ ጥራይ’ዮም ረኺቦም።
ፍራንክ ሃቢዝማን ምስ ቢቢሲ ፎኦስ ኦን ኣፍሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት “ኣነ ዲሞክራሲ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ’ዩ ዝርድኣኒ” ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ “ክሳብ ሕጂ ሰባት ሓሳባቶም ንኽገልጹ ፍርሒ ኣለዎም። ኣነ ከኣ ነዚ ንምስባር ሓሳብካ ብነጻ ንምዝራብን፡ ንናጽነትን ሚድያታትን’የ ዝቃለስ ዘለኹ” ኢሉ።
ብዙሓት ሰዓብቲ’ውን ክረክብ ክኢሉ’ዩ።
ጓል 28 ዓመት ሰለስቲን ሙቱየየዙ ደጋፊት ካጋመ’ያ ነይራ።
ሕጂ ግን ንፍራንክ ሃቢዝማን ክትመርጽ መዃና’ያ ትሕብር።
“ፍራንክ ሃቢዝማን ሸቕለት ኣልቦነት ንምጉዳል ጽቡቕ ሓሳባት ኣለዎ በዚ ከኣ ድምጸይ ንኽህቦ ቀሲብኒ ኣሎ” ትብል። እንተዀነ ንካጋመ ምስዓር ከቢድ ምዃኑ’ዩ ዝግመት።
ድያነ ርዊገራ ንፕረዚደንት ካጋመ ብግልጺ ካብ ዝነቕፉ ርዋንዳውያን’ያ።
ኣብ 2017 ንፕረዚደንትነት ከይትወዳደር ተኸልኪላ ነይራ፤ ሎሚ ዓመት’ውን ብተመሳሳሊ ከይትወዳደር ተኸልኪላ።
ንሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “ርዋንዳ ቁጠባዊ ገስጋስ ተመዝገብ ከም ዘላ ገይርካ’ዩ ዝግለጽ። እንተዀነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ካልእ’ዩ። እቲ ኣብ ህይወት መሰረታዊ ጠለባት ዝዀነ መግቢ፡ ማይን መዕቀልን’ውን ዘይረኸበ ህዝቢ ኣሎ” ትብል።
ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ድያነ ርዊገራ ቅኑዕ ዝኾነ ሰነዳት ኣየቕረበትን ብምባል’ዩ ኣብ ምርጫ ከይትወዳደር ከልኪልዋ።
ርዋንዳ ዋላ ድኣ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይወስኽ’ምበር ሓንቲ ኣብተን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ’ያ ትስራዕ።
ቀንዲ ተወዳሲ ናይዚ ዝተመዝገበ ምዕባለታትን ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተራኣየ ምርግጋእን ከኣ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ’ዩ።
ርዋንዳ ጽርይቲ ዝዀነት ርእሰ ከተማ ዘለዋ ሃገርን ካብ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር እተን 61 ሚኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ብምዃነንን ብጽቡቕ’ያ ትልዓል።
ኣብቲ ኣሜሪካውያን ደረስቲ ፓትሪሻ ክሪሳፉሊን ኣንድርያ ሬድሞንድን ዝጸሓፍዋ ‘ርዋንዳ’ ዝተሰመየት ምጽሓፍ፡ ንፖል ካጋመ ካብ መራሒ ሃገር ወይ ፖሎቲካዊ መራሒ ከም ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓደ ትካል ክትገልጾ ከም ዝቐልል ጠቒሶም ኣለዉ።
ካጋመ ዋላ ድኣ ካብ ሃገራት ምዕራብ ብተደጋጋሚ ነቀፌታ ይበጽሖ፤ እንተዀነ ምስ ገለ ሃገራት ግን ድልዱል ዝምድና ክምስርት ክኢሉ’ዩ።
ሓደ ካብኡ ኣብ ምምላስ ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካየዶ ስምምዕ ከም ኣብነት ክጥቀስ ይክኣል’ዩ።
ብዘይካ እዚ ርዋንዳ ኣብ ስፖርት፡ ባህልን ምዝንጋዕን ብዙሕ ርእሰ ማል ብምፍሳስ ሽማ ኣብ ምኹላት ክትሰርሕ ጸኒሓ’ያ።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ምርጫ፡ ሕቡራት ሃገራት ኣስታት 4000 ወተሃደራት ርወንዳ ንዕጡቃት ኤም23 ንምድጋፍ ናብ ውሽጢ ዲሚክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣትዮም ነይሮም ኢሉ ጸብጻብ ኣብ ዘውጽኣሉ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።
ርዋንዳ’ውን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ ኣይነጸገቶን።
ካጋመ እቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ስልጣን ሒዙ ዘሎ መሪሕነት ነቲ ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ ቅሩብነት ከም ዘየርኣየ ብምግለጽ፡ ርዋንዳ ካብ ብሩንዲን ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ክምጽእ ካብ ዝኽልእ ‘ግዳማዊ ጎንጽታት’ ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ ኣብ እዋን ጎስጓስ ይሕብር ነይሩ’ዩ።